ናይ ዞባና ኮነ ኣህጉርና ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ክብን ለጠቕን እናበለ ብቐጻሊ ዝሕቆን ዘሎ እዩ። ኣብቲ ቀጻሊ ሓጐጽጐጽ በብግዜኡ ዝተፈላለያ ሃገራት መዛረቢ ኣጀንዳ ይኾና። እቲ ዝላዓል ዛዕብታት ከኣ እወንታውን ኣሉታውን ገጻት ይህልዎ። ትሕዝትኡ ፖለቲካዊ ምቅይያራት፡ ወተሃደራዊ ግጭታትን ውግኣትን ዘስዓቦ ሓደጋታት ዘርኢ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ናይ ምዕልባጥ መስርሕ ገለ ሃገራት ግዳይ ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ከኣ ጠንቂ ናይቲ ግዳይ ክኾና ምዕዛብ ዝተለምደ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ንመጀመርተኣ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጀንዳነት ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ሓንቲ ኮይና’ላ።
ሓንቲ ሃገር ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ኣቐዲሙ ስሙ ዝጽዋዕ መሪሕ ተዋሳኢ፡ እቲ ዝመርሓ ባእታ ወይ መንግስቲ እዩ። ተሳትፎኡ ከከም ባህሪ ናይቲ ዘመሓድሮ መንግስቲ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ህዝቢ እውን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብ ዙርያኡ ዝለዓል ኣጀንዳን ምንቅስቓሱን እዩ። ስለዚ ኤርትራ ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ነጸብራቕ ተግብራት ናይቲ “ይመርሕ ኣለኹ” ዝብል ጉጅለ ህግደፍን ናይ ዜና ማዕከናቱ “ሃበስቀደስን” ጐሊሑ ዝረአ እዩ። ብሰንኪ ኣግላሊ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ፡ ግደኡ ዝተደረተ እኳ እንተኾነ፡ ብወገን ኤርትራ “ከምዚ ተባሂሉ፡ ከምዚ ተፈጺሙ፡ ከምዚ ከየጋጥም የስግእ እዩ” ክበሃል እንከሎ፡ “እቲ ህዝቢኸ ነቲ ኩነታት ከመይ ይርእዮ’ሎ” ተባሂሉ ክሕተት ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ድምጺ ህዝቢ ክስመዓሎም ዝነበሮ ተረኽቦታት፡ ብዛዕባ ግደኡ ተሓቲቱስ፡ ዘዕግብ ምላሽ ዘይነበሮ ምዃኑ ስለ ዝዝከር፡ ሎሚ ንእጃም ህዝቢ ኤርትራ ብዝምከት ብዙሕ ዝለዓል ከምዘይኮነ፡ ዘንጸባርቑ ወሃብቲ ርኢቶ ብዙሓት እዮም። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓለፈ ተጣዒሱ፡ ሎሚ “ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ወዲቐን ተናዒቐን?” ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ንክሓትት ሓላፍነት ዘሰክሞ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እታ ኣጀንዳ እትኸውን ዘላ ሃገሩ፡ ብናቱ መሪር ቃልስን ክቡር ዋጋን ዝመጸት ምዃና ጥራይ ኣይኮነን። ልኡላውነታን ሓድነት ህዝባን መሬታን ናይ ምሕላው ሓላፍነት እውን ንዕኡ ዝምልከት ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ዕንደራ ህግደፍ ክመጽ ናይ ዝኽእል ውግእ ናይ ህይወት ኮነ ንብረት ዋጋ ዝኽፍሎ ንሱ ምዃኑ እውን ኣብ ተመኩሮኡ ዘረጋገጾ ኣገዳሲ ተዘክሮ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ፡ ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ “ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ኣብ 1900፡ 1902ን 1908ን ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተበጽሐ ውዕላት፡ ኣብ ኣልጀርስ እውን ዝተኸተመ ስምምዕን ዝተበየነ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መሬት ይመልከት” ኢሉ ኣትሪሩ ዘይምሓዙ ክጥዓስን ካብኡ ተማሂሩ ዋና ናይዚቲ ኣጀንዳ ክኸውን ኣብ ዝግደደሉ መድረኽ ኢና ዘለና።
ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ ተበሃግን ተሃዋስን እዩ። ኣብዚ ዞባ እትርከብ ሃገር ነቲ ተበሃግነት ብዝምጥን ውሕሉል መንግስቲ ክትምራሕ እንከላ ጸጋኣ ዕዙዝ እዩ። ብኣንጻሩ ንዓኣ ብዘይምጥን ሃላሊ ክትመሓደር እንከላ ከኣ ተጠቃምነታ ተሪፉ ጸላእቲ እትዕድም ግዳይ እያ ትኸውን። ንኤርትራ ክገጥማ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ብጸጋታታ ተጠቃሚት ዘይምዃን ከኣ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስጋኢ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ምውጣጥ፡ ኣብ ርእሲቲ ህንጡይነት መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ናይቲ ኤርትራ ንምምራሕ ዘይምጥን ጉጅለ ህግደፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኣሉታዊ ግደ እውን ኣብ ቦታኡ ዘሎ’ዩ።
ትማሊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ብዝፈጠሮ እሞ ዕድሚኡ ዝሓጽር ዘሎ ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ንምጽብባቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መድረኻት፡“ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት እንህቦ ዛዕባ ኣይኮነን፡ ክልተ ህዝብታት እዩ ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ፡ ዕላማ ዝምድናና ኢትዮጵያ ከይትበታተን ምሕላው እዩ፡ ኣይከሰርናን፡ ደጊም ኣብይ ኣሕመድ ኢኻ ትመርሓና………. ወዘተ” ክብል እንከሎ፡ ዘይሰመዖ ኤርትራዊ የለን። “ኣይፋልካን ዓሪ ደኣ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ነቲ ዲክታተር ንምስናይ ምስ ኢትዮጵያውያን ተሰሊፎም፡ “ተደሚርና ኢና፡ ፍቕሪ ይስዕር (ተደምረናል፡ ፍቅር ያሸንፋል) …….” ዝበሉ ኤርትራውያን ወገናት፡ ሎሚ እንተኾነ ኣብ ኣደባባይ ብቓልዕ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ሕልናኦም “ሰይጣን ወሰደኒ፡ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሎም እንተዘይ ተናሲሖም፡ ከም ሰብ ካብ ምሕሳብ’ውን በዂሮም ዘለዉ እዮም።
ኣብ ኣልጀዚራ፡ ዘኢኮነሚስት፡ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕን ካለኦት ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን፡ ብዙሓት ብዛዕባ ውግእን ወጥርን ተመኩሮን ኣፍልጦን ዘለዎም ፖለቲከኛታት “መን ይጅምሮ ብዘየገድስ” ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ምብርዑ ከም ዘይተርፍ የተንብሁ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ዝቐደመ ንብዓቱ ከይደረቐ ኣብ ልዕሊኡ ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ውግእ፡ ብስሩዕ ዝሕብሮን ዘጠንቅቖን መንግስቲ የብሉን። ነቲ ዝተፈላለዩ ወገናት ከከም ዝጥዕሞም ገይሮም ዘቕርብዎ ሓበሬታን ኣብ ልዕሊ ደቁ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ግፋን ተዓዚቡ ካብ ምስጋእ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። “ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ቱርኲ ሱዕድያ፡ ኤመረት” ዝኣመሰሉ ኣስማት ሃገራት እናጸውዐ፡ “ነቲ ዝስጋእ ዘሎ ውግእ ደኾን የዕግሱልና?” ኢሉ ተስፋ ዘሕድር ከኣ ውሑድ ኣይኮነን።
እዘን ሃገራት ነቶም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ መንግስታት “ከዕግሱልካ” ምጽባይ ነውሪ ኣይኮነን። እቲ ቅድሚት ዝስራዕን ወሳንን ግና “ኣብቲ ጉዳየይ፡ ኣለኹ ባዕለይ?” ምባልን ግብራዊ መልሲ ምሃብን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጉዳያት ከይተበላሸወ ድምጹ ዘይምስማዕ፡ ብኣንጻሩ መዳመቒ ብምዃን ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝዝክሮ የለን። ስለዚ ነቲ “ናይ ውግእ ውሉፍ” ህግደፍ ብዝመልመሎም ዘይሓላፍነታውያን ኣቢሉ ዝድስቖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ነጋሪት ኣብ ክንዲ ምድማቕ፡ ከሎ ጌና፡ “ስለምንታይ?፡ ብዘይካ ውግእከ ካልእ መፍትሒ የለን ድዩ?፡ ከም ህዝብን ሃገርንከ ኣየናይ ኣገባብ’ዩ ዘዋጸኣና?” ኢሉ ክሓትት፡ መልሲ ክረኽበሎምን ብእኡ መሰረት ክንቀሳቐስን ይግበኦ።
ሩሲያ ኮነ ዩክረይን፡ ኣመሪካ ኮነ ኢራን፡ እስራኤል ኮነ ፍልስጤም ክለዓላ እንከለዋ፡ “እሞ እቲ ህዝበንከ ከመይ ይርእዮ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ወርትግ ዝለዓል እዩ። ስለዚ ኣብዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ፕርፖጋንዳዊ ኩርባባን ሕድሕድ ምንእኣስን” ዝሓየለሉ እዋን “ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራኸ ከመይ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ከም ዝለዓል ርዱእ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶ’ዚ ዝኸውን ብሱል መልሲ ንምሃብን መዋጽኦ ንምእማትን፡ ህዝቢ ኤርትራ “ኣነኸ ኣብቲ ጉዳየይ?” ንዝብል ብግቡእ ከቕልበሉ እነዘኻኽሮ።
ባህግና Bahgna Media 13.04.2025: ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃኑ ሓደጋ፣ ዋና ናይ ቃልሲ ህዝቢ እዩ
Written by Bahgna MediaMedia
ኣብ ዓለም፣ እተን ህዝበን ናይ ምምራጽን ምድማጽን መሰሉ ተጠቂሙ ስርዓታተን ብዲሞራስያዊ ኣገባብ ዘቆማ ሃገራት ምንጪ ናይ ስልጣን ህዝቢ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ድማ‘ዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “ኣብ ሓራ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፣ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታትን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን” ዝብል ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕያኡ ኣስፊሩ እንረኽቦ።
መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ እቲ ቀንዲ ዋና ናይቲ ቃልሲ ህዝቢ ምዃኑ እንገልጸሉ ምኽንያታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝያዳ ዝውጻዕን በቲ ለውጢ ዝጥቀምን ንሱ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ እቲ መዐወቲ ናውቲ እንተኾነ‘ውን ኣብ ኢድ ናይቲ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ኩልና ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ብኻልእ መልክዕ ዝተሰለፍና ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ባእታታትን ወትሩ ውክልናናን ተሓላቕነትናን ናይ ህዝቢ ምዃኑ እነነጽርን እነቃልሕን።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝካየድ ንቕሎታትን ዝቃላሕ ጭረሖታትን ኩሉ ቅኑዕ ዘይክኸውን ይኽእል‘ዩ። ምኽንያቱ ገለ ካብኡ ናይ ህዝቢ ዝመስል ግና ከኣ ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ወፍርታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል ህዝቢ ነቲ ምስ መሰረታዊ ድሌቱ ዘሳንን ዘየሳንን ኣተኲሩ ናይ ምምማይ ንካልእ ኣሕሊፉ ዘይውሃብ ሓላፍነቱ እዩ። ኣተኲርካ ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ኣየናይ እዩ “ቅኑዕ” ኣየናይከ “ግጉይ” ትብል ናይ ምውሳን ሓላፍነትን እውን ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮን ብቓልሱ ከረጋግጾ ዝጽዕተሉን ዘሎ ዕላማ እንታይ እዩ ዝብል፡ ናብ ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዝወስደና ፍሉጥ እዃ እንተኾነ፡ ብውሕዱ ግና ሓድነቱን ሓድነት ሃገሩን ዘውሕሰሉ፡ ኣብ ጉዳዩ ኣብ ዝበረኸ ናይ ምውሳን ደረጃ ዝቕመጠሉ፡ ኩሉ መሰላቱ ዝረጋገጸሉን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝወጸሉን ኩነታት ምርግጋጽ ከም ዝድግፍ ብዘይጥርጥር ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ይከኣል።
ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ መቑሓዊ ኣመሓዳድራ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ኣፉ መሊኡ ክዛራብ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ካብ መቑሕ እቲ ጉጀል ዝወጸሉ ኩነታት ርሑቕ ከምዘይከውን ዘመላኽቱ ምዕባለታት ከኣ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ’ቲ “ምእንታኻ’የ” ዝብሎ ካብኡ ርሒቑ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ውዳበታት እውን ወረን ሓበሬታን የብሉን ማለት ስለ ዘይኮነ፡ ብዛዕብኡ ከሎ ጋና ንጹር ሚዛንን ሓሳብን ክህልዎ ይግባእ። ምኽንያቱ ድሕሪ ውድቐት ህግደፍ እውን፡ ካብዚ ንጹር ሓሳብን ሚዛንን ዝነቅል ተግባር እዩ፣ ዝድህሰስ ውጽኢት ዝርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ክበቅዕ ክዕቅቦም ካብ ዝግበኦ ጸጋታት ቀንዲ እቲ ብዝተፈላለዩ፡ ኣስማት ዝቐያይሩ ወገናት፡ ብውሽጥን ብወጻእን ዝህደድ ዘሎ ሓድነቱ እዩ። ሓድነቱ ንዝህድዱ ኣተሓሳስባታት፡ ሎሚ ብሓሳብ ጽባሕ ድማ ብተግባር “ኣይደልዩንን እዮም” ክብሎም ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ውጽዓ ኣብ ሓድነቱን ግዲኡን ዘየደልደለ ህዝቢ እዩ ዝሰፍር። ምድልዳል ሓድነትን ምዕዋት ኣንጻር ወጽዓን ፈላሊኻ ከምዘይረኣዩ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ተመኩሮ’ውን ስለ ዝኾነ።
እቶም በጃ ህዝቢ ኢና እንብል፡ ግና ኸኣ፣ ብኣካል ካብቲ ህዝቢ ርሒቕና ንነብር ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ህዝብና ቀንዲ ዋሕስ ቃልስና ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ክንሕግዞ’በር ክንትከኦ ኣይኮነን ዕላማና። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ እንምረሓሉ ናይ ቃልሲ ጭረሖ ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብግቡእ ዘንጸባርቕ እምበር፡ ንናይ ውሱን ውዳበ ስምዒት ሒዙ ዝዕንድር ክኸውን የብሉን። እዚ ክንብል እንከለና‘ውን እቲ ሓቀኛ ንህዝቢ ዝውክል ርኢቶን ኣተሓሳስባን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ክጻፈፍ ዝኽእል ከምዘይኮነ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ጽባሕ ብናይ ህዝቢ ቅዋማዊ ውሳነ ናይ መወዳእታ መልክዑ ብዝሕዝ ፍልልይ ሎሚ ኣይንረሓሓቕ እንብል።
ምስ ህዝቢ ኮነ ኣብ ሕድሕድ ውድባትን ሰልፍታትን ዝርከብ ፍልልይ ናብ ጽልኢ፡ ባእስን ተረሓሒቕካ ምንባርን ዝመርሕ ክኸውን ከምዘይግበኦ ብሓሳብ ደረጃ ኩልና ንሰማመዓሉ ኢና። ብተግባር ግና ኣይከምቲ ብሓሳብ እንርድኦን። ገለ ወገናት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ካብ ሰባት ስለ ዘይፍለ ዳርጋ ተፈጥሮኣዊ ገይሮም ይወስድዎ እዮም። እዚ ፍልልያት ኣብ ሕድሕዱ ተፈሓፊሑ ዝወልዶ ናይ ሓባር ሓሳብ ከኣ እቲ ምሩጽ ዘሳኒ ሓሳብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብዚ እዋን፣ ብዛዕባ ኣተሓሕዛና ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ዝርጋሐ ምሕደራ፡ ግደ ቋንቋታትን ባህልታትን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን፣ ዝዓበየ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣቐሚጥና ምስሕሓብ፣ መግለጺ ዘይምክእኣልና ተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን። ምክእኣል ከኣ ሓቢርካ ናይ ምንባር ወርቃዊ ሜላ እዩ። እዚ ክከኣኣል ዝግበኦ ሓሳባት ተፈራሪሑ ድዩ ተነዓዒቑ ከካብቲ ዘለዎ ሳናዱቕ ወጺኡ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ተራኺቡ ተፈሓፊሑ ማእከላይ ሃናጺ ሓሳብ እንተዘይወሊዱ ከኣ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ።
