ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መተሓላለፊ ኣፍደገ ክትረክብ እትኽእል፡ ብመንገዲ ሰላማዊ ዘተን ዞባዊ ርግኣትን ጥራይ ምዃኑ፡ ኣምበሳደር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላስ ሲማርድ ምግላጹ፡  ጋዜጣ ኢትዮጵያን ሄራልድ (Ethiopian Herald)  ሓቢራ። እቲ ኣምበሳደር ነዚ ዝገለጸ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ምጅማር ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ካናዳን ኢትዮጵያን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዘተ መድረኽ  ምዃኑ ተሓቢሩ።  ኣምበሳደር ኒኮላስ ኣብ መስርሕ ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ጻዕሪ፡ ሃገሩ ተሳቲፋ  ከተበርክት ቅርብቲ ምዃና ኣብቲ መድረኽ  ምጥቃሱ’ውን እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

እቲ ኣምበሳደር ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳይ ካናዳ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ዝተመስረተ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኦም ከደልድሉ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነቲ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ግቡእ ክብደት ከም ዝህቦ ኣብቲ ኣጋጣሚ ጠቒሱ። ኣንበሳድር ኒኮላስ ብዛዕባቲ ብኢትዮጵያ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ዝካየዱ ምይይጣት ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ሃገሩ ኣብቲ ዲፕሎማሲያውን ሰላማውን መስርሕ ተሳታፊት ክትከውን ቅሩብነት ከም ዘለዋ ኣነጺሩ።

እቲ ካናዳዊ ዲፕሎማት ሃገሩ ንዞባዊ ሰላም ቀዳምነት ከምእትህብ ጠቒሱ፡ እዚ ኢትዮጵያ ተርእዮ ዘላ ክቱር ድሌት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ግሉጽን ቀጻልን ምይይጥ ብምክያድ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል ኢሉ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከም ዝተላዕለ፡ እቲ ብምይይጥ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ ረብሓኡ ቁጠባዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀጻሊ ሰላም ዘውሕሱ ኣዕኑድ ምትካል ከም ዘኽእል እውን ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ ናይቲ መድረኽ ዘተ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ካናዳን ዝጸንሐ ዓሚቕን ታሪኻውን ዝምድና ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዘካየዱን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ንግድን ዞባዊ ጸጥታን ክቕጽል ይግበኦ ከም ዝበሉ እውን፡ እቲ ካብ ጋዜጣ ኢትዮጵያን ሄራልድ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (Committee to Protect Journalists)፡ ማነጂንግ ዲይረክተር መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳር ጋዜጠኛ ሚልዮን በየነ ንክፍታሕ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጸጥታ ኢትዮጵያ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ጋዜጠኛ ሚልዮን ብ16 ማዝያ 2026 እዩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እታ መርበብ (መንነቶም ብይተፈልጡ) ክትብል ብዝገለጸቶም ከም ዝተኣስረ ኣፍሊጣ። ድሕሪ ምእሳሩ ሃለዋቱ በታ ዝሰርሓላ መርበብ  ኮነ ብቤተሰቡ ከምዘይተፈለጠ ድማ ዋና ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበሬታ ኢንሳይደር ኢትዮጵያ ብወገኑ ሓቢሩ።

20 ዓመታት ናይ ጋዜጠኝነት ተመኩሮ ዘለዎ ሚልዮን በየነ፡ ቅድሚ 4 ዓመታት ናብ ኣዲሲ ስታትንዳርድ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ኣብ ትካል ዋልታ ኢንፎርመሽን ማእከልን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያን ከም ዝሰርሐ ተፈሊጡ። እዚ ኣብቲ መርበብ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ክሰርሕ ዝጸንሐ ማነጂንግ ዲረክተር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሲኤምሲ ካብ ዝርከብ ናይቲ ዝሰርሓሉ ትካል ዋና ቤት ጽሕፈት ተወሲዱ ከም ዝተኣስረ ከኣ ተሓቢሩ።

ናይቲ መርበብ ኣሕታሚ ኣካል ዝኾነ ጃኬን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ማሕበር  ብወገኑ ድሕሪ ማእሰርቲ ሚልዮን በየነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቅድሚ ምእሳር ናይቲ ጋዜጠኛ ዝተወሰኑ ኣካላት ኣከዳድነኦም እናቐያየሩ ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ጽሕፈት ስለያዊ ምንቅስቓስ የካይዱ ከም ዝነበሩ ኣቃሊዑ።

መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ተደጋጋሚ ተጽዕኖታት ክፍጠር ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ማዝያ እውን ኣብ ልዕሊ 3 ኣባላቱ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ተወሲዱ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።

ነቲ ኩነታት ዝተኸታተለ ኮሚተ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ መንነቶም ዘይተፈልጡ ብዝተባህሉ ኣካላት ዝተኣስረ ሚልዮን ብህጹጽ ክፈትሕዎ ጸዊዑ። ነታ ሚልዮን ክሰርሓላ ዝጸንሐ መርበብ ንምዕጻው እውን እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ብዝምልከቶም ሓለፍቲ ተጽዕኖታት ክግበር ከም ዝጸንሐ  እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከባቢ ሳብ ሳህራ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ጋዜጠኛታት ካብ ዝኣስራ ሓንቲ ኮይና ከም ዝጸንሐትን ጋና ናብ ፍርዲ ዘይቀረቡ እሱራት ጋዜጥኛታት ዘለውዋ ሃገር ምዃና ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኣብ በርሊን ይካየድ ናብ ዘሎ ንሱዳን ዝምልከት  ኮንፈረንስ: ውግእ ሱዳን 4ይ  ዓመት ምሓዙ  ብዝምልከት  ብቪድዮ  መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ። ኣብቲ መልእኽቱ እቲ ውግእ ኣዝዩ ኣዕናውን ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ ቅልውላው ዝተራእየሉን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ 34 ሚልዮን ሱዳናውያን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጽበዩ ምህላዉ ኣስፊሩ። ብሰንክቲ ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ዝተጀመረ ውግእ ልዕሊ 4,5 ሚልዮን ሱዳናውያን  ከም ዝተሰዱ ሓቢሩ።

ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣተሓሒዙ፡ በቲ ናብ ራበዓይ ዓመቱ ዝሰግር ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ሱዳን፡ እቲ ጥሜት ኣብታ ናይ እንጀራ መሶብ ትበሃል ዝነብረት ሃገር ኣጋጢሙ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ናይ ሓደ ትውልዲ ህጻናት ናይ ትምህርቲ ግዜ ዝተሓሸሸሉ እዩ፡ ክብል ነቲ ኩነታት ኣምሪሩ ገሊጽዎ። ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮ ደቀንን ብሰንኪ ግሉጽን ሜላውን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተሃስያ ከኣ  ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ።

ብዛዕባ ኣቕርቦት ገንዘብ ንሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ዝጠቐሶ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ዝድለ 40% ጥራይ ከም ዝተረኽበ ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ እኹል ዘይምዃኑ ብዙሓት ሱዳናውያን ንስእነት መግቢ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን መሕወይ ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝተቓልዑ ጉተረዝ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ድሌት’ኳ ዝውስኽ ዘሎ እንተኾነ፡ እቲ ገንዘባዊ ቀረብ ግና ኣብዚ ዓመት ካብቲ ዝሓለፈ ዝያዳ ዘንቆልቁል ዘሎ እዩ።  ገንዘብ እንተዝርከብ እውን በይኑ ሰላም ክኸውን ስለ ዘይክእል፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ብተኹሲ ጠጠው ብምባል ኣቢልካ ቀጻሊ ሰላም ዘውሓስ መስርሕ ምኽታል እዩ ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ዘተኣማምን መንገዲ፡ ናብ ኣሳታፊ ሲቪላዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ብምእታው ጥራይ ባህጊ ህዝቢ ሱዳን ከም ዝወሓስ ኣስሚርሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ነቲ ምስ ካርቱም ብዘይምውኽኻስ ዝተሰርዐ ዝበሎ ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ዝካየድ ዘሎ ኮንፈረንስ፡ “መግዛእታዊ ኣተሓሕዛ እዩ” ብዝብል ኣገላልጻ፡ ምዕራባውያን ኣጀንደአን ንምጽዓን ዝመሃዘኦ እዩ ብዝብል ኣይተቐበሎን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ወደብ ጅቡቲ ታጁራ 60% ብጽሒት ቁጠባዊ ተጠቃምነት ንክህልዎ ዝቐረበሉ ጻውዒት ከም ዝተሓሰመ ሶማሊያ ቱዳይ (Somalia Today) ካብ ጅቡቲ ሓቢራ። እቲ መሕሰሚኡ ምኽንያት ናይ ተጠቃምነት ዘይኮነ፡ ናይ መተሓላለፍን ምምሕዳርን (corridor arrangement) መሰል ክህልወኒ ኣለዎ ዝብል ምዃኑ እውን ሶማሊያ ቱደይ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ድሕሪ ኣዕሚቕ መጽናዕቲ ብናይ ጅቡቲ ምምሕዳር ወደባትን ናጻ ዞናን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

