EPDP News

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሱዳንን ግብጽን ኣብ ካይሮ

ሚኒስተራት ግብጽን ሱዳንን ብ3 መስከረም 2025 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ማየን ናብቲ ካብ ዓለም ዝነወሐ ፈለግ ኣባይ (ኒል) ዝፈስስ ሃገራት ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ንምስታፈን ዝግበር ፈተነ ነጺጎም፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ጥራይ ክሕጸር ይግበኦ ከም ዝበሉ ቢቢሲ ሓቢራ።

እዚ ዝተገልጸ፡ ኣብቲ ናይ ክልቴን ሃገራት ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያትን መስኖን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ እዩ። እቲ መግለጺ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ኣብ ታሕተዋይ ኣካል ናይቲ ፈለግ ዝርከባብ ክልቲአን ሃገራትን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ነተን ዝተረፋ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ዝርከባ ማይ ዘበርክታ ሃገራት ከም ዝሳተፋ ምግባረን ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሉ። ክልቲአን ሃገራት ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ (EGRD)፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጠሓሰን ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ስግኣት ዝፈጥርን እዩ ኢለን ከም ዝገልጸኦ ኣብቲ ዝወጸ መግለጺአን ሰፊሩሎ።

እቲ መግለጺ ከም ዘነጸሮ፡ ናይ ኢትዮጵያ በይናዊ ስጉምቲ ኣብ ምምላእ ኣገባብ ማይ፡ ድሕንነት ናይቲ ሓጽብን ብዘይገደብ ማይ ናብቲ ሓጽቢ ምምላእን ብፍላይ  ኣብ ናይ ደርቂ ግዝያት ሓደገኛት ተግባር እዩ ኢሉ። እቶም ሚኒስተራት ኣተሓሒዞም፡ ኣስታት 85% ማያ ናብቲ ፈለግ ዝፈስስ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትሕግጋዝ ኣፍደገ ዝኸፍት ፖሊሲ ንክትቅይስ’ውን መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ግብጽን ሱዳንን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ወሲኽካ፡ ኣብቲ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ፈለግ ዝርከባ 6 ሃገራት ዝፈረመኦ ስምምዕ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ኒል ካብ ቅድም እየ ዝቃወመኦ።  ኣብ ክንድኡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ 1959 ዝተፈረመ እሞ ፡ ካብቲ ማይ ንግብጺ 55.5 ቢልዮን ንሱዳን ድማ 18.5 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ  ዘውሕስ ስምምዕ እየን ዝድግፋ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንምህናጹ 14 ዓመታት ዝወሰደን ካብ 5 ቢልዮን ዶላር ንላዕሊ ወጻኢ ዝተገብረሉን ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ሓድሽ ቀላይ “ወጋሕታ (ንጋት)” ዝብል ስያመ ሂቡ፡ 9 መስከረም 2025 ንምምራቑ ኣብ ምሽብሻብ’ዩ ዝርከብ።

 ጉጅለ ናይ ሰላም ተበግሶ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃኡ

ሓደ ጉጅለ ሱዳናውያን፡ ብ31 ነሃሰ 2025 ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኣብ ዘመናዊ ታሪኻ  ተራእዩ ዘይፈልጥ  ኣብራሲ’ ዝበሎ ውግእ ጠጠው ከብል ይኽእል’ዩ ዝበሎ ርኢቶ ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ። እዚ “መጸዋዕታ ሰላም ንሱዳን” ዝተሰየመ፡ በቲ ተሓላቒ ጉጅለ ዝተወስደ ተበግሶ ብሱዳናዊ ዘቤታዊ ዓቕሚ ጥራይ ኮይኑ፡ ብሰፊሕ ናይ ዕርቂ መስርሕ፡  ፍትሕን ቀጻሊ ሰላምን ንምርግጋጽ ዝሓለነ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ተበግሶ ብፍሉጥ ምሁርን ነባር ዲፕሎማትን ፍራንሲስ ደንግ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ምብሳር ናይ ማንዛ ርክብ ቃሉ ኣስሚዑ። እቲ መራሒ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ምርግጋጽ ሰላምን ሓድነትን ሱዳናውያን ከውሕስ ዝኽእል ሃዋህው ምፍጣር ከም ዘኽእል ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ፍራንሲስ ደንግ ኣብቲ ርኢቶኡ ብተወሳኺ ሱዳናውያን፡ ቅድሚ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ምምዕዳው መጻኢ ዕድል ሃገሮም ኣብ ምውሳን ምሉእ ሓላፍነት ንክወስዱ ጸዊዑ።

