ሕጽረት መዕቆቢ ተመዛበልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይገድድ’ሎ
2026-06-05 21:38:38 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 27 timesኣብ ደብረብርሃን “ቻይና ካምፕ” ኣብ ዝበሃል መጽለሊ ካብ ዘለዉ ግዳያት
ሰብኣዊ ትካል ምውህሃድ መዕቆቢ፡ ምምሕዳር ባይትን ንብረትን ((HLP)፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ስግኣት ጸጥታን ምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ዘስዓቦ ምምዝባልን ስእነት መጽለልን ኣጠንቂቑ። እቲ ትካል ብሰንኪ ነዚ ጸገማት ዘወግድ ዋሕዲ ገንዘብ ምግጣሙ ብዙሓት ዜጋታት ንሕሰም ይቃልዑ ከም ዘለዉ’ውን ኣፍሊጡ።
በቲ ኣብ 2026 ን2ይ ግዜ በቲ ትካል ዝወጸ ህጹጽ መዕቆብን ምምውህሃድ መደበራት ዝገልጽ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያ፡ ሶማሊያን ቤንሻንጉልን ቀዳምነት ዝወሃቦም ዝበሎም ንቑጣታት ተመዛበልቲ ፈልዩ ኣለሊዩ ከም ዘሎ እውን ተፈሊጡ።
ብጸብጻብ ናይቲ ትካል ኣብዚ እዋንዚ፡ ናይ ክሊማ ለውጥን ዋሕዲ ቀረብን ተደሚሩ ብዙሓት ማሕበረሰብ ብፍላይ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ዝናብ ግዜ ሳዕቤኑ ዝኸፈአ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ድሮ ግዜ ዝናብ ከይመጸ እንከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ቁጽሮም ኣብ ዘይመጣጠን ጻዕቂ ኣብ ጸበብቲ መጽለልታት እናነበሩ ይሳቐዩ ምህላዎም እውን ኣስፊሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብዘሎ ብዝሒ ተመዛበልቲ፡ ብ1ይ ደረጃ 67 ብ2ይ ደረጃ ድማ 76 ወረዳታት መጽለሊ ክስረሓሎም ተለልዮም ኣለዉ። ትግራይን ዓፋርን ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝበዘሐ ንቑጣታት ዝተለለየሎም ምዃኖም ብምጥቃ ከኣ፡ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ድማ ዝለዓለ ቁጽሪ ተመዝበልቲ ዘለወን እየን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ትካል እቶም ዘሰከፉ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ ስደት ተመለስቲ እውን ከም ዝርከብዎም ተሓቢሩ።
ክልል ትግራይ ካብተን ተመዛበልቲ ብብዝሒ፡ ብስእነት ብቑዕ መጽለሊ ዝሳቐዩለን ቅድሚት ትስራዕ ኮይና፡ እንዳባጉና፡ ዓብይ ዓዲ፡ ዛላንበሳ፡ እቲ ትካል ከም ኣብነት ጠቒስወን ኣሎ። ካብ ኣምሓራ፡ ቤንሻንጉልን ኦሮሞ፡ ዓፋርን እቲ ትካል ንኣብነት ዝጠቐሰን ንቑጣታት እውን ኣለዋ።
እቲ ትካል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጽረት መጽለልን ሳዕቤኑን ንምቅላል፡ ኣስታት 64 ሚሊዮን ዶላር ዘድልዮኳ እንተኾነ ካብዚ ዝረኸቦ 43% ጥራይ ምዃኑ ተጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ኣብ ዝተመርጻ 66 ቀዳምነት ዝወሃበን ወረዳታት ዝርከቡ 294, 126 ሰባት ብፍሉይ ንምሕጋዝ መደብ ተታሒዙ ይስረሓሉ ከምዘሎ እውን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ኣብ ኣለምዋጭ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ዳባት ዝርከብ መደበር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣካልዞም ናይ መጽለሊ ሕጽረት ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ምዃኖም ዝዝከር እዩ።