
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላፍቶ ኣብ ዝተባህለ ክፍለ-ከተማ; ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ከም ዝተቐትሉን ሓያሎ ከም ዝቖሰሉን ኣብ ለንዶን ዝመደበሩ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ብ27 ለካቲት 2025 ብዘውጸኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብቲ ክፍለ-ከተማ ወረዳ 22 ተኣሲሮም ዝነበሩ መንእሰያት ብ22 ጥሪ 2025 ዝተቐትሉ ብናይቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ሓለዋ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ሃኒባል ሰለሞን ጉርጃን ኣታኽልቲ ኢሳያስ ሃብተጽዮንን ዝተባህሉ ሽዑንሽዑ ከሞቱ እንከለዉ እቲ ሓደ ዝምልከቶም ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስሙ ክጠቕስዎ ዘይደለይዎ ድማ ተወጊኡ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ከም ዝሞተ ናይቲ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝመደበሩ ሰብኣዊ ትካል መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ዝተኮሱ ኣባላት ፖሊስ ዝበልዎ ምስምስ ክሃድሙ ፈቲኖም ዝብል ምዃኑ ድማ እቲ ዜና ኣቃሊዑ።
ብዘይካዚ ኣብቲ ኩነታት ዝቖሰሉ ካለኦት ዓሰርተ ሓደ ግዳያት፡ ግቡእ ሕክምና ብሰንኪ ዘይምርካቦም ኣደዳ ስቓይ ኮይኖም ክብል፡ እውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ናይቶም ግድይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣስከሬን ክህቡ ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ገሊጸን።
ብኻልእ ወገን ከኣ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብጃምላ ከም ዝእሰሩ ጠቒሳ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ጉዳይ መብርሂ ክህቡ ክሕተቱ እንከለዉ ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑ ገሊጻ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ መበል 58 ጉባአ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ንከተውጽእ ኣተሓሳሲቦም።
ሕበረት ኤውሮጳ፡ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ኣባላት ሰራዊት ፈጺመምዎ ዝበሃ ኩሉ ግህሰታት ብዘይሻራዊ ኣካል ምሉእ ምጽራይ ክግበረሉ ይግባእ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብምጥሓስ ዝተፈጸመ ግህሰታት ግዳይ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያንን ዕቑባ ሓቲቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ፍትሒ ክረኽቡ ይግበኦም ምባሉ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እቲ ሕብረት ብ27 ለካቲት 2025 ናብቲ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እውን ከም ዘተሓሳስቦ ጠቒሱ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ናብቲ መበል 58 ጉባአ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ላዕለዋይ ሞኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ውግእ ትግራይ ዝተቛረጸሉ ውዕል ፕሪቶርያ ይጥሕሱ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ብህጹጽ ክወጹ ኣለዎም ክብል ምትሕስሳቡ ተጠቒሱ። ናይቲ ዋና ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ቤት ጽሕፈት ኣተሓሒዙ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ርኡይ መጥቃዕቲ፡ ምስዋር ሰባት፡ ኣገዲድካ ዓመጽ፡ ምዝማት ንብረትን ጃማላዊ ማእሰርትን ይፍጽም ከም ዝፍጽም ዝተኣማምን መርተዖ ኣለኒ ምባሉ’ውን ተሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቁራጹ፡ ክልቲኦም መንግስታት ብሓደ ተሳሊፎም ኣብ ትግራይ ከም ዝተዋግኡ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝግለጹ ቅልውላዋት ተፈጢሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ብፍላይ ድማ ድሕርቲ ብናይ ቅድም ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ዶር ሙላቱ ተሾመ ንኤርትራ ዘቃልዕ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ኣልጀዚራ ምዝርግሑ እቲ ወጥሪ ከም ዝተጋደደ ኣስፊሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ሙላቱ ተሾመ ዘውጸኦ ጽሑፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ርኢቶ እምበር፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውክል ዘይምዃኑ ብወሃብ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣንበሳደር ነቢያት ጌታቸው ኣቢሉ ምግላጹ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ምኒስተር ፈደራላዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያን ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ፈደራል ረፑብሊክ ሶማሊያ ሓሰን ሼሕ ማሕሙድን ብ27 ለካቲት 2025 ኣብ ከተማ መቃድሾ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ፡ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። እዚ ርክቦም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ ቱርኪ ከተማ ኣንካራ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ንምምላስ ዘበጽሕዎ ስምምዕ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
