ኣብ ቃልሲ ቀዳምነትካ ምስራዕ ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን ውሕሉል መንገዲ ዓወትን ምዃኑ፡ ዝከሓድ ኣይኮነን። ቀዳምነትካ ምስራዕ፡ ኣብ ከምዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ፖለቲካዊ መስርሕ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ሰባት’ውን ወሳኒ እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ምስራዕ ቀዳምነት ዝረአ ድኽመት ንምግላጽ እዩ ከኣ “ሰረገላ ቅድሚ ፈርስ” ወይ ድማ “መርዓዊ ከይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዘብል። ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ብቑዕ ዘይምዃን፡ ኣብ ቃልስና ንሓርነት ከሕድረልና ዝጸንሐን ዘሎን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ናጻ ልኡላዊት ሃገር ብዘይምውሓስ፡ ካልእ ምምናይ ዝከኣል ዘይምዃኑ ስለ ዝተረደአ እዩ፡ “ቅድሚ ኹሉ ንሃገረይ” ኢሉ ቃልሱ ንናጻነት ከቐደመ። ምእንቲ ሃገር ክቃለስ እንከሎ ግና፡ ጎኒ ንጎኑ ኪኖ ናጽነት ዘማዕድዎ ሓርነታዊ ባህጊ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ኣብቲ መሪር ቃልሲ’ውን፡ ሰላም ዝዓሰላ፡ ዕቤት ዘውሓስትን ህዝባ ኣብ ኩሉ መዳያት ልዕልናኡ ዘረጋጸላን ሃገር ምእንቲ ክትኮነሉ ዝጭርሕን ንምዕዋቱ ባይታ ዝምድምድን ዘነበረን።
እቲ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ንናጽነት ቀዳምነት ዘይሕዝ ዝነበረ ዛዕባ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቅድሚት ክመጽእ እትጽበዮ ምቅይያር ነይሩ። በዚ መስረት እዩ ከኣ ሕቶ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ፍትሕን ቅድሚት ሰሪዕና ምእንታኡ ክንቃለስ ዝጸናሕናን ዘለናን። ህግደፍ ከኣ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ከምዚ ሎሚ ዘላቶ ኣሸቕሪሩ ናይ ምሓዛ ሕቡእ ህርፋን ስለ ዝነበሮ እዩ ከምኡ ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን።
ሎሚ ነቲ ብናይ ቃልሲ መስርሕ ሓሊፉ፡ ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ምርጫን ኣህጉራዊ ሕግታትን ተቐባልነቱ፡ ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተሰረተ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ክንቕንቑ ዝፍትኑ ዘለዉ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት፡ ክፍክሩን ክምክሑን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ተርእዮ ብልሑ ወሲኹ ይመጽእ ብምህላዉ ኣብ ኣቀማምጣ ቀዳምነታትና ለውጢ ዘኸትል ተረኽቦ ስለ ዝኾነ፡ “ንምዕቃብ ልኡላውነት ሃገር፡ ካብ ምውጋድ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ብዘይፍለ” እንተሰራዕናዮ ዘገርም ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ’ቶም ዝተዋሕሰ ልኡላውነትናን ሃገራዊ ክብርናን ንድሕሪት ብምምላስ “ዋላ ኣይገበኣና የድልየና እዩ” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ስምዒታውያን ወገናት፡ ኣብ ቅሉዕ መድረኻት ይስምዑ ኣለዉ። ብሰንክ’ዚ ዘይሓላፍነታውን ትምክሕተኛን ፈኸራኦም ውግእ ከይክፈት ድማ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ፡ ኣብ ዝሰግኣሉ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ነዚ ሓደገኛ ኣቕጣጫ ዝኾልፍ ቃልስሲ ቅድሚት ክንሰርዕ ከኣ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ እዩ። ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚ ደጋጊምና “ልኡላውነት” ዝብል ዛዕባ ናይ ምልዓልና ምስጢር ከኣ እዚ’ዩ።
ገለ ወገናት፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ “ምዕቃብ ልኡላውነት” ክብል እንከሎ፡ ነቲ ሃገር ናብ ኩሉ መሰላት ህዝቢ ዝተጋህሰላ፡ ተስፋ መንእሰያት ኣብ ዓዶም ኣጸልሚቱ ስደት ንቡር ዝኾነላ፡ ኣብ ክንዲ ኣብያተ- ትምህርትን ሕክምናን ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝበዝሓላ፡ ትካላት ፍልጠት ዝተዓጽዉላ፡ ጽምዋን ተነጽሎን ዝሳዕረረላ፡ ስግኣት፡ ምፍርራሕን ስቓስይን ንቡር ናብ ዝኾነላ ቀይርዋ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብምዝንጋዕ ይመስሎም ይኸውን። እንተኾነ እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ ንመግዛእቲ ባዕዳዊ ጸላኢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘቤታዊ ጭቆና እውን ዝስከም እንግደዓ ስለ ዘይብሉ።
ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ኣእቲኻ ናይ ምዝራግ ህውከተኛ ተግባራት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝፈልጦ፡ ኣብ ምዝርዛሩ ከይኣተና፡ እቲ ቃልሲ ትካላት ህግደፍን ኣዕናዊ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራቱን ተወጊዶም ኣርዑት ጭቆና ካብ እንግደዓ ህዝብና ክሳብ ዝውገድ ዝቕጽል እምበኣር፡ ከምቲ ህግደፍ ዝሓስቦ፡ ህዝቢ ደገደገ ከም ዘማዕዱ ጌርካ ብምጥምዛዝን ነቲ ዝፍጽሞ በደላት ከም ብልጽግና ናብ ዝኣመሰሉ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣሰኪምካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።
እኳ ደኣ ኣካይዳ ኢሳያስ ኤርትራዊ ልኡላውነት ብኸምዚ ንዕዘቦ ዘለና መወራዘዪ ንክኸውን እጃም ስለ ዘለዎ፡ ዝያዳ ኣምሪርና እንቃለሶ እዩ ዝኸውን። ኢሳያስ ንኣብይ ሕመድ ዓሊ ተጠሊዑ፡ “ ፈቓድ ከይሓተትካ ከም ድላይካ፡ ብዓሰብ ጀሚርካ ብባጽዕ ኣቢልካ ክሳብ ተሰነይን ኡመሓጀር ክትዕንድረሉ ከልካሊ ኣይክህልወካን’ዩ” ዝበሎ ነዚ ኣብዚ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ገልጠምጠም፡ ኣየተባበዖን ዝበሃል ኣይኮነን።
ነቶም ሎሚ’ውን ኣብ ክንዲ ንዝሓለፈ ጌጋ ዘእርሙ፡ ግጉይ ታሪኽ ደጊሞም ኤርትራዊ ሃገርነት ብምኽሓድ፡ ካብ ወሰናወሰ ሓሊፎም፡ “ኤርትራ ብምልእታ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ኣካል’ያ” ዝብሉ ዘለዉ፡ ናይ ኢሳያስ ዘይመትከላውን ዘይጥንቁቕን ኣተሓሕዛ ዝምድና መሻሕረቲ ኮይንዎም እዩ እንተተባህለ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።
በእዞም ሎሚ “ልኡላውነት ኤርትራ ረኣኹ ሰይጣን ረኣኹ” ዝብሉ ዘለዉ፡ ኣብይ ኣሕመድን መዳመቕቱን “ኣነን ኢሱን ተደሚርና እንካፈሎ ዓሰብ ይኸውን” ክብሃል እንከሎ፡ ኢሳያስ ብሓጐስ ክጭደድ ኢሉ፡ ኣፍልቡ እናወቐዐ ደገፉን ሓጐሱን ይገልጸሎም ምንባሩ ከኣ፡ ምስዚ ሎሚ ዝኽሰት ዘሎ ምዕባለታት ኣዛሚድና እንርእዮ እምበር፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀልባዕባዑን ካብ ተሓታትነት ናጻ እንገብረሉ ተመኩሮ ኣይኮነን። ናይቲ ዲክታተር ኣብ ናይ ካለኦት ሃገራት ጉዳይ ኣቲኻ፡ ዓራቓይ ዘይኮነ ኣጓድ ሓዊ ምዃን’ውን፡ ነቶም ኣንጻር ልኡላውነትና ዝሕንሕኑ ዘለዉ ምኽንያት ከም ዝኾኖም ንዕዘቦ ዘለና እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትዩ፡ ህወሓት፡ ኣምሓራ ፋኖን ኦነግን ዝኣመሰሉ ተጻረርተይ፡ እናዕጠቐን እናሰልጠነን “ሰላመይን ሓድነተይን ይዝርግ ኣሎ’ሞ ዓገብ በሉለይ” ዝብል ፋይል ከፊትሉ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ናይ ምውራር ህርፋኑ ተቐባልነት ንምርካብ፡ ነዚ ኢሳያስ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጣልቃ ኣእታውነት፡ መጣልዒ ከም ዝጥቀመሉ ርዱእ እዩ።
ካብቲ ኣብይ ብጥሪኡ ብዙሓት ስለ ዝኾናስ፡ “ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ይግበኣና’ዩ” ዝብሎ ዘሎ፡ እቲ “ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትያ ትዘርገኒ’ላ” ዝብል ክሲ፡ ምስቲ ናይ ኢሳያስ ድሕረ-ባይታ ተዛሚዱ፡ ዝሓሸ ዓዳጋይ ከም ዝረኽበሉ፡ ምልክታት ኣለዉ። ስለዚ ከምቲ “ንልኡላውነት ምጥባቕ፡ ጭቆና ህግደፍ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን” ዝበልናዮ፡ ኢሳያስ ልኡላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣብ ምእታው’ውን ኣስተዋጸኦ ስለ ዘለዎ፡ ኣንጻርቲ ተደጋጋሚ ጸረ ህዝብን ሃገርን ተግባራቱ ክንቃለሶ፡ እምበር ክንንሕፎ ዘይግባእ’ዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ብ21 ለካቲት 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ መስርሕ ኣገልግሎት ሕክምና ጠቕሊሉ ከይዓኑ ዘለዎ ስግኣት ኣፍሊጡ። እቲ ምዕናው ትካላት ብሰንክቲ ህይወት ብዙሓት ዝበልዕ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ ለካቲት ጥራይ፡ ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ’ውን ኣስፊሩ። ካብቲ መጥቃዕትታት እቲ 3 በቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ (RSF) ኣብ ኮርድፋን ዝተፈጸመ ምዃኑን ብሰንኩ 30 ሰባት ከም ዝሞቱን ጠቒሱ፡ እቲ ራብዓይ ድማ ማዝሞም ኣብ ዝተባህለ ሆስፒታል ዝተፈጸመ እዩ ኢሉ።
ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ናይ X ገጹ ቃልብቓል ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ሱዳን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ቀጻሊ እዩ፡ እዚ ድማ ትካላት ጥዕና ምሉእ ብምሉእ ናብ ዕንወት ዘብጽሕ ከይከውን ዘስግእ እዩ” ይብል። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ መጥቃዕትታት ሞት ተዓቚቦም ዝነበሩ ሕሙማትን ኣለይቶምን ኣብ ርእሲ ምስዓቡ፡ ነቲ ትካላት እውን ከም ዝፍረሶ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ብመሰረት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2026 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ጸብጻብ፡ ኣብ ሱዳን 4.37% ትካላት ጥዕና ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ከም ዘቋረጸ፡ እቲ ዝተረፈ 63% ድማ ኣዝዩ ድሩት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከም ዝርከብ ሓቢሩ። ብሰንክ’ቲ ኩነታት ብፍላይ ነፍሰ ጾራትን ህጻናትን ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ኣፍሊጡ።
ትካል ጥዕና ዓለም ኣብዚ ሕዚናዮ ዘለና ዓመት፡ 4.9 ሚልዮን ተመዛቢሎም ዝጸንሑን 8.1 ድማ ህጽናትን ኣደታትን ዝርከብዎም 20.4 ሚልዮን ሰባት ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ 97.7 ሚልዮን ዶላር ከም ዝደልዮ ኣብቲ መግለጺኡ ጸዊዑ።
ባህግና Eri Bahgna Media 22.02.2026 ፈታዊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢዩ ክትብሎውን የጸግም ኢዩ፡ ሎሚ ኸ ምስ መን ተጻሚድካ ንመን ንምጥፋእ ኢዩ
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
إرتريا- التوق للإنتاجا لمُعاناةِ 19.02.2026
Written by Eritrea Al Touqጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ናይቲ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኤ.ኤፍ.ፒ (AFP)፡ ብ19 ለካቲት 2026 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ክልል ትግራይ ከይገይሽ ተኸልኪሉ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከም ዝተመልሰ እቲ ትካል ኣብፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ እውን ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝቢ ድምጺ ክኾኑ ዝገበኦም ጋዜጠኛታት ተጽዕኖን ገደብን ብምፍጣር ከምኡ እውን ብምእሳር ክንቀፍ ዝጸንሐ እዩ።
ነቲ ናብ ሽረ ክብገስ እንከሎ ዝተኣገደ ጋዜጠኛ ዝተዋህቦም ምኽንያት፡ መገሻኡ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይጸደቐን ዝብል ምዃኑ እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ዝተባህለ፡ ካብቲ እቲ ጋዜጠኛ ዝተኸልከለሉ ዕለት ክትግበር ዝጀመረ’ዩ እውን ተባሂሉ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ብዛዕባቲ መንግስቲ ኢማራት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ንተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ንምሕጋዝ መደበር ታዕሊም ምምስራታ ዘቃልዕ ዜና ምስ ዘርግሑ ፈቓዶም ከይሕደስ ከም ዝተኸልከለ ድማ ኤኤፍፒ ጠቒሱ።
ሪፖርተራት ብዘይዶብ ብወገኑ ነቲ ናይቲድ ጋዜጠኛ ካብ መገሻ ምእጋድ፡ ንናይ ሓበሬታ ናጽነትን መሰልን ዝጥሕስን ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ መዲያታት ዕንቅፋት ዝፈጥርን እዩ ኢልዎ። ሪፖርተርስ ብዘይዶብ ንኢትዮጵያ ብመንጽር ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 145 ሰሪዕዋ ዘሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዜጋታቱ ናብ ክልል ትግራይ ከይጐዓዙ ዝመክር ቅድሚ ሕጂ ኣውጺእዎ ዝነበረ መግለጺ ኣሕዲስዎ። ነቲ መጠንቀቕታ ዘሕደሰሉ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ምስሕሓባትን ስግኣትን ይጋደድ ስለ ዘሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ከምዚ ዝኣመሰሉ ዜናታት ዝዝርግሑ ዘለዉ፡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ብብዝሒ ናብ ሰሜናዊ ከባብታት የጓዕዝ ከም ዘሎ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ ህሞት እዩ።
ዓለም ለኻዊ ትካል ቅልውላው፡ ኣብ ከባብና ብዘሎ ቅልውላው ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዓለም ለኻዊ ትካል ቅልውላው (International Crisis Group) ዝተባህለ ትካል; ብ18 ለካቲት 2026 ኣብ መርበቡ ነዊሕ ጽሑፍ ኣስፊሩ። ኣብቲ ዘውጸኦ xHuf ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብቕልጡፍ ዝዓርግ ዘሎ ናብ ውግእ ከይምዕብል ኣዝዩ ዘስግእ ቅልውላው ከም ዘሻቐሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ድሕሪቲ ቅድሚ 3 ዓመታት ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው ዝበለ ደማዊ ውግእ ትግራይ፡ ሓድሽ ኣዕናዊ ውግእ ከይክፈት ዝሓደሮ ስግኣት ብምግላጽ፡ ናብዚ ኣስጋኢ ውግእ ክወስዱ ዝኽእሉ ብዙሓት ምልክታት ይረኣዩ ከም ዘለዉ ከኣ ጠቒሱ።
ናይቲ ውግእ ሳዕቤን ነቶም ኣብቲ ናይ ቅድም ውግእ ተሳቲፎም ኣዕናዊ ማህሰይቲ ዝወረዶም ሰለስቲኦም ኣካላት፡ ተወሳኺ ከቢድ ጉድኣት ከውርደሎም ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ኣተሓሒዙ እቲ ክባራዕ ዝኽእል ውግእ ናብ ጐረቤት ሱዳንን ካለኦት ኣብዚ ዞባ ዝዋሰኣ ዘለዋ ሃገራትን ክልሕም ከም ዝኽእል ብምዝኽኻር ድማ፡ ክሳብ ናብቲ ሰፊሕ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ክሰፍሕ ከም ዝኽእል’ውን ግምቱ ኣስፊሩ።
ኣተሓሒዙ ድማ ተሰማዕነት ዘለወን ሃገራትን ትካላትን ኣፍሪቃን ምስ ዝዛመድወን ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ዘለዉ ኣካላት፡ ነቲ ከይክፈት ዝስግእ ዘሎ ውግእ ንምግታእ ዲፕሎማሲያዊ መፍትሒ ኣብ ምርካብ ክነጥፋ ኣተሓሳሲቡ። ነፍሲ ወከፍ እቲ ጉዳይ ዘሻቕላ ሃገር፡ ነቶም ናይቲ ውግእ ቀንዲ ተዋሳእቲ ወገናት ቀሪባ ዘለዎም ስግኣታትን ስኽፍታን ሓቲታ ክትርዳእ ክትክእል ይግበኣ ዝብል ሓሳብ ድማ ኣስፊሩ።
ብፍላይ ከኣ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ምውናን ሃቐነን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣትን ብዓንተቦ ብግዱሳት ኣካላት ተ ክጽናዕ ይግበኦ ኢሉ።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ሰፊሕ ጽሑፍ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ቅልውላው፡ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ፍልልያትን ምፍንጫላትን ሰፊሕ ተንታን እዩ ኣቕሪቡ። ንብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖ ኣብ ዝምልከት ድማ፡ መንቀሊኡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ከም ዝተሓሓዝ ብምዝኽኻር፡ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምብጻሕ ዝተራእየ ኣመዓባብላ’ውን ዘርዚሩ።
ናብ ሃገረን ዝምለሳ ሱዳናይውያን፡ ኣብ ኤምባሲኤን ፓስፖርተን እናሕደሳ
ላዕለዋይ ኮሚተ ምምላስ ወለንታውያን ሱዳናውያን ካብ ኡጋንዳ፡ ናይ መጀመርያ በረራ ካብ ኢንተበ ናብ ፖርት ሱዳን፡ ካብ 20 ለካቲት 2026 ከም ዝጅመር ብ14 ለካቲት 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኡጋንዳ ኣስታት 92 ሺሕ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣለዉ። ካብዚኣቶም ካብ 10 ክሳብ 13 ሚእታዊ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝነብሩ ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ ኣብ መባእታዊ መቐበሊ ስደተኛታት መደበር ኪርያንዶንግ ተዓቚቦም ዘለዉ እዮም።
