ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ መበል 58 ጉባአ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ንከተውጽእ ኣተሓሳሲቦም።
ሕበረት ኤውሮጳ፡ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ኣባላት ሰራዊት ፈጺመምዎ ዝበሃ ኩሉ ግህሰታት ብዘይሻራዊ ኣካል ምሉእ ምጽራይ ክግበረሉ ይግባእ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብምጥሓስ ዝተፈጸመ ግህሰታት ግዳይ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያንን ዕቑባ ሓቲቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ፍትሒ ክረኽቡ ይግበኦም ምባሉ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እቲ ሕብረት ብ27 ለካቲት 2025 ናብቲ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እውን ከም ዘተሓሳስቦ ጠቒሱ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ናብቲ መበል 58 ጉባአ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ላዕለዋይ ሞኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ውግእ ትግራይ ዝተቛረጸሉ ውዕል ፕሪቶርያ ይጥሕሱ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ብህጹጽ ክወጹ ኣለዎም ክብል ምትሕስሳቡ ተጠቒሱ። ናይቲ ዋና ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ቤት ጽሕፈት ኣተሓሒዙ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ርኡይ መጥቃዕቲ፡ ምስዋር ሰባት፡ ኣገዲድካ ዓመጽ፡ ምዝማት ንብረትን ጃማላዊ ማእሰርትን ይፍጽም ከም ዝፍጽም ዝተኣማምን መርተዖ ኣለኒ ምባሉ’ውን ተሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቁራጹ፡ ክልቲኦም መንግስታት ብሓደ ተሳሊፎም ኣብ ትግራይ ከም ዝተዋግኡ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝግለጹ ቅልውላዋት ተፈጢሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ብፍላይ ድማ ድሕርቲ ብናይ ቅድም ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ዶር ሙላቱ ተሾመ ንኤርትራ ዘቃልዕ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ኣልጀዚራ ምዝርግሑ እቲ ወጥሪ ከም ዝተጋደደ ኣስፊሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ሙላቱ ተሾመ ዘውጸኦ ጽሑፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ርኢቶ እምበር፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውክል ዘይምዃኑ ብወሃብ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣንበሳደር ነቢያት ጌታቸው ኣቢሉ ምግላጹ ይፍለጥ።
ባህግና Bahgna Media 02.03.2025: ዝኽሪ መጭወይቲ ሓርበኛተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ እብራሂም፡ ወሳኒ እንከሎ ዝተዘንግዐ ዕማም
Written by Bahgna MediaMedia
ቀዳማይ ምኒስተር ፈደራላዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያን ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ፈደራል ረፑብሊክ ሶማሊያ ሓሰን ሼሕ ማሕሙድን ብ27 ለካቲት 2025 ኣብ ከተማ መቃድሾ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ፡ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። እዚ ርክቦም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ ቱርኪ ከተማ ኣንካራ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ንምምላስ ዘበጽሕዎ ስምምዕ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
በቲ ናይ ሓባር መግለጺ መሰረት፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ንናይ ሓባር ረብሓ ብሓንሳብ ክሰርሑ ኣቐዲሞም ንዝበጽሕዎ ስምምዕ ደጊሞም ከም ዘረጋገጽዎ ቅሩባን ምዃኖም ምርግጋጾ’ውን ተሓቢሩ። ብመሰረት ኣብ መንጎ ህዝብታቶም ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድናን ዘራኽቦም ነዊሕ ዶብን፣ ኣብ መንጎኦም ኣብ መዳያት ቁጠባን ማሕበራዊ ዝምድናን ምትእምማንን ምትሕብባርን ምሕያል ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝተሰማምዑን ኣብ መዳይ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከም ዝሰርሑን ከኣ ኣብቲ መግለጺኦም ተመልኪቱ።
ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናይ ሓባር ሸቶ፡ ራእን ዕቤትን ዘለወን ሃገራት እየን ዝበለ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ህንጸት ናይ ሓባር እትራተጅያዊ ትሕተ-ቅርጻ፡ ናይ ሓባር ቀጻሊ ዕቤትን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ከዕውቱ ከምዝተሰማምዑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
ኣብ ኣንካራ ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት፡ ተክኒካዊ ኣተገባብራ ምጅማሩ ከም ዘሕጉሶም ጠቒሶም ፖለቲካዊ ዘተን ምርድዳእን ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጾም። ናይ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብዚ ቀረባ ንወተሃደራዊ መዳይ ከም ኣገዳሲ ዛዕባ ወሲዶም፡ ብደረጃ ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘኮነ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ንጸጥታን ድሕንነትን ኣብ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ ምጸሖም ከም ዘሕጉሶም’ውን ኣብቲ ርክቦም ምጥቃሶም እቲ መግለጺ ኣንጸባሪቑ።
