ሓው ገረዝጊሀር ተወልደ ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝመርሖ ኣኼባ ኣባላት፡ ብ15 ለካቲት 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያታን ፖሓኤ ዝወደብዎ ኣኼባ ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ፖሓኤ ክውገኑ ዝጸንሑ ምቅርራባትን ክዕመሙ ዝጸንሑ ስረሓትን፡ ፖሓኤ ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝካየዱ ዘለዉ ርክባትን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ’ቶም ብደረጃ ዞባን ኣህጉርን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ናይ ኣሰላልፋ ምቅይያራትን ገሊጹ።
ኣብዚ ብቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ዝተኻየደ ሰፊሕ ኣኼባ ሓለፍቲ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፖሓኤ ብወገኖም ብዛዕባ ክሳብ ሎሚ ዝሰርሕዎም ስረሓት ዝምልከቱ ሓጸርቲ መብርህታት ሂቦም፡ ኣባላት ፖሓኤ ናይተን ኣብያተ-ጽሕፈት መደባት ኣብ ምዕዋት ክሳተፍሉ ዝኽእሉ ኣገባታት እውን ዝርዝር ሃበሬታ ሂቦም።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኸፊል
ድሕሪ’ቲ መግለጽታት፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ንምሕያል ውሽጣዊ ዓቕሚ ፖሓኤ፡ ንመስርሕ ዘተ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደንበት ተቓውሞ፡ ከምኡ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ከባብና ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ይረኣዩ ንኤርትራዊ ፖለቲካና እውን ዝጸልዉ ምዕባለታት ዝምልከቱ ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ በብዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣብያተ- ጽሕፈት ድማ መልሲ ተዋሂብዎም።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓትን ዝተዓመ ዕማማትን ዝያዳ ንቕድሚት ንክስጉም ካብኣቶም ዝድለ ዘበለ ከበርክቱ ቅሩባት ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክባት ክቕጽል ለበዋ ብምቕራብ ኣኼባ ተዛዚሙ። ናይቲ ኣኼባ ኣዳለውቲ ከም ዝገለጽዎ ድማ እቲ መድረኽ ብምኽንያት ናይ ግዜ ኣቆጻጽራ ፍልልይ ኣብዚ ናይ 15 ለካቲት 2025 ኣኼባ ክሳተፉ ምስ ዘይከኣሉ ኣባላት ፖሓኤ ክቕጽል እዩ።
ንክልተ መዓልታት ዝጸንሐ መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ15 ለካቲት 2025 “ፍትሒ ንኣፍሪቃውያንን ብምምዝባል ዝተጐድአ ህዝቢ ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ፕረሲደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ናይቲ ሕብረት ፕረሲደንት ኮይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ መራሒ ማውሪታንያ መሓመድ ኦውዝ ማሕሙድ፡ ሓድሽ ፕረሲደንት ናይቲ ሕብረት ኮይኑ ዝተመዘዘ መራሒ ኣንጎላ ጃኦ ሌረንዞ፡ ዝርከብዎ ወከልቲ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትመደረታት ኣስሚዖም።
ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘካየዶ 2ይ ክፋል ዕጽዊ ርክቡ፡ ነቲ ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ዝመረሐ ቻዳዊ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መሓመት ፋቒ ኣፋንዩ፡ ኣብ ክንድኡ ንወዲ 60 ዓመት ጅቡታዊ መሓመድ ዓሊ የሱፍ ንዝመጽእ 4ተ ዓመታት ክመርሕ መሪጽዎ። ንኬንያዊ መወዳድርቱ ራይላ ኦዲንጋ ስዒሩ ንቀጻሊ ዝተመርጸ መሓመድ ዓሊ የሱፍ፡ ናይ ሃገሩ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ምትሕብባርን ኮይኑ ን20 ዓመታት ዘገልገለን 5 ቋንቋታት ዝመልኽን ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊጹ።
