ኣብ ዓለም፣ እተን ህዝበን ናይ ምምራጽን ምድማጽን መሰሉ ተጠቂሙ ስርዓታተን ብዲሞራስያዊ ኣገባብ ዘቆማ ሃገራት ምንጪ ናይ ስልጣን ህዝቢ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ድማ‘ዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “ኣብ ሓራ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፣ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታትን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን” ዝብል ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕያኡ ኣስፊሩ እንረኽቦ።

መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ  እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ እቲ ቀንዲ ዋና ናይቲ ቃልሲ ህዝቢ ምዃኑ እንገልጸሉ ምኽንያታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝያዳ ዝውጻዕን በቲ ለውጢ ዝጥቀምን ንሱ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ እቲ መዐወቲ ናውቲ እንተኾነ‘ውን ኣብ ኢድ ናይቲ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ኩልና ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ብኻልእ መልክዕ ዝተሰለፍና ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ባእታታትን ወትሩ ውክልናናን ተሓላቕነትናን ናይ ህዝቢ ምዃኑ እነነጽርን እነቃልሕን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝካየድ ንቕሎታትን ዝቃላሕ ጭረሖታትን ኩሉ ቅኑዕ ዘይክኸውን ይኽእል‘ዩ። ምኽንያቱ ገለ ካብኡ ናይ ህዝቢ ዝመስል ግና ከኣ ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ወፍርታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል ህዝቢ ነቲ ምስ መሰረታዊ ድሌቱ ዘሳንን ዘየሳንን ኣተኲሩ ናይ ምምማይ ንካልእ ኣሕሊፉ ዘይውሃብ ሓላፍነቱ እዩ። ኣተኲርካ ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ኣየናይ እዩ “ቅኑዕ” ኣየናይከ “ግጉይ” ትብል ናይ ምውሳን ሓላፍነትን እውን ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮን ብቓልሱ ከረጋግጾ ዝጽዕተሉን ዘሎ ዕላማ እንታይ እዩ ዝብል፡ ናብ ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዝወስደና ፍሉጥ እዃ እንተኾነ፡ ብውሕዱ ግና ሓድነቱን ሓድነት ሃገሩን ዘውሕሰሉ፡ ኣብ ጉዳዩ ኣብ ዝበረኸ ናይ ምውሳን ደረጃ ዝቕመጠሉ፡ ኩሉ መሰላቱ ዝረጋገጸሉን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝወጸሉን ኩነታት ምርግጋጽ ከም ዝድግፍ ብዘይጥርጥር ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ይከኣል።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ መቑሓዊ ኣመሓዳድራ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ኣፉ መሊኡ  ክዛራብ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ካብ መቑሕ እቲ ጉጀል ዝወጸሉ ኩነታት ርሑቕ ከምዘይከውን ዘመላኽቱ ምዕባለታት ከኣ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ’ቲ “ምእንታኻ’የ” ዝብሎ ካብኡ ርሒቑ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ውዳበታት እውን ወረን ሓበሬታን የብሉን ማለት ስለ ዘይኮነ፡ ብዛዕብኡ ከሎ ጋና ንጹር ሚዛንን ሓሳብን ክህልዎ ይግባእ። ምኽንያቱ ድሕሪ ውድቐት ህግደፍ እውን፡ ካብዚ ንጹር ሓሳብን ሚዛንን ዝነቅል ተግባር እዩ፣ ዝድህሰስ ውጽኢት ዝርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ክበቅዕ ክዕቅቦም ካብ ዝግበኦ ጸጋታት ቀንዲ እቲ ብዝተፈላለዩ፡ ኣስማት ዝቐያይሩ ወገናት፡ ብውሽጥን ብወጻእን ዝህደድ ዘሎ ሓድነቱ እዩ። ሓድነቱ ንዝህድዱ ኣተሓሳስባታት፡ ሎሚ ብሓሳብ ጽባሕ ድማ ብተግባር “ኣይደልዩንን እዮም” ክብሎም ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ውጽዓ ኣብ ሓድነቱን ግዲኡን ዘየደልደለ ህዝቢ እዩ ዝሰፍር። ምድልዳል ሓድነትን ምዕዋት ኣንጻር ወጽዓን  ፈላሊኻ ከምዘይረኣዩ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ተመኩሮ’ውን ስለ ዝኾነ።