እቲ ሓጺር ናይ ሓባር መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መጻኢ ናይ ሓባር ረብሓኦም ንምርግጋጽ ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምርድደኦም ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ናይ ሓባር ጸጥታ ብምውሓስን ሓባራዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ብምዕባይን ዝግለጽ ከም ዝኸውን ምርድዳኦም ኣፍሊጡ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ በቲ ሓደ ወገን ናብ ውግእ ከይኣትዋ ዘስግኣ ዝነበራ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩለ-መዳያዊ ስምምዕ ምብጸሓን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ብዙሓት ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘቕነዐ እዩ ዝበልዎ ኪዳን ዘይምስጓሙ፡ ናይ ዞባና ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ቅልጡፍ ምቅይያር የርኢ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
التكاليف المحتملة للتهديدات الالثيوبيا بالحرب على ميتاء عصب
Written by Ghirmay
في عام 1960 عندما كانت اثيوبيا في عهد الامبراطور هيلي سلاسي بدأت تدريجيا بهضم الحقوق الارترية بشكل ملحوظ وباغراء واضح لانتهاك الترتيبات الفدرالية الذي وافقت عليه الامم المتحدة بين ارتريا و اثيوبيا , في ذالك الوقت المسؤل الكبير في الادارة البريطانية في ارتريا جرالد كندي ترافاسكس حزر اثيوبيا قي كتابه بهذه الكلمات "من مصلحة اثيوبيا , كذلك من مصلحةارتريا ينبغي على اثيوبيا ابقاء الاتحاد الفدرالي بالشكل الذي وضعوه مؤسسيه”. ولكن الامبراطور ومستشاريه لم يستجيبوا
لهذه النصيحة وذلك بسبب فشلهم في فهم حقيقة وجود ارتريا والارتريين على ارض الواقع. - والصفقة بحكم امر الواقع تمت لصالحهم- , رئيس وزراء اثيوبيا انذاك أكليلو هبتولد وعدد قليل من الشخصيات الاثيوبية البارزة ارادو الحفاظ على الاتحاد الفدرالي ولكن لم يكن بوسعهم ان يفعلوا شيئا اكثر من الندم على الفعل الخطير والغير حكيم.
عاقبة حل الاتحاد الفدرالي كانت حرب مكلفة ومؤلما لكل الطرفين وبحسب بعض التقديرات فقدت ارتريا مايصل الى نصف ميليون ضحية 80% منهم من المدنين. بجانب الى فقدان ربع ميليون جندي وجدت اثيوبيا نفسها غارقة في الفقر المحدق والتخلف,
ولكن اسوأ العواقب التي ترتبت على حل الاتحاد الفدرالي المميت بالنسبة لاثوبيا كانت خسارتها للشراكة الارترية وموانئها.
ينبغي هذه الحقيقة ان تذكر العقلاء من الاثيوبيين بالمثل الامحري الذي يمكن ترجمته
كمايلي:-“لقد اسقطت ماكان في ابطها بينما كانت تحاول بجشع الامساك بماكان في الصقف".
اليوم لايوجد ترافاسكس ليكرر نصيحته لرئيس الوزراء الاثيوبي ابي احمد واتباعه الذين يعبثون بكيان عمره 135 سنة يسمى ارتريا والمعترف بهي دوليا, اي محاولة للتلاعب بالنار من قبل اثيوبيا بلاشك سوف تكون التكلفة اكثر مما حدث في حربها العدوانية التي استمرت لثلاثة عقود و التي انتهت في 1991 من القرن الماضي بترير ارتريا.
بالنظر الى ماحدث لارتريا في ظل حكم نظام اسياس افورقي الشمولي الغير امين ,
ومع الاخذ في الاعتبار الحديث الجاري عن "ملكية" ميناء على البحر الاحمر الذي اطلق العنان له رئيس وزراء اثيوبيا, هذا الفعل كالمعتاد من الممكن ان يشجع الطغيان في اسمرة جر البلاد الى حرب لايحمد عقباها, وهذه احتمال ليس باليعيد, ومن الممكن في مثل هذا الحدث ان نتصور عدوانا وقحا لدولة ذات سيادة واذلالا غير مبرر لشعب لم تتضاءل بعد ذكرياته وفخره بنضاله من اجل التحرير أن يؤدي الى عوقب وخيمة للغاية على اثيوبيا نفسها.
من بين الاحتمالات التي يمكن للمرء ان يتخيلها – لاسمح الله – انشطار اثيوبيا الى عدت دويلات متحاربة, وقد توؤدي هذه النتيجة الى اعادة رسم خارطة المنطقة وامكانية ظهور ارتريا القوية التي تتحكم على ساحل البحر الاحمر وهذا من شأنه ان يوقعها في حسد الدول الصقيرة المجاورة المنشطرة من اثيوبيا السابقة . هذه النتائج بالطبع تتعارض تماما مع رغبات رئيس وزراء اثيوبيا امتلاك ميناء على البحر الاحمر بأية وسيلة, ولكن ماتزال الفرصة مواتية لتجنب الحرب , لان نتائجها السيئة واثارهاالسالبة لاتقع على الاثوبيين فقط ولكن على الارتريين والنطقة ايضا. بالطبع توجد هناك حلول افضل مربحة للجانبين والتي تلبي مصالح الجميع.
اليوم بينمنا تلوح في الافق غيوم الحرب والخوف من استئناف الحالة العدائية , فأن الامر مترروك بشكل اساسي على النخبة الاثيوبيا وقياداتها السياسية للتوقف عن تضلبل الشعب الاثيوبي للمرة الثانية , بدلا عن ذلك العمل على تجنب المخاطر.