ጅቡታዊ በዓል መዚ ምምሕዳር ውደባትን ናጻ ዞናን ኣቡበከር ዑመር ሃዲ ነዚ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ዝበዘሐ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ክወሃባ እኳ እንተ ወሰነት ኢትዮጵያ ግና ነቲ እማመ ኣይተቐበለቶን። እቲ በዓል መዚ ጅቡቲ ንሕና ንጹራትን ግሉጻትን ኢና ኢትዮጵያ ግና ካብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ንላዕሊ ናብ ምውናንን ምምሕዳርን መተሓላለፊ እያ ተማዕዱ ዘላ ኢሉ።

ሃዲ ኣተሓሒዙ ጅቡቲ ንሓቢርካ ምስራሕ ቅርብቲ ኮይና፡ ንመንግስታዊ ኮነ ብሕታዊ ግዳዊ ንጥፈታት ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ጥጡሕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ድልውቲ ኮይና  ክትቅጽል እያ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናይታ ኣስታት 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ግና ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኢትዮጵያ ልዕሊ 95% ንግዲ ዝወጽእን ዝኣቱን ብወደብ ጅቡቲ ምዃኑ ሃዲ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላኡ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ከም ድላያ ንግዳዊ ንጥፈታት ከተካይደሉ እትኽእል 60% ብጽሒት ትቃወመሉ ዘላ መሰረታዊ ምኽንያት ኣብ መንጎ ተጠቃምነትን ምውናንን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። እዚ ድማ ሕቶ ኢትዮጵያ ኪኖ ንግዳዊ ተጠቃምነት ዝኸይድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ክብል እውን እቲ ጅቡታዊ ሚዛኑ ኣስፊሩ። ኣብቲ ጉዳይ ርኢቶ ዝሃቡ ኣካላት ብወገኖም ኢትዮጵያ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝሰኣነቶ ዋንነት ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ክትቅበሎ ዘይምኽኣላ ዘርኢ ምዕልባጥ እዩ ኢለምዎ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስ ጀነራላቱ

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሕያሎ ጀነራላት ጡረታ ከውጽእ እንከሎ; ንዓኣቶም ዝትክኡ ሓድሽ መዓርጋት ከም ዝሃበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢራ። እቲ ዜና ነቲ ስጉምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡   ኣተሓሒዙ እቶም ጡረታ ዝወጹ 21 ኮይኖም፡ መዓርጎም ከኣ መጀር ጀነራል ምዃኑ ጠቒሱ። ካብቶም ጡረታ ዘወጹ ጀነራላት፡ ዲያብ ባድር ዲያብ፡ ካልድ ኣልቃዲ፡ ቃንዲል በሽርን ካሊድ ኣቤል ምታኣን ፍሉጣት ምንባሮም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።

ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓደስቲ ናብ ዝለዓለ መዓርግ ንምድያብን ነባራት ጡረታ ንምውጻእን ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ ኣፍሊጡ። እቲ ዜና ብተወሳኺ እቲ ምዓርግ ምሃብን ጡረታ ምውጻእን ብናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን መሰረት ገይሩ  ዝተተግበረ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ እዋናውነት ናይቲ ስጉምቲ ብእስላማዊ ኣካላት ናይታ ሃገር ከም ዝተነቐፈ ተፈሊጡ። እቲ ነቐፈታ ካብቶም ጡረታ ወጺኦም ዘለዉ፡ መብዝሕትኦም ኣብቲ ኣንጻር ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ክብሪ ውግእ ዓብይ ግደ ዝጸንሖም እዮም ብዝብል እዩ። እቲ ምትዕርራይ ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅመር ንኻለኣይ ግዜ ዝተኻየደ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ስጉምቲ ምስ ምኽባርን ዘይምኽባርን ወተሃደራዊ ስነ-ስርዓት ምትእስሳር ከምዘለዎ’ውን ተፈሊጡ።

ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ኣካላት ከኣ፡ ወተሃደራዊ ኩነታት ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን ኣብ ምርግጋእን ዳግመ ውደባን ኣትዩ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ ኢለምዎ።

ወዲ 78 ዓመት ፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ ን6ይ ግዜ ተወዳዲሩ፡ 98 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከም ዝሰዓረ ቢቢሲ ሓቢራ። ካለኦት ተቓወምቲ መወዳድርቱ ካብቲ ምርጫ ክስሕቡ እንከለዉ፡ ምስ ዑመር ገለ ዝተወዳደረ መሓመድ ፋራሕ ሰመተር ድማ 2 ካብ ሚእቲ ድምጺ ከም ዝረኸበ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።

ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዑመር ገለ፡ ኣብዚ ብ10 ማዝያ 2026 ዝተኻየደ ምርጫ ኣይክሳተፍን እዩ  ዝብል ትጽቢት’ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ካብ ወዲ 75 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ምርጫ ኣይወዳደርን ዝብል ዝነበረ ናይታ ሃገር  ሕገምንግስታዊ ዓንቀጽ ኣመሓይሹ ከም ዝተወዳደረ ተፈሊጡ።

ዑመር ገለ ኣብ ድሮ ምርጫኡ ወፈራ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝጐስጐሰሉ ዝነበረ፡ ጐረባብቲ ጅቡትን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝለዐለ ቅልውላውን ስግኣትን ክህልዋ እንከለዋ፡ ንሱ ግና  ንጅቡቲ  ብርግኣትን ሰላምን ከመሓድራ ምጽንሑ ዝገልጽ እዩ ነይሩ። ዑመር ገለ ጅቡቲ ብ1977 ካብ ፈረንሳ ናጻ ካብ እትወጽእ ዝመርሓ ዘሎ 2ይ ፕረሲደንት እዩ። ከም ዳሂር ኣሕመድ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፖለትከኛታት ናይታ ሃገር ካብ 2016 ጀሚሮም እዮም እቲ ዝስዕር መን ምዃኑ ብምርዳእ ካብቲ ምርጫ ክስሕቡ ጸኒሖም።

እቲ ፕረሲደንት ድሕሪቲ 80 ሚእታዊት ካብቶም ዝተመዝገቡ መረጽቲ ዘድመጽሉ መስርሕ ምርጫ ምዕዋቱ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዓወት ናቱ ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሃገር ምዃኑ ምግላጹ ተጠቒሱ።  እቲ ዝተሳዕረ መወዳድርቱ ግና ብዛዕባቲ ኩነታት ዝሃቦ መግለጺ የለን። ናይቲ ምርጫ ውጽኢት ዝገለጸ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክኸውን እንከሎ፡ ቅድሚ ዑመር ገለ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ  ብቤት ፍርዲ  ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር።

ጅቡቲ ብዘለዋ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡  ናይቲ ብደረጃ ዓለም ጻዕቂ ምንቅስቓስ  ካብ ዝረኣየለን ሓንቲ  ዝኾነት  ወሽመጥ ባብኤልመደብ ቀንዲ መራኸቢት እያ። ርግኣት ጅቡቲ ሳላ ናይተን ኣብኣ ወተሃደራዊ መደበራት ዘለወን ሓያልት ሃገራት ዝተፈጥረ እዩ ዝብል ናይ ምዙሓት ግምት እዩ።

ፈደራል ዳኛ ኣሜሪካ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣስታት 5 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ዝነበሮም መሰል ግዝያዊ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓዶም ሰሪዙ ናብ ሃገሮም ክስጐጉ ንዘውጸኦ መደብ ዓጊትዎ። ዳኛ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ብሪያን ሙርፊ፡ ምምሕዳር ኣሚሪካ ዝኸዶ ሕጊ ናይ ምጥሓስ ውሳነ ብምጥቃስ እዩ ነቲ ውሳነ ብ9 ማዝያ 2026 ዓጊትዎ።