ናይቲ ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝመልስ ኮሚት ወሃቢት ቃል፡ ሪም ዓብደል ጀሊል ንሱዳን ትሪቡን ብዝሃበቶ መግለጺ መሰረት፡ እቲ ምምላስ ወለንተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘሎ ኢምባሲ ሱዳን ብ19 ለካቲት 2026 ብወግዒ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ንጽባሒቱ ድማ በረራ ናብ ፖርት ሱዳን ክጅመር እዩ።
በቲ ብኩባንያ ትራኮ ዝጅመር በረራ፡ 146 ሱዳናውያን ስደተኛታትን 4 ኣባላት ናይቲ ኮሚተን ናብ ፖርት ሱዳን ከም ዝጐዓዙ እታ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ኣፍሊጣ። እታ ወሃቢት ቃል ብተወሳኺ፡ ነቶም ዝተመልሱ ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ውሑስ ከባቢ ንምልኣኾም፡ ብወተሃደራት ምስ ዝምራሕ ናይ ምክልኻል ኩባንያ ምትሕብባር ከም ዝግበር ጠቒሳ።
በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ 4, 818 ሱዳናውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ብድሌቶም ተመዝጊቦም ኣለዉ። እቲ ናይ መጀመርያ በረራ ምስ ተኻየደ ብዙሓት ወልውንተኛታት ክምዝገቡ እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ድማ እታ ወሃቢት ቃል ሓቢራ። ነቲ መስርሕ ምምላስ ካብ ኡጋንዳ ናብ ፖርት ሱዳን ዘድሊ ገንዘብ ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ልዝብ ከም ዝግበር ከኣ ተፈሊጡ’ሎ።
ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ ካብቶም ጠቕላላ ብሰንክቲ ውግእ ካብ መረብቶም ዝተመዛበሉ ሱዳናውያን፡ 4.4 ሚልዮን፡ ካብ ወርሒ ሓምለ 2024 ጀሚሩ 721 ሺሕ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ የርድእ።
ቻይና: ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ 1 ጉንበት 2026 ጀሚረን፡ ፍርያተን ብዘይቀረጽ ናብ ዕዳጋኣ ክቕርባ ከም ዝፈቐደት፡ ናይታ ሃገር ፕረሲደንት ዚ ጂምፒንግ ብምትቃስ፡ ማይእከላይ ምብራቕ (Asharq Al Awsat)፡ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።
ቻይና እዚ ዕድልዚ ቅድሚ ሕጂ ን33 ሃገራት ኣፍሪቃ ክትህብ ዝጸንሐት ኮይና፡ ሎሚ ድማ ዝሓለፈ ዓመት ብዝኣተወቶ ቃል መሰረት፡ ብዘይካ ኢስዋቲኒ ንኹለን ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ዕድል ሂባ’ላ። እታ እዚ ዕድል ዝተነፈጋ ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ እንትርከብ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ንእሽቶ ሃገር፡ ኢስዋቲኒ ነታ ቻይ ናተይ ደሴት እያ እትብላ ታይዋን ከም ሃገር ስለ እትፈልጣ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ቻይና እታ ዝለዓለት ምስ ኣፍሪቃ ንግዳዊ ርክብ ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ ዞባ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተሓጋጋዚት ኣብ ምዝርጋሕ መደባት ትሕተ-ቅርጻ እውን እያ።.ነዚ ቻይና ሂባቶ ዘላ ዕድል፡ ምስቲ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራንፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብደረጃ ዓለም ሓሓሊፉ ንምፍርርራሕ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃገራት ክጽዕኖ ዝጸንሐ ሰፍ ዘይብል ቀረጽ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ክጽበየኦ ዝጸንሓ እዩ።
መራሒ ቻይና እዚ ናይ ናጻ ቀረጽ ፖሊሲ ሃገሩ ብዘይጥርጥር ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት ኣፍሪቃ፡ ዝለዓለ ግደ ክህልዎ እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ። እቲ መራሒ ቻይና ነዚ ዘፈለጠ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት መበርል 39 ዓመታዊ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ናይታ ኣህጉር ንምምይያጥ ብሓደ ዝነበርሉ ኣጋጣሚ ብምጥቃም እዩ።
እዚ ስጉምቲ ቻይና ሓደ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ዝካየድ ዘሎ ወሳኒ ውድድር እዩ።
More...