እቲ ሓድሽ ኮሚሽነር፡ ኣብቲ ዝተመርጸሉ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባቶም እቲ ኣኼባ ዝተመያየጠሎም፡ ናይ ኣፍሪቃ ጸጥታን ሰላምን፡ ትካላዊ ምምዕርራይን ናይ ሃገራት ቁጠባዊ ምትእስሳርን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትይ። ከምኡ እውን ነቲ “ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ 2030 ድምጺ ብረት ምቑራጽ” ዝብል ራኢ ናይቲ ሕብረት ከተግብር ክጽዕር ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ምርግጋጹ ተጢቒሱ። ኣንበሳደር ኣልጀርያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢልማ ማሊካ ሃዳዲ ድማ ምክልት ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ኮይኑ ተመሪጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣባል ኮሚተ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይና ክትምረጽ እንከላ፡ መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዘይተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኮይኖም፡ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ፈጻሚ ጉዳይ ግብጺ ድማ ብቐዳማይ ሚኒስተራ ተወኪለን።
መበል 38 ዓመታዊ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጉር ብፍላይ ኣብ ረፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ቅልውላው ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣዝዩ ኣብ ዘሰክፈሉ፡ ብሓፈሻ ከኣ ብሰንኪ ኣሜሪካ ብዓለም ለኻዊ ትካል ረዲአት ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ኣብ ዝተቛረጸሉ ኣሻቓሊ ግዜ እዩ ተኻይዱ።
ካብቶም ክሕደሱ ሃንቀው ዝብሉ ዘለዉ ህንጻታት ምጽዋዕ ሓደ
ቅድሚ 35 ዓመታት ኣብ ምጽዋዕ፡ ብስርሒት ፈንቅል ዝፍለጥ፡ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ሓደ ካብ መቐይሮታት ዝነበረ ውግእ ከም ዝተኻየደ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ስርሒት፡ ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምጽዋዕ ከም ዘኸተመ ዘረጋገጸ ምንባሩ ይዝከር። መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ብኣካል ድሕሪ ምፍንቃሉ ንሱ ዝገደፎ ወጽዓን ድሕረትን እውን መሊኡ ንክፍንቀል ናይቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሕድሪ ከም ዝነበረ ዘማትእ ኣይኮነን። ስዉኣት ኤርትራ ኩሉ ውጽዓኣ ተፈንቂሉ ምስተደርበየ ኣብ ክንድኡ ራህዋ፡ ሃገሮም ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ንክትከውን ናብ ብጾቶም “ሕድርኹም” እናበሉ ዝሓለፉ እዮም። “እሞ መብጸዓኦም ተኺቡሩዶ ኣይፋሉን? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድማ ብሓፈሻ ንመላእ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነታ ሕድሪ ፈንቀልቲ ስዉኣት ዝተቓለሓላ ከተማ ምጽዋዕ ተዓዚብካ እቲ መልሲ ባዕሉ ስለ ዝዛረብ ሓደ-ክልተ ኢልካ ምጽብጻብ ዘድሊ ኣይኮነን።
እቲ ንመጻኢት ኤርትራ ሰናይ ዝተመነየ ሕድሪ፡ ናይቶም ኣብ ምጽዋዕ ዝተሰውኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም እቶም ምስ ኩለን ውድባት ተሰሊፎም፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልስን ዓውዲ ውግኣትን ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዩ። እቶም ዝተጠለሙ እውን ኩላቶም እቶም ሰብ ተመሳሳሊ ሕድሪ እምበር ናይ ፈንቅል ስዉኣት ጥራይ ኣይኮኑን። ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ስዉኣት ዝፍጽሞ ጥልመት ንምሽፋን ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ካብቲ መህደሚታቱ ሓደ ከኣ ዕለትን ዓመትን ብምጽብጻብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ካለኦት ኣደባባያትን ንብዓት ሓርገጽ እናንባዕካ ዝግበር ዳንኬራን መጠበሪ ተዋስኦታትን ዘይተፈልዮ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ምስቁንቋን እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ንመበል 35 ዓመት እቲ ዝኽሪ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክርእአ እንከሎ፡ ብዝዛሕተለ ስምዒትን ውሑዳት ተሳተፍትን ተዘኪሩ። እዚ ዝኽሪ ኣብታ ድሕሪ ነጻነት ቁስላ ሓውዩ ናብ ንቡር ክትምለስ ተጸብያ ዘይሰመረላ ወደባዊት ከተማ እዩ ነይሩ። ከተማ ምጽዋዕ ሎሚ ካብቲ ብስንክቲ ውግእ ፈሪሳ መልክዓ ዝተደወነቶ ኣብ ዝገደደ ደንደስ ምፍራስ ከም እትርከብ ዝረአ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ብዙሕ ምዝራብ ዘድሊ ኣይኮነን።
ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዛ ክፈርሕ እንከሎ ዝሕበኣላ፡ ክርህዎ እንከሎ ከኣ ዝሕንብሰላ ወደባዊት ከተማ ኮይኑ ብዛዕባ ፍሉይነት ናይቲ ውግእ ክምድር እንከሎ ብኣኣ ከኣ ይሕጭጭ። ወትሩ ኣብ መድረኻት ነታ ብሰንኩ ህላወኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ዘሎ “ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ፡ ሎሚ ግና ኣበይ ኣላ?” እናበለ ክሳብ ክንደይ ሓላፍነታዊ ዘይምዃኑ የርኢ።
