መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ወደብ ጅቡቲ ታጁራ 60% ብጽሒት ቁጠባዊ ተጠቃምነት ንክህልዎ ዝቐረበሉ ጻውዒት ከም ዝተሓሰመ ሶማሊያ ቱዳይ (Somalia Today) ካብ ጅቡቲ ሓቢራ። እቲ መሕሰሚኡ ምኽንያት ናይ ተጠቃምነት ዘይኮነ፡ ናይ መተሓላለፍን ምምሕዳርን (corridor arrangement) መሰል ክህልወኒ ኣለዎ ዝብል ምዃኑ እውን ሶማሊያ ቱደይ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ድሕሪ ኣዕሚቕ መጽናዕቲ ብናይ ጅቡቲ ምምሕዳር ወደባትን ናጻ ዞናን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
ጅቡታዊ በዓል መዚ ምምሕዳር ውደባትን ናጻ ዞናን ኣቡበከር ዑመር ሃዲ ነዚ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ዝበዘሐ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ክወሃባ እኳ እንተ ወሰነት ኢትዮጵያ ግና ነቲ እማመ ኣይተቐበለቶን። እቲ በዓል መዚ ጅቡቲ ንሕና ንጹራትን ግሉጻትን ኢና ኢትዮጵያ ግና ካብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ንላዕሊ ናብ ምውናንን ምምሕዳርን መተሓላለፊ እያ ተማዕዱ ዘላ ኢሉ።
ሃዲ ኣተሓሒዙ ጅቡቲ ንሓቢርካ ምስራሕ ቅርብቲ ኮይና፡ ንመንግስታዊ ኮነ ብሕታዊ ግዳዊ ንጥፈታት ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ጥጡሕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ድልውቲ ኮይና ክትቅጽል እያ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናይታ ኣስታት 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ግና ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኢትዮጵያ ልዕሊ 95% ንግዲ ዝወጽእን ዝኣቱን ብወደብ ጅቡቲ ምዃኑ ሃዲ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላኡ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ነቲ ከም ድላያ ንግዳዊ ንጥፈታት ከተካይደሉ እትኽእል 60% ብጽሒት ትቃወመሉ ዘላ መሰረታዊ ምኽንያት ኣብ መንጎ ተጠቃምነትን ምውናንን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። እዚ ድማ ሕቶ ኢትዮጵያ ኪኖ ንግዳዊ ተጠቃምነት ዝኸይድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ክብል እውን እቲ ጅቡታዊ ሚዛኑ ኣስፊሩ። ኣብቲ ጉዳይ ርኢቶ ዝሃቡ ኣካላት ብወገኖም ኢትዮጵያ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝሰኣነቶ ዋንነት ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ክትቅበሎ ዘይምኽኣላ ዘርኢ ምዕልባጥ እዩ ኢለምዎ።
ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስ ጀነራላቱ
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሕያሎ ጀነራላት ጡረታ ከውጽእ እንከሎ; ንዓኣቶም ዝትክኡ ሓድሽ መዓርጋት ከም ዝሃበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢራ። እቲ ዜና ነቲ ስጉምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣተሓሒዙ እቶም ጡረታ ዝወጹ 21 ኮይኖም፡ መዓርጎም ከኣ መጀር ጀነራል ምዃኑ ጠቒሱ። ካብቶም ጡረታ ዘወጹ ጀነራላት፡ ዲያብ ባድር ዲያብ፡ ካልድ ኣልቃዲ፡ ቃንዲል በሽርን ካሊድ ኣቤል ምታኣን ፍሉጣት ምንባሮም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።
ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓደስቲ ናብ ዝለዓለ መዓርግ ንምድያብን ነባራት ጡረታ ንምውጻእን ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ ኣፍሊጡ። እቲ ዜና ብተወሳኺ እቲ ምዓርግ ምሃብን ጡረታ ምውጻእን ብናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን መሰረት ገይሩ ዝተተግበረ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ እዋናውነት ናይቲ ስጉምቲ ብእስላማዊ ኣካላት ናይታ ሃገር ከም ዝተነቐፈ ተፈሊጡ። እቲ ነቐፈታ ካብቶም ጡረታ ወጺኦም ዘለዉ፡ መብዝሕትኦም ኣብቲ ኣንጻር ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ክብሪ ውግእ ዓብይ ግደ ዝጸንሖም እዮም ብዝብል እዩ። እቲ ምትዕርራይ ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅመር ንኻለኣይ ግዜ ዝተኻየደ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ስጉምቲ ምስ ምኽባርን ዘይምኽባርን ወተሃደራዊ ስነ-ስርዓት ምትእስሳር ከምዘለዎ’ውን ተፈሊጡ።
ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ኣካላት ከኣ፡ ወተሃደራዊ ኩነታት ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን ኣብ ምርግጋእን ዳግመ ውደባን ኣትዩ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ ኢለምዎ።
ወዲ 78 ዓመት ፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ ን6ይ ግዜ ተወዳዲሩ፡ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከም ዝሰዓረ ቢቢሲ ሓቢራ። ካለኦት ተቓወምቲ መወዳድርቱ ካብቲ ምርጫ ክስሕቡ እንከለዉ፡ ምስ ዑመር ገለ ዝተወዳደረ መሓመድ ፋራሕ ሰመተር ድማ 2 ካብ ሚእቲ ድምጺ ከም ዝረኸበ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።
ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዑመር ገለ፡ ኣብዚ ብ10 ማዝያ 2026 ዝተኻየደ ምርጫ ኣይክሳተፍን እዩ ዝብል ትጽቢት’ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ካብ ወዲ 75 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ምርጫ ኣይወዳደርን ዝብል ዝነበረ ናይታ ሃገር ሕገምንግስታዊ ዓንቀጽ ኣመሓይሹ ከም ዝተወዳደረ ተፈሊጡ።
ዑመር ገለ ኣብ ድሮ ምርጫኡ ወፈራ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝጐስጐሰሉ ዝነበረ፡ ጐረባብቲ ጅቡትን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝለዐለ ቅልውላውን ስግኣትን ክህልዋ እንከለዋ፡ ንሱ ግና ንጅቡቲ ብርግኣትን ሰላምን ከመሓድራ ምጽንሑ ዝገልጽ እዩ ነይሩ። ዑመር ገለ ጅቡቲ ብ1977 ካብ ፈረንሳ ናጻ ካብ እትወጽእ ዝመርሓ ዘሎ 2ይ ፕረሲደንት እዩ። ከም ዳሂር ኣሕመድ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፖለትከኛታት ናይታ ሃገር ካብ 2016 ጀሚሮም እዮም እቲ ዝስዕር መን ምዃኑ ብምርዳእ ካብቲ ምርጫ ክስሕቡ ጸኒሖም።
እቲ ፕረሲደንት ድሕሪቲ 80 ሚእታዊት ካብቶም ዝተመዝገቡ መረጽቲ ዘድመጽሉ መስርሕ ምርጫ ምዕዋቱ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዓወት ናቱ ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሃገር ምዃኑ ምግላጹ ተጠቒሱ። እቲ ዝተሳዕረ መወዳድርቱ ግና ብዛዕባቲ ኩነታት ዝሃቦ መግለጺ የለን። ናይቲ ምርጫ ውጽኢት ዝገለጸ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክኸውን እንከሎ፡ ቅድሚ ዑመር ገለ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ብቤት ፍርዲ ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር።
ጅቡቲ ብዘለዋ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ናይቲ ብደረጃ ዓለም ጻዕቂ ምንቅስቓስ ካብ ዝረኣየለን ሓንቲ ዝኾነት ወሽመጥ ባብኤልመደብ ቀንዲ መራኸቢት እያ። ርግኣት ጅቡቲ ሳላ ናይተን ኣብኣ ወተሃደራዊ መደበራት ዘለወን ሓያልት ሃገራት ዝተፈጥረ እዩ ዝብል ናይ ምዙሓት ግምት እዩ።
