Monday, 03 March 2025 14:33

Dintsi Harnnet Sweden 01.03.2025

Written by

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ መበል 58 ጉባአ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ንከተውጽእ ኣተሓሳሲቦም።

ሕበረት ኤውሮጳ፡ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ኣባላት ሰራዊት ፈጺመምዎ ዝበሃ ኩሉ ግህሰታት ብዘይሻራዊ ኣካል ምሉእ ምጽራይ ክግበረሉ ይግባእ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብምጥሓስ ዝተፈጸመ ግህሰታት ግዳይ ዝኾኑ  ኢትዮጵያውያንን ዕቑባ ሓቲቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ፍትሒ ክረኽቡ ይግበኦም ምባሉ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እቲ ሕብረት ብ27 ለካቲት 2025 ናብቲ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ  ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት  ሰብኣዊ መሰላት እውን ከም ዘተሓሳስቦ ጠቒሱ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ናብቲ መበል 58 ጉባአ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ላዕለዋይ ሞኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ውግእ ትግራይ ዝተቛረጸሉ ውዕል ፕሪቶርያ ይጥሕሱ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ብህጹጽ ክወጹ ኣለዎም ክብል ምትሕስሳቡ ተጠቒሱ። ናይቲ ዋና ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ቤት ጽሕፈት ኣተሓሒዙ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ርኡይ መጥቃዕቲ፡ ምስዋር ሰባት፡ ኣገዲድካ ዓመጽ፡ ምዝማት ንብረትን ጃማላዊ ማእሰርትን ይፍጽም ከም ዝፍጽም ዝተኣማምን መርተዖ ኣለኒ ምባሉ’ውን ተሓቢሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቁራጹ፡ ክልቲኦም መንግስታት ብሓደ ተሳሊፎም ኣብ ትግራይ ከም ዝተዋግኡ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝግለጹ ቅልውላዋት ተፈጢሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ብፍላይ ድማ ድሕርቲ ብናይ ቅድም ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ዶር ሙላቱ ተሾመ ንኤርትራ ዘቃልዕ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ኣልጀዚራ ምዝርግሑ እቲ ወጥሪ ከም ዝተጋደደ ኣስፊሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ሙላቱ ተሾመ ዘውጸኦ ጽሑፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ርኢቶ እምበር፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውክል ዘይምዃኑ ብወሃብ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣንበሳደር ነቢያት ጌታቸው ኣቢሉ ምግላጹ ይፍለጥ።

Thursday, 27 February 2025 21:08

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 27.02.2025

Written by

ቀዳማይ ምኒስተር ፈደራላዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያን ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ፈደራል ረፑብሊክ ሶማሊያ ሓሰን ሼሕ ማሕሙድን ብ27 ለካቲት 2025 ኣብ ከተማ መቃድሾ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ፡ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። እዚ ርክቦም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ ቱርኪ ከተማ ኣንካራ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ንምምላስ ዘበጽሕዎ ስምምዕ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

በቲ ናይ ሓባር መግለጺ መሰረት፡  መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ንናይ ሓባር ረብሓ ብሓንሳብ ክሰርሑ ኣቐዲሞም ንዝበጽሕዎ ስምምዕ ደጊሞም ከም ዘረጋገጽዎ ቅሩባን ምዃኖም ምርግጋጾ’ውን ተሓቢሩ። ብመሰረት ኣብ መንጎ ህዝብታቶም ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድናን ዘራኽቦም ነዊሕ ዶብን፣ ኣብ መንጎኦም ኣብ መዳያት ቁጠባን ማሕበራዊ ዝምድናን ምትእምማንን ምትሕብባርን  ምሕያል ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝተሰማምዑን ኣብ መዳይ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከም ዝሰርሑን ከኣ ኣብቲ መግለጺኦም ተመልኪቱ።

ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናይ ሓባር ሸቶ፡  ራእን  ዕቤትን ዘለወን ሃገራት እየን ዝበለ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ህንጸት ናይ ሓባር እትራተጅያዊ ትሕተ-ቅርጻ፡ ናይ ሓባር ቀጻሊ ዕቤትን ቁጠባዊ ምትእስሳርን  ከዕውቱ  ከምዝተሰማምዑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ኣብ ኣንካራ ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት፡ ተክኒካዊ ኣተገባብራ ምጅማሩ ከም ዘሕጉሶም ጠቒሶም ፖለቲካዊ ዘተን ምርድዳእን ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጾም። ናይ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብዚ ቀረባ ንወተሃደራዊ መዳይ ከም ኣገዳሲ ዛዕባ ወሲዶም፡ ብደረጃ  ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘኮነ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ንጸጥታን ድሕንነትን ኣብ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ ምጸሖም ከም ዘሕጉሶም’ውን ኣብቲ ርክቦም ምጥቃሶም እቲ መግለጺ ኣንጸባሪቑ።

እቲ ሓጺር ናይ ሓባር መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መጻኢ ናይ ሓባር ረብሓኦም ንምርግጋጽ ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምርድደኦም ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ናይ ሓባር ጸጥታ ብምውሓስን ሓባራዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ብምዕባይን ዝግለጽ ከም ዝኸውን ምርድዳኦም ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ በቲ ሓደ ወገን  ናብ ውግእ ከይኣትዋ ዘስግኣ ዝነበራ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩለ-መዳያዊ ስምምዕ ምብጸሓን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ብዙሓት ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘቕነዐ እዩ ዝበልዎ ኪዳን ዘይምስጓሙ፡ ናይ ዞባና ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ቅልጡፍ ምቅይያር የርኢ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

   

في عام 1960 عندما كانت اثيوبيا في عهد الامبراطور هيلي سلاسي بدأت تدريجيا بهضم الحقوق الارترية بشكل ملحوظ وباغراء واضح لانتهاك الترتيبات الفدرالية الذي وافقت عليه الامم المتحدة بين ارتريا و اثيوبيا , في ذالك الوقت  المسؤل الكبير في الادارة البريطانية في ارتريا جرالد كندي ترافاسكس حزر اثيوبيا قي كتابه بهذه الكلمات "من مصلحة اثيوبيا , كذلك من مصلحةارتريا ينبغي على اثيوبيا ابقاء الاتحاد الفدرالي بالشكل الذي وضعوه مؤسسيه”. ولكن الامبراطور ومستشاريه لم يستجيبوا

لهذه النصيحة وذلك بسبب فشلهم في فهم حقيقة وجود ارتريا والارتريين على ارض الواقع. - والصفقة بحكم امر الواقع تمت لصالحهم- , رئيس وزراء اثيوبيا انذاك أكليلو هبتولد وعدد قليل من الشخصيات الاثيوبية البارزة ارادو الحفاظ على الاتحاد الفدرالي ولكن لم يكن بوسعهم ان يفعلوا شيئا اكثر من الندم على الفعل الخطير والغير حكيم.

عاقبة حل الاتحاد الفدرالي كانت حرب مكلفة ومؤلما لكل الطرفين وبحسب بعض التقديرات فقدت ارتريا مايصل الى نصف ميليون ضحية 80% منهم من المدنين. بجانب الى فقدان ربع ميليون جندي وجدت اثيوبيا نفسها غارقة في الفقر المحدق والتخلف,

ولكن اسوأ العواقب التي ترتبت على حل الاتحاد الفدرالي المميت بالنسبة لاثوبيا كانت خسارتها للشراكة الارترية وموانئها.

ينبغي هذه الحقيقة ان تذكر العقلاء من الاثيوبيين بالمثل الامحري الذي يمكن ترجمته

كمايلي:-“لقد اسقطت ماكان في ابطها بينما كانت تحاول بجشع الامساك بماكان في الصقف".

اليوم لايوجد ترافاسكس ليكرر نصيحته لرئيس الوزراء الاثيوبي ابي احمد واتباعه الذين يعبثون بكيان عمره 135 سنة يسمى ارتريا والمعترف بهي دوليا,  اي محاولة للتلاعب بالنار من قبل اثيوبيا  بلاشك سوف تكون التكلفة اكثر مما حدث في حربها العدوانية التي استمرت لثلاثة عقود و التي انتهت في 1991 من القرن الماضي بترير ارتريا.