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢድካ ዘላ ዝዓበየት ናይ ሓባር ሃብትኻ ልኡላዊት ሃገርካ እያ። እዛ ልኡላዊት ሃገር ከም ህዝቢ ናይ ህልውናኻ ወሳኒት ጥራይ ዘይኮነት፡ ብነዊሕን ኩለ-መዳያዊ ቃልስን ክቡር መስዋእትን ዘረጋገጽካያ እያ። ኣብ ምውሓሳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻልነታ ምርግጋጽን ምሕላዋ’ውን ኣብ እንግደዓኻ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት እዩ።
ምእንቲ ክብሪ ሃገርን ህዝብን ክቡር ዋጋ ዝኸፈልካ፡ “ሃገር ኣላትኒ” ኢልካ ንምሕባንን ምንያትን ጥራ ዘይኮነ፡ “መሊእካ እትረግጸላ፡ ኣፍካ መሊእካ እትዛረባል፡ ሓራን ኩሉ ጸጋታታ ብማዕረ እትጥቀመላን ክትከውን ምዃኑ’ውን ዘይትዝንገዖ እዩ። “እሞ እቲ ብግብሪ ትሓልፎ ዘለኻ ህይወትከ ከምቲ ዝተቓለስካሉ ድዩ ዘሎ ኣይፋሉን?”፡ ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ፡ ክሳብ ክንደይ ኣንጻርቲ ዝተጸበኻዮ ምዃኑ ንምርዳእ ካብ ካልእ ኣካል እትጽበዮ ዘይኮነ፡ ዕለታዊ ህይወትካ ዝምስክሮ ዘሎ’ዩ።
ልኡላውነታ ኣብ ዘውሓሰት ኤርትራ፡ ማዕረ’ቲ ዝኸፈልካላ ዋጋ ተጠቃሚ ንክትከውን፡ ብነጻን ዲሞክራሲያውን ተሳትፎኻ ዝጸደቐ ሕገምንግስቲ፡ ብኣኡ መሰረት ዝተመርጸ ትካላዊ መንግስቲ፡ ከም ዘድልየካ ዘማትእ ኣይኮነን። ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ግና፡ “ኣመሓድረኒ ኢልካ ቆጽሊ ብዘውደቕካሉ” ስርዓትን ሕግን ዘይኮነ፡ ሕድርኻ ጠሊሙ ብኢደ ወነኑ ኣብ ስልጣን ብዝተወጥሐ ጉጅለ ክትደሃኽ ከም ዝጸናሕካን ከም ዘለኻን ናይ ማንም ኣካል ሓበሬታ እትጽበየሉ ኣይኮነን።
ስለዚ ናይዚ ትሓልፎ ዘለኻ ኣዝዩ ከርፋሕ ህይወት ጠንቂ ህግደፍ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንስኻ፡ ዓለም ብዓለማ እውን ካብ እትግንዘቦ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ካባኻ ዝድለ ግና ነቲ ኩነታት ምግንዛቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቓልሲ “ናብ ረብሓኻ ዝማእከሉ” ምቕያሩ ክትበቅዕ እንከለኻ ምዃኑ ንምዝኽኻርካ እንተዘይኮይኑ፡ ዘይትፈልጦ ኣይኮነን።
እቲ ንመስዋእትኻ ግቡእ ክብደት ብዘይምሃብ፡ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ንክበጽሕ፡ ናትካ ምስምሳት ብምፍጣር ተዓዛባይ ምዃን ብጽሒት ከም ዘለዎ ኣይትኽሓድ። ምረት ወጽዓ ህግደፍ ከም ዝኸበደካ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም እተንጸባርቕ ርዱእ እዩ። ነዚ መረረኻ ብሓባር ናብ “ተዛሪቡ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ውዱብ ዓቕሚ እንተዘይኣበሪኽካዮ ግና ከምዚ ትዕዘቦ ዘለኻ ዝተኣማምን ውጽኢት የብሉን። እንተ ህግደፍ ደንጊጹ ራህዋ ከምጸኣልካ ምጽባይ፡ ካብ “ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ምጽባይ” ከምዘይፍለ፡ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኻ እኹል መርተዖ እዩ።