ፈደራል ዳኛ ኣሜሪካ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣስታት 5 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ዝነበሮም መሰል ግዝያዊ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓዶም ሰሪዙ ናብ ሃገሮም ክስጐጉ ንዘውጸኦ መደብ ዓጊትዎ። ዳኛ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ብሪያን ሙርፊ፡ ምምሕዳር ኣሚሪካ ዝኸዶ ሕጊ ናይ ምጥሓስ ውሳነ ብምጥቃስ እዩ ነቲ ውሳነ ብ9 ማዝያ 2026 ዓጊትዎ።
ዳኛ ሙርፊ ኣባላት ኮንግረስ ኣሚሪካ ነቲ ጉዳይ ሕጋዊ መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ንዝተጻወትዎ ኣውንታዊ ግደ ብምጥቃስ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ግና ኣብ ምኽባር ሕጊ ከምዘይግደስ ሓቢሩ። እቲ ኩነታት ንሕገመንግስቲ ኣሜሪካን ካለኦት መትከላትን እውን ከም ዝጸልው ኣስፊሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ውሳነ መራሒ ኣሜሪካ ንሓላፍነት ቀወምቲ ትካላት ዝትክእ ኣይኮነን ኢሉ። ምምሕዳር ፕረሲደንት ትራምፕ ነቲ ንዜጋታት 13 ሃገራት ዝምልከት መሰል ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድን ስራሕን ንምስራዝ ዝኸዶ መንገዲ ከኣ ዘይሓላፍነታዊ ነይሩ ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ንኢትዮጵያውን ዝተዋህበ ግዝያዊ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓድ ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ውግኣት፡ ግርጭታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብኡ ንምንባር ዘስገኦም ጸገም ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እቲ ዳኛ ኣተሓሒዙ ነቲ ኣቐዲሙ ብፕረሲደንት ኣሜሪካ ዝተወስደ ምስራዝ ግዝያዊ ፈቓድ፡ ንኩነታት ናይተን ዜጋታተን ግዳይ ዝኾኑ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይምንባሩ ኣብቲ ውሳነኡ ከም ዝጠቐሰ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ናይቲ ፍርዲ ዝሃበ ኣካል ወሃቢ ቃል ብወገኑ፡ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ፡ ንስጉምቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሕጋዊ መልክዕ ናይ ምትሓዝ ኣብነት እዩ ኢልዎ። ኢትዮጵያውያን ነቲ ዕድል ዝረኸቡ መጀመርያ ብ2022 ኮይኑ፡ ኣብ 2024 ድማ ተሓዲሱ።
ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ
Friday, 10 April 2026 11:03 Written by ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካሰኑይ 6 ሚያዝያ ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ከምዝነበረ ጉባኤ ዞባ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2026 ብመራኸቢ ብዙሃን ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ እምበኣር ዕዉት ዞባዊ ጉባኤ ንምስልሳል ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ምድላው ምምዛን እዩ ነይሩ።
መጀመርታ ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድሒሩ ድማ ናይ ሓጻዪት ሽማግለ ናይ ስራሕ ጸብጻባት ቀሪቡ።
- ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኩሉ ዝድለ ምድላዋት ተካይድ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ተጠቒምና እንህቦ ድምጺ ብግቡእ ምእንቲ ክቁጸርን ዝኾነ ይኹን ጽገማት ከምዘይጋጥም ንምርግጋጽን መፈተኒ ድምጺታት ክእከብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኩሉ ዝድለ ሰነዳት ኣብ ምድላው ከምዘላ ድማ ገሊጻ።
- ሓጻዪት ሽማግለ ብወገና ዳርጋ ኩለን ጨናፍር ከምዝሓጸያን ንነፍስወከፍ ሕጹይ ወይ ሕጽይቲ ብደብዳቤ ክትሕብር ምዃና ሓቢራ። ተሪፉዋ ዘሎ ስራሕ ዞባ ክመርሑ ድሉዋት ዝኾኑ ኣጻርያ ናብ ጉባኤ ምቕራብ እዩ።
ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!