በቲ ናይ ሓባር መግለጺ መሰረት፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ንናይ ሓባር ረብሓ ብሓንሳብ ክሰርሑ ኣቐዲሞም ንዝበጽሕዎ ስምምዕ ደጊሞም ከም ዘረጋገጽዎ ቅሩባን ምዃኖም ምርግጋጾ’ውን ተሓቢሩ። ብመሰረት ኣብ መንጎ ህዝብታቶም ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድናን ዘራኽቦም ነዊሕ ዶብን፣ ኣብ መንጎኦም ኣብ መዳያት ቁጠባን ማሕበራዊ ዝምድናን ምትእምማንን ምትሕብባርን ምሕያል ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝተሰማምዑን ኣብ መዳይ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከም ዝሰርሑን ከኣ ኣብቲ መግለጺኦም ተመልኪቱ።
ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናይ ሓባር ሸቶ፡ ራእን ዕቤትን ዘለወን ሃገራት እየን ዝበለ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ህንጸት ናይ ሓባር እትራተጅያዊ ትሕተ-ቅርጻ፡ ናይ ሓባር ቀጻሊ ዕቤትን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ከዕውቱ ከምዝተሰማምዑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
ኣብ ኣንካራ ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት፡ ተክኒካዊ ኣተገባብራ ምጅማሩ ከም ዘሕጉሶም ጠቒሶም ፖለቲካዊ ዘተን ምርድዳእን ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጾም። ናይ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብዚ ቀረባ ንወተሃደራዊ መዳይ ከም ኣገዳሲ ዛዕባ ወሲዶም፡ ብደረጃ ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘኮነ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ንጸጥታን ድሕንነትን ኣብ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ ምጸሖም ከም ዘሕጉሶም’ውን ኣብቲ ርክቦም ምጥቃሶም እቲ መግለጺ ኣንጸባሪቑ።
እቲ ሓጺር ናይ ሓባር መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መጻኢ ናይ ሓባር ረብሓኦም ንምርግጋጽ ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምርድደኦም ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ናይ ሓባር ጸጥታ ብምውሓስን ሓባራዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ብምዕባይን ዝግለጽ ከም ዝኸውን ምርድዳኦም ኣፍሊጡ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ በቲ ሓደ ወገን ናብ ውግእ ከይኣትዋ ዘስግኣ ዝነበራ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩለ-መዳያዊ ስምምዕ ምብጸሓን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ብዙሓት ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘቕነዐ እዩ ዝበልዎ ኪዳን ዘይምስጓሙ፡ ናይ ዞባና ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ቅልጡፍ ምቅይያር የርኢ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ልኡኻት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ መቃድሾ
ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ናይታ ሃገር ሓላፊ ብሄራዊ ጸጥታ ኣንበሳድር ሬድዋን ሑሴንን ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊያ ጀነራል ኦዳዋ ሑአሴን ብናይታ ሃገር ሓላፊ ብሄራዊ ጸጥታ ዓብዱላሂ ሳንባሉልሸ ተሰንዮም ኣብ መቃድሾ ተራኺቦም ወተሃደራዊ ስምምዕ ከቲሞም ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘውጽኡ፡ ጆውሃር ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሶማሊያ ኣፍሊጣ።
እቶም ጀነራላት ኣብቲ ርክቦም፡ ብዛዕባ ሰላም ሶማሊያን እቲ ዞባን ተመያይጦም ኣገዳስነት ሰላም፡ ህድኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃን መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃን ምዝታዮም እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብፍላይ ብዛዕባተን ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማሊያ ወተሃደራተን ፖሊስን ዘሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ብፍላይ ድማ ሓይልታት ሶማሊያ ኣተሃላልዋኡን ካብ 2007 ጀሚሩ ኩነታት ሃገሩ ንምርግጋእ ክኸፍሎ ዝጸንሐ መስዋእትን ብሰፊሑ ተመያይጦም።
ኣዘዝቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ናይ መቃድሾ ርክቦም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሶማሊያ ሰራዊት ምልኣኹ ንኢዶም፡ እቲ ዝግበር ሰላም ናይ ምርግጋጽ ጻዕሪ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ክኸውን ከም ዝግበኦ ምርድደኦም እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዞም ከኣ ግደ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ዓቃብ ሰላም ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምምዛን፡ ሰራዊ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ እስትራተጂ ኣብ ሰላም ሶማሊያ ዕዙዝ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ መዚኖም።
ኣብቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ ፈደራል ረፐብሊክ ኢትዮጵያን ፈድራላዊ ረፐብሊክ ሶማሊያ ዝግበር ርክብ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማሊያ ብምኽባር በመንገዲቲ ኣብ መቃድሾ ዘሎ መንግስቲ ጥራይ ምዃኑን ተሰማሚዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ሶማሊያ ዝምደብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተልእኮኡ ፈጺሙ ቀልጢፉ ንክወጽእ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሶማሊያዊ ዓቕሚ ንምድላብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንክሕግዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝተሓባብርሉ ስምምዕ ከም ዝኸተሙ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣስፊሮም።