እቶም በጃ ህዝቢ ኢና እንብል፡ ግና ኸኣ፣ ብኣካል ካብቲ ህዝቢ ርሒቕና ንነብር ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ህዝብና ቀንዲ ዋሕስ ቃልስና ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ክንሕግዞ’በር ክንትከኦ ኣይኮነን ዕላማና። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ እንምረሓሉ ናይ ቃልሲ ጭረሖ ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብግቡእ ዘንጸባርቕ እምበር፡ ንናይ ውሱን ውዳበ ስምዒት ሒዙ ዝዕንድር ክኸውን የብሉን። እዚ ክንብል እንከለና‘ውን እቲ ሓቀኛ ንህዝቢ ዝውክል ርኢቶን ኣተሓሳስባን  ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ክጻፈፍ ዝኽእል ከምዘይኮነ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ጽባሕ ብናይ ህዝቢ ቅዋማዊ ውሳነ ናይ መወዳእታ መልክዑ ብዝሕዝ ፍልልይ ሎሚ ኣይንረሓሓቕ እንብል።

ምስ ህዝቢ ኮነ ኣብ ሕድሕድ ውድባትን ሰልፍታትን ዝርከብ ፍልልይ ናብ ጽልኢ፡ ባእስን ተረሓሒቕካ ምንባርን ዝመርሕ ክኸውን ከምዘይግበኦ ብሓሳብ ደረጃ ኩልና ንሰማመዓሉ ኢና። ብተግባር ግና ኣይከምቲ ብሓሳብ እንርድኦን። ገለ ወገናት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ካብ ሰባት ስለ ዘይፍለ ዳርጋ ተፈጥሮኣዊ ገይሮም ይወስድዎ እዮም። እዚ ፍልልያት ኣብ ሕድሕዱ ተፈሓፊሑ ዝወልዶ ናይ ሓባር ሓሳብ ከኣ እቲ ምሩጽ ዘሳኒ ሓሳብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብዚ እዋን፣ ብዛዕባ ኣተሓሕዛና ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ዝርጋሐ ምሕደራ፡ ግደ ቋንቋታትን ባህልታትን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን፣  ዝዓበየ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣቐሚጥና ምስሕሓብ፣ መግለጺ ዘይምክእኣልና ተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን። ምክእኣል ከኣ  ሓቢርካ ናይ ምንባር ወርቃዊ  ሜላ እዩ። እዚ ክከኣኣል ዝግበኦ ሓሳባት ተፈራሪሑ ድዩ ተነዓዒቑ ከካብቲ ዘለዎ ሳናዱቕ ወጺኡ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ተራኺቡ ተፈሓፊሑ ማእከላይ ሃናጺ ሓሳብ እንተዘይወሊዱ ከኣ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ።

ስለዚ “ዋና ናይቲ ቃልሲ፡ ወትሩ ህዝቢ እዩ፡ ለውጢ ከኣ ብህዝቢ ንህዝቢ እዩ” ክንብል እንከለና፡ መሲልካ ንምቕራብን ንመሕብእን ዘይኮነ እንግዘኣሉ መትከል ክኸውን ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ በታ ዘላቶ ውስንቲ ዕድል እውን እንተኾነ፡ ክሳብ ጽባሕ ሓሳቡ ብሰላማዊ ሰልፍን መሰል ናይ ኣደባባይ መድረኽን ዝገልጸሎ ዕድል ዝፈጥር መን እንታይ ይብል ኣሎ ምክትታሉ ክገብር ሓላፍነቱ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ7 ማዝያ 2025 ብትግርኛ ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ካብቲ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝጸንሖ መዝነት ፕረሲደንት  ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተሰናበተ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ብ8 መጋቢት 2025 ምክትል ኣቶ ጌታቸው ኮይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዕዱማት ኣጋይሽን ተዓዘብትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ጌታቸው ንምትካእ ሓላፍነት ተረኪቡ።Untitled 2ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ጌታቸው ናብ ስልጣን ዝመጸሉ ኣዋጃትን ዓንቀጻትን ብምጥቃስ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ጌታቸው ኣብ ትግራይ ዝተረኽበ ጸጥታ ኣብ ምዕቃብ  ንዝነበሮ ግደ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ብምጥቃስ ኣመስጊንዎ፡ ኣብ መጻኢ ብሓባር ክሰርሑ ትስፉው ምዃኑ ከኣ ገሊጹሉ።