بالنظر الى ماحدث لارتريا في ظل حكم نظام اسياس افورقي الشمولي الغير امين ,

ومع الاخذ في الاعتبار الحديث الجاري عن "ملكية" ميناء على البحر الاحمر الذي اطلق العنان له رئيس وزراء اثيوبيا, هذا الفعل كالمعتاد من الممكن ان يشجع الطغيان في اسمرة جر البلاد الى حرب لايحمد عقباها, وهذه احتمال ليس باليعيد, ومن الممكن في مثل هذا الحدث  ان نتصور عدوانا وقحا لدولة ذات سيادة واذلالا غير مبرر لشعب لم تتضاءل بعد ذكرياته وفخره بنضاله من اجل التحرير أن يؤدي الى عوقب وخيمة للغاية على اثيوبيا نفسها.

من بين الاحتمالات التي يمكن للمرء ان يتخيلها – لاسمح الله – انشطار اثيوبيا الى عدت دويلات متحاربة,  وقد توؤدي هذه النتيجة الى اعادة رسم خارطة المنطقة وامكانية ظهور ارتريا القوية التي تتحكم على ساحل البحر الاحمر وهذا من شأنه ان يوقعها في حسد الدول الصقيرة المجاورة المنشطرة من اثيوبيا السابقة . هذه النتائج بالطبع تتعارض تماما مع رغبات رئيس وزراء اثيوبيا امتلاك ميناء على البحر الاحمر بأية وسيلة, ولكن ماتزال الفرصة مواتية لتجنب الحرب , لان نتائجها السيئة واثارهاالسالبة  لاتقع على الاثوبيين فقط ولكن على الارتريين والنطقة ايضا. بالطبع توجد هناك حلول افضل مربحة للجانبين والتي تلبي مصالح الجميع.

اليوم بينمنا تلوح في الافق غيوم الحرب والخوف من استئناف الحالة العدائية , فأن الامر  مترروك بشكل اساسي على النخبة الاثيوبيا وقياداتها السياسية للتوقف عن تضلبل الشعب الاثيوبي للمرة الثانية , بدلا عن ذلك العمل على تجنب المخاطر.

الخطوات الاؤلى التى تتطلب من النخبة الاثيوبية القيام بها هي قراءة التاريخ الارتري جيدا, ثم مساعدة العامة وتوعيتهم بخطورة الخطاب المضلل الذي يستخدمه رئيس الوزراء ابي احمد ومساعديه لانه ليس بالمسلك الصحيح. ان الادعاء الباطل عن حق اثيوبيا التاريخي والطبيعي والقانوني امتلاك عصب او اي ميناء ارتري اخر على البحر الاحمر  هو ادعاء غير منطفي ليس له اي سند قانوني او تاريخي. نحن الارتريين معرضتنا للنظام الدكتاتوري في بلادنا واخواننا الاثيوبيين  هو  عدم القيام بالحديث عن حق اثيوبيا المستحق للعبور واستخدام الموانىء الارترية على اساس المعايير الدولية و القوانين البحرية.

                                                    

 

ናይዚ ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲ ዋናን ናይ ምዕዋቱ ወሳኒ እጃም ዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይ ዓወቱ  መምዘኒ ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶታት ብምምላሱን ዘይምምላሱን እዩ ዝዕቀን። እጃም፡ ናይተን ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ተሰሊፈን ዘለዋ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ እውን ዕዙዝ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኤርትራውያን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ገዛ ዓጺናን ተነጺልናን በይንና እነዕውቶ ዘይኮነ፡ ሓቢርካ ኣብ እትረብሓሉ መድረኽ ምስ ካለኦት ምትሕብባርን ምጽልላውን ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ቦታ ኣለዎ። እቶም ምሳና ዝተሓባበሩ ንጽድቅን ልግስን ዘይኮነ፡ ነናቶም ሕሳባትን ውጥናትን ከም ዝህልዎም ብምግዛብ ከኣ፡ ብጥንቃቐ ናይ ምዝማዶም ናይ ቃልሲ ውሕልነት ዝሓትት እዩ።

