ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣጠንቂቑ
Saturday, 13 December 2025 23:35 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ዝፈረመኦ እሞ ናብ ቀጻሊ ሰላም ዘምረሐን ስምምዕ ኣልጀርስ ምኡዙዛት ንክኾና ብዘውጸኦ መግለጺ ኣጠንቂቕወን።።
እቲ ብ12 ታሕሳስ 2025 ዝወጸ መግለጺ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ካብ ዝፍረም መበል 25 ዓመቱ ኮይኑ፡ ምስበለ፡ እቲ ስምምዕ መሰረት ቀጻሊ ህድእት ዘንበረን መሰረታዊ መስርሕ ቀጻሊ ሰላም ዘትሓዘን እዩ ኢሉ። ነቲ መግለጺ ዘውጸአ ወሃቢ ቃል ናይቲ ዋና ጸሓፊ፡ ስተፈን ዱጃሪክ እቲ ስምምዕ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ዶበን ንክውሰን ኣፍደገ ዝኸፈተ ክብል ገሊጽዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ብሓገዝ ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዳግማይ ዘጽነዐ እዩ ክብል ኣስፊሩ።
ዋና ጸሓፊ ጉተረስ፡ ብመሰረት እቲ ኣገዳሲ ስምምዕ ዘድሊ መሰረታዊ ደገፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቦታኡ ምህላዉ ጠቒሱ፡ ቅድሚ 7 ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብኽታሞም፡ ናይ ምዝታይን ልዝብን ኣድላይነት ብምዕዛዝ ነቲ ስምምዕ ዳግማይ ከም ዘትረርዎ’ውን ኣዘኻኺሩ።
ጉተረዝ ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ እዋንዚ ዝሕደስ ዘሎ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ድማ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ራኢ ቀጻሊ ሰላምን ምኽባር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዘለዎም ምእዙዝነት ብምርኣይ፡ ብስምምዕ ኣልጀርስ ቅዩዳት ንክኾኑን ከም ጐረባብቲ ድልዱል ዝምድና ኣብ ምህናጽ ክሰርሑን ኣተሓሳሲቡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር ዕቤት ንምርግጋጽ፡ ምስ ዞባውን ዓለም ለኻውን መሓዙቶም ክሰርሑ ከም ዝግበኦም ጠቒሱ።
ስምምዕ ኣልጀርስ ብ12 ታሕሳስ 2000፡ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠጠው ንምባልን ዘሰሓሕበን ዶብ ብመሰረት ውዕላት 1900፡ 1902፡ 1908ን ተዛመድቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንክውዳእ ብኢሳያስ ኣፈወርቅን መለስ ዜናውን ኣብከተማ ኣልጀርስ ዝተኽተመ ንድሕሪት ዘይምለስ ውዕል ምዃኑ ይዝከር።
ዜናዊ ጸብጻብ፡ ተሳትፎ ኣቦመንበር ፖሓኤ ኣብ መኽፈቲ ጉባአ ኤሃባዲለ
Friday, 12 December 2025 18:48 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ መኽፈቲ 3ይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) ተሳቲፉ ናይ ምሕዝነት ቃል ኣስሚዑ። ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብቲ ጉባአ ቃል ንምቅራብ ዕድል ብምርካቡ ብስም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ፖሓኤ ምስጋና ኣቕሪቡ። ሳልሳይ ጉባኤ ኤሃባዲለ ብዓወት ንኽዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ድማ ገሊጹ።
ኣቦ መንበር ገረዝጊሄር ኣተሓሒዙ፡ “ቅድም ቀዳድም ኣብዚ 3ይ ጉባኤ ዓቢ ትጽቢት ከምዘሎና ክጠቅስ ባህ ይብለኒ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዝምድናና ምስ ኤሃባዲለ ኣብ ዝተሓተትናሉ ግዜ፥ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤ ክገብሩ ኢዮም ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ መዓርፎኡ ዘየብጻሕናዮ ግን ብዕቱብ ጀሚርናዮ ዝነበርና ምቛም ሰፊሕ ጽላል ሓቢርና ከነቑሞ ኢና እንዳበልና ንምልስ ምንባርና ካብ ኩሉኹም ስዉር ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ጉባኤዚ ናትኩምን ብኣኹም ዝካየድን’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ እወንታዊ ውጽኢቱ ጥቕሚ ስለዘሎና ብማዕሬኹም ብሃንቀውታ ንጽበዮ ኔርና እንተበልኩ ምግናን ኣይኰነን።” ዝብል ረዚን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