ንጌታቸው ረዳ ተኪኡ ፕረሲደት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ንክመርሕ ሓላፍነት ዝርከብ ዘሎ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ንምምዛዝ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምምኽኻር ክግበር ከም ዝጸንሐ ከኣ ኣብቲ ነቲ ምርኽኻብ ብዝምልከት ዝወጸ ሓበሬታ ተመልኪቱ። እቲ ብፕረሲደንትነት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምስረት “ሓቛፊ” ክኸውን ትጽቢት ዝገረሉ ግዝያዊ ምምሕዳራዊ ትግራይ ንክትግብሮም ዝተዋህብዎ 8 ጉዳያት ኮይኖም ካብኣቶም፡ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ምድላው፡ ካብ ውዕል ፕሪቶርያን ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያን ወጻኢ ዝግበሩ ርክባት ምዕጋትን ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ምፍታሕ ዕጥቂ ምቕጻልን ዕጥቆም ዝፈትሑ ምጥያስን  ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ብዛዕባ ዝፈጸሞም ኣውንታውን ኣሉታውን ተግባራት ብዙሓት ወገናት ርኢቶኦም ይህቡ ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብቓልዕ ምንቃፍን ናይ መደዲያ ተጠቃምንነት ዝተፈላለየ ርኢቶ ንዘለዎም ወገናት  ክፉት ብምግባሩን ድማ  ብዙሓት ንኢደምዎ።

እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡  ጌታቸው ረዳ ዩኤምዲ (UMD) ምስ ዝተባህለ መዲያ ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ምእንቲ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ቃልሲ ከም ዝቕጽሎ ሓቢሩ’ሎ።

ነፍስሄር መልኣከ ሃይለ፡ ብ14 ጥቅምቲ 1957 ኣብ ጐዳይፍ ካብ ኣብኡ ቀሺ ሃይለ ገብረኣብን ኣዲኡ ወይዘሮ ኣበባ ገ/ሚክኤልን ኣብ ዓዱ ጐዳይፍ ኣውራጃ ሓማሴን ተወሊዱ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ በጸሐ ድማ ኣብ ጐዳይፍ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ 1973 ድማ ኣብ ናይ ጋራጅን ናይ ስድርኡ ግላዊ ስራሕን ከም ዝተዋፈረ  ታሪኹ ይሕብር።

መልኣከ ኣብ መጀመርያ ብ1974 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ተሰለፈ፡ ብምኽንያት ሕማም’ኳ ኣቋሪጹ እንተነበረ፡ እንደጋና ብ1975 ተመሊሱ ብምስላፍ፡ ኣካልቲ ኣብ ሳሕል፡ ደንከልያን ዝተፈላለዩ ከባብታት ሜዳ ኤርትራን ዝነበረ  ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ተቓሊሱ።