እዚ ስምምዕ ምስቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ዝተኸተመ ኪዳን ዘየሳኒ፡ መቐጸልታ ናይቲ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ኣብ ኣንካራ ብመንጎኝነት ቱርኪ ዝበጸሐኦ ስምምዕ ኮይኑ፡ ሓድሽ ኣሰላልፋ ዘምጽእን ንኤርትራን ሶማሊላንድን ዘየሕጉስ ፍጻመ እዩ።
ወርሓዊ ኣስተምህሮ ኣባላት ሰዲህኤን ኣኼባ ኣባላት ፖሓኤን ተሰላሲሉ
Saturday, 22 February 2025 21:57 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቐዲሙ ብጥምሮ ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ዝወጸ ስሩዕ ወርሓዊ መደብ መሰረት፡ ብ22 ለካቲት 2025 ንኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብ15 ለካቲት 2025 ዝተኻየደ ብሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ዝተመርሐ ኣኼባ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ድማ በዚ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ተሰላሲሉ።
ነቲ “ህንጸት ሃገራዊ መንግስቲ ብ‘ምዝማድ ምስ ህንጸት ሃገር፡” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ሓው ኣሰፋው በርሀ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ እዩ። ብጻይ ኣሰፋው ኣብቲ ኣስተምህሮኡ ብዛዕባ ሃገርነትን መንግስቲን ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ምትእሳራትን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ትሕዝቶ ልኡላውነት እውን ዕሙቕ ዝበለ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ሃገርን መንግስትን ዝምልከት ብኣብነታት ኣሰንዩ ምስ ኣብርሀ ከኣ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ክህሉ ብዛዕባ ዝግበኦ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ውዕልን ተሓታትነትን፡ መንግስቲ ከማልኦ ዝግበኦ ጉዳያትን ዘርዚሩ፡ እዚ ዝምድና ሚዛኑ ሓልዩ ንክቕጽል ኣብ ሕገመንግስቲ ምስፋሩ ወሳኒ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ኣብሪሁ።
ድሕሪዚ ሓፈሻዊ ክለሰ ሓሳባዊ መእተዊ ምቕራቡ ድማ፡ ምስ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ክህልው ትጽቢት ዝግበረሉ ምሕደራ ንምዝማዱ ይሕግዙ ብዛዕባ ዝበሎም ኣገደስቲ ዛዕባታት ስፍሕ ዝበለ ተንታን ኣቕሪቡ። እቶም ብፍላይ ዝተገደሰሎም ዛዕባታት “ምምሕዳር ሃገራዊ ጸጋታትዓይነት፡ ምምሕዳራትን ተደላይነት ዲሞክራሲያዊ ምሕደር፡ ዕላማታት ሃገረ መንግስቲ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ሃገረ መንግስቲ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ሃገረ ኤርትራ፡ ዜጋን ሓጋጊ ስልጣንን ከምኡ’ውን ስልጣንን ዕላማን ሃገራዊ ፓርላማን” ዝብሉ ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ ዝሰፍሩ ንኡሳ ኣገደስቲ ሓሳባት’ውን ብምጥቃስ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣቕሪቡ።
ድሕሪ መግለጺ ተሳተፍቲ ነቲ ኣቀራርባን ትሕስቶን ኣስተምህሮ ንኢዶም ሕቶታት ሓቲቶም ኣድላይ መልሲ ክወሃቦም እንከሎ፡ ኣብ መጻኢ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኻት ክቕጽል እውን ለበዋ ኣቕሪቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ15 ለካቲት 2025 ምስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝነብሩ ኣባላት ፖሓኤ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብዚ ዕለት’ውን ምስ ኣብ ኣወስትራልያን ኒውዘላንድን ዝርከቡ ኣባላት ቀጺሉ። ኣብዚ ኣኼባ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፖሓኤ፡ ካብ ህልዊ ምንቅስቓሳት ፖሓኤ ጀሚሩ ብዛዕባ ብደረጃ ሃገራዊ ዞባውን ኣህጉራውን ዝረአ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ምዕብልናታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ኣብዚ ኣኼባ’ውን ከምቲ ናይ ቅድም፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፖሓኤ፡ ብዛዕባ’ተን ዝመርሕወን ዘለዉ ትካላት ሓጸርቲ ጸብጻባት ኣቕሪቦም ኣባላት ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ክሳተፉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ ኣንፈታት ኣመልኪቶም። ተሳተፍቲ ብወገኖም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም መብርሂ ምስ ተዋሂብዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ርክባት ቀጻሊ ንክኸውን ድማ ተማሕጺኖም።
ኣብ ኤርትራ ኩለን ዞባዊ ምምሕዳኣራት፡ ክሳብ ደቂ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ንወተሃደራዊ ዳግመ-ስልጠናን ልምምድን መዝጊበን ከዳልዋን ዘድሊ ምልዕዓል ክገብራን ከም ዝተኣዘዛ“ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ (Human Right Concern Eritrea” ዝተባህለ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ሰብኣዊ ትካል፡ ብ18 ለካቲት 2025 ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ክተት ዝተጣየሱ ወተሃደራት ነበርን ኣቐዲሞም ብፍሉይ ምምሕዳራዊ ምኽንያታት ካብ ውትህድርና ንክወጹ ውሕስነት ረኺቦም ኣብ ተጠባበቕቲ ተመዝጊቦም ዝነበሩን ከም ዘጠቓልል ተሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓዳር መስሪተን ዝወለዳ ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፋ ኣካልቲ ክተት ምዃነን ተጠቒሱ።