እቲ ምጽልላውን ምትሕብባርን ካብ ርሑቕን ኮነ ካብ ቀረባ ዝመጽእ እዩ። ነዚ ኩሉ ከከም ቅርበቱን ዝፈጥሮ ደረጃ ተጽዕኖን ቀዳምነት ኣትሒዝካ፡ ንምምሕዳሩ ምስትውዓልን ጥንቃቐን የድሊ። ብመንጽር’ዚ ከም ኤርትራውያን ቅድሚ ኩሉ ከነማሓድሮ ዝግበና፡ ናትና ርኢቶታታት ብምጥርናፍ ነቲ ጌና በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምቅርራብ ክኸውን ይግበኦ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ካብ ናይ “ኣነ በይነይ እኽእሎ እየ” ጽበት ወጺእና፡ ብሓባር ንቃለሰሉ መድረኽ ንምፍጣር ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚርና ዝተፈላለዩ ፈተናታት ዘካየድናን ተስፋ ከይቆረጽና ንቕጽሎ ዘለናን። ነዚ ከነዕውት ካብ ዘይከኣልናሉ ምኽንያታት ሓደ፡  ኣብ ክንዲ ንህልዊ ኩነታት ኣገናዚብካ ናብ ዝሓሸ መጻኢ ምቁማት፡ ንሎሚ ኣብ ዘየገልግሉና መድረኽ ዝሓለፎም ፍጻመታት ካብ ምፍንቃል ዘይምውጻእና እዩ።

ካብዚ ንሎሚ ዘይሕግዝ ከም ታሪኽ ግና ዝዕቀብ ዝግበኦ ምጽብጻብን ምትህልላኽን ክሳብ ዘይወጻእናን ብሓባር ዘቃልሰና ኩለ-መዳያዊ ዓቕሚ ክሳብ ዘየጥረናን ከኣ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘዝመጸ ዕድላት ገገዲፉና ክሓልፍ እዩ። ናይ ሓባር ዓቕሚ ዘይምፍጣር ናይ ምቕያር ክእለት  ዘስእነና ምዃኑ ንነብሮ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት ባዕሉ መስካሪ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ፈራዲ ኣብዘይብሉ ምክሳስ ዘንብረና’ውን እዩ። ብዛዕባ ዝሓለፈ ነናትና ሓቅታት የብልናን ማለት ከምዘይኮነ ምስትውዓል ድማ ኣድላይ እዩ። 

ቃልስና ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዝኽሰቱ ምቅይያራት እውን ይጽሎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ዛዕባ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ሱዳን፡ ጅቡትን ሶማሊያን ዝኽሰት ዘሎ ዘሰክፍ ምዕባለታት እንተ ብኣውንታ እንተስ ብኣሉታ ዝጽሎ እምበር፡ ካብኡ ተነጺሉ ዝረአ ኣይኮነን። ብፍላይ ምስቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ናይ ካለኦት ጉዳይ ኢዱ ካብ ምእታው ዘይዓርፍ  ምዃኑ፡ እቲ ጽልዋ ብኽንድኡ ይኸብድ። ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣብኡ ካይተደረተ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘውረዶ ግና ብዙሕ ዘይዝረበሉ ናይ ህይወት ህልቂት ቀሊል ከምዘይኮነ፡ እተን ግዳይ ዝኾና ስድራቤታት እየን ዝያዳ ዝርደአኦ። በዚ መሰረት ኤርትራ ካብቲ መሸንቦባ በይና ከም ደሴት ተኸሊላ ክትተርፍ ሰለ ዘይትኽእል፡ ኣብ ጐረባብትና ዘንጸላሉ ዘሎ ህውከት ዘቕስነና ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ከኣ ኤርትራዊ ጉዳይ ከነልዕል እንከለና ብዛዕባቲ ናይ ጐረባብትና ምዕባለታት’ውን ኣብ ግምት ከነእቱ እንግደድ።