ብሰንኪ ህግደፍ ትሓልፎ ዘለኻ “እዚ ጐዲልዎ” ዘይበሃል ወጽዓን በድልን፡ ከመይ ከም ዝኸኣልካዮ ብዙሓት ዝግረምሉ እዩ። ኣብዚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ፡ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል ኣብ ዘየብላ፡ ብሕገመንግስቲን ትካልዊ ስርዓትን ዘይትምራሕ፡ ብሓንቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝተሻበበት፡ ካብኣ ወጻኢ ምስ ዘሎ ቤተሰብ ብዘመናዊ መራኸቢ ደሃይ ዘይትፈልጠላ፡ ሕሉፍሓሊፉ ኣብ ወጻኢ ዝሞተ ዜጋኣ ሓመድ ኣዳም ኣብ ዘይለብሰላ ሃገር ምንባር ዘየገረመኸ፡ እንታይ ከገርም ይኽእል። ንኩነታት ሃገርና ኣዕሚቖም ዝከታተሉ ወገናትን ትካላትን ብኸመይ ከም ዝገልጽዋ ምስ ጸገሞም እዮም ከኣ፡ ኣብ ክንድ በቲ ክቡር ስማ ኤርትራ “ሰሜን ኮርያ ኣፍሪቃ” ክብልዋ ዝተገደዱ። እዚ ነቲ ኣግሂዱ ኣብ ቀላይ ወጽዓ ዝሕንብስ ዘሎ ህግደፍ ዘገድሶ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ውጽኢት ቃልስኻ ክሳብ ክንድዚ ክመራሳሕ እንከሎ ከም ዘሕዝነካ ፍሉጥ እዩ።
ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ከምቁርዲድ ተጣቢቑ ደምካ ዝመጺ ዘሎ ጉጅለ፡ ሰላሕ እናበለ ዝገበለ እምበር፡ ሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍና፡ ካብ 2001 ንደሓር ንዘርኣዮ ጥልመት “ኣይተረደናን፡ ከምኡ ዝኸውን ኣይመሰለናን” ኢልካ ዘይትሓልፎ እዉጅ እዩ ነይሩ። ነቲ ካብ ሽዑ ዝቐጸለ ሓድገኛ ማዕበል ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ “ዓገብ” ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም። ድምጽኻኸ ብናይቲ ጉጅለ ዕባራ ምኽንያታት ከይተሻበበ፡ ኣብቲ ክኾኖ ዝነበሮ ብራኸ ነይሩዶ ኣይነበረን ንገዛእ ርእስኻ መርምር። ኤርትራ ብደረጃ ዓለም፡ ህዝባ ብብዝሒ ራሕሪሕዋ ናይ ዝስደድ፡ ናይ ኣብያተ-ማእሰርትን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ህይወቶም ዝሓልፍ ግዳያትን ብዝሒ ኣብነት ኮይና ክትጥቀስ ምጽነሓን ምህላዋን ክሳብ ክንደይ ተስተብህለሉ ኣለኻ ባዕልኻ ኢኻ ትፈልጦ። ንድምጺ ናይቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ደቅኻዶ ወይስ ንመታለሊ ድምጺ ህግደፍ እዝኒ ክትህብ ጸኒሕካ ድማ ካልእ ባዕልኻ እትርደኦ እዩ።
ከምቲ “ናይ ሎሚ ገደደ” ዝበሃል፡ በቶም ትማሊ መራሒ ህግደፍ ንዓኻ ለጊስዎ ብዘይፈልጥ ሓጐስን ሰሓቕን ዘሰራስሮም ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ወገናት፡ ነታ መተካእታ ዘየብላ ኣብ ኢድካ ዘላ ክብረትካ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝጻባእ ህቦብላ ይለዓል ኣሎ። ኣብቲ ናይ ዕብዳን ግዜ፡ ገለ ኤርትራውያን ንኢሳያስ ብዕልልታን ጓይላን “ተደሚርና ኢና” እናበሉ የዳምቕሉ ከም ዝነበሩ ትርሰዖ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ እዞም ሎሚ ሃገርና ክጐብጡ ዘንባህቑ ዘለዉ ኣካላት ኣብዚ ደርጃ’ዚ ንክበጽሑ ግደ ከም ዝነበሮ ተወሳኺ ኣብነታት ምቕራብ ዘጸግም ኣይኮነን።
ካልእ ኩሉ ኣጽኒሕና፡ ህግደፍ ኣብቲ ናይ 2018 ሓድሽ ዝምድና ምስ መንግስቲ ብልጽግና ዝተረእየሉ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መሬት ምምልካት፡ “ቀዳምነትና ኣይኮነን” ኢሉ ሸለል ምምባሉ፡ ክሳብ ክንደይ ነቶም ሎሚ ዘዕገርግሩ ዘለዉ ከም ዝተባብዖም፡ ትስሕቶ ኣይመስለናን። ብመራሕቲ ናይቲ ጉጅለ፡ “ቀዳምነትና ኢትዮጵያ ከይትፈርስን ከይትበታተንን ወያነ ዳግማይ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ከምዘይትምለስ ምግባርን እዩ” ክቃለስ ዘለና ክበሃል እንከሎኸ ረሲዕካዮ ዲኻ?