الخطوات الاؤلى التى تتطلب من النخبة الاثيوبية القيام بها هي قراءة التاريخ الارتري جيدا, ثم مساعدة العامة وتوعيتهم بخطورة الخطاب المضلل الذي يستخدمه رئيس الوزراء ابي احمد ومساعديه لانه ليس بالمسلك الصحيح. ان الادعاء الباطل عن حق اثيوبيا التاريخي والطبيعي والقانوني امتلاك عصب او اي ميناء ارتري اخر على البحر الاحمر هو ادعاء غير منطفي ليس له اي سند قانوني او تاريخي. نحن الارتريين معرضتنا للنظام الدكتاتوري في بلادنا واخواننا الاثيوبيين هو عدم القيام بالحديث عن حق اثيوبيا المستحق للعبور واستخدام الموانىء الارترية على اساس المعايير الدولية و القوانين البحرية.
التوق للإنتاج الإعلامي-27.02.2025
Written by EPDP Information Officeናይዚ ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲ ዋናን ናይ ምዕዋቱ ወሳኒ እጃም ዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይ ዓወቱ መምዘኒ ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶታት ብምምላሱን ዘይምምላሱን እዩ ዝዕቀን። እጃም፡ ናይተን ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ተሰሊፈን ዘለዋ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ እውን ዕዙዝ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኤርትራውያን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ገዛ ዓጺናን ተነጺልናን በይንና እነዕውቶ ዘይኮነ፡ ሓቢርካ ኣብ እትረብሓሉ መድረኽ ምስ ካለኦት ምትሕብባርን ምጽልላውን ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ቦታ ኣለዎ። እቶም ምሳና ዝተሓባበሩ ንጽድቅን ልግስን ዘይኮነ፡ ነናቶም ሕሳባትን ውጥናትን ከም ዝህልዎም ብምግዛብ ከኣ፡ ብጥንቃቐ ናይ ምዝማዶም ናይ ቃልሲ ውሕልነት ዝሓትት እዩ።
እቲ ምጽልላውን ምትሕብባርን ካብ ርሑቕን ኮነ ካብ ቀረባ ዝመጽእ እዩ። ነዚ ኩሉ ከከም ቅርበቱን ዝፈጥሮ ደረጃ ተጽዕኖን ቀዳምነት ኣትሒዝካ፡ ንምምሕዳሩ ምስትውዓልን ጥንቃቐን የድሊ። ብመንጽር’ዚ ከም ኤርትራውያን ቅድሚ ኩሉ ከነማሓድሮ ዝግበና፡ ናትና ርኢቶታታት ብምጥርናፍ ነቲ ጌና በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምቅርራብ ክኸውን ይግበኦ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ካብ ናይ “ኣነ በይነይ እኽእሎ እየ” ጽበት ወጺእና፡ ብሓባር ንቃለሰሉ መድረኽ ንምፍጣር ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚርና ዝተፈላለዩ ፈተናታት ዘካየድናን ተስፋ ከይቆረጽና ንቕጽሎ ዘለናን። ነዚ ከነዕውት ካብ ዘይከኣልናሉ ምኽንያታት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ንህልዊ ኩነታት ኣገናዚብካ ናብ ዝሓሸ መጻኢ ምቁማት፡ ንሎሚ ኣብ ዘየገልግሉና መድረኽ ዝሓለፎም ፍጻመታት ካብ ምፍንቃል ዘይምውጻእና እዩ።
ካብዚ ንሎሚ ዘይሕግዝ ከም ታሪኽ ግና ዝዕቀብ ዝግበኦ ምጽብጻብን ምትህልላኽን ክሳብ ዘይወጻእናን ብሓባር ዘቃልሰና ኩለ-መዳያዊ ዓቕሚ ክሳብ ዘየጥረናን ከኣ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘዝመጸ ዕድላት ገገዲፉና ክሓልፍ እዩ። ናይ ሓባር ዓቕሚ ዘይምፍጣር ናይ ምቕያር ክእለት ዘስእነና ምዃኑ ንነብሮ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት ባዕሉ መስካሪ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ፈራዲ ኣብዘይብሉ ምክሳስ ዘንብረና’ውን እዩ። ብዛዕባ ዝሓለፈ ነናትና ሓቅታት የብልናን ማለት ከምዘይኮነ ምስትውዓል ድማ ኣድላይ እዩ።
ቃልስና ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዝኽሰቱ ምቅይያራት እውን ይጽሎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ዛዕባ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ሱዳን፡ ጅቡትን ሶማሊያን ዝኽሰት ዘሎ ዘሰክፍ ምዕባለታት እንተ ብኣውንታ እንተስ ብኣሉታ ዝጽሎ እምበር፡ ካብኡ ተነጺሉ ዝረአ ኣይኮነን። ብፍላይ ምስቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ናይ ካለኦት ጉዳይ ኢዱ ካብ ምእታው ዘይዓርፍ ምዃኑ፡ እቲ ጽልዋ ብኽንድኡ ይኸብድ። ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣብኡ ካይተደረተ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘውረዶ ግና ብዙሕ ዘይዝረበሉ ናይ ህይወት ህልቂት ቀሊል ከምዘይኮነ፡ እተን ግዳይ ዝኾና ስድራቤታት እየን ዝያዳ ዝርደአኦ። በዚ መሰረት ኤርትራ ካብቲ መሸንቦባ በይና ከም ደሴት ተኸሊላ ክትተርፍ ሰለ ዘይትኽእል፡ ኣብ ጐረባብትና ዘንጸላሉ ዘሎ ህውከት ዘቕስነና ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ከኣ ኤርትራዊ ጉዳይ ከነልዕል እንከለና ብዛዕባቲ ናይ ጐረባብትና ምዕባለታት’ውን ኣብ ግምት ከነእቱ እንግደድ።