ዳኛ ሙርፊ ኣባላት ኮንግረስ ኣሚሪካ ነቲ ጉዳይ ሕጋዊ መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ንዝተጻወትዎ ኣውንታዊ ግደ ብምጥቃስ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ግና ኣብ ምኽባር ሕጊ ከምዘይግደስ ሓቢሩ። እቲ ኩነታት ንሕገመንግስቲ ኣሜሪካን ካለኦት መትከላትን እውን ከም ዝጸልው ኣስፊሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ውሳነ መራሒ  ኣሜሪካ ንሓላፍነት ቀወምቲ ትካላት ዝትክእ ኣይኮነን ኢሉ። ምምሕዳር ፕረሲደንት ትራምፕ ነቲ ንዜጋታት 13 ሃገራት ዝምልከት መሰል ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድን ስራሕን ንምስራዝ ዝኸዶ መንገዲ ከኣ ዘይሓላፍነታዊ  ነይሩ ክብል  ገሊጽዎ።

እቲ ንኢትዮጵያውን ዝተዋህበ ግዝያዊ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓድ ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ውግኣት፡ ግርጭታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብኡ ንምንባር ዘስገኦም ጸገም ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።  እቲ ዳኛ ኣተሓሒዙ ነቲ ኣቐዲሙ ብፕረሲደንት ኣሜሪካ ዝተወስደ ምስራዝ ግዝያዊ ፈቓድ፡  ንኩነታት ናይተን ዜጋታተን ግዳይ ዝኾኑ ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይምንባሩ ኣብቲ ውሳነኡ ከም ዝጠቐሰ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ናይቲ ፍርዲ ዝሃበ ኣካል ወሃቢ ቃል ብወገኑ፡ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ፡ ንስጉምቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሕጋዊ መልክዕ ናይ ምትሓዝ ኣብነት እዩ ኢልዎ። ኢትዮጵያውያን ነቲ ዕድል ዝረኸቡ መጀመርያ ብ2022 ኮይኑ፡ ኣብ 2024 ድማ ተሓዲሱ።

ሰኑይ 6 ሚያዝያ ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ከምዝነበረ ጉባኤ ዞባ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2026 ብመራኸቢ ብዙሃን ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ እምበኣር ዕዉት ዞባዊ ጉባኤ ንምስልሳል ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ምድላው ምምዛን እዩ ነይሩ።

መጀመርታ ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድሒሩ ድማ ናይ ሓጻዪት ሽማግለ ናይ ስራሕ ጸብጻባት ቀሪቡ።

  • ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኩሉ ዝድለ ምድላዋት ተካይድ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ተጠቒምና እንህቦ ድምጺ ብግቡእ ምእንቲ ክቁጸርን ዝኾነ ይኹን ጽገማት ከምዘይጋጥም ንምርግጋጽን መፈተኒ ድምጺታት ክእከብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኩሉ ዝድለ ሰነዳት ኣብ ምድላው ከምዘላ ድማ ገሊጻ።
  • ሓጻዪት ሽማግለ ብወገና ዳርጋ ኩለን ጨናፍር ከምዝሓጸያን ንነፍስወከፍ ሕጹይ ወይ ሕጽይቲ ብደብዳቤ ክትሕብር ምዃና ሓቢራ። ተሪፉዋ ዘሎ ስራሕ ዞባ ክመርሑ ድሉዋት ዝኾኑ ኣጻርያ ናብ ጉባኤ ምቕራብ እዩ።

ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!

ክንዕወት ኢና!

ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

6 ሚያዝያ 2026                                                                

ካብቶም  ናይ 2ይ ደረጃ ፈተና ክቐርቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ተመሃሮ ሱዳን

ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ተመሃሮ ሱዳን ንምሕጋዝ፡ ኣብ 2ይ ሰሙን ወርሒ ማዝያ 2026፡ ኣብ ከተማ ጁባ 1,224 ተመሃሮ ናይ 2ይ ደረጃ  ምስክር ወረቐት ፈተና ዝወስድሉ መደብ ከም ዝሰርዑ “ሱዳን ፖስት SUDAN POST” ዝተባህለ ትካል ዜና ሓቢሩ። ካብዞም ተመሃሮ ድሮ 800 ዝኾኑ ካብቲ ተዓቚበምሉ ዝነበሩ መደበራት ከተማ ጁባ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ኣስታት 424 ተመሃሮ ግና ብሰንኪ ናይ መጐዓዝያ ሕጽረትን ናይ ጸጥታ ስግኣትን ኣወይል ኣብ ዝተባህለ መደበር ስደተኛ  ይጽበዩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