እቲ ንቕሎ ሱዳናዊ ጉጅለ፡ ንኹሎም ሱዳናውያን ዜጋታት ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት፡ ዓሌት፡  ጾታን ከባብን ብማዕረ ዝርኢ ምዃኑ ወደብቲ ናይቲ ተበግሶ ምግላጾም እቲ ካብ ሱዳን ትሪቡን ዝተረኽበ ዜናዊ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ሓደ ናይቲ ተበግሶ ሰላም ዝወስድ ዘሎ ጉጅለ ኣባል፡ ኢሳም ኢል ዓባስ፡ ምንቅስቓሶም ምንጽጻግ ከም ዝቃወም ጠቒሱ፡ ናብቲ ምሁራት ሱዳን ዝመርሕዎ ዘለዉ ምክፍፋላት ዕዙዝ ናይ ሓድነት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ካልእ ኣባል ናይቲ ተበግሶ ዓብደላ ኣል ናይም ብወገኑ፡ ሰላም ኣብ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ውግእ ጠጠው ንምባል፡ ሓድነት ህዝቢ ንምፍጣርን ዕግርግር ንምውጋድን እንኮ መሳርሒ ምዃኑ ጠቒሱ። እዚ ተበግሶ ድሕሪ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2025 ጀሚርካ ምስ ዝምልከቶም ሱዳናውያን ምሁራትን ሲቪላዊ መራሕትን ምምኽኻር ምክያድ ዝመጸ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ።

ሱዳናውያን ምሁራት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ውግእ ካብ ዝባራዕ ጀሚሮም’ኳ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ከቕርቡ እንተጸንሑ፡ ብሰንኪ እቶም ነቲ ውግእ ሕድሕድ ዝመርሕዎ ዘለዉ ጀነራላት ቅሩባት ዘይምዃኖም  ኣብ ፍረ ክበጽሕ ኣይከኣለን።

የመን ተቖጻጺሩ ዘሎ ጉጅለ ሑቲ፡ ቀዳማይ ምኒስትሩ ኣሕመድ ጋለብ ናሲር ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቱ ብ28 ነሃሰ 2025 ብሃንደበታዊ ደብዳብ ነፍርቲ እስራኤል ምቕታሎም ከም ዘረጋገጸላ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣፍሊጣ። እዚ ብኢራን ይሕገዝዩ ዝበሃል የመናዊ ጉጅለ፡ ኣብ ዋና ከተማ የመን ሰንዓ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፍርቲ እስራኤል፡ ብዘይካቲ ቀዳማይ ምኒስተር ካለኦት ምስኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ እውን ከም ዝተቐተሉ ከም ዘረጋገጸ እውን  እቲ ብቢቢሲ ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ። ሓይልታት እስራኤል ብወገኖም ብ28 ነሃሰ 2025 ነቲ ደብዳብ ከም ዝፈጸምዎ ኣፍሊጦም  እዮም።

ጉጅለ ሑቲ ድሕሪ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝነበሮ መንግስቲ ምውጋዶም ካብ 2014 ጀሚሮም ዝሰፈሐ ክፋል ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ዝቆጻጸሩ ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋንዚ እታ ሃገር ብሰንኪ ዘይዛሪ ውግእ ሕድሕድ ኣብ ኣዝዩ ዝደኸመ ደረጃ ወዲቓ ዘላ እያ።

እቲ ጉጅለ ብዘይካ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ካለኦት ዝተቐትሉ ሓለፍቲ ዝርዝር  ኣስማት ኣይጠቐሰን። ሓዳዝ ዝተባህለት መርበብ ዜና ሳዑዲ ዓረቢያ ግና፡  ብዙሓት ሚኒስተራት ተወቒዖም ከም ዝቖሰሉ ጠቒሳ፡  ሚኒስተራት፡ ናይ ወጻኢ ጉዳያት፡  ፍትሒ፡ መንእሰያትን ስፖርትን ከምኡ እውን ማሕበራዊ ጉዳያትን ስራሕን ካብቶም ዝተቐተሉ ምዃኖም ሓቢራ።

በቲ ዜና መሰረት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡  ኣሕመድ ሚፍታሕ ንቦታ እቲ ዝተቐትለ ቀዳማይ ምኒስተር ተኪኡ ክሰርሕ’ዩ። ናይ ምንቅስቓስ ሓውቲ ዝለዓለን ወሳንን መራሒ  ዓብዱል ማሊካን፡ ናይቲ ጉጅለ ወተሃደራዊ ሚኒስተርን ሓለቓ ስታፍን ግና ካብቶም ዝተቐትሉ ከምዘይኮኑ፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

መራሕቲ ሑቲ ኣብ ጋዛ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ደብዳባት ክቕጽሉ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ መራሕቲ ሑቲ ዝተቐትልሉ ስልቲ ምስቲ  ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢራን  ብእስራኤል ዝተቐተለትሉ  ተመሳሳሊ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ህልዊ ኩነታት ምንቅስቓስ ደቂ-ኣንስትዮ ንምምዛንን ናይ ዓመት ናይ ስራሕ መደብ ንምሕንጻጽን ረቡዕ 27 ንሓሰ 2025 ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ብመሰረት ትካላዊ ኣሰራርሓ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኩለን ቤት-ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ መደብ ከቕርባ ስለዝግባእ ዝተኻየደ እዩ። ብዘይካ ሓንቲ ብቕቡል ምኽንያት ዝብኾረት 6 ኣባላት ዝተሳተፈኦ ኣኼባ፡ ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊት ጉዳያት ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮን ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ እዩ ተመሪሑ።

