ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ፣ ዝምድናታት ሃይማኖታት ካብ ኣርባዕታት እናተዘርገ ከም ዝመጸ ኩሉ ተኸታታሊ ታሪኽ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ። ሕመረት ናይቲ ጉዳይ ክልቲኡ ሃይማኖታት ድጋፍን ጽግዒን (Support & Protection )ክህቦ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ምድላይ ይነጥፍ ስለዝነበረ እዩ ። ኣብ ጉዑዞ ከኣ ማሕበር ኣንድነት ብ9 መስከረም 1945 ኣብ ኣስመራ ተመስሪቱ ፣ ራቢጣ ኣልእስላሚያ ከኣ ብ20-21 ጥሪ 1947 ኣብ ከረን ተመስሪቱ ። ክልቲኦም ሰልፍታት ኣብ ኣይዲሎጂ ዝሰጠመ ደረቅ ዘይዕረቕ ጽልኢ ኣይነበሮምን ። ብሓንሳብ ይዛተዩን ይላዘቡን ከም ዝነበሩ ታሪክ ይምህረና እዩ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ክልቲኦም ሃይማኖታት ናይ ስራሕ ኣወዳድባ ዝርጋሔ ነይሩዎ እዩ። እንተኾነ እቲ መንግስቲ ነቲ ዝምድናታቱ ከይደልደለ እንከሎ እቲ ፈደረላዊ ውዑል ስለ ዝጎበጦ ክፈርስ ተገዲዱ ።
እቲ ፈደረሽን ምስ ፈረሰ እቲ ብረታዊ ቓልሲ ብ1 መስከረም 1961 ተጅሚሩ ፣ ምስቲ ዝነበሮ ዘይርጉእ ሃዋሁ እቲ ሰውራ ቀጺሉ። እንደገና ኣብ ተሓኤ እቲ ሚዛን ሓይሊ ካብቲ ኢድ ጀማሪ ክወጽእ ኣብ ዝጀመረሉ እቲ ሕቅታት እንደገና ተራእዪ። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ጽላል ተሓኤ ዝነብበረ ሓይለ ተደፊኡ ብ1982 ኣብ ሃገር ሱዳን ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፣ ክሳብ ሕጂ ክምጠጥን ክብተኽን ድሕሪ ምጽናሕ ፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ዝኾነ ጉጅለ ኣብ ዘዝመስሎ ማሕበራዊ ጉጅለ ተወዲቡ እምበር ይደክም ተዘይኮኑ ይምዕብል ክምዘየሎ እናረኣየ ዓወት ዝምጽእ ዘሎ ኮይኑ ይስምዖ ። ይቓለስ ከም ዘሎ ከኣ ይዛረብ ። እዚ ብማዕረ ንክልቲኡ ሃይማኖታት ዝምልከት ውደባ ምዃኑ ከኣ ክሕበር ይፈቱ ።
ሰዲህኤ ንጉዳይ ብሑሕነት ባይታ ክፈጥረሉ ካብ ምጽዓር ተቖጢቡ ኣይፈልጥን ። ምኽንያቱ እቲ እንደልዮ ሰላማውን ዲምክራሲያውን ስርዓት ክረጋገጽ እንተ ኮይኑ ተሳትፎ ናይ ኩሎም ሕብረተሰብኣውያን ሐይልታት ናብ ኩሉ ጽፍሕታት፣ ሎሚ ኣብቲ ሰልፉ፣ ጽባሕ ከኣ ኣብ መጻኢት መግስቲ ኤርትራ ኣድላዩ ምዃኑ ስለ ዝኣምን ። ሰዲህኤ ነዚ ተግሶ እዚ ነቅ ዘይብል መንጻፍ ኣንጽፈሉ ይርከብ ። ቅዋም ሰዲህኤ ሃገራውን ዲምክራሲያውን ዕማማት ዘማለአ ኮይኑ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ንኩሎም ዜጋታት ክእንግድን ክሓቁፍን ዝክእል እዩ ።
