ኣል ቡርሃን ብዛዕባ ወጢንዎ ዘሎ መደብ ፖለቲካዊ ዘተ ሓቢሩ

2026-05-28 15:05:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 16 times

ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሕድሕዳዊ ውግእ ጠጠው ብምባል ናብ ዲሞክራሲ ከሰጋግር ዘኽእል ዘተ ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ ምግላጹ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ብምኽንያት መበል 1447 ዒድ ኣል ኣድሃ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ውሽጣዊ ሱዳናዊ ዘተ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብ ዋኒን ናብ ሓደ ዘምጽእን መሰረት ህንጸት መጻኢት ሱዳን ኣብ ዘንጽፍን ስምምዕ ከብጻሕ ዘለዎ እምነት ኣስፊሩ። ብዘይካዚ እቲ ዘተ ብዛዕባ መጻኢ ምምሕዳራዊ መትከላትን ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ክትልም ዘለዎ ተስፋ ምግላጹ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መልእኽቱ ጀነራል ኣልቡርሃን መንግስቲ ሱዳን ኩሉ እቲ ተተሊሙ ዘሎ ዘተ ዘዕውት ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ዘተ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ከም ዝካየድን ኩሎም ኣብ ሱዳን ዘሎ ስቓይ ዘሕምሞምን ናይቲ ቅልውላው ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑን ሱዳናውያን ወገናት ከም ዝሳተፍዎን  ኣፍሊጡ። እቶም ናብቲ ዘተ ዝዕደሙ ብደም ንጹሃት ሱዳናውያን ዘይሕተቱ ከም ዝኾኑ’ውን ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ መልእኽቱ ከኣ ንውጽኢት ናይቶም ብጉዳይ ሱዳን ፈቐዶ ከተማታት ካለኦት ሃገራት ዝካየዱ ኣኼባታት ውሳነታቶም ዝተዓደጉ ብምዃኖም ከምዘይቅበል ብምግላጽ፡ እቶም ዝብጽሑ ውጽኢታት ብናይ ካለኦት ሃገራት ድሌት ዝተጸልዉ እዮም ኢሉ።

ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ የመሓላልፍ እምበር፡ እቲ ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ዝጀመረ ኣብ መንጎቲ ንሱ ዝመርሓን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕን ሓይልታት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት’ውን ተወሲኽሞ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ  ምህላዉ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Thursday, 28 May 2026 17:12