ክንዕወት ኢና!
ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
6 ሚያዝያ 2026
ካብቶም ናይ 2ይ ደረጃ ፈተና ክቐርቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ተመሃሮ ሱዳን
ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ተመሃሮ ሱዳን ንምሕጋዝ፡ ኣብ 2ይ ሰሙን ወርሒ ማዝያ 2026፡ ኣብ ከተማ ጁባ 1,224 ተመሃሮ ናይ 2ይ ደረጃ ምስክር ወረቐት ፈተና ዝወስድሉ መደብ ከም ዝሰርዑ “ሱዳን ፖስት SUDAN POST” ዝተባህለ ትካል ዜና ሓቢሩ። ካብዞም ተመሃሮ ድሮ 800 ዝኾኑ ካብቲ ተዓቚበምሉ ዝነበሩ መደበራት ከተማ ጁባ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ኣስታት 424 ተመሃሮ ግና ብሰንኪ ናይ መጐዓዝያ ሕጽረትን ናይ ጸጥታ ስግኣትን ኣወይል ኣብ ዝተባህለ መደበር ስደተኛ ይጽበዩ ምህላዎም ተሓቢሩ።
እዚ መደብ ምውሳድ ፈተና ናይ ደቡብ ሱዳን ምክትል ፕረሲደንትን ሚኒስተር ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ሑሴን ዓብደልባጊ ምስ ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ጁባ ኢሳም መሓመድ ከራርን ሚኒስተር ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኩዮክ ኣቦል ኩዮክን ድሕሪ ምዝርራብ ዝወጸ ምዃኑ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እቲ ፈተና ክሳብ 27 ማዝያ 2026 ኣብ ዘሎ መዓልታት ከም ዝፍጸም ከኣ ተፈሊጡ።
ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከራር፡ ብዛዕባቲ መደብ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብሓፈሻ እቲ መስርሕ ፈተና ብሰላም ክካየድ ብፍላይ ድማ ነቶም መጓዓዝያ ስኢኖም ተዓጽዮም ዘለዉ ጸገሞም ቀልጢፉ ንክፍታሕ ኣተሓሳሲቦም።
ብወገን ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ድማ፡ ተመሃሮ ሱዳን ካብቲ ተዓጊተምዎ ዘለዉ መደበር ኣወይል ናብ ጁባ ብውሑስ መንገዲ ዝጐዓዝሉ መስርሕ ክመዓራረየሎምን ፈተናኦም ብሰላማውን ውሑስን ሃዋህው ክካየድ ኩሉ ዝከኣሎም ዘበለ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጾም። እቲ መደብ ምሃብ ፈተና ተመሃሮ ብዝምልከቶም ሰብኣዊ ትካላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ይነኣድሉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመደ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ መድረኽ ብ7 ማዝያ 2026; ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኑ ክመርሕ ናይ ዝጸንሐ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ጸብጻብ ከም ዝሰምዐ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።
ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ጸብጻብ ዘቕረበ ንሓደ ዓመት ንክመርሕ ዝተዋህቦ ናይ ግዜ ገደብ ንክውዳእ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ምስ ዝተረፎ እዩ። ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐረበ ጸብጻብ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ጀነራል ታደሰ ካብ 8 ሚያዝያ 2026 ጀሚሩ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ኣብቲ ናይ ፕረሲደንትነት መዝነቱ ንክቕጽል ብፈደራል መንግስቲ ከም ዝተወሰነ ተሓቢሩ።
መንግስታዊ መዲያ ኮርፖሬሽ ፈነወ ኢትዮጵያ፡ ከም ዝገለጸቶ እቲ ምንዋሕ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 62 (9)ን ብኣዋጅ ቁጽሪ 359/1995፡ ዓንቀጽ 14 ንኡስ ዓንቀጽ 2 (ለ)ን ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ፈደራል ዝተወሰነ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ጸብጻብ ዝቕረበሉ ኣኼባ፡ ብወገን ፈደራል መንግስቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጌደዎን ጢመቲዎስ፡ ኣዛዚ ፈደራል ፖሊስ ጀነራል ኮሚሽነር ደምመላሽ ገብረሚካኤ፡ ሚኒስተር ልምዓት መስኖን ከባቢታት ቆላን ዶር