እቶም ብጉዳይ ሃገር ክዝትዩ ብጉዱሳት ዜጋታት ዝውደቡ ዋዓላታት ፣ ብዙሕነት ኣየማልኡን እናተባህሉ ዝውቀሱን ዝተፈላላየ ኣስማት ዝወሃቦም ሕደት ኣይኮኑን ። እንተ ኮነ ዓደምቲ ምልኣት ከረጋግጹ ዘይምኽኣሎም ክሕመዩሉ ዝግብኦም ጉዳይ ኣይኮነን ። ምክንያቱ ተበግሶ ይውሰዱ ድኣ እምበር፣ ኣብ ምሕጻይ ሰባት ኣፍልጦ ክሓጽሮም ይኽእል እዩ ። መብዛሖም ካብቶም ዋዕላታ ነዚ ሽፍታ ስርዓት ብኸመይ ክእለ ኣሎዎ ተባሂሎም ዝኽየዱ እምበር ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምክፍፋል ወይ ከኣ በይናኣዊ አምርሃ ጉዕዞ ( road map) ከውጽኡ ዝተወደቡ መድረካት የለውን ።
ኪዳን ብደገፍቱ ሃገራት ብዝተለገሰሉ ገንዘብ ብ2010 ሃገራዊ ዋዓላ ከዋድድ እንከሎ ፡ ከም ቀንዲ ረቛሒ ዝዝረበሉ ዝነበረ ፣ ናይ ኩለን ሕብረተሰባት ኤርትራ ዘንጸባርቅ ባይቶ ምዃኑ ተነጊሩሉን ተጸንቢሉን። እቲ ጸገም ግን እቶም ተጋባእቲ ብልቦም ነቲ ብዙሕነት በቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዕድል ክጥቀመሉን ክዕውትዎን ኣይበቕዑን ። እቲ ፍልልይ ኣብ ክንዲ ዝቅህም መሊሱ ተወሊዑ እናጸንሔ ከኣ ኣብዚ ሕጂ በጺሒዎ ዘሎ ኩነታት ይርከብ ። ባህሊ ናይ ተኸኣኢልካን ተጸዋውርካን ምንባር ክምዕብል ተራ ናይ ኩሎም ድለይቲ ፍትሒ ክኽውን ይግባእ።
ሕጂ እውን ዋዓላ ናይ ኩለን ውድባት እንተ ዘይገበርና ዝብሉ ወገናት ኣሎዉ። ብወገነይ ግን ገንዘብኩም ኣይተባኹኑ ኣይትኽሰሩ ክብሎም እድሊ ። እንተ ኪኢልኩም ነተን ሓደ ፖለቲካዊ ራኢ ዘለውን ውድባት ኣብ ሓደ ከምዝመጻ ግበሩ ። ነቲ ዘይተደላውን ዘይምኽንያታውን ብዝሒ ናይተን ውድባት ኣጉዱልዎ ፣ እዚ ነቲ ሲዒቡ ዝመጽእ እተኻይዱዎ ዘተ ሓጋዚ ይኽውን ። ምክንያቱ ኣቶም ቅድሚ ሕጂ እተኻየዱ ዋዓላታት ስለ ምንታይ ከምዝፈሸሉ ከም ተመክሮ ክንምሃረሉ ኣሎና። መንጎኛ ከትክውንን ተቀባልነት ክህሉወካን ክማልኡ ዘለዎም ድሕሪ ባይታታት እውን ኣገዳስነት ኣለዎም ። እዚ ነቲ ሰፊሕ ንኹሉ ዘሳትፍ ጽላል እውን ዝዕንቅፎ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 8/29/2015 ኣብ ኦክላድ ዝተኻየደ መድረኽ (Bologna Forum) ብዙሑነት ከማልእ ኣይከኣለን ። እቲ እንተታት ነዓደምቲ ገዲፈ ፣ ንሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ክትዕድሞ እንተኮይንካ ፣ከም መምዘኒ ክትጥቀመሎም እትኽእል ነጥብታት ኣለዉ ። እቲ ተዓዳማይ ነቲ እተዳልዎ መደብ ሓጋዚ ኣበርክቶ ክገበር ይክእል ዲዩ ? ተዓዳማይ ኣብ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበሩ ሰላማዊ ሰልፊታትን ሰሚናራትን ርኡይ ተራ ኣሎውዶ ? ተዓዳማይ ብጉዳይ ብዙሕነት ይኣምን ዲዩ ? … ወዘተ ። እንተ ዘኮይኑ ብሃውሪ ንዘይትፈልጦ ሰብ ንስለ ብዙሕነት ክትዕድም እንኮሎኻ ነቲ እትድልዮ ውጺኢት ከምዘይትረኽቦ ክገብረካ ይክእል እዩ።
ኣዳለውቲ Bologna Forum ካብ ዝዓደሙዎም ሓደ ኣቶ ሳልሕ ጋዲ ነይሩ ። ኣቶ ሳልሕ ጋዲ ኣብ ዝካየዱ ሰሚናራት ይኹኑ ሰላማዊ ሰልፍታት ክሳተፍ እንከሎ ፣ ብዝያዳ ከኣ ከም ወናኒ መርበብ ዓዋተ በቲ ዘበርክቶ ስነ ጽሑፍ ንጥፍ ተቓዋማይ እዩ ።በዚ ከኣ ተፈላጥነቱ ጎሊሁ ይርአ፣ ክዕደም ከኣ የምሕረሉ ። ብዝኾነ ካብቶም ብዙሕነት ጎዲሉ ዝብሉ ወገን ስለ ዝኾነ ፡ ነቲ ዕድመ ኣኽቢሩ ምምጽኡን ምስታፉን ነቶም ክልኦት ኣብነት ኽክውን ይኽእል።
ብዝኮነ ካብቲ መደሪኡ እታ ክትበርህ ዝደለኹዋ “ ኣነ መን እየ ኣብዚ “ እትብል ቓል ነቲ ኩሉ እንምነዮ ጉዳያት ብዙሕነት እትትንክፍ እያ ። ምኽንያቱ ኣብዚ ከም ኣማኒ ምስልምና ንበይኑ ስለ ዝመጸ ፣ ከም ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ወይ ዒራቓውያን ተዓዲሙ ዝመጸ እተስሚዕ ዘረባ እያ ። እዚ ኣታሓሳስባ እዚ እዩ ክእረም ዘለዎ። መጀመርያ ከም ኤርትራዊ ዜጋ ተዓዲሙ ዝመጸ ምዃኑ ክኣምንን ንካልኦት ክእምንን ኣለዎ ። ንጉዳይ ሃገር ኣብ መንጎ ፈተውትኻን ኣዕሩኽትኻን ጥራሕ ከትርከብ የብልካን።
ኣብ መዋእል ቓልሲ ኩሉና ንሓንቲ ኤርትራ ከም ኤርትራውያን ተቓሊስና ። ኣብዚ ሕጂ ግን ቀዳማይን ካልኣይን መንነት (Identity) ኣብ ምዕዳግ ወይ ምጥራይ ንርከብ ። ኣብ ሃይማኖታዊ ፍልስፍና ሓድሓደ እምነታት ኣብ ክንዲ ሃገሮም ፣ እቲ ሃይማኖቶም ወይ እምነቶም ፍጹም ቀዳምነት ይህቡዎ እዮም ።በዚ ከኣ ኩሉ ዝምድናታቶም ምስቲ ካሊእ ሕብረተሰብ ብካልኣይ ደረጃ ይስራዕ ። ኣብ ጉዳይ ባህሊ ፣ ኣብ ጉዳይ ዲሞክራሲ ፣ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ነጻነት ፣ ወዘተ። ብሓፈሻ ኩሉ ሞራባዊ ምንጪ ዘለዎ ይነጽጉዎ ። እዚ ኣታሕሳስባ እዚ ኣብ ኤርትራ ሓዲሽ ተርእዮ እዩ ።እንተኾነ ግዜ ንኹሉ ስለ ዝቅይር ክገርመና የብሉን ። ስልዚ እቲ ኣብ ሕድሕድና ዝጸንሔ ናይ ምትእምማንን ምጽውዋርን ባህሊ እናተሃስየ ይመጽእ ከም ዘሎ ተረዲእና፡ ነዚ ኣብ ዲያስፖራ ብክልቲኡ ወገን ዝጽሓፍ ዘሎ ናይ ሕሉፍነት (Extremism) ወፈራ ዘርብሓና ስለ ዘይኮነ ክንነጸጎን ክንኹኑኖን ዘሎና ኣታሕሳስባ እዩ ።
ዘለኣለማዊ ዝክሪ ንስዉእትና
9/15/15