ትርጉም መስዋእቲ ኣብ ምጽዋዕ ነቲ ኣብኡ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት መግዛእቲ ብኣካል ፈንቂልካ ምጽራግ ጥራይ ኣይነበረን። ዝያዳ ትርጉሙን ተልእኮኡን ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ጭቆናን ድሕረትን ሓግሒድካ ምጉሓፍ እዩ ነይሩ። መልእኽትን ሕድርን ናይቶም ስዉኣት ከኣ እቲ ምፍንቃል ምሉእ ኮይኑ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ዝተኣማምን ራህዋ፡ ሓርነትን ህዝባዊ ልዕልናን ዘውሓሰት ክትከውን እዩ ነይሩ። እንተኾነ ሎሚ እውን መልክዑን ኣተገባብራኡን ደኣ ቀይሩን ረቒቑን እምበር፡ እቲ ክፍንቀል ዝነበሮ ተግባራት መግዛእቲ ኣብታ ብጀጋኑ ደቃ ነጻ ዝኾነት ኤርትራ እውን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዝርከብ። እቲ ከም መግለጺ ምኽባር ሕድሪ ስዉኣት ብሓይልታት ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ከኣ መስርሕ ፍትሓዊ ምፍንቃል ጭቆና ቀጻሊ ምህላዉ ዘርኢ እዩ።
ሎሚ ብዙሓት ደቂ እቶም ኣብ ስርሒት ፈንቅልን ካለኦት ናይ ጅግንነት ዓውድን ዝተሰውኡ ኣስማቶም እናተረቑሐ፡ ኣብ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ግዳይ ዝተፈላለዩ ጸገማት ይኾኑ ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ ይንገር ኣሎ። ኤርትራ ብናይ ብዙሓት መስዋእቲ ተጋሂዳ፡ መላእ ህዝባ ዝጭቆነላ ዘሎ ሃገር እያ። ናይ ኩሎም’ቶም ስዉኣት ናይ “ሕድረይ ከይጥለም ሓደራ” መልእኽቲ ትርጉም ተመሳሳሊ ነይሩ። ስዉኣት ድሕሪ ነጻነት ጀግንነቶም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክሰፍር እምበር፡ እቲ ዝተሰውእሉ ዕላማ ተረሲዑ ብዛዕባኦም ኣብ መድረኻት፡ መዓልቲ ናጽነት፡ ዕለተ ሰማእታት ስርሒት ፈንቀልን ዝኣመሰሉን ኣጋጣምታት እናተዘመረን እናተገጥመን ንብዓት ጥልመት ክበዓሎም ኣይነበረን።
ምጽዋዕ ብዕንወታ እናነበዐት ዓመት ዓመት እትሰምዖ ብስም ፈንቅል መደረን ግጥምን፡ ለበዋ ስዉኣት ዘረስዕ መደንዘዝን መዳህለልን እዩ። ህግደፍ ኣብቲ ኣጋጣምታት “ብሳላ መስዋእትኹም ከምዚ ዝኣመሰለ ንኤርትራን ህዝባን ዝጠቅም ሃኒጽናን ትካላዊ ምምሕዳር ዘርጊሕናን” ክብል ኣይስመዓን እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይ ውግእን ህውከትን መደረን ጭረሖታትን ንክቃላሕ’ዩ ዝእዝዝ። ያኢ ከም ሕድሪ ስዉኣት ምሕላው ተወሲዱስ፡ ዝተሰዋእኩምሉ መዛግብ (ድፋዓት) ነሕድሶ ኣለና ክብል እውን ይስማዕ።
ህዝቢ ኤርትራኸ “ክሳብ መዓስ እዩ እቲ ረዚን ሕድሪ ደቁ ተጠሊሙ፡ እቲ ጉዕዞ ብኣንጻሩ ኮይኑ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ኣብ ዘይሓይሽ ህይወት እናነበረ ምጽማም ክመርጽ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ እዩ። ስለዚ “ደቅናኮ ነዓና ንዘይትኸውን ኤርትራ ኣይኮኑን ተሰዊኦም፡ ስለዚ ስለምንታይ እዩ ናይ መስዋእቶም ጻማ ዝሕረመና?” ኢሉ ካብ ምሕታት ተዓዚሙ ክነብር ንቡር ኣይኮነን።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣት ደቁን ብዘለዎ ንዕቀት ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነቲ ዝቐደመ መስዋእቲ ትርጉም ኣስኢኑስ፡ ብዘይጣዕሳን ስኽፍታን ካልእ ውግኣትን ዕንወትን ክዕድም ተራእዩ እዩ። ሎሚ’ውን ካብኡ ኣይወጸን። ኣብዚ እውን፡ “ካብ ዝሓለፈ ኣይረባሕናን እሞ ደጊምስ ይኣኽለና ደኣ” ዝብል ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምስምዑ፡ “እዚኸ ምስ ምንታይ ይቑጸር?” ዘየብል ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ውሕጅሲ እናስሓቑ ይወስድ” ዝብል ምስላ ኣበው ዘንጊዑ፡ ብግጉይ ስብከት ህግደፍ ተሰሊቡ ብስቕታ እንተቐጺሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ደቁ ተኸቢሩ፡ ኣብ ነጻ ኤርትራ ብሓርነት ምንባሩ ተረፉ፡ እታ ኣዝዩ ክቡር ዝዋጋኣ ነጻነቱ እውን ኣብ ምልክት ሕቶ ከይትኣቱ ዘየሻቕል ኣይኮነን።
ባህግና Bahgna Media 16.02.2025: እቲ እንብሎ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ’ዩ፡ ጋዘጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ
Written by Bahgna MediaMedia
ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝነበረ ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ቀትሪ ምድሪ ብመጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ ድሃዩ ካብ ዘጥፍእ ሎሚ ዕለት14 ለካቲት 2025፡ 13 ዓመቱ ኮይኑ። እዛ ዕለት እዚኣ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ሕሰምን መከራን ዕለታት ኮይና፡ ከምተን ካለኦት ብጾት ዝጠፍኡለን ዕለታት እንዝክራ እያ። ከምዛ ንዕኡ ዘጋጠመቶ ሓደጋ መጭወይቲ ዘጋጠሞም፡ ናይ ቃልሲ ብጾትና፡ ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገ/ጻድቕን እውን ኣይንርሰዖምን ኢና። እዞም ሓርበኛታት እውን ካብ ሱዳን ከተማ ከሰላ ካብ ዝጭወዩ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት 33 ዓመት ክመልኦም እዩ። እነሆ ከኣ ዕድመ ማእሰርቶም ንዕድመ ማእሰርቲ ናይቲ ናይ መሰል ተቓላሲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኔልሰን ማንደላ ኣዕርዩ ሓሊፍዎ።
ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ጣዕሚ ንእስነት ከየስተማቐሩ፣ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽውፈዩ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ ሓርበኛታት ኢዩ። ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ፡ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝብህጉን ምእንታኡ ኩሉ ዝካኣሎም ካብ ዘበርከቱን ኤርትራውያን ሓርበኛታት ሓደ ኢዩ። ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ በጽሐ’ዩ ሰራዊት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ከይተወገደ ሰላምን ቅሳነትን ክርከብ ከምዘይካኣል ተገንዚቡ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ። ወተሃደራዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ስሳታት ዝነበሮ ጸገማትን ሕልኽልኻትን ተጻዊሩ መባእታዊ ሕክምናዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ኣብ 1970 ኣብ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ ኮይኑ ተመዲቡ።
ኣብ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ ብዛዕባቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ካብ ተሓኤ ዝተፈንጨለ ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ብመንጽር ሃገራዊ ስምረት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን መዚኑ ብዛዕባኡ እዚ ዝስዕብ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።
ሀ. ንኢሳያስን ብጾቱን ነዚ ናብ ሃገራዊ ስምረት ዝመርሕ መደብ ዕዮን ውሳኔታትን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ተቐቢሎም ክምለሱ ይጽውዕ።
ለ. መሪሕነት ተሓኤ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ገድልን ምእንቲ ክሕሎ፡ ከምኡ ድማ እቲ ጸገም ንኽፍታሕን ካብቲ ዝነበሮ ከይገድድን ዘድሊ ስጉምትታት ትወስድ፡ ብዝብል ዝወሰኖ ውሳነታት መስረት፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብ ኣባላት ናይታ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1972 ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ንኽትራኸብ ብመሪሕነት ተሓኤ ዝቆመት ሽማግለ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ግን ብሰንኪቲ «ንሕናን ዕላማናን» ዝብል ኢሳያስ ዘበገሶ ጸቢብን ዘይግሉጽን መደባት ካብ ምብትታን ኣይዳሓነን። እቲ ዝገደደ ምብትታንን ብርሰትን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና በጺሑ እነሆ። መሪሕነት ተሐኤ ምስቲ ዝነበሮ ጉድለታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ንምርግጋጽን ኣብዚ ሕጂ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ኲነታት ንኸይትወድቕ፡ ከቢድ ጻዕርታት ገይራ እያ። ኢሰያስ ታሪኻዊ ምስክርነት ቃልሲ ህዝቢ ንምቕባርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ከምእኒ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ንጹሃት፡ ብዘይካ ንፍትሕን ሓርነትን ህዝቢ ካልእ ንዘይባሃጉ ተጋደልቲ ጨውዩ ከጥፍእ እዩ መርሆኡ።
ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፣ ክሳብ 1976 ቅድም መራሒ ሓይሊ ደሓር ከኣ ኮምሽነር ሓይሊ ኮይኑ ተቓሊሱ። ድሕርዚ ኣብቲ ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ዝካየድ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ኣብ ሶርያ ደማስቆ ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ብደረጃ መዓርግ ትሊንቲ (ሓለቓ 100) ተመሪቑ ናብ ሜዳ ተመሊሱ ብዝዓበየ ዓቕሙ ቃልሱ ቀጺሉ። ብዙሕ ከይጸነሐ ከኣ፡ ኣብታ ኣብ ከበሳ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳብ 1978 መራሒ ሓይሊ ነይሩ። ቀጺሉውን ክሳብ 1980 : ኣብ ትሕቲ መራሕ ብሪገድ 61 ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ቀዳመይቲ በጠሎኒ መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።
ድሕሪ ውግእ ሕድሕድ፣ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዶባት ሱዳን ምእታዉ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ናይ ቃልሲ ፍናኑ ከየውደቐን ተስፋ ከይቆረጸን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምሕዳስን ንምቕጻልን ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብሚያዝያ 1982 ኣባል ናይታ ሰራዊት ንምምራሕ ዝቆመት ግዚያዊት ሽማግለ ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብ መወዳእታ 1982 ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ሸነኽ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዝተገብረ ሓድነታዊ ስምምዕ መሰረት፡ ኣባል ናይታ ብኣርባዕተ ተጋደልቲ ዝቆመት ወተሃደራዊ ሽማግለ ኰይኑ ንዝሰመረ ሰራዊት መሪሑ። ይኹን እምበር መሪሕነት ህሓሓኤ፡ ነቲ ስምምዕ ብትሕዝትኡን መንፈሱን ክፍሑቊን ከፍርስን ምስ ዝጀመረ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተኣሲሩ።
ህሓሓኤ ኣብ መፋርቕ 1984 ሓደ ውድብ ኮይኑ ክቕጽል ስለዘይካኣለ ድማ፣ ክንፊ ዑስማን ሳልሕ ሳበን ኣሕመድ ጃስርን ተባሂሉ ኣብ ዝተፋናጨለሉ፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝርከቦም ልዕሊ 73 ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ብፖለቲካዊ ርእይትኦም ጥራይ፣ በብእዋኑ ተኣሲሮም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብወታሃደራዊ ክንፊ ጉጅለ ጃስር ካብ ዝተሓተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ብማእሰርቲ ተሳቐዩ።
ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣይሓለፈሉን። ሓይሊ ጃስር ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1988 ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተጠቕዐ፡ መደበራትን ቤት ማእሰርትን ጉጅለ ጃስር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህግሓኤ ስለዝኣተወን፡ ካብቲ ማእሰርቲ ናይ ምምላጥ ዕድል ስለዘይተረኽበ እንደገና ኣብ ቀይዲ ህዝባዊ ግንባር ኣተወ። ካብ ጸልማት ናብ ዝኸፍኤ ጸልማት ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክሳብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ ተኣሲሩ።
እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎን ሕሰምን ኣደራዕን ኣብ ምንቲ ምንታይ ኮን ይኸውን ? ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ፡ ኣብ መንጎ ፈራሓት መለኽትን ኣብ መንጎ ተባዓት ህዝባዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ ዝብጀዉ ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ እተዘይኮይኑ፡ ካልእ ብውልቁ ዝሓተቶ ጠቕሚ ኮነ ዝፈጸሞ ገበን የለን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምርጫኡ ንኽወስድ ብህግሓኤ ንዝተዋቦ ዕድል ተጠቂሙ ምስ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ናብ ሱዳን ተመሊሱ ኣብታ ዋሕስ ህዝብና ክትከውን ዝተጸበያ ውድብ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ተመሊሱ፡ ኣንጻር ምልኪ ቃልሱ ቀጺሉ። ገለ ካብቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ማእሰርትን ናብ ሱዳን ናይ ምእታው ዕድል ረኺቦም ናብ ውድቦም ተጸንቢሮም ቃልሶም ዝቐጸሉ ተጋደልቲ ኣሰፋው በርሀ፡ ብርሃነ ተስፋጋብርን፡ ዑስማን መሓመድን ዝርከብዎም ነይሮም። ከምኡ ውን ሓው ተስፋይ ርእሶምን ካልኦት ድሕሪ ነጻነት ካብ ኣስመራ ናብ ሱዳን ናይ ምእታውን ዕድል ካብዝረኸቡ ኣብ ውድቦም ብምጽንባር ቃልሶም ዝቐጸሉ ብጾት እዮም።
ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብዘጋጠሞ ማእሰርትን ስቅያትን ኣይተዳህለን ኣይሰኮነን ዝያዳኳ ዳኣ መሊሱ ሓሪኑ ካብ ናይ 1995 ራብዓይ ጉባኤ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ 2010 ዝነበረ እዋን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤታት ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተመሪጹ፡ ብደረጃ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ጽሕፈት ተመዚዙ ተቓሊሱ። ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይን መስመርን ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምራጹ እውን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ኣብ ቃልሲ እንከሎ ብዕለት 14 ለካቲት 2012 ብጸጥታዊ መሓውር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ከተማ ከሰላ ምስ ተጨውዩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ኣብ ዘይርከበሉ፡ ድምጹ ኣብዘይስማዓሉ ኣብ ጎዳጉዲ ምልኪ ተሰዊሩ ዘሎ።
መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን እዩ። በዂሪ ወዱ ናስር ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህሓሓኤ ምስ ኣተወ ስለ ዝተወልደ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኣብኡ ከይሓቆፎ ዓብዩ። ዋላኳ ንይምሰል እንተነበረ፡ ጉጅለ ጃስር ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣብ ዝገበሮ በዓል 1986 ወይዘሮ ሓሊማ በዓልቲ ቤቱ ናብቲ በዓል ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ በረኻ ንሓጺር ግዜ ምስ ስድርኡ ክራኸብን ዓይኒ ንዓይኒ ክራኣኣዩን ዕድል ረኪቡ ከም ዝነበረ ይዝከር። ማጂድ ወዲ 19 ዓመት ምስበጽሐ፡ ኣብታ ኣቦ ዝደልየላ ናይ ንእስነቱ እዋን፡ ኣቡኡ ወፊሩ ክምለስ እንዳተጸበየ፣ ስለ ዘይተመልሰ ዘኽቲሙ ዓብዩ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ምልኪ ህግደፍ ዘይዘኽተመትን ዘይተበታተነትን ስድራ ከምዘየላ ኩልና ንፈልጦ ካብ ኮነ፡ እታ ብደምን መስዋእትን ህዝባ ናጽነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወትሉ እዋን ንርከብ ካብ ሃለና፡ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና፡ ልኡላውነት ሃገርና ንምዕቃብና መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ቃልሲ ይጽበየና ከምዘሎ ተገንዚብና ክንልዓል ይግባእ።
ንቅዋማዊ ምሕደራን፡ ዲሞክራሲያዊ ምዕባለን ንቃለስ
التوق للإنتاج الإعلامي 14.02.2025
Written by التوق للإنتاج الإعلاميመገሻ 7 ኣምበሳድራት ናብ መቐል፡ ስምዕታ ትካል መግቢ ዓለም፡
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤምስቶም ኣምበሳድራት፡ ካብ ዝተገብረ ርክባት
ኣምበሳድራት 7 ሃገራት ብ11 ለካቲት 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ክገሹ እንከለዉ፡ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ስምዕታ ከም ዘቕረበ ካብ ከተማ መቐለ ተሓቢሩ። ነቶም ኣምበሳድራት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዴንማርክ፡ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳን ሕብረት ኤውሮጳን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተቐቢልዎም። እቶም ኣምበሳድራት ኣብ መቐለ ምስ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ኣካል ግዝያዊ ምሕዳር ትግራይን ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሑ ኣባላት መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን በበይኖም ተዘራሪቦም።
ኣብቲ ምስ ክልቲኦም ወገናት ዘካየድዎ ርክባት ዘልዓልዎም ዛዕባታት ተመሳሰልቲ ኮይኖም፡ ብሓፈሻ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ምምላስ ብሰንክቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ስድራቤታት ናብ መረበቶም ዝምልከት ዘተኮርሉ ነይሩ። ብዘካዚ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ዘሰክፍ ወጥሪ ከም ዝተዘራረቡ እውን እቲ ካብ መቐለ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።
እቲ ቀንዲ እቶም ኣምበሳድራት ብከምዚ ዝኣመሰለ ክብደት ናብ ትግራይ ንክገሹ ዘገደዶም፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ፖለቲከኛታት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ምስሕሓብ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ገሊጾም። እቶም ኣምበሳድራት ካብ መቐለ ምስተመለሱ ምስ ሰብመዚ ፈድራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረቡ ትጽቢት ኣሎ።