ናይ ኤርትራ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ፡ ናይቲ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ዘይንቡር ምምሕዳርን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ግፍዕታትን ግህሰታትን ተወሲኽዎ፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት እውን ናይ ሕማቕ መርኣያ ኣጀንዳ ካብ እትኸውን ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ብብዙሓት “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” እናተባህለት ምጽውዓ ከኣ ናይዚ ውጽኢት እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ምምጻእ ሮናልድ ትራምፕ ናብ ፕረሲደንትነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ’ኳ፡ ሚካኤል ሮቢን፡ ፒተር ሻምን ቲቦር ናጅን ዝተባህሉ ንጡፋት ኣሜሪካውያን ጸሓፍትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኣድላይነት ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኣድሂቦም ብዝሃብዎ ንህግደፍ ዘሰንብድ ርኢቶታት ኣጀንዳና ኮይኖም ንዛረበሎም ኣለና።
እዞም ሰብ ሃብታም ተመኩሮ ኣሜሪካውያን ባእታታት ንፖለቲካዊ ጉዳይ ኤርትራ ቆላሕታ ክህብዎ እንከለዉ፡ ተበግሰኦም ኣብቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብፍላይ ኣብቲ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ከም ዝሕግዝ ዝሰሓት ኣይኮነን። ናታቶም ሕሳብን ልዕልና ሃገሮም ክብ ናይ ምባል ኒሕን ከም ዝህልዎም ግና ፍሉጥ እዩ። እቲ ወሳኒ ግና ናትና ናይቶም ግቡእና ክንፍጽም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ተሰሊፍና ዘለና ኤርትራውያን እጃም ምዃኑ ክንስሕቶ የብልናን። ከምዚ ዓይነት ዕድል ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብቲ እዋኑ እንተዘይተጠቒምናሉ ግዜ ዝሓለፎን ናህሩ ዝወደአን እዩ ዝኸውን። “ሓጺን ብርስኑ” ዝብል ብሂል ንዘይምርሳዕ ዝኣክል እዩ።
ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ምዕራባውያን ብዛዕባ ኤርትራ ይጽሕፉን ይዛረቡን ምህላዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ንኤርትራዊ ጉዳይና ዝጸልዉ ናይ ቀረባ ቅልጡፋት ምዕባለታት እውን ዝኽሰትሉ ዘለዉ እዩ። “ኣብ መንጎ ህግደፍን ብደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓትን ምቅርራባት ይፍጠር ኣሎ ተባሂሉ” ዝብል ዛዕባታት ጥራይ እኳ እንተወሲድና ክሳብ ክንደይ ብዓንተቦ ክንሓስበሎምን ክንቅረበሎምን ዝግበኣና ተረእዮታት ኣብ ቅድመና ተገቲሮም ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ። እዚ ጉዳይዚ ኣይኮነንዶ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ሕድሕድና ተረሓሒቕና ብጐቦ ዓይኒ እናተረኣኣና፡ ኣሳኒናን ተቐራሪብናን እውን ክሳብ ክንደይ በዳሂ ከም ዝኸውን ተገንዚብካ ምንቅስቓስ ግደታዊ ሓላፍነትና እዩ።
“ብምክእኣል ኣሳኒና ንቕድሚት ንሰጉም” ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ሕድሕድና ኣይንመዓዓድን ኣይንነቓቐፍን ማለት ኣይኮነን። እቲ ምንቕቓፍን ምምዕዓድናን ግና ኣብ ሕሉፍ ዘንበር ዘይኮነ፡ ንቕድሚት እናሰጐምካ ዝሓሸ ብሩህ መጻኢ ብምርኣይ ዝተቓነየ ክኸውን እንከሎ ጥራይ ከም ዘድምዕ ምርዳእ የድሊ። እቲ ዝመዓድን ዝንቀፍን ኣካል ከኣ ንጉዳያት ብጥርጠራን “ስለምንታይ ስመይ ተላዕለን”? ብዝብል፡ ብዓይኒ ትዕቢትን ስግኣትን ዘይኮነ፡ ነቲ ሓቂ ብቕንዕናን ክፉት ሕልናን ተቐቢልካ ክዕረ ዝግበኦ ናይ ምዕራይ ቅሩብነት ክህልዎ ይግባእ።“ኣብ ርእሲ ዘለካ እንተዝህቡኻ፡ ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ” ብዝብል ልቦና ብጸጋ ምቕባሉ ሃናጺ እዩ። ስለዚ ድኽመታት ናይ ምእራም ቅሩብነትን ከባብያዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ምእታውን መሰረታውን ኣገዳስን ምዃኑ ብምርዳእን ተጸባይ ንዘይምዃንን ኢና “ናትና እጃም’ዩ ወሳኒ፡” ንብል ዘለና።
ልኡኻት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ መቃድሾ
ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ናይታ ሃገር ሓላፊ ብሄራዊ ጸጥታ ኣንበሳድር ሬድዋን ሑሴንን ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊያ ጀነራል ኦዳዋ ሑአሴን ብናይታ ሃገር ሓላፊ ብሄራዊ ጸጥታ ዓብዱላሂ ሳንባሉልሸ ተሰንዮም ኣብ መቃድሾ ተራኺቦም ወተሃደራዊ ስምምዕ ከቲሞም ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘውጽኡ፡ ጆውሃር ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሶማሊያ ኣፍሊጣ።
እቶም ጀነራላት ኣብቲ ርክቦም፡ ብዛዕባ ሰላም ሶማሊያን እቲ ዞባን ተመያይጦም ኣገዳስነት ሰላም፡ ህድኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃን መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃን ምዝታዮም እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብፍላይ ብዛዕባተን ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማሊያ ወተሃደራተን ፖሊስን ዘሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ብፍላይ ድማ ሓይልታት ሶማሊያ ኣተሃላልዋኡን ካብ 2007 ጀሚሩ ኩነታት ሃገሩ ንምርግጋእ ክኸፍሎ ዝጸንሐ መስዋእትን ብሰፊሑ ተመያይጦም።
ኣዘዝቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ናይ መቃድሾ ርክቦም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሶማሊያ ሰራዊት ምልኣኹ ንኢዶም፡ እቲ ዝግበር ሰላም ናይ ምርግጋጽ ጻዕሪ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ክኸውን ከም ዝግበኦ ምርድደኦም እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዞም ከኣ ግደ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ዓቃብ ሰላም ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምምዛን፡ ሰራዊ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ እስትራተጂ ኣብ ሰላም ሶማሊያ ዕዙዝ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ መዚኖም።
ኣብቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ ፈደራል ረፐብሊክ ኢትዮጵያን ፈድራላዊ ረፐብሊክ ሶማሊያ ዝግበር ርክብ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማሊያ ብምኽባር በመንገዲቲ ኣብ መቃድሾ ዘሎ መንግስቲ ጥራይ ምዃኑን ተሰማሚዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ሶማሊያ ዝምደብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተልእኮኡ ፈጺሙ ቀልጢፉ ንክወጽእ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሶማሊያዊ ዓቕሚ ንምድላብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንክሕግዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝተሓባብርሉ ስምምዕ ከም ዝኸተሙ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣስፊሮም።
እዚ ስምምዕ ምስቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ዝተኸተመ ኪዳን ዘየሳኒ፡ መቐጸልታ ናይቲ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ኣብ ኣንካራ ብመንጎኝነት ቱርኪ ዝበጸሐኦ ስምምዕ ኮይኑ፡ ሓድሽ ኣሰላልፋ ዘምጽእን ንኤርትራን ሶማሊላንድን ዘየሕጉስ ፍጻመ እዩ።
ኤርትራውያን ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ነጻነት እውን፡ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ እዮም ዘለዉ። ቃልሶም ንብዙሕነታዊ ዲሞክራሲ፡ ንሰላም፡ ንልዕልና ፍትሕን ልምዓትን እዩ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከምቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ምዕራፍ፡ ብዘይውዳበ ከም ዘይዕወት ብምርዳእ ዝተፈላለያ ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣብ መስርዕ ቃልሲ ተሰሊፈን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት የሰጉማ ኣለዋ። ብዓብይኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ኩሉ ውዳበታት ዓንዲ ሕቖ እዩ።
ምዕዋት ናይዚ ቃልሲ ካብ ምውጋድ ናይቲ ኣካላቱ ማህሚኑ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ወዲቑ ዘሎ ህግደፍ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ኩሉ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ በዂርዎ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ጸጋታትን መሰረታዊ መሰላትን ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን እቲ ጉጅለ ስለ ዝኾነ። ህግደፍ ክሳብ’ዚ ዘለናዮ ደረጃ፡ ንህዝብና ከየድከየን ምስሊ ኤርትራ ከይደወነን ብኣግኡ ክውገድ እናተገበኦ፡ ክሳብ ሎሚ ትልኽ ይብል ናይ ምህላዉ ምኽንያት፡ ብርተዐኡን ጥበቡን ወይ ብህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ተቐባልነት ገይሮም ዝርድእዎ ገለ ወገናት ኣለዉ። ርግጽ ህግደፍ ነብሱ ከድሕንን ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕን ዝምህዞ ተንኮላት፡ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማንን ዝምስርቶ ዘይቅዱስ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታትን ግምት ኣይወሃቦን እዩ ማለት ኣይኮነን። እንተ’ቲ ወሳኒ ናይ ዘይምእላዩ ምኽንያት ግን፡ ናይቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት ድኽመት ምዃኑ ክሰሓት ዘይግበኦ ሓቂ እዩ። ድኽመትካ ምፍላጥ ድማ መፍትሒ ንምርካብ ፍርቂ መንገዲ ምጉዓዝ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።