ስለዚ “ዋና ናይቲ ቃልሲ፡ ወትሩ ህዝቢ እዩ፡ ለውጢ ከኣ ብህዝቢ ንህዝቢ እዩ” ክንብል እንከለና፡ መሲልካ ንምቕራብን ንመሕብእን ዘይኮነ እንግዘኣሉ መትከል ክኸውን ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ በታ ዘላቶ ውስንቲ ዕድል እውን እንተኾነ፡ ክሳብ ጽባሕ ሓሳቡ ብሰላማዊ ሰልፍን መሰል ናይ ኣደባባይ መድረኽን ዝገልጸሎ ዕድል ዝፈጥር መን እንታይ ይብል ኣሎ ምክትታሉ ክገብር ሓላፍነቱ እዩ።
ልዕሊ 100 ተመዛበልቲ ተቐቲሎም፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ኤርዶጋን ተራኺቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ሱዳን ሰሜን ዳርፎር፡ ዛምዛም ኣብ ዝተባህለ መዕቆቢ ተመዛብልቲ 9 ሰራሕተኛታት ዓለምለኸ ትካል ሕክምናዊ ረዲአት ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካላት ኣፍሊጠን። እቲ ቅትለት ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።
ብኻልእ ወገን ድማ መራሒ ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ብ12 ማዝያ 2025 ኣብ ቱርኪ ከተማ ኣንታሊያ ምስ ፕረሲደንት እታ ሃገር ጠይብ ኤርዶጋን ተራኺቡ ብዛዕባ ሓባራዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ከም ዝተመያየጠ ተሓቢሩ።
መዕቆቢ ዝተመዛበሉ መደበር ዛምዘም ካብ ከተማ ኢል ፋሻር 12 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ እቲ ዘይሰብኣዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ፡ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጉጅለ ደገፍቲ መዲያታት ነቲ ፍጻመ ዝምልከት ቪድዮ ብዝምርጋሕ ከም ዘረጋገጸኦ ተፈሊጡ። ኢብራሂም ካተር ዝተባህለ ዲረክተር ጀነራል ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳንን ግዝያዊ ሚኒስተር ምምሕዳር ሰሜንን ዳርፎርን ፡ እቲ ብሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ብዝወሰዶ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም ካለኦት ህጽናትን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝርከብዎም ብዙሓት ከኣ ከም ዝቖሰሉን ኣቃሊዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጀነራል ኣል ቡርሃን ናብ ቱርኪ ኣንታልያ ዝኸደሉ ምኽንያት “ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ” ብዝብል፡ ናይ ቱርኪ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኣብ ዘዳለዎ እሞ ብዛዕባ ዓለምለኻውን ዞባውን ብደሆታት ምይይጥ ዝተኻየደሉ ርክብ ንምስታፍ እዩ። ምስዚ ኣኼባዚ ጐኒንጐኒድማ ምስ ፕረሲደንት ቱርኪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ዘለዉ ብደሆታትን ክልቲኦም ወገናት ክተሓጋገዝሉ ዝኽእሉ መዳያትን ንምድህሳስ ኣብ ዝምልከት ከም ዝተመያየጡ፡ ንመገሻኡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ጅነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ዝተዓደመሉ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ቱርኪ ንመንግስቱ ክትህቦ ብዛዕባ ዝጸንሐት ደግፍን ኣብ ልኡላውነት ሱዳን ዘለዋ ጽኑዕ መርገጽን ዝምልከት ከም ዝገለጸ ተሓቢሩ። ተዓዘብቲ ብወገኖም ቱርኪ ኣብ ኩለ-መዳያዊ ዳግመ-ህንጸት ሱዳን ግደ ከም ዝህልዋ ይሕብሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ተጓዒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘመዝገቦ ዓወት ኤርትራ ንዝገበረትሉ ሓገዛት ከም ዘመገነ ናይ ህግደፍ መዲያታት ከይተረፋ ምሕባረን ዝዝከር እዩ
هل هناك فرق بين الاختلاف والخلاف؟.. نعم، الفرق كبير بينهما في المعنى والممارسة.
الاختلاف يعني تفاوت في وجهات النظر و التباين في الرأي حول أمرٍ ما، أو موضوع او قضية، دون أن يؤدي الى اي شكل من اشكال النزاع او العداء، وهو أيجابيّ، ولا يُعيق الوصول إلى تفاهم مشترَك، وتبنّي الرأي الافضل الذي تمت الموافقة عليه. بإختصار يعني تنوع الآراء دون ان يؤدي اذلك إلى نزاع وعداء، وهو ظاهرة إيجابية اذا تمت ادارته بحكمة.
اما الخلاف عكس الاختلاف؛ يعني التعارض والنزاع في المسائل او القضايا، وقد يؤدي الى خصومة وعداء بسبب التعصب للرأي وعدم قبول الرأي الآخر وهو ظاهرة سلبية من الممكن ان يسبب الفرقة.