ድሕሪ እንቋዕ ደሓን መጻእክን ብምባል ኣኼባ ምኽፋታ ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ ኣጀንዳ ኣነጺራ። ንዲፋ ዝቐረበቶ ናይ ዓመት መደብ ስራሕ ኣቕሪባ ኣባላት ክመያየጣሉ ዓዲማ። ድሕሪ ዝኣክል ምይይጥ ድማ ሓይሊ ደቂ-ኣንስትዮ ክብ ንምባልን ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልኪ ንምፍራስ ኣብ እነካይዶ ዘሎና ቓልሲ ተራና ንምብርካትን ጽዑቕ ናይ ምንቕቓሕ መደባት ኣብ ምክያድ ዘትኮረ ኮይኑ ጸዲቑ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት  ተሳትፎን ንቕሓትን ደቂ-ኣንስትዮ ክብ ንኽብል ዝከኣል ጻዕሪ ክካየድ ከም መደብ ተወሲዱ። ግደ ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ኣብ ዉሽጢ ሰልፊን ተመስሪቱ ዘሎ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታትን ከይተደረተ ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ንምንጋስ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓሳት ደቂ-ኣንስትዮ ምዝማድን ምድግጋፍን ኣግዳሲ ምዃኑ ነጺሩ ብህዱእ መንፈስ ኣኼባ ተደምዲሙ፡  

    

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!

ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ

27 ንሓሰ 2025

عقد المجلس المركذي لحزب الشعب الديمقراطي الارتري اجتماعه الدوري السنوي في الفترة من 16 الر 21 اغسطس 2025 , حيث افتتح اعماله السيد قرزقيهر تولدي رئيس الحزب , بكلمة تناول فيها الاوضاع الصعبة التي يمر بها شعبنا الارتري , والتحديات المتعددة التي تواجه البلاد في ظل الازمات المتفاقمة على مستوى المنطقة , وتبدلات اصطفافات القوى في دول الجوار والاقليم المؤثرة في المنطقة .

ناقش الاجتماع , في مستهل جدول اعماله , تقارير مكاتب اللجنة اللجنة التنفيذية , الى جانب تقرير المراجع العام , واتخذ حيالها القرارات والتوصيات اللازمة لتعزيز الاداء التنظيمي والرقابي داخل مؤسسات الحزب .

 كما ناقش المجلس في بند خاص تطورات الاوضاع الراهنة في ارتريا والمنطقة , حيث تم تقييم السياسات الخطيرة التي ينتهجها نظام الهقدف والتي تهدف الى زرع الفتنة الدينية وزعزعة النسيج الاجتمعي الارتري عبر ممارسات ممنهجة لاطالة حكمه من حلال شق الصف الوطني .

وفي ذات السياق ناقش الاجتماع الادعاءات الاثيوبية بشأن ماتسميه  " الحق في ملكية منفذ بحري " و "الطمدو" التي تستخدم كغطاء لبناء تحالف مشبوه بين النظام   الديكتاتوري في اسمرا  وبعض القوى في اقليم تقراي وهو ما يشكل تهديدا جديدا لاستقرار المنطقة ويزيد من احتمالات اندلاع صراعات جديدة .

المجلس المركذي لحزب الشعب الديمقراطي الارتري

اغسطس21 .2025

(As told in the concluding paragraphs of the EPDP CC annual meeting communiqué below, the nine Executive Committee members re-elected to serve the party for another year are shown in picture above in alphabetical order. From upper left to right, they are: 1. Adiam Tefera, head of Women’s Affairs; 2.Aklilu Ghirmai/Dr., head of International Relations; 3.Debessai Beyene, head of Information Office; 4. Eritrea Alazar, head of Youth Affairs; 5. Fessehaye Hagos, head of Social Affairs; 6. Gherezghiher Tewelde, EPDP Chairman; 7.Goitom Mebrahtu, head of Organizational Affairs; 8. Idris Ismail, Secretary, and 9. Negasi Hamde, Financial Affairs). 

*****

The Central Council of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) held its annual regular meeting on August 16 and August 21, 2025, in accordance with Article 6.1.11 of the party's constitution. At the opening session, Party Chairman Gherezghiher Tewelde, hinted at our future struggles by noting that the meeting was taking place at a time when our people's deep concerns under the oppression of the PFDJ are intensifying, and our region being shaken by various crises and realignment of forces.

During the two-day meetings, the annual reports of the nine executive offices and the General Auditor of the party, which were circulated to participants in advance, were discussed one by one as the primary agenda. In its in-depth discussion and evaluation of the reports, the Council gave special attention to the following points:

  • Expanding and strengthening organizational structures;
  • Encouraging the young generation to fulfill their responsibilities as successors;
  • Giving special consideration to international relations in light of the rapid regional and international changes;
  • Emboldening the party's media outlets;
  • Monitoring and documenting the issue of Eritrean refugees with additional studies; and
  • Creating an environment that encourages women's participation.