ኣብርሃም በላይን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳን ክርከቡ እንከለዉ፡ ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግና ጀነራል ታደሰ ወረደ ንበይኑ እዩ ተሳቲፉ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ እታ ኣብዚ እዋንዚ ሕጋውነት ብኮምስን ምርጫ ቦርድ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ዝርከብዎ ኣካል፡ ድሕሪ ሕጂ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝበሃል ኣየድልየናን ብዝብል ንምንዋሕ መዝነት ታደሰ ወረደ ከም ዝነጽግዎ ይሕበር ኣሎ። እዚ ኩነታት ናይቲ ሰላም ከውሕስ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምፍራሱ ዘመልክት እዩ። በዚ መሰረት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ሓይሊ ትግራይን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ንዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ’ውን ናብ ሓደገኛ ኣቕጣጫ ከይወስዶ ዘስግእ ዘሎ እዩ።
ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ4 ሚያዝያ 2026 ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዳ። እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝጸደቐ መደብ ስራሕ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ዝካየድ ኮይኑ፡ ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ፖሓኤን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮን ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ እዩ ተመሪሑ።
ኣኼባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤትራ፡ ተሳትፎን ንቕሓትን ደቂ-ኣንስትዮ ክብ ንኽብል ጽዑቕ ጻዕሪ ምክያድ ከም ዘድሊ ብሰፊሑ ተመያይጡ ኣድላይነቱ ኣስሚሩሉ። ብዘይካ’ዚ ሕቶ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል እውን ብምዃኑ ኩሎም ምእንቲ ፍትሒ ዝቃልሱ ኣካላት ግደኦም ዘበርክቱሉ መድረኽ ቃልሲ ምዃኑ እቲ ዜና ኣረዲኡ። እቲ ንቕሓት ኣባላት ክብ ናይ ምባለ ዕማም ብመንገዲ ጥምሮ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምጽዋዕ ኣብ ቀጻሊ ተደጋጋሚ ኣስተምህሮ ክወሃብ ኣኼባ ወሲኑ።
ጥምሮ ኣብያተ- ጽሕፈት ዉደባ፡ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ፖሓኤ፡ መደባት ምንቕቓሕ ከካይድ ዝቖመ ኣካል እዩ። ኣብ መደምደምታ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ተመሳሳሊ ሓፈሻዊ ኣኼባ ንኽካየድ ድሕሪ ምውሳን ኣኼባ ተዛዚሙ ክብል እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።
ኣምበሳደር ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያን ቀዋሚ ወኪል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኾነ ኣልዘይን ኢብራሂም ሑሴን ሓለፍቲ መንገዲ ኣየር ሱዳን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዳይረክተር ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ዮሃንስ ኣርኣያ ተራኺቡ ከም ዝዘተየ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።
ኣባላት ልኡኽ ሱዳን ወከልቲ መንገዲ ኣየር ቦርድን ካርጎ ኣቬሽንን ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ጠቒሱ። እቶም ልኡኻት እተን መንገዲ ኣየራት ሓቢረን ብዛዕባ ዝምዕብላሉን ኣገልግሎት ሲቪላዊ መጐዓዚያ ክልቲኡ ህዝብታት ስሩዕ ብዛዕባ ዝኾነሉ ኣገባባትን ከም ዝዘተዩ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። በቲ ዝተሰማምዕዎ መሰረት ዝካየድ ካብን ናብን መጓዓዝያ ንግዳዊ ምልውውዋጥ ሕብረተሰብ ክልቲኡ ሃገራት ባዛዕባ ዝኾነሉ ምዝርራቦም’ውን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ኣንበሳደር ኣልዘይን ኢብራሂም ሑሴን ኣብቲ ርክብ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ኣውንታዊ ህልዊ ኩነታት ክግምግም እንከሎ፡ ናይ መንግስቲ ሱዳን ምምሕዳር ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ካርቱም ምምላስ ጠቒሱ፡ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም፡ ዓለም ለኻውን ናይ ውሽጢ ሃገርን ኣገልግሎት በረራ ይህብ ምህላዉ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ ክልቲኦም ወገናት ኣድላይነት ምሕያል ዝምድና ክልቲአን መንግዲ ኣየራት ተገንዚቦም ንናይ ሓባር ተጠቃምነት ክኸውን ከም ዝግበኦ ምርድዳኦም እቲ ዜና ሓቢሩ።