“ጉባኤኹም ዝካየደሉ ዘሎ ህሞት ሃገርናን ዞባናን ከምኡ’ውን ዓለም ብሓፈሻ ኣብ ሓይሊ ቅኑዕ እዩ ዝዓይነቱ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት እንኣትወሉ ዘሎና መድረኽ ስለዝዀነ፡ ምስዚ ተረኽቦታትዚ ዝመጣጠን ውሳኔታት ክውሰድ ተደላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ትስሕትዎ ኣይብልን” ድማ ኢሉ።።
ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እተወስዱ መርገጻት ንልዑላውነት ሃገርና ዝግህሱ ወይ ንክግሃስ ምኽንያት ዝዀኑ ምንባሮምን ምህላዎምን ብልቦና ንዝተዓዘበ ብሩህ እዩ፡ ድሕሪ ምባል ከኣ፡ “ኤርትራ ብሰንኪ ምእጋድ ቅዋማዊ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክቱር ጭቆናን ሰብ ክነብረላ ዘይትኽእል ሃገር ስለ ዝዀነት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ።” ድሕሪ ምባል፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ንምውጻእ እቲ መፍትሒ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ምዃኑ፡ ፖሓኤ ከም ዝኣምን ኣስሚርሉ።
ኣተሓሒዙ ድማ ኤሃባዲለ፡ ንኣድላይነት ሰፊሕ ጽላል ኣብ 2ይ ጉባአኡ እውን ኣድህቦ ሂብዎ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ምስ ፖሓኤ ብሓባር ክሳብ ምንዳፍ ቻርተርን ዓንዲ ሕግን ተበጺሑ ከም ዝነበረን ፖሓኤ ንዓኡ ኣጽዲቑ ንክልተ ዓመታት ከም ዝተጓዕዘ ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እተኻየደ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ፡ ሕቶ ሓድነት ሃገራዊ ሓይልታት ብኣትኩሮ ተመልኪቱ ኣብቶም ሓያሎይ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ እንተላይ ኤሃባዲለ ዝኣምነሎም 4 ሃገራውያን መቖምያታት ዘትከለ ሰፊሕ ጽላል ናይ ምምስራት ተደላይነት ዕዙዝ ምዃኑን ዝግባእ መጽናዕቲ ንምክያድ ምውሳኑን ብዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ምርግጋጹ ኣብ መደረኡ ጠቒስዎ።
ኣብ መደምደምታ ከኣ ጉባአ ኤሃባዲለ ዕዉትን ንብዙሓት ዝበራብርን ክኸውን ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ፡ ፖሓኤ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ድልዉነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳደር ሁቻንግቹን፡ ብ8 ታሕሳስ 2025 ናብ ኤርትራ ንጽባሒቱ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝበጸሓ፡ ኣፍሮ ኢንሳይት (AFRO insight) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። እታ ማዕከን ዜና ናይቲ ኣንበሳደር ምብጻሕ ናብ ክልቲኡ ሃገራት ሃናጺ ምንባሩ ጠቒሳ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ዘይርጉእን ናይ ብዙሓት ቀልቢ ዝስሕብን ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ዝተፈጸመ ምዃኑ እውን ሓቢራን
ኣብ ኣስመራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ልኡኽ ኣብ ዘዘራረበሉ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዓቕሚ ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ከተሕይልን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዘሎ ግርጭታትን ዘይምርግጋእን ኣብ ምህዳእ ምስቲ ብህጉራዊ ሓይልታት ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣወሃሂዳ ግደኣ ከተዕቢ ይግበኣ ከም ዝበሎ ንምንጭታት ኤርትራ ብምጥቃስ ኣብቲ ጸብጻብ ኣስፊራ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዶር ጊደዎን ጢመቲዎስ፡ ምስቲ ቻይናዊ ኣንበሳደር ብዛዕባ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣዘራሪብዎ። ኣብቲ ዘረብኡ ኢትዮጵያ ናብ ዞባዊ ቁጠባዊ ምውህሃድ ገጻ ትጐዓዝ ከም ዘላ ክም ዝገለጸሉ ተሓቢሩ