Based on the reports approved for documentation after the discussion, the Council commended EPDP members for their steadfastness and dedication in strengthening their party in all aspects over the past year, as in previous times, and reiterated its confidence and encouragement for them to enhance their all-round contributions in the uphill struggle awaiting us.

The regular meeting also conducted an in-depth discussion on the broad topic of "The Current Situation of Our Country and Region." The resolutions listed below were adopted after comprehensive scrutiny of the developments affecting the country, the Eritrean opposition camp, and the region as a whole:

  1. Eritrea and its people continue to suffer under the all-round oppression and the denial of all fundamental rights by the dictatorial regime. Even the tyrant leader himself repeatedly admits that Eritrea has become a village with a ruined economy, dilapidated infrastructure, destroyed public institutions, and weak transportation and communication networks. The PFDJ clique, far from addressing these alarming domestic issues, continues to commit additional violations and oppressive measures. Despite this reality, the meeting assessed that the regime at times makes failed attempts to project a “grand” and positive image it does not possess. These include its pretentions to have good relations with major powers, nowadays including the United States. Based on this sad situation, the meeting reiterated EPDP’s strong call to the Eritrean people and the forces of change to redouble and continue their struggle against the tyranny.
  2. As part of the ongoing humanitarian violations in Eritrea is last month’s arrest of the administrator of the Gindae Quran school, Sheikh Adem Jabir Shaaban and his work colleague Shineti Hassen. This uncalled for incarceration deeply saddened the nation. Both peaceful citizens were arrested and taken to an unknown location. The EPDP Central Council therefore strongly condemns this tragic event, and calls on all conscientious Eritreans to demand the immediate release of Sheikh Adem Jabir Shaaban, Shineti Hassen, and other prisoners of conscience in regime prisons!

Alongside this tyrannical incident, the Central Council also seriously considered the much-talked-about issue related to the Eritrean Orthodox Tewahedo Church. As we all know, this same regime has previously taken land that belonged to the Church, forcibly sent to Sawa the Church’s public servants thus letting it suffer from a shortage of clergy, and detained until death Patriarch Abune Antonios. It is now pretending to be its protector by reportedly allowing the Church to build a chapel and undertake agricultural investments in the Tekreret region on land it seized from its very original owners.

The EPDP Central Council recognized that this opportunistic act is aimed at fueling social unrest rather than genuinely caring for church construction. Recalling that our people, both Muslims and Christians, have no objection to building churches or mosques; on the contrary, have the wisdom and tradition of cooperating to build places of worship for one another, even in diaspora. The Tekreret incident is an evil act intended to create conflict between the two faiths so that the regime can prolong its stay in power through its subtle tactic of divide and rule. The EPDP CC also emphasized that an illegitimate regime has no right to distribute public land in this manner. Some quarters are heard attempting to exploit this situation by portraying it as a conflict between Muslims and Christians; this is an irresponsible assumption and not acceptable. This kind of understanding is nothing but falling into the regime's. The EPDP therefore calls such forces to refrain from such dangerous assumptions.

  1. The Ethiopian government has repeatedly and officially stated its intention to "gain access to the Red Sea by any means," a statement that incites aggression and violation of Eritrean sovereignty. Since this claim is unacceptable by historical, political, diplomatic standards, and above all international laws, the EPDP CC meeting affirmed its total rejection of such brazen claims. In connection with this, it once again calls for the respect of international laws and charters that protect the sovereignty of nations and govern usage of sea ports, in a manner that benefits both sides.
  2. In the meantime, recognizing the importance of peaceful and developmental relations between peoples, the CC meeting reiterated its encouragement for a "people-to-people" relationship of peace and cooperation between the peoples of Eritrea and Ethiopia, based on the principled understanding stated in the EPDP's program of action adopted at its 4th congress that stated: "Our relations with neighboring countries can play a crucial role in our common development; therefore, it is necessary to work together for peace and economic growth by respecting each other's sovereignty and refraining from interference in each other's affairs."

For this relationship to be effective and sustainable, the Council reminded that both peoples must learn from past experiences and struggle to ensure that it is strengthened by the participation and consent of the peoples, has an institutional basis, and is not hijacked by certain groups for their narrow war-mongering whims. Although the "alliance" we are observing, and the temporary relief it seems to offer the people living on both sides of the border, appears to have no guarantee of continuity, the process is secretive and shows clear signs of being a political and military alliance based on animosity. We have no confidence that such an alliance, which has reached this point today, will be free from the hidden, conspiratorial moves of that same PFDJ in Asmara.