ኣብ ሱዳን ድማ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ቃልሱ ዝቐጸለ መልኣከ፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ምስ ኣተወ እውን ዝተሰለፈሉ ዕላማ ንምትግባር ከይሰልከየ ክሳብ ግዜ መስዋእቱ  ዝተቓለሰ ሓርበኛ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ካብ ሞት ዝተርፍ ስለ ዘየለ፡ ብ24 መጋቢት 2025 ኣብ ሃገረ ጀርመን ዓሪፉ፡ ከምቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ሓርበኛታት፡  ሓመድ ዓዱ ተነፊጉ ኣብ ናይ ስደት ሃገሩ ተቐቢሩ። በዚ መሰረት ንመልኣከ  “መንግስተ ሰማያት የዋርሶ” ንስድርእን ቤተሰቡን ፈተውቱን ድማ “ራሕሲ ይግደፈሎም እናበልና፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ንገልጽ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ “ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ጉዕዞና ከመይ ይመስል ብሓፈሻ“ ኢለ ሓሳባተይ ክገልጽ እንከለኹ፡ ብመጠኑ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ከምዚ ክብል እንከለኹ፡ ኣነ ሰብ እየ ሓሙሽተ ህዋሳት ዘሎኒ ኤርትራዊ ኮይነ፡ ንኩነታተይን ኩነታት ህዝበይን ሃገረይን ክርእን ክዕዘብን ኣእሙሮይ ይድርኸኒ። ስለዚ ንኩነታትና ክገልጽ ሓላፍነት ኣሎኒ። ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩስ ኩሉ ኤርትራዊ/ት እውን ክሓትትን ክምልስን ሓላፍነት ኣለዎ። ኣንታ ክቡር ኤርትራዊ፡ ህዝብን ሃገርን ልኡላውነትን ንስኻ ኢኻ። ስለዚ እዚ ጠቒሰዮ ዘለኹ “ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ” ዝብል ሓረግ ናይ ሂወት መጓዕዝትኻን መነባብሮኻን ኮይኑ፡ እቲ እንኮ ዘማእክልን ሓቛፍን ንደቂ ሰባትን ህዝብን ሃገርን ቅዋማዊ ሕግና ጥራሕ እዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ እዚ ክብል እንከለኹ ኣብዚ 34 ዓመት ኣብ ጉዕዞ ፖለቲካና፡ ማሕበራዊና፡ ቁጠባናን ክብሪ መሰልናን ዋላ ሓንቲ ለውጢ ዘየብሉ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝገደደ ምዃኑ ምስክር ዘየድልዮ እዩ። መነባብሮ ህዝብና ባዕሉ እቲ ቀንድን ሓቀኛን ዝኾነ ህያው ምስክር እዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ ከም ሰብ ከም ኤርትራዊ ክሓስብ እንከለኹ ስለምንታይ ኣብዚ ደረጃ ከም ዝበጻሕና ብዙሕ የተሓሳስበንን የስቆርቁረንን። ኣብዚ ሓደ ርኡይ ሓቂ ኣሎ፡ ሓደ ህዝቢ ኣብ ዝኾነ ፖአለቲካውን፡ ማሕበራውን፡ ቁጠባውን ጉዳይ ሃገሩን ገዝኡን ዘይዋሳእ እንተኾይኑ ሰብየ ምባል’ውን ከጸግሞ’ዩ ዝብል መልሲ’ዩ ዘሎኒ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ ኣነ ኣብዚ ሓፈሻዊ ጽሑፈይ ሓሳባተይ ከቕርብ እንከለኹ፡ ንሕና ኤርትራውያን እኹል-ትሩፍ ዝተፈላለየ ጸጋታት እንከሎና ከመይ ጌሩ ንዓሰርተታት ዓመታት ትሑት መነባብሮ ይህልወና እናበልኩ ከም ሰብ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ኣዝዩ የተሓሳስበኒ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ ወናኒ ፖለቲካኻን ማሕበራዊ ሂወትካን ቁጠባዊ ዕቤትካን ንስኻ ኢኻ። ሓታትን መላስን ድማ ንስኻ ኢኻ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ መንእሰይ ወሎዶ ንፍትሕን ሃገርን ደው ኢሉ ይኣክል ይብል ኣሎ። ስለዚ ዓቢና ንእሽቶና ለባም ምሁር ተመራማሪ ምእመናን ክርስትያንን ሙስሊምን ኣቦን ኣደን ብሓባር እሂን-ምሂን ክንበሃሃል መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ሃገር ብህልኽ ኣይትመሓደርን እያ። ምስ መን ኢኻ ትተሃላለኽ ዘሎኻ። ጽባሕ ንግሆ ደቅኻ ብታሪኽ ከይከሱኻ ተሓታቲ ከይትኸውን ሕሰብ ኤርትራዊ።

ቅዋማዊ ሕግና ጉዕዞ መሰረት ሂወትና!