ዝምድና ክልቴን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ሕማቕ ደረጃ እንከሎ፡ ናይቲ ፍሉይ ልእኽ ድሕሪ ኣስመራ ብቐጥታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ፡ ቻይና ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ክትርዳእ ከም ዝወሰነት ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ቻይና ኣብቲ ተሃዋሲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ንምሽምጋል ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝህልዋ ዝምድና ሚዛናዊ ክኸውን ከም እትደሊ እውን ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ።
ቻይና ካብተን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣራኺበን ከዛትያ ዝጽዕራ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክጥቀስ ዝጸንሐ እዩ።
ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ከካይድ ምዃኑ፡ ብ10 ታሕሳስ 2025 ናይቲ ቦርድ ዳይረክተር ወይዘሮ ሜላትውርቅ ሃይሉ ብዝሓበቶ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ ዝርዝር ናይ ምርጫ ኣተገባራ መስርሕ ዘውጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ ተወዳደርቲ ዝምዝገብሉ፡ ናይ ምርጫ ምልክቶም ዘፋልጥሉን መረጽቲ ዝምዝገብሉን ግዜ ኣገባብን ምጥቃስ፡ 1 ሰነ 2026 ድምጺ ከም ዝወሃብ ጠቒሱ፡ ወግዓዊ ውጽኢት ምርጫ ከኣ 11 ሰነ 2026 ከም ዝግለጽ ኣፍሊጡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ቅድሚ እቲ ዝርዝር ኣትገባብራ ምጽዳቑ ምስ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከም ዝተመያየጠሉ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ዕላውነቱ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ድሕሪ መደብ ናይቲ ቦርድ ብወግዒ ምዝርግሑ፡ ኣብ ትግራይ 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ኣይካየድን እዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ ምርጫ ምክያድን ዘይምክያድን ናይቲ ብ2020-2022 ውግእ ጠንቂ ካብ ዝኾኑ ሓደ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ምስ ብዝተተሓሕዘ እቲ ቦርድ ነቲ ብፕረሲደንትነት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብግዝያዊ ፈቓድ ክንቀሳቐስ ድሕሪ ጸኒሑ፡ ብ9 ታሕሳስ 2025 ወግዓዊ ኮይኑ ንክምዝገብ ወሲኑ። እዚ ብኣቶ ጌታቸው ረዳን ሓያሎ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ኣባላትን ዝምራሕ ውድብ “ብህወሓት ክፍጸም ዝጸንሐ ጌጋታት ከእርም እየ” ዝብል ውድብ ስምረት ኣብቲ ቀጻሊ ምርጫ ክሳተፍ እዩ።
በዚ መንጽር እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ትግራይ ክፈላለዩ ዝጸንሑ ውድባት ህወሓትን ስምረትን “ኣብ ትግራይ 7ይ ምርጫ ይካየድ ኣይካየድ” ኣብ ዝብል ካልእ መፈላለይ ዛዕባ ኣጋጢምዎም ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ ን7ይ ግዜ ምርጫ ንምክያድ ምድላዋት ክካየድ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ግና ምርጫ ዘይተኻየደ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሕገመንግስትኮነ ሕጊ ምርጫ እውን የለን።