  1. The Central Council assessed that the Eritrean opposition camp must not forget shouldering its responsibilities in the political crisis and shifting alignment of forces in the region and prepare itself to make effective contribution in handling them. Furthermore, the CC meeting underscored the role awaiting us in gathering our scattered human and material resources. Accordingly, the EPDP, while reaffirming its readiness to strengthen the Eritrean Political Forces (EPF), which is organized around four fundamental pillars, repeated its strong call for the formation of abroader umbrella of all Eritrean forces struggling for democratic change. The four pillars, which are widely acceptable, are:
  • The overthrow of the PFDJ regime;
  • The defense and preservation of Eritrean sovereignty;
  • Safeguarding national unity plus guaranteeing civic liberties, and
  • Establishing democratic governance in post-dictatorship Eritrea.
  1. The meeting issued a call to countries around the world hosting Eritrean refugees, and humanitarian organizations such as the UNHCR, to provide all possible humanitarian protection for all Eritrean refugees in general, in particular at this moment for those struggling in Ethiopia.
  2. Also after reviewing the tragic loss of life and wanton destruction of property caused by the two-year war in neighboring Sudan, and considering the risk of Sudan's disintegration, the meeting urged the warring Sudanese generals to end this devastating war and resolve their issues peacefully through dialogue, without handing over their affairs to external forces.

Finally, in accordance with Article 6.1.17 of the EPDP's constitution, outgoing chairman Gherezgiher Tewelde was re-elected to continue chairmanship for coming 12 months. Based on his nomination, other eight Executive Committee members who served him during the past year, were also unanimously approved by the Council to serve for another year. Following this, the meeting concluded with important recommendations tailored to the current challenges in the prolonged Eritrean struggle for democracy.

We struggle for constitutional governance, democracy, and development!

EPDP Central Council, August 22, 2025

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ16ን 21ን ነሓሰ 2025 ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ  ዓንቀጽ 6.1.11፡ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ እዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ስግኣቱ ኣብ ዝገደደሉ፡ ከባቢና ብዝተፈላለዩ ቅልውላዋትን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዝናወጸሉ ዘሎ ህሞት  ምዃኑ ብምጥቃስን መጻኢና ብምእማትን ቃል ኣስሚዑ።

ኣብዚ ኣኼባ ቀዳማይ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣብ ዝተሰርዐን ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ዝተዘርግሐን ናይ 9 ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብ (ኦዲት)ን ዓመታዊ ጸብጻብ፡ በብሓደ ተዘትይሉ። ባይቶ ኣብቲ ጸብጻብ ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥን ገምጋምን ፍሉይ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም፡ ስርርዓዊ ኣካላት ምስፋሕን ምድልዳልን፡ መንእሰያት ተካኢ ሓላፍነቶም ንክፍጽሙ ምትብባዕ፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብመንጽርቲ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ከባብያውን ኣህጉራውን ምቅይያራት ፍሉይ ግምት ምግባር፡ ዜናዊ ልሳናት ሰልፊ ምስፋሕ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ብመጽናዕቲ ብዝተሰነየ ምክትታልን ምስናድን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘተባብዕ ኩነታት ምጥጣሕ ዝብሉ ይርከብዎም።

በቲ ድሕሪ ዘተ ንክስነድ ዝጸደቐ ጸብጻባት መሰረት፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግዜ ኣብ ኩሉ መዳያት ሰልፎም ንምሕያል ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ኩለ-መዳያዊ ኣበርክተኦም ከም ዘሕይሉ ዘለዎ እምንቶ ኣሕዲሱን ኣተባቢዑን።

 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዛዕባ እውን ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ። ድሕሪቲ ንህልዊ ኩነታት ሃገርና፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ከባቢናን ዝጸሉ  ምዕባለታት ብኹሉ መልክዑ ብምድህሳስ ድማ እዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

1) ኤርትራን ህዝባን ሎሚ’ውን ብሰንኪ ወጽዓ ህግደፍ ካብ ሓሳረ-መከራን ብኩራት ኩሉ መሰረታዊ  መሰላትን ኣይደሓኑን። ኤርትራ ቁጠባኣ ዝዓነወ፡ ህንጻታታ ዝኣረገ፡ ህዝባዊ ትካላታ፡ ዝፈረሰ መጉዓዝያታታን መራኸቢ መስኖታታን ዝተዳህከ ቁሸት ኮይና ከም ዘላ ባዕሉ እቲ ርእሰ ሃገር ዝበሃል መላኺ ዝተኣመነሉ  ኮይኑ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ህልዊ ኣሰካፊ ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ  ምጥንጣን ሓሊፉ፡ ተወሰኽቲ ግህሰታት ካብ ምፍጻም እውን ኣየቋረጸን። እቲ ሓቂ ከም’ዚ ዝተጠቕሰ ክነሱ፡ ዘይብሉ ኣውንታዊ ምስሊ ንምሓዝ፡  ምስ ኣሜሪካን ካለኦት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎ መሲሉ ንምቕራብ ዝገብሮ ፍሹል ፈተነ ከም ዘሎ ኣኼባ መዚኑ። በዚ መሰረት ኣኼባ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዘይሕለል ቃልሶም ንክቕጽሉ ዕዙዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

2)  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ ቤት ትምህርቲ ቁርኣን፡ ጊንዳዕ ኣማሓዳሪ ሸኽ ኣደም ጃብር ሻዕባንን መሳርሕቱ ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘላደየ ስብኣዊ ግህሰት ኣጋጢሙዎምስ፡ ክልቲኦም ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ኣለዉ። ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ብምውጋዝ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፥  ንሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ካልኦት ናይ ሕልና እሱራትን ይፈትሑ ኢሉ ክልዓል ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ!!