እዚ ኩነታት ዝፍጠር ዘሎ፡ ብሰንኪ ዞባዊ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብጀነራል ኣሕመድ ዳጋሎ ዝምራሕ ወገን ሱዳን ስለ እትድግፍ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ኣትየምዎ ዘለዉ ምትፍናን ናብ ወግእ ከይዓርግ ኣብ ዘስገኣሉ ዘሎ ኩነታት እዩ።
ሱዳናዊ ሚኒስተርን ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ መኽፈቲ እቲ ስነ-ስርዓት
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪቲ 3ይ ዓመቱ ገይሩ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ሱዳን ኣብ ፖርት ሱዳን ዝጸንሐ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዋና ከተማ ናይታ ሃገር ካርቱም ከም ብሓድሽ ከፊቱ። ኣብ ስነ ስርዓት ናይቲ ዳግመ-ምኽፋት፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሱዳን ሞሓዲን ሳልምን ኣመሓዳሪ ካርቱም ኣሕመድ ዑስማን ሓምዛን ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ወከልቲ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ከም ዝተሳተፉ እውን እቲ ካብ ሱዳን ትሪቡን ዝተረኽበ ዜና ሓሓቢሩ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ስጉምቲ ምውሳዱ ኣመስጊኑ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ንሱዳን ታሪኻዊ ዕለት እዩ ኢልዎ። ብቲ ኣጋጣሚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪሎም ኣብ ጐኒ ህዝቢ ሱዳን ናብ ዝሰርሑ ኣካላት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ሚኒስተር ሳልም ብተወሳኺ ዳርፉርን ኮርዱፉንን እውን ካብቲ በስንኪ እቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝበጽሖም ዘሎ በደል ክድሕኑ እዮም ዝብል ተስፋኡ ገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ እቲ ሚኒስተር ከም መንግስቲ፡ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝኾና፡ እቲ ውድብ ምእንቲ ሰላም ሱዳን ኣብ ዝወስዶም ተበግሶታት ክንተሓባበር ኢና ክብል ቃል ኣትዩ። ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነ ኣካል ከገድዶ ከም ዘይፈቅድ ጠቒሱ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኣብ ቅድሚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ እማመ ሰላም ከም ዝምእዘዙ ኣረጋጊጹ። ካብዚ ሓሊፉ ንሚሊሻ ቦታ ከምዘይህቡ ጠቒሱ፡ ኣብ ጉዳዮም ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት ከምዘይፈቕዱ ድማ ኣረጋጊጹ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነት ሱዳን ኣብ ናይ ምንጥልጣል ውሳነኡ ዳግመ ርኢቶ ንክገብር ኣተሓሳሲቡ። ኢጋድ ብወገኑ ዝጭበጥ ንከባቢያዊ ምርግጋእ ዝሕግዝ ስጉምቲ ንክወስድ ኣዘኻኺሩ። ብሓፈሻ ንኣስተዋጸኦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ንኣበርክቶ ደኒስ ብራውን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ስረሓት ኣብ ሱዳን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ብዝያዳ ድማ ነቲ ምስ ኩሉቲ ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ውግእ፡ እንኮ ካብ ሱዳን ንዘይወጸ ኣንበሳድር ዝንባብወ ብፍሉይ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።