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ

ሰላም ንህዝቢ ዓለም

ብክፍላይ ተኪአ

ጀርመን                   

ዝምድና: ፖለቲኮ ወተሃደርዊ፣ ማሕበረ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ጠባያት ዘለዎ ፣ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ዝፈጥርዎ ምትእስሳር እዩ። ነዚ ዝምድና ንክፈጥሩ ካብ ዘገድድዎም ምኽንያታት እቲ ቀንዲ በዚ ናይ ሓባር መድረኽ ኣቢሎም ከዐውትዎ ዝደልዩ ናይ ሓባር ዕላማ  ስለዘለዎም እዩ። ተዛመድቲ ኣካላት ነቲ ዝፍጠር ዝምድና ዝደልይሉ ካልእ ምኽንያት ከኣ ነቲ በበይኖም ኮይኖም ከረጋግጽዎ ወይ ክፈጥርዎ  ዘይከኣሉ ዕማም ንምዕዋት ዘኽእል ዓቕሚ ምድላብ እዩ። ዝምድና ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዕዉት ንክኸውን ክማልእሉ ካብ ዘለዎም ነጥብታት ድማ፡ ቀጻልነት ከም ዝህልዎ ምግባሩ እዩ።

ናይቲ ዝምድና ቀንዲ ቆላሕታ ብጐናዊ ምዕባለታት ከይተዳህለልካ፡ እቲ እተማዕድዎ ናይ ሓባር ዕላማ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዚ መስርሕ ክረአ ካብ ዘይብሉ ድማ፡ ምስ ሓደ ክትዛመድ እንከለኻ ምስ ካልእ ናይቲ ሎሚ ትፈጥሮ ዘለኻ ዝምድና ኣካል ዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ ግና ኣብ መስርሕ  ዘድልየካ ወገን ብዓይኒ ጽልኢ ዘይምርኣዩ እዩ። እዚ ማለት ማእከልካ ስሒትካ ናይ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ብሂል ግዙእ ዘይምዃን። እዚ ኣካይዳ ኣብ ክንዲ ነቲ ከተዕውቶ ዝግበኣካ ንምውዕዋት ትቃለስ፡ ናብ ምፍዳይ ሕነ ወሲዱ ስለ ዘህውትተካ‘ዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ክትዛመዶ ዝግበኣካ ነቲ ናይ ሓባር ሸቶ ኣብ ምዕዋት ዝሕግዘካ እምበር ነቲ ሕነ ከተፋድዮ ዝጽገዓካ ክኸውን ኣይግባእን።

እቲ እንገብሮ ዝምድና ከኣ፡ ኣብ መሰረታዊ ጉዳይ ዘትከለ ክኸውን ይግበእ። ምስቲ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት እትዛመዶ ኣካል መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልይ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ መሰረታዊ ናይ ሓባር ዕላማ በቲ መሰረታዊ ዘይኮነ ንኡስን ኣብ መስርሕ ክፍታሕ ዝኽእልን ፍልልያት ክሰዓርን ክኹለፍን ኣይግባእን።እዚ ንክዕወት ከኣ ትዕግስትን ጹረትን ምውናንየድሊ። ከምቲ ሰዲህኤ “ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ምስ ኩሉ ክህልዎም ዝኽእል  ፖለቲካዊ ፍልልያት፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዘቅንዐ ሓባራዊ ስርሓት ከካይዱ ከምዝኽእሉ ሰልፍና ይኣምን።“ ብዝብል ኣብ መትከላቱ ዘስፈሮ። መብዛሕትኡ ግዜ ዝምድናታት ክጅመሩ እንከለዉ ጸገማት የብሎምን። እቲ ጸገም ዝመጽእ መስርሕ ምስ ተጀመረ ንዘጋጥም ዕንቅፋታት እንዳጸረግካ ክትቅጽል ኣብ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ሕሉፍ ተመኩሮታትና ናይ ቃልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘረደኣና። ቀንዲ መበቆል ናይዚ ጸገማት ድማ እቲ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ስስዕቲ ስለዝዕብልሎ ድማ እዩ። ኣብቲ መስርሕ እቲ ናትካ ሓቂ ጥራይ እንዳሰዓረ ናይ ካልኦት እንዳተነጽገ ክኸይድ ናይ ምድላይ ዝምባለ ዝወለዶ ትዕቢትን ኒሕን‘ውን ኣለዎ።

ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክትኣቱ እንከለኻ ጥራይ ኢድካ ኣይኮነን ትመጽእ። ናትካ ርኢቶን ዓቕምን ወኒንካ ኢኻ ትኣቱ። እቲ ሒዝካዮ እትኣቱ ዓቕሚ ክወዳደር እምበር በይኑ ነቲ ናይ ሓባር ሜዳ ክዕንድረሉ ማለት ከም ዘይኮነ ምርዳእ ከኣ የድሊ። ካብዚ ሓሊፉ ክትዋሳእ ዘይኮነስ ነቲ ካልኦት ዝዋስእዎ ክትዕዘብ ጥራይ፡ ዝእቶ መድረኽ ንዓኻ ኣየርብሕን ንመዋስእትኻ’ውን ከምኡ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ውድብካ ክትዓሞ ዝግበኣካ ዕዮ ከይዓመምካ ምስ ጸገማትካ ኣብ ካልእ ናይ ሓባር መድረኽ ክትጸምድ ምፍታን እንተኾነ‘ውን ናይ ጸገም ጸገም እዩ ዝኽውን። ሓባራዊ መድረኻት ክሰፍሕን ክጸብብን ከም ዝኽእል ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኢና። ናይ ብዙሓት በብዓይነቶምን ቁጽሮም ዝተፈተኑ ውዳቤታትን ምትእስሳርን ንኹልና ልሙዳት ሓረጋት እዮም ነይሮም። ኣጀማምረኦምን ኣወዳድእኦምን ከመይ ነይሩ ካልእ ኮይኑ፡ እንተዝሕይሉን እንተዝቕጽሉን እውን፡ በበይኖም ነቲ ኩልና ብሓባር ክንፈጥሮ ዝግበናን ንጽዕተሉ ዘለናን ሰፊሕ ጽላል ወይ መድረኽ ዝትክኡ ኣይነበሩን ኣይኮኑን‘ውን። ክሳብ ነዚ ንብሎ ዘለና ሰፊሕ ጽላል ዘይተጻብኡ ምህላወም ግና ዝንጸግ ኣይኮነን። ዕላምኦም ግና ብኸመይ ተኣኪብና ንመወዳድርትና ነጥቅዕን ንነጽግን ዘይኮነስ ብኸመይ ተኣኪብና ነቲ ህዝብን ሃገርን ዘማስን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንቕይርን ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንትክእን  ክኸውን ይግበኦ።

ሓርበኛ ሓው ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1949 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ዓዲ ዃላ ኣብ እትርከብ፡ ዓዲ ባሕሮ ተወሊዱ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ክሳብ 8ይ ከፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ  ዓዲ ዃላ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ከይዱ ክሳብ መበል 12 ክፍሊ ቀጺሉ።  ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ድማ ኣብኡ ብሞያ ምምህርና ክስልጥንን ከም መምህር ከስትምሃርን 5 ዓመታት ጸኒሑ። ካብኡ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ።

ነፍስሄር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ 60ታት ምስ መዛንኡ በዓል ዓብደላ ሓሰንን ገረዝጊሄር ተወልደን ካብቶም  ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንጡፋት ዝነበሩ ተመሃሮ ሓደ ነይሩ። ኣብ 1965 ወርሒ 3 ብተመሃሮ ልዑል መኰነን እተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ንጡፍ ተራ ነይሩዎ። ኣብ 1966 በብሓሙሽተ ኣሃዱታት ኣብ ምቛምን ካልእ ኣገደስቲ ስርሓት ኣብ ምክያድን ዝንኣድ ግደ ኣበርኪቱ።  ኣብ 1974 ወርሓት ክረምቲ ድማ በታ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝነበረት ስትርቲ ጉጅለኡ ተወኪሉ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ  ኣኼባ ንምስታፍ ናብ ሱዳን ከሰላ  ከይዱ።

ኣብ ሱዳን ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ጸነሐ፡ ንቐጻሊ ውድባዊ ተልእኮ፡ ብስቱር  ብተሰነይ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ፡ ካብኡ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ተመሊሱ። ድሕሪ ንዝተወሰነ ግዚ ትምህርቱ ምቕጻል ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ።  ኣብቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ዓዲ ዃላን  ሰንበልን እሱራት ዘውጸኣትሉ ስርሒት 1975፡ ኣብ ናይ ዓዲ ዃላ ድሕሪ ምስታፉ ድማ፡  ኣብቲ ዓመት  ናብ ሜዳ ወጺኡ ኣብ 2ይ ሃገራዊ ጉባአ ተሓኤ ከም ዝተሳተፈ ብህይወት እንከሎ ዝሃቦ ቃል የረድእ።