ጐድኒ ንጐድኒ እዚ ግፍዓዊ ፍጻሜ፥ ነታ መሬታ ኣሕዲጉ፡ ኣገልገልታ ብግዲ ናብ ሳዋ እንዳውረደ ብሕጽረት ኣገልገልቲ ዘሳቐያ፡ ብዓቢኡ ከኣ ንብጹእ ፓትርያርካ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ን16 ዓመታት ዝኣሰረላ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ ሕጂ ተሓላቒኣ ብምምሳል፡ ኣብ ከባቢ ተኽረሬት፡ መሬት ህዝቢ ኣሕዲጉ፡ ቤተ ክርስትያን ከተስርሕን ሕርሻዊ ወፍሪ ከተካይድን ኣፍቂዱላ እናተባህለ፡ ብዙሕ የዛርብ ንዘሎ ጉዳይ ማእከላይ ባይቶ ብዕቱብ ርእይዎ። እዚ ተሃዋሲ ተግባር፡ ማሕበራዊ ነውጺ ንምስዋር እምበር ቤተ ክርስትያን ናይ ምስራሕ ሓልዮት ሓዲርዎ ከም ዘይኰነ’ውን ማእከላይ ባይቶ ተገንዚቡ።  ህዝብና ቤተ ክርስትያን ኰነ መስጊድ ናይ ምስራሕ ተቓውሞ ከም ዘይብሉ ብኣንጻሩ ኣስላማዩ ክርስትያኑ ይትረፍዶ ኣብ ሃገሩ ኣብ ሃገር ስደቱ ከይተረፈ ተሓጋጊዙ ኣብያተ-ጸሎት ናይ ምህናጽ ባህሊ ዘለዎ ተሓላላይን ለባምን ህዝቢ ምዃኑ ብምዝካር፥ ኣብ መንጎ ክልቲኡ እምነታት ጐንጺ ፈጢሩ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ምዃኑ፡ ማእከላይ ባይቶ መዚኑ። ሕጋውነት ዘይብሉ ስርዓት መሬት ህዝቢ ክዕድል መሰል ከም ዘይብሉ ድማ ኣስሚሩሉ። ብዛዕብ’ዚ ኩነታት፡ ገለ ወገናት ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ዝኽሰት ዘሎ ኣምሲሎም ክብለጽሉ ምፍታኖም ዘይሓላፍነታዊ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መጻወዲያ ናይቲ ስርዓት ምውዳቕ ብምዃኑ ተቐባልነት ከምዘየብሉ ብምርዳእ ማእካለይ ባይቶ ካብዚ ሓደገኛ ወስታ ንክቑጠቡ ጸዊዑ።

3) መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኢና ብዝብል ኣንጻር ልዑላውነት ኤርትራ የለዓዕል ከም ዘሎ ብወግዒ ዝገለጾ’ዩ። እዚ ሕቶ ብታሪኻዊ ይኹን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን መዐቀኒ ቅቡል ስለ ዘይኮነ፡ ኣኼባ ባይቶ ከም ዝቃወሞ ኣረጋጊጹ። ብምትሕሓዝ ከኣ ልዑላውነት ሃገራት ዝዕቅቡን ንኣጠቓቕማ ወደብ ዝምልከቱን ኣህጉራዊ ሕግታትን ቻርተራትን ንክልቲኡ ህዝብታት ከርብሕ ብዝኽእል መልክዑ ንክኽበሩ ጸዊዑ።

4) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣገዳስነት ሰላማውን ልምዓታውን ዝምድና ህዝብታት ብምርዳእ፡ ነቲ ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ። ዝብል ኣብ 4ይ ጉባአ ዝጸደቐ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ መትከላዊ ተረድኦ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመትከል “ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝምድና ክህሉ ከም ዘተባብዕ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እዚ ዝምድና ኣድማዕን ቀጻልን ንክኸውን፡ ብተሳትፎን ኣፍልጦን ህዝብታት ዝደልደለ፡ ትካላዊ መሰረት ዝሓዘን ውሱናት ጉጅለታት ንጸቢብ ናይ ውግእ ድሌቶም ዘይጨውይዎን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሩ። እንተቲ ንዕዘቦ ዘለና “ጽምዶ” እቲ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ክልቲኡ ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝቢ ናይ ምቕጻል ውሕስነት ዘየብሉ ርክባት ግዝያዊ እፎይታ ዘለዎ’ኳ እንተመሰለ፡ እቲ መስርሕ ምስጢራዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ጽልኢ ዝተሰረተ ፖሊቲካውን ወተሃደራውን ምሕዝነት ምዃኑ ግሁድ ምልክታት ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ጽምዶ ኣብ ሎሚ በጺሑ ካብ ሕቡእ  ናይ ሸርሒ ተዋስኦ ህግደፍ ነጻ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት የብልናን።

5) ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብዚ ብሓፈሻ ኣብ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ ጐረባብትና፡ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምግልባጥን በዓል ዋኒን ምዃኑ ክዝንግዕ ከምዘይብሉ መዚኑ። በጃ ህዝቡ ኮይኑ ኣድማዒ እጃሙ ናይ ምብርካት ሓላፍነት ከም ዘለዎ’ውን ተገንዚቡ። ነዚ ንክበቅዕ ግና ዝተበተነ   ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሙ ምእካብ ዘይስገር ምዃኑ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባ ኣስሚርሉ ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ ነቲ፡ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕቃብ ልዑላውነት፡ ምሕላው ሓድነት ህዝብን ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን  ኣብ ዝብሉ 4ተ መሰረታዊ ኣዕኑድ ኣትኪሉ ዝተጠርነፈ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምሕያል ዘለዎ ድልዉነት እናረጋገጸ፡ ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ንክምስረት ከኣ ከም ወትሩ ዕዙዝ ጸዋዒቱ ኣቕሪቡ።

6) ኣብ ዝኾነ ኩርነዓት ዓለም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን ከም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ሰብኣዊ ትካላትን ብሓፈሻ ንድሕነት ኩሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝከላበቱ ዘለዉ ብዝምልከት ኩሉ ዝከኣለን ሰብኣዊ ሓለዋ ንክገብራ ባይቶ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

7) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ጐረቤትና ሱዳን ዘሎ ንዝያዳ 2ተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ብምድህሳስን፡ ነቲ ሱዳን ከይትከፋፈል ዘሎ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ሱዳናውያን ጀነራላት ካብዚ ኣብራሲ ውግእ ወጺኦም፡ ጉዳዮም ንናይ ግዳም ሓይሊ ኣሕሊፎም ብዘይምሃብ ብሰላምን ልዝብን ክፈትሕዎ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 6.1.17. ኣቦ መንበር ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደ  ንመጻኢ ሓደ ዓመት ክቕጽል ድሕሪ ምምራጹ፡ ንሱ ብዝሓጸያ መሰረት ከኣ ከትመርሕ ዝጸንሐት ትሽዓተ ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ንመጻኢ ሓደ ዓመት ኣብ ምምራሕ ክትቅጽል ብምሉእ ድምጺ ተሳተፍቲ  ኣጽዲቑ። ድሕሪ’ዚ ንመድረኻዊ ተርእዮታትን ብድሆታትን ዝምጥኑ፡  ኣገደስቲ ለበዋታት ብምቕራብ ኣኼባ ተደምዲሙ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ዲሞክራሲን ምዕባለን ንቃለስ!

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

22 ነሓሰ 2025

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ16ን 21ን ነሓሰ 2025  ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ እዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ስግኣቱ ኣብ ዝገደደሉ፡ ከባቢና ብዝተፈላለዩ ቅልውላዋትን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዝናወጸሉ ዘሎ ህሞት  ምዃኑ ብምጥቃስን መጻኢና ብምእማትን ቃል ኣስሚዑ።

ኣኼባ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ፡ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም ሰነድ ሰልፊ ክዕቀብ ኣጽዲቕዎ። ነቲ ጸብጻብ ድሕሪ ምዕዛብ ድማ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘበርከትዎ ንኢዱ ከም ዝቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ኣንጸባሪቑ።

ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናንኣብ ትሕቲ ዝብል ኣገዳስን እውናውን ኣጀንዳ ሰፊሕ ሚዛንን ገምጋምን ዘካየደ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ምምሕዳር ህግደፍ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ሃይማኖታዊ ምትፍናን ንምፍጣር ዝፈጥሮ ሸርሒ፡ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ምንቅስቓስ ጾምዶን ዘይውሑስ ኣተሓሕዛኡን፡ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ግደ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሕሱም ህይወትን ግደ ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ ውሳነታት እውን ወሲኑ።

ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ፈጻሚት ሽምግለ ብምምራጽን ኣገደስቲ ለበዋታት ብምትሕልላፍን ተዛዚሙ። (ነዚ ኣኼባ ዝምልከት ደምዳሚ መግለጺ ኣብ ሓጺር ግዜ  ክዝርጋሕ’ዩ።)