ኩነታት ሱዳንን ሓደጋኡ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ይብርኽ ኣሎ ተባሂሉ
Thursday, 11 December 2025 16:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ሱዳን ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት፡ ኣብ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘኸትሎ ሓደጋ መመሊሱ ይብርኽ ከምዘሎ መርበብ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ኣልጀዚራ ነዚ ዝገለጸት ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ወተሃደራዊ ሓይሎም ንምዕባይ የካይድዎ ዘለዉ ሓደገኛ ውድድር ብምጥቃስ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣልጀዚራ፡ እቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ወገን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉም ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳወብ ከባቢ፡ ኣስታት 10 ሺሕ ሰልጠንቲ ዝሕዝ ወተሃደራዊ መዕለሚ መደበር ምኽፋት ምስ ጀመረ፡ እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ከኣ ኣብ ምብራቓዊ ቦታታት ሱዳን ብተመሳሳሊ ሓድሽ ግንባር ንምኽፋት ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ምስ ዘርዘረት እያ።
ብጸብጻብ ኣልጀዚራ መሰረት፡ እቲ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ብሓልዮትን ኣድላይነትን ነገራዊ ዓቕሚ ኣቕራብነትን ዓረብ ኤምረትስ ዝምራሕ ክኸውን እንከሎ፡ ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ድማ ነቲ መደበር መስሪቶም ከመሓድርዎ እዮም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝምስረት ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓድሽ ግንባር ግና መን ብድሕሪኡ ከም ዘሎ ዝምልከት ዘቕረበቶ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
ኣብ ቤንሻንጉል መደበር ዝምስረተሉ ዘሎ ምኽንያት ኣብ ጐኒ እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝዋግኡ ናይ ዝኾነት ሃገር ዜጋታት ዝዕለምሉ ኮይኑ፡ ንዓኡ ዘድልዩ ቀረባት ከኣ ብወደባት በርበራ ሶማሊላንድን ወደብ ሞምባሳ ኬንያን ኣቢሎም ምስ ኣተወኡ፡ ብመንገዲ ጸጥታ ኢትዮጵያ ከም ዝመሓላለፉ ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ። ቤንሻንጉል ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ናብ ግዝኣት ቡሉ ናይል ንከስፋሕፍሕ ክሕግዞ ተሓሲቡ ምዃኑ እውን ዜናዊ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብፍላይ ድሕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ፖርት ሱዳን ናይ 2ተ መዓልታት ዑደት ምክያዱ፡ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ዝጥቀመሉ ኣጽዋር ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምጽዋዕ ይረገፍ ኣሎ ዝብሉ ዜናታት እውን ኣለዉ። እዚኩሉ ተደሚሩ ከኣ ሱዳን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢድ ኣዙር ውግእ ዘካይዳላ ሜዳ ናይ ምዃና ዕድል ሰፊሕ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ7 ታሕሳት 2025 ኣኼባ ከም ዘካየደ ካብቲ ቤት ዝሕፈት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብ መኸፈቲ እቲ ኣኼባ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ሓላፊ መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳን ብጻይ ክብሮም ዓንዶም ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።
ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ምስ መንእሰያት፡ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ተራኺቡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሉላውነት ሃገርን ሓለዋኡን ንምዝርራብ ዘይተቖጠበ ጻዕሪ ከም ዘካየደን ኣብ መጻኢ እውን ክቕጽሎ ምዃኑን ንተሳተፍቲ ብሰፊሑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ሰዲህኤ ኣብ 2025 ዝጀመሮም መደባት ኣብ 2026 እውን ከም ዝቕጽሎምን ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውዳበታት ብምርኻብ ጻዕሩ ንክቕጽል ድልዊ ምህላዉ ኣብሪሁ።
ኣብቲ ኣብ ቀጻሊ ዝገበር ጻዕሪ ምዕቃብ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ከይተወደቡ ኣማዕድዮም ዝዕዘቡ ዘለዉ መንእሰያት ከም ዝውደቡ ምግባርን፡ ምኽባር ሃገራውን ህዝባውን በዓላትን ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዝወሃቦም ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ 2026 መዓልቲ ናጽነት ናይ ምኽባር መደብ ከም ዘለዎም ገሊጹ።
ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ኣብ መጻኢ ብዘለዎም ዓቕሚ፡ ብመንጽር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መትከላትን ሰልፎም ህዝብን ሃገርን ዝማእከሉ ቃልሲ ከካይዱ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቃልሲ ብሪገድ ንሓመዱ ዝረአ ዘሎ ምዕብልናታት፡ ሃገራውን ህዝባውን ቀይሕ መስመር ጥሒሱ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ከየውድቕ፡ብትሪ ኣተሓሳሲቦም ክብል እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ።
ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ፡ ዝወደቦ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ዝመርሖን ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍዎን ኣኼባ ብ6 ታሕሳስ 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ ዓመተ 2025 ኣብ ኩሉ መዳያት ሰልፋዊ ምንቅስቓስ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን መዳያት ዝተራእዩ ምዕባለታትን ምስ ግደ ሰልፊ ብምትሕሓዝ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መጻኢ ዓመት 2026 ክዕመሙ ብዛዕባ ዝግበኦም እውን ኣሚቱ።
ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብ መግለጺኡ ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት ካብ ዝተዓሙ፡ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያልን ዝሓሸ መንገዲ ንምኽታልን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣተኲረን መጽናዕቲ ዘካይዳ ሽምግለታት ቆይመን ኣብ ስራሕ ከም ዘለዋ ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዝተኻየደ ስረሓት ኣመጒሱ፡ ኣብ ዜናዊ ስረሓትና ዝረአ ዘሎ ዕቤት ብምጥቃስ ከኣ ዝያዳ ንምስፍሑ ከም ዝስራሕ ኣመላኺቱ። ኣብ ቀጻሊ ዓመት ድማ ነቲ ኩለ-መዳያዊ ጻዕሪ ዝያዳ ንምብራኽ ከም ዝስራሕ ሓቢሩ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰዲህኤ ብቤት ጽሕፈተን ኣቢለን፡ ካብ ፖለቲካዊ መዳይ ሓሊፈን ነገራዊ ዓቕሚ ሰልፊ ኣብ ምዕባይ ክገብረኦ ንዝጸሓ ጻዕሪ ጠቒሱ፡ ውደባዊ ዓቕሚ ንምሕያል ድማ ኣባላት ሰልፊ ንምስሳን ክግበር ንዝጸንሐ ጻዕሪ ዘኪሩ። ኣብ ቀጻሊ ዓመት ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣብዚ መዳይ ተዋፊሩ ኣድማዒ ውጽኢት