እዚ መደብ ምውሳድ ፈተና ናይ ደቡብ ሱዳን ምክትል ፕረሲደንትን ሚኒስተር ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ሑሴን ዓብደልባጊ ምስ ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ጁባ ኢሳም መሓመድ ከራርን ሚኒስተር ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኩዮክ ኣቦል ኩዮክን ድሕሪ ምዝርራብ ዝወጸ ምዃኑ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እቲ ፈተና ክሳብ 27 ማዝያ 2026 ኣብ ዘሎ መዓልታት ከም ዝፍጸም ከኣ ተፈሊጡ።

ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከራር፡ ብዛዕባቲ መደብ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብሓፈሻ እቲ መስርሕ ፈተና ብሰላም ክካየድ ብፍላይ ድማ ነቶም መጓዓዝያ ስኢኖም ተዓጽዮም ዘለዉ ጸገሞም ቀልጢፉ ንክፍታሕ ኣተሓሳሲቦም።

ብወገን ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ድማ፡ ተመሃሮ ሱዳን ካብቲ ተዓጊተምዎ ዘለዉ መደበር ኣወይል ናብ ጁባ ብውሑስ መንገዲ ዝጐዓዝሉ መስርሕ ክመዓራረየሎምን ፈተናኦም ብሰላማውን ውሑስን ሃዋህው ክካየድ ኩሉ ዝከኣሎም ዘበለ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጾም።  እቲ መደብ ምሃብ ፈተና ተመሃሮ ብዝምልከቶም ሰብኣዊ ትካላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ይነኣድሉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመደ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ መድረኽ ብ7 ማዝያ 2026; ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኑ ክመርሕ ናይ  ዝጸንሐ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ጸብጻብ ከም ዝሰምዐ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።

ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ጸብጻብ ዘቕረበ ንሓደ ዓመት ንክመርሕ ዝተዋህቦ ናይ ግዜ ገደብ ንክውዳእ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ምስ ዝተረፎ እዩ። ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐረበ ጸብጻብ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ጀነራል ታደሰ ካብ 8 ሚያዝያ 2026 ጀሚሩ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ኣብቲ ናይ ፕረሲደንትነት መዝነቱ ንክቕጽል  ብፈደራል መንግስቲ ከም ዝተወሰነ ተሓቢሩ።

መንግስታዊ መዲያ ኮርፖሬሽ ፈነወ ኢትዮጵያ፡ ከም ዝገለጸቶ እቲ ምንዋሕ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 62 (9)ን ብኣዋጅ ቁጽሪ 359/1995፡ ዓንቀጽ 14 ንኡስ ዓንቀጽ 2 (ለ)ን  ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ፈደራል ዝተወሰነ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጸብጻብ ዝቕረበሉ ኣኼባ፡ ብወገን ፈደራል መንግስቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጌደዎን ጢመቲዎስ፡ ኣዛዚ ፈደራል ፖሊስ ጀነራል ኮሚሽነር ደምመላሽ ገብረሚካኤ፡ ሚኒስተር ልምዓት መስኖን ከባቢታት ቆላን ዶር ኣብርሃም በላይን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳን ክርከቡ እንከለዉ፡ ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግና ጀነራል ታደሰ ወረደ ንበይኑ እዩ ተሳቲፉ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ እታ ኣብዚ እዋንዚ ሕጋውነት ብኮምስን ምርጫ ቦርድ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ዝርከብዎ ኣካል፡ ድሕሪ ሕጂ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝበሃል  ኣየድልየናን ብዝብል  ንምንዋሕ መዝነት ታደሰ ወረደ ከም ዝነጽግዎ ይሕበር ኣሎ። እዚ ኩነታት ናይቲ ሰላም ከውሕስ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምፍራሱ ዘመልክት እዩ። በዚ መሰረት  ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ሓይሊ ትግራይን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ንዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ’ውን ናብ ሓደገኛ ኣቕጣጫ ከይወስዶ ዘስግእ ዘሎ እዩ።

Page 1 of 167