ኢትዮጵያ ኣባል ዓረብ ሊግ ንምዃን ትጽዕር ከም ዘላን ጻዕራ ግብራዊ ክሳብ ዝኸውን ከም እትቕጽሎን ኣቢሲንያ ቢዝነስ ኔትዎርክ (Abyssinia Business Network) ዝተባህለ ትካል ዜና ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ብምጥቃስ፡ ብ18 ነሃሰ 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ተበግሶ ናይታ ሃገር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ቁጠባዊ ምሕዝነትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣንጻራ ዝካየድ ጸለመ ንምምካት ካብ ዝብል ከም ዝነቅል ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ሱጉምቲ መቐጸልታ ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣባል ብሪክስ ንምዃን ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ’ውን ተባሂሉ።

ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣቦመንበር ኮሚተ ጉዳያት ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ሰላምን ዝኾነ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኣባልነት ዓረብ ሊግ ሃገሩ ምስተን ኣባል ሃገራት ዓሚቕ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ምትእስሳር ምፍጣር ከም ዘኽእል ምጥቃሱ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣንበሳደር ኣስዒቡ፡ ኣባልነት ምርካብ፡ ምስ ሃብታማት ሃገራት ዓረብ  ናይ ንግዲ፡ ወፍርን ምህናጽ ትሕተ-ቅርጻን ምትእስሳር ምድልዳል ከም ዘኽእል’ውን ጠቒሱ። እዚ ተበግሶ ንኣባልነት ኢትዮጵያ ንዘጋጥማ ዘሎ ፖለቲኮ-ጀኦግራፊ ብደሆታት መመከቲ እዩ እውን ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ብግብጺ ምስ ኩነታት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብዝተተሓሓዘ፡ ብጌጋ ክትግለጽ ምጽነሓ’ውን ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ መብርሂኡ ምጥቃሱ ተገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣባልነት ዓረብ ሊግ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣገደስቲ ዞባዊ ዛዕባታት ሓሳባ ብቐጥታ እተቕርበሉን ጌጋታት እተእርመሉን መድረኽ ከም ዝፈጥረላን ካብ ተኸላኻልነት ናብ ኣጥቃዕነት ከም ዘሰጋግራን ከኣ ኣመልኪቱ።

ብቑዕ ኣባል ዓረብ ሊግ ንምዃን ፖለቲካውን ባህላውን መምዘኒ ከምኡ’ውን ጉዳይ ቋንቋ ዓረብ ዝለዓል’ኳ እንተኾነ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ መምዘኒ  ኣርሒቑ ብዝጥምት ከም ዝርድእዎ ተጠቒሱ’ሎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ኣብነት ሰባኣውነት፡ ኣብዘሓ ባህልን ሃይማኖትን መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣን ከምኡ እውን ዱልዱል ዝምድና ምስልምናን ክርስትናን ዘርኢ ብምዃኑ ከም ሃብቲ ከም ዝውሰድ ተጠቒሱ።

ዓረብ ሊግ 22 ቀወምቲ ኣባል ሃገራት ዘለዉኦ፡ ብ1945 ብ7 ሃገራት ዝተመስረተ፡ ኣብ ካይሮ ዝመደበሩ ማሕበር እዩ። ኤርትራ፡ ህንድን ግሪኽን ዝርከበአን 7 ተዓዘብቲ ኣባል ሃገራት ከኣ ኣለወኦ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ካብ ከተማ ጐንደር ንሰሜን  ከባቢ ከተማ ዳባት ዝርከብ፡  ኣለምዋጭ ኣብ ዝተባህለ መደበር ተዓቚቦም  ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓድሽ ጉድኣት ከም ዘጋጠመ ሬድዮ ኤረና ብ17 ነሃሰ 2025 ኣፍሊጣ። እቲ ጉድኣት ዘጋጠመ ኣብቲ መደበር ኣብ ሕድሕድ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝተኸፍተ ተኹሲ ምዃኑ ኤረና ኣብቲ መደበር ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ

ብጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሰረት፡ ልዕሊ 19 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቑብሉ ምዃኑ ዝንገረሉ መደበር ዓለም ዋጭ፡ ብተደጋጋሚ ጸገም ዘጋጥሞ ኣብ ናይ ውግእ ዞና ዝርከብ እዩ። እዚ ሓድሽ ጉድኣት ዘጋጠመ እቶም ስደተኛታት ብ15 ነሃሰ 2025 ረዲአት ንምውሳድ ተኣኪቦም እንከለዉ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ዜና፡ በቲ ዝተኸፍተ ተኹሲ ነጃት ኢብራሂም ዝተባህለት ጓል 15 ዓመት ከም ዝተወግአት ተፈሊጡ።

ካብዞም ኣብቲ መደበር ኣብ ሕማቕ መነባብሮን ናይ ጸጥታ ስግኣትን ዝርከቡ፡ መብዛሕትኦም ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ኣብቲ ክልል ካብ ዝነበረ መደበራት ናብ ኣለምዋጭ ዝገዓዙ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰንኪ ውግእ ሱዳን ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን እውን ከም ዝተወሰኽዎ ይንገር።

ኣለምዋጭ ኣብዚ እዋንዚ ካብተን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ተዓቚበሙለን ዘለዉ ሰለስተ መደበራት ሓንቲ እያ።