ናይቶም ንህግደፍ ስዒርካ ለውጢ ንምምጻእ ተሰሊፎም ዘለዉ ኣካላት ድኽመት፡ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝግለጽ እዩ። እቲ ሕጽረታት ገሊኡ በዓል ቤታዊ ገሊኡ ከኣ ወድዓዊ እዩ። እዞም ሓይልታት ብውሕዱ በዓል ቤታዊ ድኽመታቶም ንምውጋድ ካብ ካልእ ዝጽበይዎ ኣይኮነን። ካብዚ ጸገማትዚ ክወጽኡሉ ካብ ዝኽእሉ መንገድታት ሓደ፡ ነቲ ተበቲኑ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሞም ናብ ሓደ መድረኽ ከሰልፍዎ ምብቃዕ እዩ። እዚ መዋጸኦ‘ዚ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዋጋ ዘኽፍል እምበር ዘይከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቲ ዝከኣል እዮም ዘይክእልዎ ዘለዉ። እቲ “ወሳኒ ክንሱ ዝተዘንገዐ ተግባር” ዝበልናዮ እምበኣር፡ ነቲ ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ክትስለፍ ዘይምብቃዕ መሰረታዊ ሕጽረት ንምዝኽኻር እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ እንከለዎ፡ ኣብ ዘየስመዓሉ ደረጃ ብምህላዉ እንተዘይኮይኑ፡ ድሌቱ ከምቲ “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ወይ “ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንብዓ” ዝብል ቁምነገር ብምስትውዓል፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ኣብቶም ዘሰማምዕዎም መሰረታዊ ዛዕባታት ሓቢሮም ኣንጻር ወጻዒኡ ክቃለሱ ቀጻሊ ጸዋዒቱ ምዃኑ ብዝረኸቦ ጸቢብ ኣጋጣሚታት ዘንጸባርቖ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዝምርሕሉ ፖሊሲታትን ዘቕርብዎ ጸዋዒትን ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እዮም ዘቃልሑ። ህዝቢ ንጸዋዒቶም ሰሚዑ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ለውጢ ንክስለፍ ናይ ወትሩ ምሕጽንተኦም እዩ። እንተኾነ ክንድቲ ሰሚዑ ኣብ ጐኖም ክስለፍ ደጋጊሞም ዝጽውዕዎ፡ ንሳቶም ግና ክንድቲ ዝድለ ምሕጽንታኡ ክሰምዑን ክተግብሩን ቅሩባት የለዉን። ጸዋዒት ህዝቢ ኤርትራ ብሓጺሩ “ንህግደፍ ስዒርኩም ናብ ራህዋ ንክንበጽሕ ኣንጻሩ ሓቢርኩም ተሰለፉ” ዝብል እዩ። ካብቲ ብዛዕባ ሓይልታት ለውጢ ቅር ዝብሎ ሓቢሮም ዝቃለስሉ መድረኽ ክፈጥሩ ዘይምኽኣሎም ምዃኑ ከኣ ደጋጊሙ ኣተንቢሁ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ሒዝካ ምውጣጥ ልሙድ ኣብ ዝኾነሉ ኢና እንርከብ። ጫፋት ሒዝካ ምጉታት ዕድመ ህግደፍ ከንውሕ እንተዘይኮይኑ ንዋላ ሓደ ናይ ለውጢ ኣካል ከምዘየዐውት ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮ እዩ። እቲ ዘዐውት ካብ ጫፋት ምጉታት ወጺእካ ብመስርሕ እንካን ሃባን ምጽውዋርን ኣብ ማእከላይ ነጥብ ክትራኸብ ብምብቃዕ ጥራይ እዩ። ናይቲ ማእከላይ መራኸቢ ነጥቢ መዐቀኒ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ክኸውን እንከሎ ከም ዘዐውት ከኣ ርዱእ እዩ። መባእታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንህግደፍ ወጊድካ ህዝባዊ ልዕልና ብዘውሕስ፡ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካእ እዩ። እዚ ሓቢርካ ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ናይ ምዕዋት ኣካይዳ ኣባና ዝጅመር ዘይኮነ፡ ብመትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ብዙሓት ዝተዓወትሉ መንገዲ እዩ። ነቲ ህዝቢ ዝደልዮን ዝጽበዮን ካብ ምዝርዛር ሰጊርካ፡ ብግብሪ ከምኡ ኮይንካ ምቕራብ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ናብዚ ኩሉ ክትበቅዕ ከም ሓደ ኣገዳሲ ግንዛበ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት መወዳደሪ እምበር መጻልእን መጻረፍን ጌርካ ዘይምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀንዲ ዘሻቕለና ኤርትራዊ ኣተሃላልዋን ናይ ለውጢ ቃልስናን እዩ። ኣብ ከባቢና ዝፍጠር ዘሎ ናዕብታት ነቲ ሻቕሎትና፣ ሻቕሎት ዝውስኸሉ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝነበረ ውግእ ኣብ ርእሲ ሻቕሎት፣ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለና እንርደኦ እዩ። ዋላኳ በሰላኡ እንተዘይሓወየ፡ ጉዳይ ትግራይ ሰላማዊ ምስርሕ ብምሓዙ እናተተባባዕና፡ ካልእ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ናይ ጐረቤት ተርእዮ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ።
ብሰንክዚ ናይ ቃልስና ባይታ ኣብ ምምድማድን ህዝብና ኣብ ምዕቋብን ፍሉይ ታሪኽ ኣብ ዘለዋ ሱዳን ውግእ ምብርዑ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ኤርትራውያን ተመዛቢሎም ንሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባብታት ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ይሳቐዩ ኣለዉ። ብዓብይኡ ከኣ ገለን ተጨውዮም ገለን ድማ ዓቕሎም ምስ ጸበቦም መተካእታ ዝሰኣንሉ ምርጫ ወሲዶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታትና ውሑዳት ኣይኮኑን። ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ናይዞም ግዳያት ድምጺ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎም። ዘስምዕዎ ድምጺ ኣድማዒ ዝኸውን ግና ብተናጸል ዘይኮነ፡ ብሓባር እዩ። ስለዚ እቲ “ኣገዳሲ እንከሎ ዝተዘንገዐ ዕማም” ዝበልናዮ ክንዓስሎ መድረኻዊ እዩ።
More...