ንከመዝግብ ጸዊዑ። ዓመት 2025 ምንቅስቓስ ሰልፊ ንምልላይን ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝቐነዐ ወፈራ ኢትዮጵያ ንምቅላዕን ኣብ ሓያሎ ማሕበራዊ መድያታት ሓበሬታ ክህብ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ ድማ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ ዘተባብዕ ደረጃ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ፡ ጽላል ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክግበር ዝጸንሐ ዘተታት’ውን ክንድቲ ትጽቢትና’ኳ ዛጊት ውጽኢት እንተዘየመዝገበ፡ ዝተመሃርናሉ እምበር ዝኸሰርናሉ ከምዘይነበረ ሓቢሩ። ኣብ መጻኢ ከኣ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ጉባአኡ ንሰፊሕ ጽላል ዘሕይል ውሳነ ክውስን ዘለዎ ተስፋ ብምጥቃስ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምርምርን ሓበሬታን፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ተቐራሪቦም ሓቛፊ ጽላል ንክምስርቱ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ውጽኢታዊ ንክኸውን ዘለዎ ተስፋ ኣስፊሩ።
ህልዊ ኣህጉራውን ዞባውን ምዕባለታት ኣብ ዘልዓለሉ ዛዕባ ኣቦመንበር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝረኣዩ ዘለዉ ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕግታትን ዘርዚሩ። ኣብዚ ከባቢና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዝረኣዩ ዘለዉ ኣሰከፍቲ ምዕባለታት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝለዓል ዘሎ ወስታ ምኹኑይ ንክመስል ብዝሕግዝ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያን ካለኦትን ንረብሓ ህዝብናን ሰላም ሃገርናን ዘዕንቅፍ ምዃኑ ኣብሪሁ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኸዶ ዘሎ ክሳብ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣፍልጦ ዝነፍግ ዓመጸኛ ሃቐነ ከኣ ብኹሉ መለክዒ ተቐባልነት ዘየብሉን ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዘየርብሕን ብምዃኑ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላት’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክእደብ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ ጸዊዑ።
ድሕርቲ ዓሚቕ መብርሂ ኣቦ መንበር፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብዚ መወዳእታ 2025ን ድሮ 2026 ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ምፍጣሩ ንኢዶም፡ ኣብ መጻኢ ዓመት ድማ ቀጻሊ ንክኸውን ዘለዎም ተስፋ ኣንጸባሪቖም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ መግለጺ ዝተዋህበሉ ዛዕባታት ከኣ ተወሳኺ መብርሂ ብምሃብ፡ ሕቶታት ብምሕታትን ንዝያዳ ኣድማዕነት ይሕግዙ ዝበልዎም ርኢቶታት ብምቕራብን ነቲ ኣኼባ ኣህብቲመምዎ።
ኣቦመንበር ኣብ መወድእታ ኣኼባ፡ ተሳትፎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝነኣድ ምጽንሑ ደጊሙ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎዝተፈላለዩ ገጻት ዘለዉዎ ብደሆታት ዝምክት ኣበርክቶኦም ከሕይሉ ብምዝኽኻር ኣኼባ ደምዲሙ።
ርክብ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ እማመ ሱዕድያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ተቐቢሉ
Friday, 05 December 2025 14:08 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤናይቲ ርክብ ተሳተፍቲ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ
ኣብ ዋና ከተማ ባህረን ማናማ ብ3 ታሕሳስ 2025 ዝተጋበአ፡ መበል 46 ርክብ መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ፡ ኣብ ሱዳን ተፈጥሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሰላም ብሳዑድ ዓረብያን ኣሚሪካንንዝቐረብ መፍትሒ እማመ ብልቢ ከም ዝቕበል ኣብ መፈጸምታ ርክቡ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዝለዓለ ርክብ ወሽመጥ፡ ሳዑዳዊ ልኡል ብሱዳናውያን ዝምራሕ ናይታ ሃገር ሓድነትን ጸጥታን ዘውሕስ ንዝበሎ እማመ ብትሪ ክድገፍ ዝግበኦ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
እቲ መግለጺ ንሱዳን ኣብ ዝምልከት ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦም ነጥብታት፡ ህጹጽ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ድሕነት ሲቪል ዜጋታት ምርግጋጽን ብዘይገደብ ናብቶም ጽጉማት ሓገዝ ዝቐርበሉ ኩነታት ምፍጣርን ምዃኖም ኣብቲ መግልጺ ተጠቒሱ። እቶም መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ፡ ልኡል ሳዑዲ ዓረብያ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ጉዳይ ሱዳን ኣጀንዳኡ ገይሩ ብምንቅስቓሱ ኣመስጊነምዎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ሳዑዲ፡ ኤመረትን ግብጽን ኮይኖም ክሰርሕ ቅሩብነት ብምርኣዩ ኣብቲ ርክብ ተመስጊኑ።
እቶም መራሕቲ ንሰላም ሱዳን ብዝምልከት ክሳብ ሎሚ ንዝተገብሩ ተበግሶታት ኣመጒሶም፡ ብኣባል ሃገራት ወሽጥ ናብ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ክካየድ ንዝጸንሐ ረዲአት ንኢዶም ንክቕጽል ጸዊዖም። እቲ ርክብ ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ሱዳን ዝግበር ዝኾነ ተበግሶ፡ ነጻን ሲቪላውን መንግስቲ ክምስረትን ሕሉፋትን ገበነኛታት ውግእን ዘየሳትፍ ዝኸውን ኣብ ምግባር ጻዕሪ ንክግበር ጸዊዑ።
ኣብቲ ርክብ እቶም ተሳተፍቲ መራሕቲ ብዘይካ ጉዳይ ሱዳን፡ ብዛዕባ ሕብረትን ሓባራዊ ቁጠባዊ ምትሕብባር ኣብ ሕድሕዶምን ከምኡ እውን ብዛዕባ ምስ ናይ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር ዝተተሓሓዘ ዛዕባታት ከም ዝተዘራረቡ ተሓቢሩ።
ነቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ብተዓዛብነት ዝተሳተፈትሉ ናይ ክልተ መዓልታት ርክብ ዝመርሖ ንጉስ ባህረን ሓምድ ቢን ዒሳ ኮይኑ መጻኢ መበል 47 ርክብ ድማ ኣብ ሱዕድ ዓረቢያ ከም ዝጋባእ ኣብቲ መግለጺ ተገሊጹ።
ኣጉራዊ ጸብጻብ ሰላም (Global peace index) ዝተባህለ ትካል፡ ብ3 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኦ ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሕደስ ዘሎ ግርጭት ነቲ ብዓንተብኡ ተሃዋሲ ዝኾነ ዘይርጉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ክወስዶ ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ብናቱ መዕቀኒ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ዘይርጉኣት ካብ ዝበሃሉ ከባብታት ሓደ ከም ዝኸውን ገይርዎ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። እቲ ኩነታት ትካላዊ ጀኦ ፖለቲካዊ ጸገም ዘስዕብ ኮይኑ ምህላዉ’ውን ጠቒሱ።
ኢትዮጵያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ዘቕርበቶ ቀጥታዊ ሕቶ፡ ነቲ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ከሕድሶን ዝያዳ ከዕርጎን ከምኡ እውን ምስ ኤርትራ ኣብ ሓያል ምስሕሓብ ንክእቱ ከም ዘገደደን ከኣ ኣስፊሩ። ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ናይ ህልውና ጉዳይ ኮይኑ ምቕራቡን ገለ ሓለፍቲ ናይታ ሃገር ደቡባዊት ወደብ ኤርትራ ዓሰብ ብሓይሊ ክንወስዳ ኢና ይብሉ ምህላዎም’ውን ኣቃሊዑ። እዚ ድማ ውጽኢት ውድቀት ኣብ ዲፕሎማሲ ዘመልክት እዩ ኢልዎ።
