ልዕሊ 100 ተመዛበልቲ ተቐቲሎም፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ኤርዶጋን ተራኺቡ

2025-04-13 08:48:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 114 times

ኣብ ሱዳን ሰሜን ዳርፎር፡ ዛምዛም ኣብ ዝተባህለ መዕቆቢ ተመዛብልቲ 9 ሰራሕተኛታት ዓለምለኸ ትካል ሕክምናዊ ረዲአት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካላት ኣፍሊጠን።  እቲ ቅትለት ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።

ብኻልእ ወገን ድማ መራሒ ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ብ12 ማዝያ 2025 ኣብ ቱርኪ ከተማ ኣንታሊያ ምስ ፕረሲደንት እታ ሃገር ጠይብ ኤርዶጋን ተራኺቡ ብዛዕባ ሓባራዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ከም ዝተመያየጠ ተሓቢሩ።

መዕቆቢ ዝተመዛበሉ መደበር ዛምዘም ካብ ከተማ ኢል ፋሻር 12 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ እቲ ዘይሰብኣዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ፡ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጉጅለ ደገፍቲ መዲያታት ነቲ ፍጻመ ዝምልከት ቪድዮ ብዝምርጋሕ ከም ዘረጋገጸኦ ተፈሊጡ። ኢብራሂም ካተር ዝተባህለ ዲረክተር ጀነራል ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳንን ግዝያዊ ሚኒስተር ምምሕዳር ሰሜንን ዳርፎርን ፡ እቲ ብሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ብዝወሰዶ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም ካለኦት ህጽናትን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝርከብዎም ብዙሓት ከኣ ከም ዝቖሰሉን ኣቃሊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጀነራል ኣል ቡርሃን ናብ ቱርኪ ኣንታልያ ዝኸደሉ ምኽንያት “ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ” ብዝብል፡ ናይ ቱርኪ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኣብ ዘዳለዎ እሞ ብዛዕባ ዓለምለኻውን ዞባውን ብደሆታት ምይይጥ ዝተኻየደሉ ርክብ ንምስታፍ እዩ። ምስዚ ኣኼባዚ ጐኒንጐኒድማ  ምስ ፕረሲደንት ቱርኪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ዘለዉ ብደሆታትን ክልቲኦም ወገናት ክተሓጋገዝሉ ዝኽእሉ መዳያትን ንምድህሳስ ኣብ ዝምልከት ከም ዝተመያየጡ፡ ንመገሻኡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ጅነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ዝተዓደመሉ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ቱርኪ ንመንግስቱ ክትህቦ ብዛዕባ ዝጸንሐት ደግፍን ኣብ ልኡላውነት ሱዳን ዘለዋ ጽኑዕ መርገጽን ዝምልከት ከም ዝገለጸ  ተሓቢሩ። ተዓዘብቲ ብወገኖም  ቱርኪ ኣብ ኩለ-መዳያዊ  ዳግመ-ህንጸት ሱዳን ግደ ከም ዝህልዋ ይሕብሩ።

ብኻልእ ወገን ድማ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ተጓዒዙ   ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘመዝገቦ ዓወት ኤርትራ ንዝገበረትሉ ሓገዛት ከም ዘመገነ ናይ ህግደፍ መዲያታት ከይተረፋ ምሕባረን ዝዝከር እዩ

Last modified on Sunday, 13 April 2025 10:58