منذ ميلاد الحركة الوطنية الارترية في مطلع الاربعينات من القرن الماضي ممثلة في جمعية حب الوطن، سرعان ما دب الاختلاف بين عناصرها، والذي تحول الى خلاف لسوء ادارته بحكمة، و التعامل معه في اطار التباين في الرأي. وقد انتقل ذلك الداء العُضال الى الاحزاب التي ظهرت بعد انقسام جمعية حب الوطن، وهي ايضا انشقت بدورها، وصار الحزب الواحد اكثر من حزب، وانتقل الامر الى الثورة الارترية، وظهرت الانقسامات في عقدها الاول.
واليوم أيضا، تعاني المقاومة الارترية من نفس الداء الذي اصابنا في بداية نشأة الحركة الوطنية، ولذلك يمكننا القول بأنّ استمرار معاناة الحاضر يرجع الى عدم معالجة اخطاء الأمس، وسوف تستمر المعاناة إن لم تجد دواءً ناجعاً، لتنتقل إلى جيل المستقبل.
ان الشعوب التي لاتقرأ تاريخها بوعي، ولا تعالج مكامن الخطأ فيه، تعيش وهي تلدغ من نفس الجحر ولا تتقدم.
وفي وقتنا الحاضر اذا قمنا بتقييم موضوعي للحياة السياسية الارترية وممارستها، من قبل التنظيمات السياسية ومنظمات المجتمع المدني، والنشطاء السياسين، نجدهم الكل يغرّد بمفرده، الكل يريد ان يكون هو القائد وليس الآخر، وبهذ العقلية، وعند الشروع لإقامة مظلة جامعة، او تحالف واسع، او جبهة متحدة، في البداية، أول خطوة ستكون هي لعبة المحصلة الصفرية، والنتيجة واضحة وضوح الشمس، لا احد منا يكون الفائز، وسيخسر الوطن . ولذا عوضاً عن هذه اللعبة العقيمة والتي لم نجني منها ثمرة، لماذا لا نلعب اللعبة الأخرى، حيث يكون فيها الكل رابحاً "اي الوطن رابج" . إذ أنّ بالاتفاق فقط تبنى الأوطان، وليس بغيره.
ላዕለዋይ ብሄራዊ ኮሚተ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ
ኮሚተ ብሄራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ብ9 ማዝያ 2025 ኣኼባ ኣካይዱ ሰፊሕ መግለጺ ከም ዘውጸአ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ኣብዚ ብቐዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር እናተመርሐ፡ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ጀነራላት፡ ፈደራል ፖሊስን ብሄራዊ ደሕንነትን ብኣባልነት ዝርከብዎ ላዕለዋይ ኮሚተ፡ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝለተላዕሉ ዛዕባታት ብዙሓት ንህልዊ ጸጥታውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይታ ሃገር ዝዳህስሱ ኮይይኖም፡ እቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ ጉዳይ ምውሓስ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝነበረ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ድሕሪ ኣኼባ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሓስ ንናይ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን ማእከላይ ነጥቢ ኮይኑ፡ በቲ ተጀሚርዎ ዘሎ ብርሱን ኩነታት ክቕጽል ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምውሓስ ኣፍደገ ባሕሪ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሕጋውን ዲፕሎማሲያውን ኣገባብ ከም ዝደፍኣሉ ብጥብቂ ጠቒሱ ኣሎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ሓሊፉ፡ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ እውን ግደ ከም ዝህልዎ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ “ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሓስ” ክበሃል ዝጸንሐ ኣሰካፊ ኣቀራርባ፡ ኣብቲ መግለጺ’ኳ እንተዘይተጠቕሰ፡ ኣብ ባይታ ግና ቀጻሊ ዘሎ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ከም በዓል “ፕሮፈሰር ብሩክ ሃይለ” ዝበሃል ኢትዮጵያዊ ምሁራት ዝኣመሰሉ ባእታታት ብሚድያታት ብዝህብዎ መግለጽታት፡ ክሳብ ኣብ ታሪኽ “ኤርትራ እትበሃል ሃገርን፡ ኤርትራዊ ዝበሃል ዜግነትን የለን” ናይ ምባል ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ጽላለ ከቃልሑ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ።
ብህዝቢ ዝተመርጸ ስርዓተ-መንግስቲ ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ልዕልና ሕጊ ሕሉው ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ’ዩ። በዚ ከኣ መላእ ህዝቢ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ይህልዎ። ይኹን እምበር ብልዕልና ሕጊ ዘይምእዘዙ ዓመጽትን መለኽትን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ግዝኣኣቶም ንምስፍሕፋሕን ንከኽእሎም ሓይልን ዓመጽን ልዕሊ ሕጊ ክሰርዑን ይረኣዩ እዮም።
ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝብን ህግደፍን ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ዝምድና፡ ነዊሕ ዝዕድመኡን ንምግላጹ ዘደንጹን ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ። እቲ ኩነታት ኣጠቓሊልካ ክቐርብ ካብ ዝኽእለሉ፡ “ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን መሰላቱን ዝተጻዕነሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ዝሰርዓሉ ኣቀማምጣ እዩ” ኢልካ ምጥቃስ ይከኣል። ሓይልታት ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ፡ ነዚ ግልቡጥን ሓደገኛን ኣቀማምጣ፡ ልዕልና ህዝብን ሕግን ልዕሊ መንግስትን ኣካላቱን ዝረጋገጸሉ ስርዓት ንምውሓስ እዩ።
ሕጊ፡ ንበብሓይልኻ ምኻድ ዓጊቱ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዕማማት ዝሰርዕን እንታይ ከምዝገብሩን እንታይ ከምዘይይገብሩን ዝውስን፡ በበይኑ ድሌታት ዘለዎም ኣካላት ተኸባቢሮምን ተደጋጊፎን ብሓባር ክነብሩ ዘኽእል ዳኛ እዩ። መላእ ዓለምን ህዝባን ድማ ከከም ኣድላይነቱ ብሰናይ ፈቓዶም እናተኸኣኣሉን እናተሓጋገዙን ዝነብሩ ዘለዉ፡ ብሃገራት ጀሚርካ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላትን ዝጸደቑ ሕግታትን ቻርትታትን ተኣማሚኖም እዮም። ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ፡ ቻርተራትን ስምምዓትን እንተተሰሪዑ ግና፣ ዓለምና ናይ ልዕሊ 200 ልኡላዊ ሃገራት ዘይኮነት ናይ ኣዝየን ውሑዳት ሃገራት መዕንደሪት መኾነት ነይራ።
ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ብጀኦግራፊያዊ ስፍሓታ ኣብ መበል 101፡ ብብዝሒ ህዝቢ ድማ ኣብ መበል 132 ከም እትርከብ ሰነዳት የርእዩ። እዚ ንቁጠባዊ ብልጫታት’ውን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ኤርትራ ዝዓበያን ዝሓየላን ሃገራት ከም ዘለዋ ዘመልክት እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ብሳላቲ ህዝብና ዘካየዶ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ብዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ተዓዛብነትን ዘካየዶ ህዝበ-ውሳነን፡ ካብ 28 ግንቦት 1993 ንደሓር ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይና፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣባል ኮይና። በዚ ድማ ምስተን ሚልዮን ትርብዒት ማይላት ዝስፍሓተንን ብቢልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዘለወንን ሃገራት “ማዕረ ልኡላዊ” መሰል ኣለዋ። እዚ ልኡላዊ ክብሪ፡ ህግደፍ እንተሎ ዝህሉ፡ እንተሓለፈ ዝሓልፍ ዘይኮነ፡ ምስ ኤርትራን ህዝባን ነባሪ’ዩ። እዚ ልኡላዊ ማዕርነት ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ስለ ዘይተሰርዐ ዝተረኽበ መሰል እዩ። ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ክብራ፡ ሓርነትን ዲሞክራሲን ዝደረበት ሃገር ንክትከውን እዩ። ምኽንያቱ ሃገራዊ ልኡላውነት ብልኡላውነት ህዝቢ እንተዘይተሰንዩ ምሉእነት ስለ ዘይህልዎ።
ኣብ ዝኾነ ተረኽቦ ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ክስራዕ እንከሎ፡ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝኸውን፡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ኣካል ተመኩሮና ስለ ዝኾነ ፍሉጥ እዩ። መንቀሊ ናይቲ ነዊሕ ዝዕድሚኡን ከቢድ ዝዋግኡን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ምንባሩ እውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ዝለዓለ መግለጺ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃን” ሓደጋ፡ ምስምሳት እናፈጠርካ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ሃገራት ዝረአ ወራሪ ወስታታት እዩ። ታሪኽ ወራርን ተወራርን ነዊሕ ዛንታ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝቀላቐል ዘሎ ይመስል። ናይ ሩሲያ ወስታ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ናይ እስራኤል ጋዛ ናይ ምጥቕላል ሃቐነን ብኣብነት ዝጥቀሱ ተረኽቦታት እዮም። ኣብዚ እቲ ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብተደጋጋሚ ዝደገፈ ህግደፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ “ምድፋር ልኡላውነት ናይ ምቅዋም ሞራል ኣለዎዶ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር እዩ። ወያ ከም ናይ ዓለምና ኣኽባሪት ሕጊ ፖሊስ፡ ጌርካ ክትውሰድ ዝጸንሐት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ርእሲቲ ኣንጻርቲ ዓለም ኣብ ምትህድዳእ ግደ ዝነበሮም ሕግታት ብፕረሲደንታ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝውሰድ ዘሎ ህዉኽ ስጉምትታት፡ “ግሪን ላንድ ተድልየኒ እያ” ዝብል ወስታ፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ” ንክኸውን ዘተባብዕ ሓደገኛ ተርእዮ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ናይ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኣለና” ዝብል ብቐጻሊ ዝስማዕ ዘሎ መዝሙር ዝገልበጥካ እንተገልበጥካዮ፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ” ክትሰርዕ ካብ ምድላይ ወጻኢ ዝትርጐም ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ካልእ ዝርዝር ከይነውሓና፡ ካብ ግዜ ንጉስ 2ይ ምነሊክ ጀሚርካ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሑ ውዕላትን ኣህጉራዊ ሕግታትን ጠሓሒስካ ህርፋንካ ናይ ምትግባር ድሌት ንዕዘብ ስለ ዘለና። ዋላ ነቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተረኽቦ ኣጽኒሕካ፡ “ውዕል ኣልጀርስ እውን እኮ ክንጥሕሶ ንኽእል ኢና” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ምስማዕ ዝተለምደ ኮይኑ’ሎ። ምናልባት “ዓለም ለኻዊ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጠቓቕማ ሕግታት ተመርኲስና፡ ብወደባት ኤርትራ ኣገልግሎት ክንረክብ ኢና” ዝብል እንተዝነብር፡ “ሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ናይ ምዃን ሓደጋ” ስለ ዘየስዕብ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ተጠቃሚ ስለ ዝኸውን መተቐበሎ።