ናይ ኤርትራ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ፡ ናይቲ  ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ዘይንቡር ምምሕዳርን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ግፍዕታትን ግህሰታትን ተወሲኽዎ፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት እውን ናይ ሕማቕ መርኣያ ኣጀንዳ ካብ እትኸውን ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ብብዙሓት “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ”  እናተባህለት ምጽውዓ ከኣ ናይዚ ውጽኢት እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ምምጻእ ሮናልድ ትራምፕ  ናብ ፕረሲደንትነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ’ኳ፡ ሚካኤል ሮቢን፡ ፒተር ሻምን ቲቦር ናጅን ዝተባህሉ ንጡፋት ኣሜሪካውያን ጸሓፍትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኣድላይነት ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኣድሂቦም  ብዝሃብዎ ንህግደፍ ዘሰንብድ  ርኢቶታት ኣጀንዳና ኮይኖም ንዛረበሎም ኣለና።

እዞም ሰብ ሃብታም ተመኩሮ ኣሜሪካውያን ባእታታት ንፖለቲካዊ ጉዳይ ኤርትራ ቆላሕታ ክህብዎ እንከለዉ፡  ተበግሰኦም ኣብቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብፍላይ ኣብቲ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ከም ዝሕግዝ ዝሰሓት ኣይኮነን። ናታቶም ሕሳብን ልዕልና ሃገሮም ክብ ናይ ምባል ኒሕን  ከም ዝህልዎም ግና ፍሉጥ እዩ። እቲ ወሳኒ ግና ናትና ናይቶም ግቡእና ክንፍጽም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ተሰሊፍና ዘለና ኤርትራውያን እጃም ምዃኑ  ክንስሕቶ የብልናን። ከምዚ ዓይነት ዕድል ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብቲ እዋኑ እንተዘይተጠቒምናሉ ግዜ  ዝሓለፎን ናህሩ  ዝወደአን እዩ ዝኸውን። “ሓጺን ብርስኑ”  ዝብል ብሂል ንዘይምርሳዕ ዝኣክል  እዩ።

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ምዕራባውያን ብዛዕባ ኤርትራ ይጽሕፉን ይዛረቡን ምህላዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ንኤርትራዊ ጉዳይና ዝጸልዉ ናይ ቀረባ ቅልጡፋት ምዕባለታት እውን ዝኽሰትሉ ዘለዉ እዩ። “ኣብ መንጎ ህግደፍን ብደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓትን ምቅርራባት ይፍጠር ኣሎ ተባሂሉ” ዝብል ዛዕባታት ጥራይ እኳ እንተወሲድና ክሳብ ክንደይ ብዓንተቦ ክንሓስበሎምን ክንቅረበሎምን ዝግበኣና ተረእዮታት ኣብ ቅድመና ተገቲሮም ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ። እዚ ጉዳይዚ ኣይኮነንዶ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ሕድሕድና ተረሓሒቕና ብጐቦ ዓይኒ እናተረኣኣና፡ ኣሳኒናን ተቐራሪብናን እውን  ክሳብ ክንደይ በዳሂ ከም ዝኸውን ተገንዚብካ ምንቅስቓስ ግደታዊ ሓላፍነትና እዩ። 

“ብምክእኣል ኣሳኒና ንቕድሚት ንሰጉም” ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ሕድሕድና ኣይንመዓዓድን ኣይንነቓቐፍን ማለት ኣይኮነን። እቲ ምንቕቓፍን ምምዕዓድናን ግና ኣብ ሕሉፍ ዘንበር ዘይኮነ፡ ንቕድሚት እናሰጐምካ ዝሓሸ ብሩህ መጻኢ ብምርኣይ ዝተቓነየ ክኸውን እንከሎ ጥራይ ከም ዘድምዕ ምርዳእ የድሊ። እቲ ዝመዓድን ዝንቀፍን ኣካል ከኣ ንጉዳያት  ብጥርጠራን “ስለምንታይ ስመይ ተላዕለን”?  ብዝብል፡ ብዓይኒ ትዕቢትን ስግኣትን ዘይኮነ፡ ነቲ ሓቂ ብቕንዕናን ክፉት ሕልናን ተቐቢልካ ክዕረ ዝግበኦ ናይ ምዕራይ ቅሩብነት ክህልዎ ይግባእ።“ኣብ ርእሲ ዘለካ እንተዝህቡኻ፡ ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ” ብዝብል ልቦና ብጸጋ ምቕባሉ ሃናጺ እዩ። ስለዚ ድኽመታት ናይ ምእራም ቅሩብነትን ከባብያዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ምእታውን መሰረታውን ኣገዳስን  ምዃኑ  ብምርዳእን ተጸባይ ንዘይምዃንን ኢና “ናትና እጃም’ዩ ወሳኒ፡”  ንብል ዘለና።