እቶም ኣምበሳድራት ኣብ ርእሲቲ ምስ መራሕቲ ዘካየድዎ ርክባት፡ ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያዊ መዕቆብታት ኣደዳ ጥሜት፡ ስእነት መጽለልን ሕማምን ኮይኖም ዘለዉ በጺሖም ጸገማቶም ከም ዝተዓዘቡ’ውን ተፈሊጡ።
እዚ ከምዝሉ እንከሎ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ተመዛቢሎም ኣብ ከባቢ ሽረ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ካብ ዘለዉ ተጸበይቲ ረዲአት፡ “መጸንበሊ መበል 50 ዓመት ምምስራት ህወሓት” ብዝብል ነፍሲ ወገፍ ተመዛባሊ ስድራቤት 200 ብር ክኸፍል ወሲኑ ብግብሪ ምንቅስቓሱ ግጉይ ምዃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እቲ ትካል መልእኽቱ ዝመሓላለፈ ብመንገዲ ናይቲ ክልል ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ረዲአትን ኣቢሉ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።
ኤርትራ ዝለዓለ ምልሽውና ምስ ዝሳዕረረለን ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኤርትራ ኣብ 180 ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ንብልሽውና (corruption) ዝምልከት መጽናዕቲ 2024፡ ካብ ሚእቲ 13 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ፡ ኣብ መበል 173 ከም ዝተሰርዐት ዓለም ለኻዊ ግሉጽነት (transparency international) ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። ምስ ኤርትራ ማዕረ 13% ብምርካብ ድሕሪት ዝተሳዕራ ሃገራት፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ሊብያን የመንን ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኤርትራ እትርከበን ዝያዳ ዝገደዳ ተባሂለን ዝተመዝገባ ከኣ፡ ሲርያ፡ ቬንዝዋላ፡ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ምዃነን ኣብቲ መጽናዕቲ ተመዝጊቡ።
ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ እውን፡ ካብ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ጥራይ ዝሓሸት ተባሂላ፡ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ። እዚ መጽናዕቲ ነቲ “ኣብ ኤርትራ ብልሽውና የለን” እንዳተባህለ ዝቐርብ ግጉይ ምጽብባቕ ዘቃልዕ እዩ።
እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ኣብዚ ናይ 2024 ዳህሳሱ ካብተን ንመጽናዕቲ ዝተመርኮሰለን 180 ሃገራት ክልተ ሲሶ ዝኾና ትሕቲ 50 % ከም ዝረኸባ ጠቒሱ። ንውድቐት እተን ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ዲሞክራሲ ምድኻም ምዃኑ ጠቒሱ፡ ካለኦት ከም ናይ ክሊማ ምቅይያር ዝኣመሰሉ ረቛሕታት ከም ዝርከብዎ’ውን ኣስፊሩ።
ኣተሓሒዙ ድማ ብልሽውና ኣብ ርእሲቲ ንዕቤት ሃገርን ህዝብን ንድሕሪት ዝመስል ምዃኑ፡ ብኩራት ዲሞክራሲ፡ ምርግጋእን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝኸትል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሃገራት ኣንጻርዚ ሓደገኛ ተርእዮ ብልሽውና ምቅላስ ቀዳምነት ሂበን ክሰርሓሉ ከም ዝግባአን ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ብልሽውና ከም መቐየሪ ፖሊስን ምድኻም ምቁጽጻርን ምሕላው ሚዛንን ይኸውን ከም ዘሎ እውን ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ።
ኣብዚ እዋንዚ 6.8 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓልለም፡ ኣብተን ብናይ ብልሽውና መለክዒ ካብ 50% ንታሕቲ ዝረኸባ ሃገራት ከም ዝነብር ብምጥቃስ፡ ደንማርክ 90%፡ ፊንላንድ 88%፡ ሲንጋፖር ከኣ 84% ብምርካብ ከም ቀዳሞት ዳርጋ ብልሽውና ዘይረኣየለን ሃገራት ሰሪዕወን። ብኣንጻሩ ድማ፡ ደቡብ ሱዳን 8%፡ ሶማሊያ 9%፡ ሲርያ 12%፡ ሊቢያ፡ ኤርትራ፡ የመንን ኢኳቶርያል ጊኒን ከኣ ነፍሲ ወከፈን 13% ብምርካብ ኣብ መወዳእታ ሰሪዕወን።
ካብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ደሓን ምምሕያሻት የርእያ ኣለዋ ተባሂለን ዝተጠቕሳ ከኣ፡ ኮትዲቭዋር፡ ደሞኒካ ረፖብሊክ፡ ኮሶቮ፡ ኩዌት፡ ሞልደቪያን ዛምቢያን ተጠቒሰን። ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን ሱዳንን ድማ ብቕደም ሰዓብ ኣብ መበል 99፡ 127ን 170ን ተሰሪዐን ይርከባ።
More...