ጸጋይ ተስፋይ እቶም ምስጢራዊ ስረሓት እናካየዱ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝወደቑ ሓርበኛታት ወልደዳዊት ተመስገንን ስዩም ዑቕባሚካኤልን ምስተኣሰሩ፡ እቲ መስርሕ ቃልሲ  ንከይቋረጽ ንዓኣቶም ተኪኦም  ካብ ዘቐጸልዎ ተበዓት መንእሰያት ሓደ ምንባሩን ናይታ ተጋዳላይ ዓብደላ ሓሰን ዝመርሓ ዝነበረ ጉጅለ ኣባል ከምዝነበረን’ውን ብቐረባ  መቓልስቱ ይምስክሩ።።

ጸጋይ ኣብ መደበር ተዓሊም ስዉእ ዶር ፍጹም መባእታዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ምስ ወሰደ፡  ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረተ ሰብኣዊ ጉዳያት ክፍሊ ትምህርቲ ተመዲቡ ብትግሃት ተቓሊሱን ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ንትምህርቲ ዝምልከት መጽናዕቲ ንምክያድ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ኣብ ሓይሊ 425 ተመዲቡን። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ምጣነ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ጋሽ ተመዲቡ ወኪል  ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ከተማ ዓሊግድር ኣባል ስውራዊት ሽማግለ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪኡ ድማ  ኣብ ክፍሊ ኢንዱስትርን ክፍሊ ስንቅን ግቡኡ ፈጺሙ።

ድሕሪ ናይ ተጋድሎ ሓነት ኤርትራ ናብ ሱዳን ምእታው ከኣ፡ ኣብ ከሰላ ኣባል ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ሓላፊ ክፍሊ ገንዘብን መምህርን ኮይኑ ክቃለስ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ። ኣብኡ’ውን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ንጡፍ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ።

ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ወዲሰብ ብምዃኑ ከኣ፡  እነሆ ብ27 መጋቢት 2025 ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ  ተፈልዩ፡ ናይታ እዚ ኩሉ ዋጋ ዝኸፈለላ ኤርትራ ሓመድ ተነፊግዎ ኣብታ ናይ  ስደት ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ክለብስ እዩ።

እቲ ንሃገርን ህዝብን ዝኸፈሎ ዋጋ “ከም ናይ ኩሎም ስዉኣት ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክዝከር ክነብር እዩ።”  መሪሕነትን ኣባላትን ሰዲህኤ ከኣ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃንና እናረጋገጽና፡ ንስዉእ ብጻይና “መንግስተሰማይ የዋርሶ፡” ንቤተሰቡን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ድማ “ጽንዓትን ኣኻእሎን  ይሃበና” ንብል።

 ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ህዝቢ ትግራይ ንፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል “ብቑዓት እዮም” ዝብሎም ሕጹያት ንክረቁሕ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኡ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.) ብምሕባር ብ26 መጋቢት 2025 መጸዋዕታ ከም ዘቕርበ ዝተፈላለያ መዲያታት ኢትዮጵያ ገሊጸን። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ መጸዋዕታኡ እቲ ዝርቋሕ “ስረሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ብብቕዓት ዘተግብር ክኸውን ይግበኦ” ከም ዝበለ ከኣ ተጠቒሱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ፡ ብናይ ግሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ብቋንቋ ትግርኛ ክኸውን እንከሎ፡  ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምስረት እንከሎ፡ ዝተዋህቦ ግዜ 2ተ ዓመታት ምንባሩ ጠቒሱ ኣድላይ እንተኾይኑ ንክናዋሕ ዝፈቅድ እዩ ነይሩ ክብል ኣስፊሩ። ብዛዕባ እቲ መጸዋዕታኡ ከብርህ እንከሎ ብመሰረት፡ ዓንቀጽ 62/9 ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብኣዋጅ  359/1995 ቁጽሪ 15(3) ዝጸደቐ እዩ። እዚ ኣዋጅ ኣብ ሓደ ክልል ሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ ፈደራኣልዊ መንግስቲ፡ ነቲ ዝጸንሐ ናይቲ ክልል ቤት ምኽርን ላዕለዋይ ፈጻሚ ኣካልን ኣጊዱ፡ ተጸዋዕነቱ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ  ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዘኽእሎ እዩ።