ልኡኻት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ መቃድሾ

ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ናይታ ሃገር ሓላፊ ብሄራዊ ጸጥታ ኣንበሳድር ሬድዋን ሑሴንን ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊያ ጀነራል ኦዳዋ ሑአሴን ብናይታ ሃገር ሓላፊ ብሄራዊ ጸጥታ ዓብዱላሂ ሳንባሉልሸ ተሰንዮም ኣብ መቃድሾ ተራኺቦም ወተሃደራዊ ስምምዕ ከቲሞም ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘውጽኡ፡ ጆውሃር ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሶማሊያ ኣፍሊጣ።

እቶም ጀነራላት ኣብቲ ርክቦም፡ ብዛዕባ ሰላም ሶማሊያን እቲ ዞባን ተመያይጦም ኣገዳስነት ሰላም፡ ህድኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃን መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃን ምዝታዮም እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብፍላይ ብዛዕባተን ኣብ ምዕቃብ  ሰላም ሶማሊያ ወተሃደራተን ፖሊስን ዘሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ብፍላይ ድማ ሓይልታት ሶማሊያ ኣተሃላልዋኡን ካብ 2007 ጀሚሩ ኩነታት ሃገሩ ንምርግጋእ ክኸፍሎ ዝጸንሐ መስዋእትን ብሰፊሑ ተመያይጦም።

ኣዘዝቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ናይ መቃድሾ ርክቦም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሶማሊያ ሰራዊት ምልኣኹ ንኢዶም፡ እቲ ዝግበር ሰላም ናይ ምርግጋጽ ጻዕሪ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ክኸውን ከም ዝግበኦ ምርድደኦም እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዞም ከኣ ግደ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ዓቃብ ሰላም ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምምዛን፡ ሰራዊ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ እስትራተጂ ኣብ ሰላም ሶማሊያ ዕዙዝ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ መዚኖም።

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ ፈደራል ረፐብሊክ ኢትዮጵያን ፈድራላዊ ረፐብሊክ  ሶማሊያ ዝግበር ርክብ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማሊያ ብምኽባር በመንገዲቲ  ኣብ መቃድሾ ዘሎ መንግስቲ ጥራይ ምዃኑን ተሰማሚዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ሶማሊያ ዝምደብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተልእኮኡ ፈጺሙ ቀልጢፉ ንክወጽእ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሶማሊያዊ ዓቕሚ ንምድላብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንክሕግዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝተሓባብርሉ ስምምዕ ከም ዝኸተሙ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣስፊሮም።

እዚ ስምምዕ ምስቲ ኣብ ኣስመራ፡  ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ዝተኸተመ ኪዳን ዘየሳኒ፡ መቐጸልታ ናይቲ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ኣብ ኣንካራ ብመንጎኝነት ቱርኪ ዝበጸሐኦ ስምምዕ ኮይኑ፡ ሓድሽ ኣሰላልፋ ዘምጽእን ንኤርትራን ሶማሊላንድን ዘየሕጉስ ፍጻመ እዩ።

ኤርትራውያን ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ነጻነት እውን፡ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ እዮም  ዘለዉ። ቃልሶም ንብዙሕነታዊ ዲሞክራሲ፡ ንሰላም፡ ንልዕልና ፍትሕን ልምዓትን እዩ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከምቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ምዕራፍ፡  ብዘይውዳበ ከም ዘይዕወት ብምርዳእ ዝተፈላለያ ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣብ መስርዕ ቃልሲ ተሰሊፈን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት የሰጉማ  ኣለዋ። ብዓብይኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ኩሉ ውዳበታት ዓንዲ ሕቖ እዩ።