A week ago, a friend in North America shared with me a death announcement of another Eritrean. The name of the deceased is Mulugeta Giorgis who passed away recently at the age of 87 in Maryland, USA. His burial ceremony was scheduled to take place on 25 February 2025. I am not sure what his close friends in the Eritrean regime, like Hagos Kisha, will include in his life history, but what is sure is that what they will say about Mulugeta will be totally different from what I am going to tell you here.
Mulugeta Giorgis was the person who organized the arrest on 30.08.1965 of Seyoum Ogbamichael (Harestai), Woldedawit Temesghen, Ahmed Siraj, and my middle school class teacher, Memhir Seyoum Negassi. Ghirmai Yosief was also one of his victims at a different setting.
For the sake of those who know little about our past, Seyoum and Woldedawit were among the Asmara students who joined the Eritrean Liberation Front (ELF) in those early years. Ahmed Siraj was a tailor and urban ELF cell member in Asmara in whose house the arrest organized by Mulugeta Giorgis took place. The three languished in prison for 10 years until they were liberated by the ELF in 1975. Memhir Seyoum Negassi, who was in discussion with the two ELF envoys at the time of the arrest, was one of the active nationalist teachers of his time who influenced the Eritrean student movement.
Among victims of Mulugeta Giorgis: Seyoum ‘Harestai,’ Woldedawit Temesghen and Ahmed Siraj, the martry of Barentu/1978 whose photo could not be obtained.
Mulugeta in Kassala, 1964-65
Mulugeta Giorgis appears to be among the early recruits in the ELF. After a huge student demonstration in Asmara in March 1965, Seyoum Harestai and his close friend Woldedawit went to Kassala and were received by Mulugeta, Omar Jaber and others who were in the ELF Kassala office. When the Kassala leadership, that included Mulugeta, decided that Seyoum and Woldedawit should go back to Asmara and organize ELF cells in the city, Mulugeta was the one who arranged their trip and their potential supporters in Asmara. But soon, Mulugeta surrendered to the Ethiopian consulate in Kassala and flew to Asmara to organize their arrest.
A few months before the arrival of Seyoum and Woldedawit in Kassala, another Asmara student from the vocational school of Point IV, Ghirmai Yosief, was sent back to Asmara in a similar mission of organizing ELF cells. Mulugeta knew that Ghirmai Yosief was frequenting at the Asmara YMCA to do his ELF job. Therefore, Mulugeta could easily lead the Ethiopian security to arrest not only Ghirmai Yosief but although through him to Seyoum Harestai and Wodedawit.
The other day, I asked Ghirmai Yosief, who is the only person still alive from among those victims mentioned above, as to why Mulugeta betrayed them all. Ghirmai could not know why but said Mulugeta was a commercial school graduate and former worker at the Dutch Wonji Sugar Factory in Ethiopia.
Memhir Seyoum Negassi, Ghirmai Yosief, and the victimizer Mulugeta Giorgis.
Mulugeta in Addis Ababa, early 1970s
In the early years of the 1970s, one issue of the Ethiopian police newspaper (ፖሊስና እርምጃው) reported that Mulugeta Giorgis and a few accomplices were facing the law for a crime/arson that could have put Addis Ababa in flames.
The persons accused for the arson, including Mulugeta, were relatives of the owner of the Bowling Centre that was located near Harambee Hotel. The owner and his relatives conspired to put fire on the Bowling Centre so that the Bowling Centre owner could claim hundreds of thousands of insurance money for the damage. That owner also asked Mulugeta and other relatives to beat him, injure him with knives and leave him near his car in the outskirts of Addis on the way to Gondar.