ብመሰረት መጸዋዕታ ኣብይ ኣሕመድ፡  በዚ ኣገባብ ዝቐውም ግዝያዊ ምምሕዳር ዕድመኡ ካብ 2 ዓመታት ከምዘይነውሕ ብምጥቃስ፡ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣድላይነቱ መዚኑ ን6 ኣዋርሕ ጥራይ ከናውሖ ከም ዝኽእል ኣብቲ ኣዋጅ ዝተመልከተ ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ናይ 1995 ኣዋጅን ስምምዕ ፕሪቶርያን መሰረት ብምግባር፡ 9 መጋቢት ብ2015 ብዝወጸ ኣውጅ 533/2015 ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ከም ዝተመስረተ ድማ ተጠቒሱ። ናይቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀንዲ ተልእኮ “ቀጻሊ ምርጫ ምድላው” ከም ዝነበረ እውን ሓቢሩ።

ስለዚ እቲ ቀንዲ ዕማም ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ስለ ዘይተተግበረ፡ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ሓድሽ መምርሒ ኣውጺእካ ንቀጻሊ ሓደ ዓመት ዝመርሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ምምስራት፡ ናይ ግድን ከም ዝኾነ ኣብቲ ሕጹያት ናይ ምርቋሕ መጸዋዕታኡ ጠቒሱ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምንዋሕ ዕድመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ናይ ፓርላማ ኣኼባ እውን ገሊጽዎ ነይሩ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፕረሲደንት ትግራይ ንምምራጽ ይኽትሎ ንዘሎ ኣገባብ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡሎ።

እዚ ምስሊ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተወስደ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዙሕ ዘይተዘርበሉ፡ ኣብ ውሱን ከባቢ ጥራይ ኣጀንዳ ኮይኑ ዝጸንሐ ስቓይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዘድልዮ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ዛዕባ ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዘውጽኡ ኣካላት ሓደ ዝኾነ “ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን” ነቲ ኩነታት፡ “ነፊጾም ከይዶም ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዓብይ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ” ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ስደት ኣብ ኤርትራ ጌና ኣየብቀዐን” ኢሉ፡ ኤርትራውያን ከም መንግስቲ ተገዲሱ ዝሕለቐሎም  የለን ኢሉ “እቶም በዚ ተረኽቦ እንግደስ እቶም ብጉዳይ ህዝቢ እንሓምም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኣካላት ኢና” ክብል መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ፖለቲካ ሊቢያ፡  ካብ 2020 ጀሚሩ ዝያዳ ክበላሾ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ከም ውጽኢቱ ቀንዲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ሊቢያ’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እውን ብመንገዲ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ ንምስገር እትምረጽ ሃገር ብምዃና ክሳብ ሎሚ ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግህሰታትን ዓመጻትን ምዃኖም ጌና ቀጻሊ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ነቶም መንግስቲ ህግደፍ ዝኸሓዶም ጽጉማት ክንገብረሎ ካብ እንኽእሎ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ሰብኣዊ  ትካላት ከይሰልከያ ክሕግዘሎምን ክጣበቓሎምን ብቐጻሊ መጸዋዕታ ምቕራብ እዩ። እቶም ግዳያት ዘስምዕዎ ዘለዉ ኣውያትን መጸዋዕታን እውን ነዚ እዩ።

ስደት መፍትሒ ከምዘይከውን ተደጋጊሙ ዝተገልጸ’ኳ እንተኾነ፡  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ስደት ዝደፍእ ምዃኑ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት ዝገብርዎ ጉዕዞ ውሑስ ምዃኑ ከረጋግጹ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተደጋጊሙ ዝተገለጸኳ እንተኾነ፡ ሎሚ እውን ክንደግሞ ንግደድ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊቢያ ይሳቐዩ ንዘለዉ  ኤርትራውያን ስደተኛታት በብዘለና ተኽእሎ ምሕጽንታኦም ከነቃለሓሎም ከም ዝግባእ  ነዘኻኽር።