ምዕዋት ናይዚ ቃልሲ ካብ ምውጋድ ናይቲ ኣካላቱ ማህሚኑ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ወዲቑ ዘሎ ህግደፍ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ኩሉ ንህዝቢ ኤርትራ በዂርዎ ዘሎ  ዲሞክራሲያዊ ጸጋታትን መሰረታዊ መሰላትን ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን እቲ ጉጅለ ስለ ዝኾነ። ህግደፍ ክሳብ ዘለናዮ ደረጃ፡ ንህዝብና ከየድከየን ምስሊ ኤርትራ ከይደወነን ብኣግኡ ክውገድ እናተገበኦ፡ ክሳብ ሎሚ ትልኽ ይብል ናይ ምህላዉ ምኽንያት፡ ብርተዐኡን ጥበቡን ወይ ብህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ተቐባልነት ገይሮም ዝርድእዎ ገለ ወገናት ኣለዉ። ርግጽ ህግደፍ ነብሱ ከድሕንን ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕን ዝምህዞ ተንኮላት፡ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማንን ዝምስርቶ ዘይቅዱስ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታትን ግምት ኣይወሃቦን እዩ ማለት ኣይኮነን። እንተ ወሳኒ ናይ ዘይምእላዩ  ምኽንያት ግን፡ ናይቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ  ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት ድኽመት ምዃኑ ክሰሓት ዘይግበኦ ሓቂ እዩ። ድኽመትካ ምፍላጥ ድማ መፍትሒ ንምርካብ ፍርቂ መንገዲ ምጉዓዝ ምዃኑ  ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።