እዚ ጠቕሙን ሳዕቤኑን እንታይ ከምዝኸውን፡ ኣመዛዚንካ ዘይተሓስበሉ ዝመስል፡ ከምቲ “ብዕራይሲ ስበልዖ ሳዕሪ እምበር፡ ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል፡ ዶብ ኤርትራ ጥሒስካ ወደብ ብምውናን ጥራይ ጠጠው ዝብል ዝመስሎም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከም ዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ እቲ ምጥሓስ ሕጊ ሓንሳብ ምስ ተኸፍተ፡ “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ከም ዝበሃል፡ ተመሊሱ ናብኦም ከም ዝግልበጥ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። ጽባሕ ካልእ ሓያል መጺኡ ንኦጋዴን ድዩ ንሞያለ፡ ወይ ኣልፋሽጋ “ናተይ እዩ” ምስ ዝብል፡ እቲ “ልኡላዊ መሬተይ እዩ” ዝብልሉ መርተዖ ካብ ኢዶም ከም ዝወጽእ ምስትውዓል ኣድላይ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ዘሳሓሕብ ዘይተጠረረ ዶባት ከምዘለዋ ኣብ ግምት ከእትውዎ’ውን መተገብኦም።
እምበኣር፡ ሎሚ ናይ ካለኦት ኣፍደገ ደፊእካ እንተኣቲኻ ጽባሕ እውን ንስኻ ግዳይ ናይ ምዃንካ ሓደጋ ክፉት ምዃኑ ርኢና ኣለና። ስለዚ በቲ ሓደ ወገን በመንጽርቲ ጐረቤትና ኢትዮጵያውያ ነቲ ኩነታት ይረእየሉ ኣለኹ ብእትብሎ ዘላ መዳያት፡ ታሪኽ፡ ቅርበት ናብ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ናይ ብሄራት ኣሰፋፍራ፡ ብዝሒ ህዝቢ፡ ጸጥታን ደሕንነትን፡ ቁጠባዊ ዕቤትን ኣህጉራዊ ሕግታትን፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ክገሃስ ዘይክእል ምዃኑ ኣስተውዒልና “ዓገብ ንልኡላዊ ግህሰት” ክንብል ግድነት እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብን ትካላትን፡ ኣብ ልዕሊ ሕግታትን ቻርተራትን ጥሒሶም” ንሓይሊ ልዕሊ ሕጊ ብምስራዕ፡ ዘይናቶም ክውንኑ ሃንደፍደፍ ንዝብሉ ወገናት ተጽዕነኦም ከሕይሉን፡ ወረ ውግእ ንዘቃልሑ “ሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ተኸተል” ንክብልዎ ብቐጻሊ ክንጽውዕ ይግበኣና።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ7 ማዝያ 2025 ብትግርኛ ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ካብቲ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝጸንሖ መዝነት ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተሰናበተ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ብ8 መጋቢት 2025 ምክትል ኣቶ ጌታቸው ኮይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዕዱማት ኣጋይሽን ተዓዘብትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ጌታቸው ንምትካእ ሓላፍነት ተረኪቡ።ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ጌታቸው ናብ ስልጣን ዝመጸሉ ኣዋጃትን ዓንቀጻትን ብምጥቃስ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ጌታቸው ኣብ ትግራይ ዝተረኽበ ጸጥታ ኣብ ምዕቃብ ንዝነበሮ ግደ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ብምጥቃስ ኣመስጊንዎ፡ ኣብ መጻኢ ብሓባር ክሰርሑ ትስፉው ምዃኑ ከኣ ገሊጹሉ።
ንጌታቸው ረዳ ተኪኡ ፕረሲደት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ንክመርሕ ሓላፍነት ዝርከብ ዘሎ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ንምምዛዝ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምምኽኻር ክግበር ከም ዝጸንሐ ከኣ ኣብቲ ነቲ ምርኽኻብ ብዝምልከት ዝወጸ ሓበሬታ ተመልኪቱ። እቲ ብፕረሲደንትነት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምስረት “ሓቛፊ” ክኸውን ትጽቢት ዝገረሉ ግዝያዊ ምምሕዳራዊ ትግራይ ንክትግብሮም ዝተዋህብዎ 8 ጉዳያት ኮይኖም ካብኣቶም፡ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ምድላው፡ ካብ ውዕል ፕሪቶርያን ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያን ወጻኢ ዝግበሩ ርክባት ምዕጋትን ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ምፍታሕ ዕጥቂ ምቕጻልን ዕጥቆም ዝፈትሑ ምጥያስን ዝብሉ ይርከብዎም።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ብዛዕባ ዝፈጸሞም ኣውንታውን ኣሉታውን ተግባራት ብዙሓት ወገናት ርኢቶኦም ይህቡ ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብቓልዕ ምንቃፍን ናይ መደዲያ ተጠቃምንነት ዝተፈላለየ ርኢቶ ንዘለዎም ወገናት ክፉት ብምግባሩን ድማ ብዙሓት ንኢደምዎ።
እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡ ጌታቸው ረዳ ዩኤምዲ (UMD) ምስ ዝተባህለ መዲያ ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ምእንቲ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ቃልሲ ከም ዝቕጽሎ ሓቢሩ’ሎ።
More...