According the police newspaper I read, the case was to be brought to the High Court in the Lideta zone of Addis. At that time, I was working as a journalist for the Ethiopian Herald. I decided to report every detail of the case as a revenge to what Mulugeta has done to my former schoolmates and school teacher whom I brought to the meeting with Seyoum and Woldedawit. The reports on the Ethiopian Herald sometimes appeared on the front page as banner headlines. I recall Baalu Ghirma, the then editor-in-chief of the Amharic Addis Zemen and author of ‘Oromai’, assigning Yohannes Disasa, a top Addis Zemen reporter, to go with me every day and cover the Bowling Centre story. Other Addis Ababa newspapers and the Ethiopian News Agency (ENA) also joined us in reporting the arson case of Mulugeta and his accomplices.
According to the final opinion of the presiding judge of the Lideta High Court, the sentences on Mulugeta and others were aggravated by several years due to the intensive press coverage, on top of them the Ethiopian Herald, that expressed the danger to public safety that the fire at the Bowling Centre could have caused if it were not put down on time.
This is part of Mulugeta’s story that will not appear in his obituary drafted by his regime friends. This could also indicate what kind of people are STILL standing on the side of the cold-hearted regime in Asmara.
ባህግና Bahgna Media 23.02.2025: ድሕሪ ምድርባይ ፕሮፖጋንዳ ኸ ናበይ፡ ሕድሮም ዝተጠልመ ሰራሕቲ ፈንቅል
Written by Bahgna MediaMedia
ወርሓዊ ኣስተምህሮ ኣባላት ሰዲህኤን ኣኼባ ኣባላት ፖሓኤን ተሰላሲሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቐዲሙ ብጥምሮ ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ዝወጸ ስሩዕ ወርሓዊ መደብ መሰረት፡ ብ22 ለካቲት 2025 ንኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብ15 ለካቲት 2025 ዝተኻየደ ብሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ዝተመርሐ ኣኼባ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ድማ በዚ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ተሰላሲሉ።
ነቲ “ህንጸት ሃገራዊ መንግስቲ ብ‘ምዝማድ ምስ ህንጸት ሃገር፡” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ሓው ኣሰፋው በርሀ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ እዩ። ብጻይ ኣሰፋው ኣብቲ ኣስተምህሮኡ ብዛዕባ ሃገርነትን መንግስቲን ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ምትእሳራትን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ትሕዝቶ ልኡላውነት እውን ዕሙቕ ዝበለ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ሃገርን መንግስትን ዝምልከት ብኣብነታት ኣሰንዩ ምስ ኣብርሀ ከኣ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ክህሉ ብዛዕባ ዝግበኦ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ውዕልን ተሓታትነትን፡ መንግስቲ ከማልኦ ዝግበኦ ጉዳያትን ዘርዚሩ፡ እዚ ዝምድና ሚዛኑ ሓልዩ ንክቕጽል ኣብ ሕገመንግስቲ ምስፋሩ ወሳኒ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ኣብሪሁ።
ድሕሪዚ ሓፈሻዊ ክለሰ ሓሳባዊ መእተዊ ምቕራቡ ድማ፡ ምስ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ክህልው ትጽቢት ዝግበረሉ ምሕደራ ንምዝማዱ ይሕግዙ ብዛዕባ ዝበሎም ኣገደስቲ ዛዕባታት ስፍሕ ዝበለ ተንታን ኣቕሪቡ። እቶም ብፍላይ ዝተገደሰሎም ዛዕባታት “ምምሕዳር ሃገራዊ ጸጋታትዓይነት፡ ምምሕዳራትን ተደላይነት ዲሞክራሲያዊ ምሕደር፡ ዕላማታት ሃገረ መንግስቲ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ሃገረ መንግስቲ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ሃገረ ኤርትራ፡ ዜጋን ሓጋጊ ስልጣንን ከምኡ’ውን ስልጣንን ዕላማን ሃገራዊ ፓርላማን” ዝብሉ ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ ዝሰፍሩ ንኡሳ ኣገደስቲ ሓሳባት’ውን ብምጥቃስ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣቕሪቡ።
ድሕሪ መግለጺ ተሳተፍቲ ነቲ ኣቀራርባን ትሕስቶን ኣስተምህሮ ንኢዶም ሕቶታት ሓቲቶም ኣድላይ መልሲ ክወሃቦም እንከሎ፡ ኣብ መጻኢ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኻት ክቕጽል እውን ለበዋ ኣቕሪቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ15 ለካቲት 2025 ምስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝነብሩ ኣባላት ፖሓኤ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብዚ ዕለት’ውን ምስ ኣብ ኣወስትራልያን ኒውዘላንድን ዝርከቡ ኣባላት ቀጺሉ። ኣብዚ ኣኼባ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፖሓኤ፡ ካብ ህልዊ ምንቅስቓሳት ፖሓኤ ጀሚሩ ብዛዕባ ብደረጃ ሃገራዊ ዞባውን ኣህጉራውን ዝረአ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ምዕብልናታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ኣብዚ ኣኼባ’ውን ከምቲ ናይ ቅድም፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፖሓኤ፡ ብዛዕባ’ተን ዝመርሕወን ዘለዉ ትካላት ሓጸርቲ ጸብጻባት ኣቕሪቦም ኣባላት ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ክሳተፉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ ኣንፈታት ኣመልኪቶም። ተሳተፍቲ ብወገኖም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም መብርሂ ምስ ተዋሂብዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ርክባት ቀጻሊ ንክኸውን ድማ ተማሕጺኖም።