እቲ ብዛዕባ ልምዓትን ቀረብ መሰረታዊ ነገራትን ኩሉ ግዜ “ንዓመታ” እናበለ ዘሽካዕልለልካ፡ ፈቲኻ ጸሊእካ መግለጺ ኣብ ልዕሌኻ ናይ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት እዩ። እንተዘይንዕቀካ፡ “ዓሚ ከምዚ ኢለዮስ፡ ሎሚ ዘበን እውን ክደግሞ እንከለኹ እንታይ ኮን ይብለኒ?” ኢሉ መተሰከፈ። ስለዚ እቲ ህግደፍ ዝብሎ፡ “ህዝቢ እንተተቐበለ ይቀበሎ፡ እንተዘይተቐበሎ ከኣ ኣብይ ከይበጽሕ” ናይ ዝብል፡ ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎ ብደዐ መግለጺ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ፈቲኻ ጸሊእካ፡ ከምቲ “ዘይተርፈካ ጋሻስ ኣጥቢቕካ ሰዓሞ” ዝበሃል፡ ሎሚ’ውን እቲ ሃገር ናይ ምድሓን ኮነ፡ ወጽዓ ህግደፍ ናይ ምውጋድ ሓላፍነት ኣብ ዝባንካ ዘሎ ምዃኑ ንከተስተብህለሉ እነዘኻኽረካ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸብጻባት ከቕርቡ ንዝጸንሑ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ዝነበሮም ኣፍልጦ ከም ዘቋረጸ ማዕከል ዜና ኤኤፍፒ ኣፍሊጣ። በዚ መሰረት እቶም ጋዜጠኛታት መበል 39 ምዱብ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 14ን 15 ለካትቲት 2026 ናብ ዝካየደሉ ኣዳራሽ ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከሉ ተፈሊጡ።
እቶም ኢትዮጵያውያን ናይ ሮይተርስ ጋዜጠኛታት ዝተኣገዱ፡ ኢማራት ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን (RSF)፡ ንምሕጋዝ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል መደበር ታዕሊም ከም ዝመስረተት ብምስልታት ኣሰንዮም ስለ ኣቃልዑ ምዃኑ ተገሊጹ። እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ መደበር ታዕሊም ዝምልከት ጸብጻብ ዘውጽኡ ኣስታት 15 ምንጭታት ብምጥቃስን ብብዙሕ ምስልታት ብምስናይ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብወገና ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ጋዜጠኛታት ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ንወሃቢ ቃል ሮይተርስ ሓቲታ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ሓቂ ምዃኑ መረጋገጺ ከም ዝረኸበት ኣስፊራ። ወሃቢ ቃል ሮይተርስ ብዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ ጋዜጠኛታት ማዕከን ዜና ሮይተር ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ምዕባለታት እናተኸታተሉ፡ ብዘይ ሻራ ስረሖም ኣብ ኢትዮጵያ ክቕጽሉ እዮም።
ሮይተርስ ላዕለዎት ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ከይተረፉ፡ ኢማራት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል መደበር ታዕሊም ምምስራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ዘድሊ ቀረባት እውን ንሳ ከም እትኽእሎ ከም ዘረጋገጽሉ’ውን ይጠቅስዩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መደበር ታዕሊም ድሮናት ዝዋፈራሉ መደበራት እውን ከም ዘጠቓልል ጸብጻባት ሮይተር ዝውስኽ እዩ።
ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ብወገኖም ናይዚ መደበር ታዕሊም ኣብ ጥቓ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ምህናጹ፡ ሳዕቤኑ ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ኣይተረድኦምን ዝብል ግምቶም ከም ዝህቡ ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ።
ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምእጋድ እቶም ጋዜጠኛታት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ኢማራት ግና ንጸብጻብ ሮይተርስ ኣሉታ ሂባትሉ እያ።