ኣብቲ ከባቢ እቲ ዝፍራሕ ዘሎ ውግእ እንተተኸፊቱ ኣብቲ ብብዙሕ ቅልውላው ክሕመስ ዝጸንሐ ዞባ፡ መጐዓዝያ ባሕሪ ኣተዓናቒፉ፡ ኣገልግሎት ወደባት ዘሪጉ፡ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ትሕተ ቅርጻ ዘዳኽም ከም ዝኸውን ዘለዎ ስግኣት ድማ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይቲ ብ2020-2022 ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ድሕረ-ባይታ ከም ዘለዎ ድማ ኣመልኪቱ።
ኢትዮጵያ ብወግዒ ኤርትራ ኣንጻረይ ንውግእ ትዳለው ኣላ ብዝብል ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝኸሰሰት ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ኩነታት ንምዝራግ፡ ምስ ጸረ መንግስቲ ኢትዮጵያዊ ጉጅለታት ተሻሪኻ ኣንጻር መንግስቲ ተስልፍ ኣላ ምባሉ ከኣ ሓቢሩ። እዚ ኩነታት ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘይተለምደ ወጥሪ ይፈጥር ከም ዘሎ ከኣኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ’ሎ። ኩሎም እቶም ዝረኣዩ ዘለዉ ምዕባለታት ናብ ኣርሒቕካ ዘይተሓስበሉ ስጉምትታት ከየምርሑ ዝግኣት ከም ዘለዎ ከኣ ኣጠንቂቑ።
ጀነራል ዳግቪን ኢንደርሰን ካብ ዝገበሮም ርክባት ሓደ (ኣብ ሶማሊላንድ)
ኣዛዚ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ጀነራል ዳግቪን ኢንደርሰን ኣብ ዝሓለፈ ሱሙን ዑደቱ ብቕርኒ ኣፍሪቃ ጀሚሩ። ኣብቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጉዕዘኡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊላንድን ፑት ላንድን ከም ዝበጸሐ ከኣ ኣብ መዛዘሚ ጉዕዘኡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምሕባሩ ሲኤንኤን (CNN) ሓቢራ።
ጀነራል ዳግቪን ኣብቲ መግለጺኡ፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ሳሕልን ገማግም ምዕራብ ኣፍሪቃን ናይ ፈጠርቲ ራዕዲ ምንቅስቓስ ስግኣት ከም ዘሎ ጠቒሱ መፍትሒኡ ከኣ ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት ኮይንካ ምምካቱ እዩ ኢሉ። ዕላማ መገሻኡ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ኣልሸባብን ኣይሲሲን ሓያል ተጽዕኖ ምፍጣር ምዃኑ ድማ፡ ናይቲ ኣሚሪካዊ ኣዛዚ ኣብ ኣፍሪቃ ህዝባዊ ርክባት ሓቢሩ። ዑደቱ ኣካልቲ ፕረሲደንት ትራምፕን ወተሃደራዊ ጸሓፊ ኣመሪካን ንጸጥታዊ ኩነታት ኣፍሪቃ ቀዳምነት ምስረዖም ምዃኑ’ውን እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ መግለጺኡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ናይተን ዝበጸሐን ሃገራት ዝገበሮ ርክባት፡ “ኣነ ነዚ ዞባ ሓድሽ ኣይኮንኩን፡ ኩሉ ምዕባለታት ይርደኣኒ እዩ፡ ቀንዲ መምጽእየይ ከኣ ምስ መሓዙትና ሃገራት ኮይንካ ኣብቲ ናይ ሓብርና ጸጥታና ሓቢርና ንክንሰርሕ ንምትብባዕ እዩ” ከም ዝበለ እውን ተሓቢሩ። ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ጀነራል ብርሃኑ ጁላን፡ ኣብ ሶማሊላንድ ምስ ፕረሲደንት ዓብደራሕማን ከምኡ’ውን ኣብ ፑትላንድ ምስ ምክትል ፕረሲደትን ሊያስ ዑስማ ዝገበሮ ርክባት ዘተኮረሉ ዛዕባታት ሓደ ዓይነት ኮይኑ፡ ብዛዕባ ከባብያዊ ምርግጋእ ዘተኮረ ጥራይ ምንባሩ ብቲ መግለጺ ተነጺሩ። ንኹሎም ዘተሓሳሰቦም ከኣ ኣንጻር ፈጠርቲ ራዕዲ ምቅላስ ናይ ሓባር ዕማም እምበር ሓንቲ ፍልይቲ ሃገር እትስከሞ ጽዕነት ከምዘይኮነ እዩ።
እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ናይቲ ጀነራል ዑደት እዚ ዝተጠቕሰ ክነሱ፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ልኡላውነት ኤርትራ ንምግሃስ ተካይዶ ዘላ ወፈራ ኣተሓሒዝካን ስሙ ብምጥቃስ “ንናይ ኢትዮጵያ ሃቐነ ምድፋር ልኡላውነት ኤርትራ ደጊፍዎ” ዝቓንኡ ክዝርጋሕ ዝጸንሀ ዜናታት ሓቅነት የብሉን።