በቲ ናብተን ዞባዊ ምምሕዳራት ተመሓላሊፉ ዝተባህለ ትእዛዝ መሰረት፡ ንግዱድ ውትህድርናን ምድራት ምንቅስቓስን ዝምልከቱ መምርሕታት፡ መሰረት ብምግባር፡ ዝኾነ ወዲ 50 ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝዕድሚኡን ዜጋ ካብ ሃገር ከይወጽእ ከም ዝኽልክል እውን ተገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዞባዊ ምምሕዳራት ድሮ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዳ ከም ዝጀመራ ተፈሊጡ።
እዚ ሓድሽ ትእዛዝ፡ ምስ ጐረቤት ኢትዮጵያ ከይካየድ ምስ ዘስግእ ዘሎ ውግእ ምትሕሓዝ ኣለዎ ብዝብል፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓሚቕ ስንባደ ፈጢሩ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ። እቲ ሰብኣዊ ትካል ኣተሓሒዙ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዋንነት ወደብ ዓሰብ ተቕርቦ ዘላ ሕቶን ኣብ ግዜ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወጸ ግጉይ ካርታ ኣፍሪቃን ነቲ ወጥሪ ኣጋዲዶም ናብ ውግእ ከይወስድዎ ስግኣት ከም ዘሕደረ ኣብቲ ሓበሬታኡ ኣስፊሩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ እቲ ኤርትራዊ ሰብኣዊ ትካል፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ 2020-2022 ዝተኻየደ ውግእ ብምስታፋ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረደ ብምጥቃስ ናይቲ ውግእ ግዳያት መርድእ ከይተነግረ ካልእ ናብ ውግእ ዝወስድ ሻቕሎት ምፍጣሩ፡ ኣብቲ ህዝቢ ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ከቢድ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዝምልከተን ሃገራትን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ተጽዕኖ ከሕድራ እቲ ትካል ጸዊዑ። ብፍላይ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣድላይነት ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ከረደኣ ክኽእል በቲ ዘውጸኦ ሓበሬታ ኣዘኻኪሩ።
“ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ” ካብቶም ብጻዕቂ ከተሓትቱ ዝጸንሑ መድረኻዊ ዛዕባታት ሓደ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ሕቶ ገለ ወገናት፡ “የንቆልቁል እዩ ዘሎ” ኢሎም ክምልስዎ እንከለዉ፡ ካለኦት ከኣ “እዞም መንግስታት እዚኣቶም ዘይእሙናትን ኣካይዳኦም ዘይፍለጥን ስለ ዝኾኑ፡”ዝምድናኦም ኣብ ከምዚ ደረጃ እዩ ዘሎ ክትብሎ ኣጸጋሚ እዩ” ክብሉ እዮም ጸኒሖም።
እቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ኮይኑ፡ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብፍላይ ብወገን’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ መንገዲ ትካላውን ግሉጽን ብሰንኪ ዘይምዃኑ እዩ። እንተኾነ ብዝያዳ ድሕሪ ምኽታም ምቁራጽ ህውከት ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቶም ብክልቲኦም ወገናት፡ እናተቛራረጹ ብኢድ ኣዙራዊ ኣገባብ ክቃልሑ ዝጸንሑ ፖሮፓጋንዳዊ ወስታታት ኣላጊብካ፡ ብፍላይ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ እቲ ዝምድና “ኣዝዩ እናሓርፈፈ” ክኸይድ ከም ዝጸንሐ ምግማቱ ዘጸግም ኣይነበረን።
ካብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣዝዮም ከም ዝተረሓሓቑ ዘርእዩ ግሁዳት ምልክታት ይስምዑ ኣለዉ። “ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ምክያዱ” ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ከይተረፈ ምስተቃልሐ፡ ብወገን ኤርትራ እውን ግብረ መልሲ ብዝመስል፡ “ኣብ ሰለስተ መራክብ ኣዘርባጃን ተጻዒኑ ዝነበረ ኣጽዋር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኤርትራ ተወሪሱ” ዝብል ተሃዋሲ ዛዕባ ተወዓዊዑ። ከይደንጐየ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ድሮ መበል 38 ዓመታዊ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃነጾ ዓለምለኻዊ ማእከል ኣኼባ (international convention center) ኣብ ህላወ ናይታ ሃገር ፕረሲደንት ኣቶ ታየ ኣጽቀስላሴ ከመርቕ እንከሎ ዝሰቐልዎ ካርታ ኣፍሪቃ ንሰፊሕ ደቡባዊ ክፋል ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ ኮይኑ ምስ ተራእየ፡ ምስቲ ከስምዕዎ ዝጸንሑ ቀጻሊ ህርፋን ወደብ ዓሰብን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ተደሚሩ ሓያል ናይ ፕሮፖጋንዳ ማዕበል ኣልዒሉ።
እቲ ተረኽቦ ነቲ ዝተረስዐ ዝመስል ዝነበረ፡ ኣብ ከተማ ጐንደር ብምኽንያት ጽንብል በዓል ጥምቀት 2020 ኣብ ዝተሰናደአ ናይ ጐደና ምርኢት ንምልእቲ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ ካርታ ብምዝርግሑ ህግደፍኳ እንተዘይተዛረበሉ፡ ናይ ብዙሓት መዘራራቢ ኮይኑ ከም ዝነበረ ዘዘኻኽር ኮይኑ ቀንዩ። ኣብቲ ንኤርትራ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይህብ ካርታ ዝቐረበሉ ኣጋጣሚ ዕዱም ተሳታፊ ዝነበረ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሰመረ ርእሶም ርእዩ ከምዘይረኣየ ምዃኑ ከኣ፡ ከም ሓድሽ ክትዝክሮ ዘገድድ ክስተት እዩ ኮይኑ’ሎ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ንገለ ክፋል ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ፡ እሞ ብወገን ኢትዮጵያ ኮነ ሕብረት ኣፍሪቃ መብርሂ ዘይተዋህበሉ ክስተት’ውን ኣብቲ መድረኽ ዝነበረ ጉዳይ ፈጻሚ ኤርትራ ኣቶ ቢንያም’ውን ድምጹ ኣይተሰምዐን። ጸኒሑ ግና፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል “ጽንብላሊዕሲ ነብሳ ዘይከደነት መሬት ከደነት” ዝብል ግና ድማ ዕምቆት ብዘየብሉ ኣቀራርባ ግብረ መልሲ ስለ ዘስመዐ፡ እቲ ፕሮፖጋንዳዊ ምድርባይ ፊትንፊት ናይ ምዃን ምልክት ኣርእዩ።