ኣምበስዳር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዶር. ኣብረሃም ንጉሰ
ኣምበሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣኼባ ከም ዝተሰጐጐ ኣልጀዚራ ሓቢራ። እስራኤል ካብ 2002 ጀሚሩ ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ናይቲ ሕብረት ብተዓዛብነት ናይ ምስታፍ ፈቓድ ካብ ዝተዋህበን ሓገራት ሓንቲኳ እንተኾነት ኣምበሳድራ ካብዚ ናይ 7 ማዝያ 2025 ዝተሰጐ ብዙሓት ናይቲ ኣኼባ ተሳፍቲ ኣፍሪቃውያን ኣምበሳድራት ብዘስምዕዎ ተቓውሞ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣኼባ ዓመታዊ ንህልቂት (Genocide) ዝምልከት ርክብ ከም ዝነበረ እውን ተፈሊጡ።
ኣልጀዚራ ብዛዕባቲ ጉዳይ ዘዘራበቶም ዲፕሎማት ጠቒሳ ከም ዝገለጸቶ; እቲ እስራኤላዊ ኣምበሳደር ዶር ኣብረሃም ንጉሰ ክሳተፍዩ ዝብል ትጽቢት ስለ ዘይንበረ ኣብ ተሳተፍቲ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ። እቲ ኣኼባ ብሰንክ’ቲ እስራኤላዊ ኣምበሳድር ንዝተወሰነ ግዜ ተቛሪጹ ከም ዝነበረን ድሕሪ ካብቲ ኣዳራሽ ምስጓጉ ከም ዝቐጸለን ከኣ ተፈሊጡ። ነቲ ኣምበሳደር ናብቲ ኣኼባ መን ከም ዝዓደሞ ከኣ ይጻረ ከም ዘሎ ከኣ ተሓቢሩ።
እቲ ዜና ካብ 2002 ጀሚሩ ተሳትፎ ተዓዘብቲ ኣብ ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ሃገራትን ትካላትት 87 ዝበጸሐ ኮይኑ፡ እቶም ተዓዘብቲ ኣብ ስሩዓትን ፍሉይትን ኣኼባ ተሳቲፎም ሓሳብ ናይ ምሃብ እምበር ናይ ምድማጽ መሰል የብሎምን። ፍልስጥኤማዊ ውድብ ፒኤልኦ (PLO) ግና ካብ 1973 ጀሚሩ እዩ ተዓዛቢ።
ናይቲ ኣምበሳደር ካብቲ ኣኼባ ምስጓግ ብሰንክቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጢኤማውያት ትፍጽሞ ዘላ ጭካኑ ኮይኑ ተጽዕኖ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓያል ምዃኑ ከኣ ኣብቲ ናይ ኣልጀዚራ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ልኡኽ እስራኤል በዚ ምኽንያት ካብ ተዓዛብነት ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ክስጐግ ናይ መጀመርታኡ ከምዘይኮነ እውን ተዓዘብቲ ገሊጾም።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንደቡብ ሱዳን ዝተዋህበ ቪዛ ክስረዝን ሓድሽ ከይወሃባን ከም ዝወሰነት ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ናይቲ ውሳነ ጠንቂ ደቡብ ሱዳን ካብ ኣሪካ ዝምለሱ ዜጋታታ ክትቅበል ቅርብቲ ብሰንኪ ዘይምዃና ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
እቲ ነዚ ውሳነ ብዝምልከት ብ4 ማዝያ 2025 ዝወጸ መግለጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ህልዊ ቪዛ ናይ ምስራዝን ሓድሽ ከይወሃብ ናይ ምእጋድን መግለጺ ዝሃበ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ማክሮ ሩቢዮ እዩ። ንሱ ኣብቲ መግለጺኡ ደቡብ ሱዳን ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ዜጋታታ ክትቅበል ፈቓደኛ ስለ ዘይኮነት ንምቕጸዓ ዝተዋህበ ውሳነ እዩ።
ማክሮ ሩቢዮ ደቡብ ሱዳን ብናይ ኣመሪካ ጸጋታት ክትጥቀም ከም ዝጸንሐት ጠቒሱ፡ ድሕሪ ሕጂ ግና ናይ ኣሜሪካ ውሳነ እናነጸገት ተጠቃሚት ክትከውን ኣይክትክእል እያ ኢሉ። እቲ ውሳነ ናይ ኣሚሪካ ኣሰራርሓ ኢሚግረሽን ንምሕያል ዝተወስደ ምዃኑ እውን ኣብቲ መግልለጺኡ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ ከኣ ዝኾነት ሃገር ብኣመሪካ ይኹን ብኻልእ ዜጋታታ ክትርክርብ ክትሕተት እንከላ፡ ነቲ ውሳነ ክትቅበል ናይ ግድን እዩ ኢሉ። ብምቕጻል ድማ ደቡብ ሱዳን ሓሳባ ቀይራ ካብ ኣመሪካ ዝስጐጉ ክትቅበል ፈቓደኛ እንተኮና፡ ኣብቲ ንምስራዝን ምኽልካልን ቪዛ ዝምልከት ውሳነ ዳግመ-ርኢቶ ክግበር ከም ዝከኣል ኣመላኺቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንክ’ቲ ኣብ መንጎ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ማርድያትን ቀዳማይ ምክትሉ ሪክ ማቻርን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ እቲ ኣብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተራእየ እሞ ህይወት ኣማኢት ኣሸሓት ዝቐዘፈ ውግእ ሕድሕድ ከይድገም ኣብ ዝስገኣሉ ዘሎ ግዜ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ሽማግለ ምልኣኹ እቲ ሕብረት ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ርእሲቲ ብናይ ዜጋታት ማዕበላዊ ምምዝባልን ከቢድ ሕጽረት መግብን ትሳቐ ምህላዋ ብውግእ ሕድሕ ናይ ምብራዕ ሓደጋ’ውን ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።