ሱዳናውያን ሓይልታት ብዛዕባ መጻኢ ሰላም ምስምመዖም ተገሊጹ

2026-06-05 22:09:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 38 times

ሰፊሕ ፖለቲካውን ሲቪላውን ምትእኽኻብ ሱዳናውያን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ብምውህሃድ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ። እቶም ተሳተፍቲ ከም ዝገለጽዎ እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ስምምዕ ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ፈተናታት ሰላም ሱዳን ፍሉይ ቆላሕታ ዝግበረሉ እዩ ኢለምዎ።

እቲ መግለጺ ዝወጸ ድሕሪ ጽዑቕ ምምኽኻር ኮይኑ፡ ኣብቲ ስምምዕ ዘብጽሕ ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ፡ ኣፍልጦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን፡ ከምኡ ድማ ካብ ሱዳናውያን፡  ማሕበራዊ ሰልፊ ባዕስ፡ ሰልፊ ህዝባዊ ጉባአ፡ ብሄራዊ ሰልፊ ኡማ፡ ከምኡ እውን ምትእኽኻብ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ወሲኽካ፡ ብዙሓት ሲቪላዊ ማሕበራት  ከም ዝተሳተፍዎ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪሩ።

እቲ ብ4 ሰነ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ናይቲ ስምምዕ ፈረምቲ ኣብ ሱዳን ሰፊሕ ብሱዳናውያን ዝምራሕ መጻኢ ሰላም ዘጣጥሕን መጻኢ ፖለቲካዊ መስርሕ ናይታ ሃገር ዘጣጥሕ ኣካል ከም ዝተመዘዘ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ዘውጸአ ኣካል፡ እቲ ምዕባለ ቅሩብነት ፖለቲካውን ሲቪላውን ኣካላት ሱዳን ንቐጻሊ መፍትሕታትን ምውጋድ ጸቢብ ዓሌታውነትን ተልእኮ ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መግለጺ፡ መስርሕ ዕርቅን ምፍጣር ሓድሽ ማሕበራዊ ርክብን ህዝቢ  ዝማእከሉ መስርሕ ፍትሒ፡ ዜግነታዊ ማዕርነትን ምውጋድ  ዓሌታዊን ኣግላልነትን ከም ዝካየድ ኣስፊሩ። በቲ ካልእ ወገን ግና ሰራዊት ሓርነት ሰዳን ዝተባህለ ብዓብደል ዋህድ ኣል ኑር ዝምራሕ ጉጅለ፡ እቲ ስምምዕ ንብሄራዊ ጉባአ ሱዳንን እስላማዊ ምንቅስቓስን ኣየሳተፈን ብዝብል ኣብቲ ስምምዕ ከምዘይፈረመ፡ እቲ ካባ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ ምሕባሩ ኣዲስ ስታንዳርድ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብመንጽርቲ ናይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ኣኼባን ስምምዕን ሱዳናውያን ኣብ ዝተኣማምን ሰላም ከብጽሕ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ።

Last modified on Saturday, 06 June 2026 00:12