ኢትዮጵያዊ ምሁርን ዲፕሎማትን ዶር ሙላቱ ተሾመ ዊርጡ፡ ብ17 ለካቲት 2025 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ዓምዲ ርኢቶ፡ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ብዝብል ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ነቲ ሕማቕ ምስልን ገበናትን ኢሳያስ ኣፈወርን ጉጅለኡን ዝዳህሰሰ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ውግእ ናይ ምኽፋት ሓድሽ ድሌት ከምዘለዎ ብምጥቃስ ተሪር ክሲ ኣቕሪቡ። ነዚ እውን ብወገን ኤርትራ ኣብ 8 ነጥብታት ዘተኩር ኮይኑ፡ “እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት ኢትዮጵያ ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ'ዩ" ብዝብል ዝጠቓለል መልሲ ሂብሉ። እዚ ተወሲኽዎ ድማ እቲ ፕሮፖጋንዳዊ ጥምጥም ቀጥታዊ መንግስታዊ መልክዕ ከም ዝሓዘ ዘርኢ ተወሳኺ መርተዖ እዩ። ትሕዝቶ ናይቲ ዝካሰስዎ ዘለዉ ቅድሚ ሕጂ’ውን ዝተባህለ ኮይኑ፡ ርክቦም ኣብ ሕማቕ ደረጃ ምብጽሑ ብንጹር ዘረድእ እዩ። ኢትዮጵያ በቲ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝዋሳእ ዘሎ ላዕለዋይ በዓል መዚ ዶር ተሾመ ኣቢላ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ክብደት ኣንጻር ኤርትራ ዝኸሰሰት፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ብኤርትራ “ንተቓወምተይ ብጋህዲ መድረኽ ሂባ” ተባሂላ ኣብ እተኸሰስትሉን ብኣንጻሩ ድማ “ኤርትራ ኣባላት ፋኖ ኣሰልጢናን ኣዕጢቓን ናብ ክልል ኣምሓራ ተእቱ ኣላ” ተርባሂላ ኣብ እተኸሰሰትሉን ግዜ ምዃኑ ከኣ ነቲ ምስሕሓባ ዝያዳ ኣኽሪርዎ’ሎ።
እዚ ዝረአ ዘሎ ምውጣጥ ሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ውህሉል ናይቲ ዘይሓላፍነታውን ዘይትካላውን ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍን ዘይዕቱብ ኣተሓሕዛ ፖሊሲ ዝምድና ሰልፊ ብልጽግናን ተወሲኽዎ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ምኽንያቱ እቲ መጨበጢ ዘይብሉን ኣርሒቑ ዘይርእን ዳንኬራ ኢሳይስ፡ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ወጻኢ ጉዳይና እዩ፡ ኣብይ እንተደሊኻ ዓሰብ፡ ምጽዋዕ፡ ተስነይን ኦሞሓጀርን ፈቓድ ከይሓተትካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ” ዝብል ዝነበረ ብስምዒት ዝተዓብለለ ናይ ኢሳያስ ዓጀውጀው፡ ዘኽፍሎ ዘሎ ዋጋ ምዃኑ ዘንጊዕካ፡ ኣጻብዕትኻ ናብ መንግስቲ ብልጽግና ጥራይ ምውጥዋጥ ከምቲ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ዝበሃል እዩ ዝኸውን።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ፍቕሪ ሓድሽ ኣብ ዝነበሩ ግዜ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዓቲሮም፡ ጐረርኦም ክሳብ ዝልሕትት “ተደሚርና ኢና፡ ፍቕሪ ይሶር” እናበሉ ዝድብሉ እዢርዕም ዠይራዩ ኤርትራውያን ምንባሮም’ውን ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። እቲ ካርታ ኤርትራ ቆራርጽካ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው እውን፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብይ ኣሕመድ “ኣነን ወዲ ኣፎም ተደሚርና ዓሰብ ንካፈል፡ ቀይሕ ባሕሪ ማዕረ ፈለግ ኣባይ ናይ ኢትዮጵያ ህልውና ወሳኒ እዩ” ዝብሎ ዝነበረ ህርፋን መቐጸልታ እምበር ሓድሽ ዘይምዃኑ ምዃኑ ምስትውዓሉ ኣገዳሲ’ዩ።
እቲ ፍትሕ ተጋሂዱ ስለ ዝኾነ፡ ድሕሪ ሕጂ “ዝምድናኦም ኣብ ከመይ ደረጃ’ሎ?” ኣጀንዳ ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ምስሕሓብ ዝያዳ ተወጢሩ፡ ናብቲ ህዝብና ስለ ዘይረብሓሉ “ወትሩ እንቃወሞ ውግእዶ ይዓርግ ይኸውን?” ዝብል ስግኣት እዩ መዛረቢ ኣጀንዳ ዝኸውን። ውግእ ድሕሪ ሕጂ’ውን ናይ ዝኾነ ጸገም መፍትሒ ከምዘይከውን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝምስክር የለን። ስለዚ ህዝብና በቲ ሓደ ወገን ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዝዕቅብ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንውግእን ሳዕቤኑን ዕድል ዘይህብ ኩለ-መዳያዊ ቃልሲ ከካይድ ኣብ ዝግደደሉ ወሳኒ መድረኽ ምህላዉ ክርዳእን ብግብሪ ክስለፈሉን ይግብኦ።
ዶር ሙላቱ ተሾመ፡ ንኤርትራ ከም ጠንቂ ውግኣት ናይ’ዚ ዞባ ከሲስዋ
Tuesday, 18 February 2025 12:09 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶር ሙላቱ ተሾመን ብ2021 ከም ሎሚ ከይኮነ
ኢትዮጵያዊ ምሁር ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ፡ ኣብ ኣልጀዚራ ሓሳብ (opinion) ኣብ ዝብል ዓምዲ፡ ኣብ ትሕቲ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ዝብል ኣርእስቲ፡ ብ17 ለካቲት 2025 ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጽሑፍ ንኤርትራ ኣብ ዞባና ሓድሽ ውግእ ክተኣጉድ ትደሊ ምህላዋ ከሲሱ። ንሱ ኣብቲ ሰፊሕ ጽሑፉ፡ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን፡ ኣብዚ ዞባ ኣብ ዝተፈጠሩ ውግኣት ኢዳ ከተእቱ ዝጸንሐት እያ ክብል ገሊጽዋ።
ዝያዳ ዝርዝር ብምጥቃስ ከኣ ኣብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ውግኣት ኩሎም ኢድ ኤርትራ ከም ዝነበሮም ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ካብ 1993 ጀሚሩ እንኮ መራሒ ኤርትራ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ውግእ ንምእጓድ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ ክሳብ ሃገራት ኣበይቲ ቀላያት ዝኸይድ እዩ ኢልዎ። .
