ፕርሲደንት ጅቡቲ ኣብ ምርጫ ስዒሩ
2026-04-12 07:39:59 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 167 timesወዲ 78 ዓመት ፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ ን6ይ ግዜ ተወዳዲሩ፡ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከም ዝሰዓረ ቢቢሲ ሓቢራ። ካለኦት ተቓወምቲ መወዳድርቱ ካብቲ ምርጫ ክስሕቡ እንከለዉ፡ ምስ ዑመር ገለ ዝተወዳደረ መሓመድ ፋራሕ ሰመተር ድማ 2 ካብ ሚእቲ ድምጺ ከም ዝረኸበ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።
ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዑመር ገለ፡ ኣብዚ ብ10 ማዝያ 2026 ዝተኻየደ ምርጫ ኣይክሳተፍን እዩ ዝብል ትጽቢት’ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ካብ ወዲ 75 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ምርጫ ኣይወዳደርን ዝብል ዝነበረ ናይታ ሃገር ሕገምንግስታዊ ዓንቀጽ ኣመሓይሹ ከም ዝተወዳደረ ተፈሊጡ።
ዑመር ገለ ኣብ ድሮ ምርጫኡ ወፈራ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝጐስጐሰሉ ዝነበረ፡ ጐረባብቲ ጅቡትን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝለዐለ ቅልውላውን ስግኣትን ክህልዋ እንከለዋ፡ ንሱ ግና ንጅቡቲ ብርግኣትን ሰላምን ከመሓድራ ምጽንሑ ዝገልጽ እዩ ነይሩ። ዑመር ገለ ጅቡቲ ብ1977 ካብ ፈረንሳ ናጻ ካብ እትወጽእ ዝመርሓ ዘሎ 2ይ ፕረሲደንት እዩ። ከም ዳሂር ኣሕመድ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፖለትከኛታት ናይታ ሃገር ካብ 2016 ጀሚሮም እዮም እቲ ዝስዕር መን ምዃኑ ብምርዳእ ካብቲ ምርጫ ክስሕቡ ጸኒሖም።
እቲ ፕረሲደንት ድሕሪቲ 80 ሚእታዊት ካብቶም ዝተመዝገቡ መረጽቲ ዘድመጽሉ መስርሕ ምርጫ ምዕዋቱ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዓወት ናቱ ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሃገር ምዃኑ ምግላጹ ተጠቒሱ። እቲ ዝተሳዕረ መወዳድርቱ ግና ብዛዕባቲ ኩነታት ዝሃቦ መግለጺ የለን። ናይቲ ምርጫ ውጽኢት ዝገለጸ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክኸውን እንከሎ፡ ቅድሚ ዑመር ገለ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ብቤት ፍርዲ ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር።
ጅቡቲ ብዘለዋ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ናይቲ ብደረጃ ዓለም ጻዕቂ ምንቅስቓስ ካብ ዝረኣየለን ሓንቲ ዝኾነት ወሽመጥ ባብኤልመደብ ቀንዲ መራኸቢት እያ። ርግኣት ጅቡቲ ሳላ ናይተን ኣብኣ ወተሃደራዊ መደበራት ዘለወን ሓያልት ሃገራት ዝተፈጥረ እዩ ዝብል ናይ ምዙሓት ግምት እዩ።