ናይቶም ንህግደፍ ስዒርካ ለውጢ ንምምጻእ ተሰሊፎም ዘለዉ ኣካላት ድኽመት፡ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝግለጽ እዩ። እቲ ሕጽረታት ገሊኡ በዓል ቤታዊ ገሊኡ ከኣ ወድዓዊ እዩ። እዞም ሓይልታት ብውሕዱ በዓል ቤታዊ ድኽመታቶም ንምውጋድ ካብ ካልእ ዝጽበይዎ ኣይኮነን። ካብዚ ጸገማትዚ ክወጽኡሉ ካብ ዝኽእሉ መንገድታት ሓደ፡ ነቲ ተበቲኑ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሞም ናብ ሓደ መድረኽ ከሰልፍዎ ምብቃዕ እዩ። እዚ መዋጸኦ‘ዚ  ኣብ ኢድካ ዘሎ ዋጋ ዘኽፍል እምበር ዘይከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቲ ዝከኣል እዮም ዘይክእልዎ ዘለዉ። እቲ ወሳኒ ክንሱ ዝተዘንገዐ ተግባር ዝበልናዮ እምበኣር፡ ነቲ ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ክትስለፍ  ዘይምብቃዕ መሰረታዊ ሕጽረት ንምዝኽኻር እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ እንከለዎ፡ ኣብ ዘየስመዓሉ ደረጃ ብምህላዉ እንተዘይኮይኑ፡ ድሌቱ ከምቲ ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ ወይ ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንብዓ ዝብል ቁምነገር ብምስትውዓል፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ኣብቶም ዘሰማምዕዎም መሰረታዊ ዛዕባታት ሓቢሮም ኣንጻር ወጻዒኡ ክቃለሱ ቀጻሊ ጸዋዒቱ ምዃኑ ብዝረኸቦ ጸቢብ ኣጋጣሚታት ዘንጸባርቖ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዝምርሕሉ ፖሊሲታትን ዘቕርብዎ ጸዋዒትን ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እዮም ዘቃልሑ። ህዝቢ ንጸዋዒቶም ሰሚዑ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ለውጢ ንክስለፍ ናይ ወትሩ ምሕጽንተኦም እዩ። እንተኾነ ክንድቲ ሰሚዑ ኣብ ጐኖም ክስለፍ ደጋጊሞም ዝጽውዕዎ፡ ንሳቶም ግና ክንድቲ ዝድለ ምሕጽንታኡ ክሰምዑን ክተግብሩን  ቅሩባት የለዉን። ጸዋዒት ህዝቢ ኤርትራ ብሓጺሩ ንህግደፍ ስዒርኩም ናብ ራህዋ ንክንበጽሕ ኣንጻሩ ሓቢርኩም ተሰለፉ ዝብል እዩ። ካብቲ ብዛዕባ ሓይልታት ለውጢ ቅር ዝብሎ ሓቢሮም ዝቃለስሉ መድረኽ ክፈጥሩ ዘይምኽኣሎም ምዃኑ ከኣ ደጋጊሙ ኣተንቢሁ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ሒዝካ ምውጣጥ ልሙድ ኣብ ዝኾነሉ ኢና እንርከብ።  ጫፋት ሒዝካ ምጉታት ዕድመ ህግደፍ ከንውሕ እንተዘይኮይኑ  ንዋላ ሓደ ናይ ለውጢ ኣካል ከምዘየዐውት ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮ እዩ። እቲ ዘዐውት ካብ ጫፋት ምጉታት ወጺእካ ብመስርሕ እንካን ሃባን ምጽውዋርን ኣብ ማእከላይ ነጥብ ክትራኸብ ብምብቃዕ ጥራይ እዩ። ናይቲ ማእከላይ መራኸቢ ነጥቢ መዐቀኒ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ክኸውን እንከሎ ከም ዘዐውት ከኣ ርዱእ እዩ። መባእታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንህግደፍ ወጊድካ ህዝባዊ ልዕልና ብዘውሕስ፡ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካእ እዩ። እዚ ሓቢርካ ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ናይ ምዕዋት ኣካይዳ ኣባና ዝጅመር ዘይኮነ፡ ብመትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ብዙሓት ዝተዓወትሉ  መንገዲ እዩ። ነቲ ህዝቢ ዝደልዮን ዝጽበዮን ካብ ምዝርዛር ሰጊርካ፡ ብግብሪ ከምኡ  ኮይንካ ምቕራብ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ናብዚ ኩሉ ክትበቅዕ ከም ሓደ ኣገዳሲ ግንዛበ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት መወዳደሪ እምበር መጻልእን መጻረፍን ጌርካ ዘይምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀንዲ ዘሻቕለና ኤርትራዊ ኣተሃላልዋን ናይ ለውጢ ቃልስናን እዩ። ኣብ ከባቢና ዝፍጠር ዘሎ ናዕብታት ነቲ ሻቕሎትና፣ ሻቕሎት ዝውስኸሉ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝነበረ  ውግእ ኣብ ርእሲ ሻቕሎት፣ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለና እንርደኦ እዩ። ዋላኳ በሰላኡ እንተዘይሓወየ፡ ጉዳይ ትግራይ ሰላማዊ ምስርሕ ብምሓዙ እናተተባባዕና፡  ካልእ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ናይ ጐረቤት ተርእዮ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ።

ብሰንክዚ ናይ ቃልስና ባይታ ኣብ ምምድማድን ህዝብና ኣብ ምዕቋብን ፍሉይ ታሪኽ ኣብ ዘለዋ  ሱዳን ውግእ ምብርዑ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ኤርትራውያን ተመዛቢሎም ንሱዳን  ኣብ ዘዳውብ ከባብታት ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ይሳቐዩ ኣለዉ።  ብዓብይኡ ከኣ ገለን ተጨውዮም ገለን ድማ ዓቕሎም ምስ ጸበቦም መተካእታ ዝሰኣንሉ ምርጫ ወሲዶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታትና ውሑዳት ኣይኮኑን። ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ናይዞም ግዳያት ድምጺ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎም።  ዘስምዕዎ ድምጺ ኣድማዒ ዝኸውን ግና  ብተናጸል ዘይኮነ፡ ብሓባር እዩ። ስለዚ እቲ ኣገዳሲ እንከሎ ዝተዘንገዐ ዕማም  ዝበልናዮ ንዓስሎ  መድረኻዊ እዩ።

Page 7 of 596