ዶር ሙላቱ ተሾመ ኣተሓሒዙ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 33 ዓመታት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ስልጣን ግዜ፡ ህላወ ፓርላማን ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ኮታ ኩሎም ትካላዊ ኣካላት መንግስቲ ዝበኾሩሉ፡ ንቡር መንግስታዊ ምምሕዳር ተሓሪምዋ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ ሰብ ወዲቓ ዘላ ሃገር ምዃና ኣስፊሩ። ኣብ ኤርትራ ገደቡ ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ብምጥቃ ከኣ፡ እታ ሃገር ብዘይካ ውሱን ዘይሕጋዊ ወርቂ፡ ስደት መንእሰያት እንተዘይኮይኑ ካልእ ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ሰደድ ዘየብላ ሃገር እያ እውን ኢሉ።
ኣብ ዞባና ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ጐንጽታት ምጽሕታር፡ ምድጋፍ ዓመጸኛታት፡ ወይ ድማ ምሕጋዝ ውግእን ምክፍፋልን ዝሃርፉ ወገናት ቀንዲ ተግባራት ኤርትራ እዩ ምስ በለ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስቶም ንነዊሕ ግዜ ብዓይኒ ጽልኢ ክርእዮም ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ 1998-2000 ዝተዋገኦም መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሎሚ ነቲ ኣብ ውሽጦም ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል ክምዝምዞ ይጽዕር ከም ዝሎ ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
እቲ ዶር፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ውረደ ደይብ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ ኩነታት ንምቕያር ዶር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ተበግሶ ወሲዱ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተኣትዩ ምንባሩ ሓቢሩ። እንተኾነ ኢሳያስ ምህናጽ ናይ ሓባር ትሕተ-ቅርጻን ምዕባይ ሓባራዊ ቁጠባዊ ዓቕምን ድሌት ስለ ዘየርኣየ እቲ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ክቕጽል ከምዘይከኣለ ገሊጹ።
ኣተሓሒዙ ድማ ህወሓት ድሕሪ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝለመዶ ስልጣን መንግስቲ ክቆጻጸር ፈቲኑ ምስ ዘይኮነሉ፡ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ምስ ተኣተወ፡ ኢሳያስ ነቲ ዕድል ክጥቀመሉ ከም ዝፈተነን ውዕል ፕሪቶርያ ምስተኸተመ ግና ውድቀቱ ኮይኑ ረኺብዎ፡ ምኽንያቱ ድማ ውግእ ትግራይ ክቕጽል ህርፋኑ ስለ ዝነበረ ክብል እውን ዶር ሙላቱ ጽሒፉ።
ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ውዕል ፕሪቶርያ ንድሕሪት ተመሊሱ ምሉእ ብምሉእ ንክፈርስ ድሌቱ ምዃኑ ከሲሱ፡ ሓደ ክፋል ህወሓትን ደጋፊኡ ወተሃደራዊ ጉጅለን ድማ ተመሳሳሊ ድሌት ከም ዘለዎም ዘመልክት ተርእዮ ከም ዝሎ ጠቒሱ፡ ናይዚ ሳዕቤን ንኢትዮጵያ ኮነ ዞባና ሓደገኛ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቑ። ኣብ መወድእታ ድማ ዓለም ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ጸረ ሰላም ወገናት ንምዕጋት ዲፕሎማሲያዊ ስጉምቲ ንክትወድ ጸዊዑ።
መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ናይ ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ ምእታው ተኣሚኖም፡ እቲ ኣመዝጊብናዮ ዝብልዎ ወተሃደራዊ ዓወት ብዘይተሳትፎ ኤርትራ ኣይመተረጋገጸን ክብሉ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።
ዶር ሙላቱ ተሾመ፡ ሚኒስተር ሕርሻ፡ 5 ዓመታት ፕረሲደት ኢትዮጵያ፡ ዝተወሰነ ዓመታት ኣፈኛ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ ኣብ ቻይና፡ ቱርክን ኣዘርባዣንን ከኣ ኣንበሳደር ኮይኑ ዝሰርሐን፡ ሎሚ ድማ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ዲፕሎማት እዩ።
ሓው ገረዝጊሀር ተወልደ ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝመርሖ ኣኼባ ኣባላት፡ ብ15 ለካቲት 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያታን ፖሓኤ ዝወደብዎ ኣኼባ ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ፖሓኤ ክውገኑ ዝጸንሑ ምቅርራባትን ክዕመሙ ዝጸንሑ ስረሓትን፡ ፖሓኤ ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝካየዱ ዘለዉ ርክባትን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ’ቶም ብደረጃ ዞባን ኣህጉርን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ናይ ኣሰላልፋ ምቅይያራትን ገሊጹ።
ኣብዚ ብቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ዝተኻየደ ሰፊሕ ኣኼባ ሓለፍቲ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፖሓኤ ብወገኖም ብዛዕባ ክሳብ ሎሚ ዝሰርሕዎም ስረሓት ዝምልከቱ ሓጸርቲ መብርህታት ሂቦም፡ ኣባላት ፖሓኤ ናይተን ኣብያተ-ጽሕፈት መደባት ኣብ ምዕዋት ክሳተፍሉ ዝኽእሉ ኣገባታት እውን ዝርዝር ሃበሬታ ሂቦም።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኸፊል
ድሕሪ’ቲ መግለጽታት፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ንምሕያል ውሽጣዊ ዓቕሚ ፖሓኤ፡ ንመስርሕ ዘተ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደንበት ተቓውሞ፡ ከምኡ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ከባብና ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ይረኣዩ ንኤርትራዊ ፖለቲካና እውን ዝጸልዉ ምዕባለታት ዝምልከቱ ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ በብዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣብያተ- ጽሕፈት ድማ መልሲ ተዋሂብዎም።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓትን ዝተዓመ ዕማማትን ዝያዳ ንቕድሚት ንክስጉም ካብኣቶም ዝድለ ዘበለ ከበርክቱ ቅሩባት ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክባት ክቕጽል ለበዋ ብምቕራብ ኣኼባ ተዛዚሙ። ናይቲ ኣኼባ ኣዳለውቲ ከም ዝገለጽዎ ድማ እቲ መድረኽ ብምኽንያት ናይ ግዜ ኣቆጻጽራ ፍልልይ ኣብዚ ናይ 15 ለካቲት 2025 ኣኼባ ክሳተፉ ምስ ዘይከኣሉ ኣባላት ፖሓኤ ክቕጽል እዩ።
ካብቶም ክሕደሱ ሃንቀው ዝብሉ ዘለዉ ህንጻታት ምጽዋዕ ሓደ
ቅድሚ 35 ዓመታት ኣብ ምጽዋዕ፡ ብስርሒት ፈንቅል ዝፍለጥ፡ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ሓደ ካብ መቐይሮታት ዝነበረ ውግእ ከም ዝተኻየደ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ስርሒት፡ ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምጽዋዕ ከም ዘኸተመ ዘረጋገጸ ምንባሩ ይዝከር። መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ብኣካል ድሕሪ ምፍንቃሉ ንሱ ዝገደፎ ወጽዓን ድሕረትን እውን መሊኡ ንክፍንቀል ናይቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሕድሪ ከም ዝነበረ ዘማትእ ኣይኮነን። ስዉኣት ኤርትራ ኩሉ ውጽዓኣ ተፈንቂሉ ምስተደርበየ ኣብ ክንድኡ ራህዋ፡ ሃገሮም ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ንክትከውን ናብ ብጾቶም “ሕድርኹም” እናበሉ ዝሓለፉ እዮም። “እሞ መብጸዓኦም ተኺቡሩዶ ኣይፋሉን? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድማ ብሓፈሻ ንመላእ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነታ ሕድሪ ፈንቀልቲ ስዉኣት ዝተቓለሓላ ከተማ ምጽዋዕ ተዓዚብካ እቲ መልሲ ባዕሉ ስለ ዝዛረብ ሓደ-ክልተ ኢልካ ምጽብጻብ ዘድሊ ኣይኮነን።
እቲ ንመጻኢት ኤርትራ ሰናይ ዝተመነየ ሕድሪ፡ ናይቶም ኣብ ምጽዋዕ ዝተሰውኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም እቶም ምስ ኩለን ውድባት ተሰሊፎም፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልስን ዓውዲ ውግኣትን ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዩ። እቶም ዝተጠለሙ እውን ኩላቶም እቶም ሰብ ተመሳሳሊ ሕድሪ እምበር ናይ ፈንቅል ስዉኣት ጥራይ ኣይኮኑን። ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ስዉኣት ዝፍጽሞ ጥልመት ንምሽፋን ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ካብቲ መህደሚታቱ ሓደ ከኣ ዕለትን ዓመትን ብምጽብጻብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ካለኦት ኣደባባያትን ንብዓት ሓርገጽ እናንባዕካ ዝግበር ዳንኬራን መጠበሪ ተዋስኦታትን ዘይተፈልዮ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ምስቁንቋን እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ንመበል 35 ዓመት እቲ ዝኽሪ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክርእአ እንከሎ፡ ብዝዛሕተለ ስምዒትን ውሑዳት ተሳተፍትን ተዘኪሩ። እዚ ዝኽሪ ኣብታ ድሕሪ ነጻነት ቁስላ ሓውዩ ናብ ንቡር ክትምለስ ተጸብያ ዘይሰመረላ ወደባዊት ከተማ እዩ ነይሩ። ከተማ ምጽዋዕ ሎሚ ካብቲ ብስንክቲ ውግእ ፈሪሳ መልክዓ ዝተደወነቶ ኣብ ዝገደደ ደንደስ ምፍራስ ከም እትርከብ ዝረአ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ብዙሕ ምዝራብ ዘድሊ ኣይኮነን።
ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዛ ክፈርሕ እንከሎ ዝሕበኣላ፡ ክርህዎ እንከሎ ከኣ ዝሕንብሰላ ወደባዊት ከተማ ኮይኑ ብዛዕባ ፍሉይነት ናይቲ ውግእ ክምድር እንከሎ ብኣኣ ከኣ ይሕጭጭ። ወትሩ ኣብ መድረኻት ነታ ብሰንኩ ህላወኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ዘሎ “ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ፡ ሎሚ ግና ኣበይ ኣላ?” እናበለ ክሳብ ክንደይ ሓላፍነታዊ ዘይምዃኑ የርኢ።
ትርጉም መስዋእቲ ኣብ ምጽዋዕ ነቲ ኣብኡ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት መግዛእቲ ብኣካል ፈንቂልካ ምጽራግ ጥራይ ኣይነበረን። ዝያዳ ትርጉሙን ተልእኮኡን ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ጭቆናን ድሕረትን ሓግሒድካ ምጉሓፍ እዩ ነይሩ። መልእኽትን ሕድርን ናይቶም ስዉኣት ከኣ እቲ ምፍንቃል ምሉእ ኮይኑ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ዝተኣማምን ራህዋ፡ ሓርነትን ህዝባዊ ልዕልናን ዘውሓሰት ክትከውን እዩ ነይሩ። እንተኾነ ሎሚ እውን መልክዑን ኣተገባብራኡን ደኣ ቀይሩን ረቒቑን እምበር፡ እቲ ክፍንቀል ዝነበሮ ተግባራት መግዛእቲ ኣብታ ብጀጋኑ ደቃ ነጻ ዝኾነት ኤርትራ እውን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዝርከብ። እቲ ከም መግለጺ ምኽባር ሕድሪ ስዉኣት ብሓይልታት ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ከኣ መስርሕ ፍትሓዊ ምፍንቃል ጭቆና ቀጻሊ ምህላዉ ዘርኢ እዩ።
ሎሚ ብዙሓት ደቂ እቶም ኣብ ስርሒት ፈንቅልን ካለኦት ናይ ጅግንነት ዓውድን ዝተሰውኡ ኣስማቶም እናተረቑሐ፡ ኣብ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ግዳይ ዝተፈላለዩ ጸገማት ይኾኑ ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ ይንገር ኣሎ። ኤርትራ ብናይ ብዙሓት መስዋእቲ ተጋሂዳ፡ መላእ ህዝባ ዝጭቆነላ ዘሎ ሃገር እያ። ናይ ኩሎም’ቶም ስዉኣት ናይ “ሕድረይ ከይጥለም ሓደራ” መልእኽቲ ትርጉም ተመሳሳሊ ነይሩ። ስዉኣት ድሕሪ ነጻነት ጀግንነቶም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክሰፍር እምበር፡ እቲ ዝተሰውእሉ ዕላማ ተረሲዑ ብዛዕባኦም ኣብ መድረኻት፡ መዓልቲ ናጽነት፡ ዕለተ ሰማእታት ስርሒት ፈንቀልን ዝኣመሰሉን ኣጋጣምታት እናተዘመረን እናተገጥመን ንብዓት ጥልመት ክበዓሎም ኣይነበረን።
ምጽዋዕ ብዕንወታ እናነበዐት ዓመት ዓመት እትሰምዖ ብስም ፈንቅል መደረን ግጥምን፡ ለበዋ ስዉኣት ዘረስዕ መደንዘዝን መዳህለልን እዩ። ህግደፍ ኣብቲ ኣጋጣምታት “ብሳላ መስዋእትኹም ከምዚ ዝኣመሰለ ንኤርትራን ህዝባን ዝጠቅም ሃኒጽናን ትካላዊ ምምሕዳር ዘርጊሕናን” ክብል ኣይስመዓን እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይ ውግእን ህውከትን መደረን ጭረሖታትን ንክቃላሕ’ዩ ዝእዝዝ። ያኢ ከም ሕድሪ ስዉኣት ምሕላው ተወሲዱስ፡ ዝተሰዋእኩምሉ መዛግብ (ድፋዓት) ነሕድሶ ኣለና ክብል እውን ይስማዕ።
ህዝቢ ኤርትራኸ “ክሳብ መዓስ እዩ እቲ ረዚን ሕድሪ ደቁ ተጠሊሙ፡ እቲ ጉዕዞ ብኣንጻሩ ኮይኑ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ኣብ ዘይሓይሽ ህይወት እናነበረ ምጽማም ክመርጽ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ እዩ። ስለዚ “ደቅናኮ ነዓና ንዘይትኸውን ኤርትራ ኣይኮኑን ተሰዊኦም፡ ስለዚ ስለምንታይ እዩ ናይ መስዋእቶም ጻማ ዝሕረመና?” ኢሉ ካብ ምሕታት ተዓዚሙ ክነብር ንቡር ኣይኮነን።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣት ደቁን ብዘለዎ ንዕቀት ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነቲ ዝቐደመ መስዋእቲ ትርጉም ኣስኢኑስ፡ ብዘይጣዕሳን ስኽፍታን ካልእ ውግኣትን ዕንወትን ክዕድም ተራእዩ እዩ። ሎሚ’ውን ካብኡ ኣይወጸን። ኣብዚ እውን፡ “ካብ ዝሓለፈ ኣይረባሕናን እሞ ደጊምስ ይኣኽለና ደኣ” ዝብል ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምስምዑ፡ “እዚኸ ምስ ምንታይ ይቑጸር?” ዘየብል ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ውሕጅሲ እናስሓቑ ይወስድ” ዝብል ምስላ ኣበው ዘንጊዑ፡ ብግጉይ ስብከት ህግደፍ ተሰሊቡ ብስቕታ እንተቐጺሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ደቁ ተኸቢሩ፡ ኣብ ነጻ ኤርትራ ብሓርነት ምንባሩ ተረፉ፡ እታ ኣዝዩ ክቡር ዝዋጋኣ ነጻነቱ እውን ኣብ ምልክት ሕቶ ከይትኣቱ ዘየሻቕል ኣይኮነን።