ኣብ ዞባና፡ ፖሊሲ “ጸላኢ ጸላእየይ፡ ፈታውየይ” ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። እዚ ብሰፊሑ ናይቲ እትጸልኦ ምምሕዳር ተቓወምቲ ኣብ ሃገርካ ኣዕቊብካን ኣዕጢቕካን ከም መፈራርሒ ብምውፋር ኣብ መንጎ መንግስታት ክረአ ዝጸንሐ ክብ ለጠቕ ዝብል ቁርቁስ እዩ። ኣብ ኣተገባብራ’ዚ ፖሊሲ መንግስታት ዞባና ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ነናተን ተመኩሮታት ኣለወን።
ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ድሕሪ ነጻነት ዓመታት፡ ኣብ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ጉዳይ ኢድ ብምእታው፡ ናይ ዝተጻልአን መንግስታት ተቓወምቲ ብምሕጋዝን ምዕጣቕን ሰፊሕ ኢድ ዝጸንሖን ዘለዎን እዩ። በብግዜኡ ናይ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን የመንን ተቓወምቲ፡ ከስንቕን ከዕጥቕን ዝጸንሐ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብዚ መዳይዚ ካብ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ጀሚሩ ክሳብ ምምሕዳር ብልጽግና፡ ጸላእተይ ናይ ዝብሎም መንግስታት ተቓወምቲ ብምዕቋብ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። ተቓወምቲ ሶማሊያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን የመንን ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም፡ ካብ ምምሕዳር ኢህወደግ ንደሓር ከኣ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሳ ጸኒሀን እየን። ሱዳንን ሶማሊያን ብወገነን ብተመሳሳሊ ናይ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ምናልባት እውን ናይ ካለኦት ሃገራት ተቓወምቲ ከጽልላ ከም ዝጸንሓ ፍሉጥ እዩ።
ሃገራት ንተቓወምቲ ተቐናቐንተን መንግስታት ዝህበኦ ዕቑባ ከከም ኩነታቱ፡ ንሓንሳብ ብግሁድ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር የካይደኦ። ካብ ናይ ጣልቃ ኣእታውነት ክስን ውግዘትን ንምህዳም፡ እዚ ጉዳይ ክለዓል እንከሎ፡ “ኣሉ ቀጣን” ምባል ከኣ ልሙድ እዩ። መንግስታት ተቓወምቲ ዘዕቁባሉ ምኽንያታት ዝተፈላለየ እዩ። ነተን ተቓወምቲ ኣዕዊትካ ኣብ ሃገረን ስልጣን ከም ዝሕዛ ጌርካ ኣብቲ ዝምስርትኦ ሓድሽ መንግስቲ ብማዕዶ ናይ “ገባርን ሓዳግን” ግደ ከም ዝህልወካ ክትገብር ምፍታን ሓደ ካብቲ ምኽንያታት እዩ። ገለ መንግስታት ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተጻላእከዮ መንግስቲ ከም መፈራርሕን መፍጠሪ ተጽዕኖን ንምጥቃም’ውን ይረአ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ፍልልያተን ብዘተ ክፈትሓ ክሕተታ እንከለዋ፡ ነተን ዘዕቆበአን ተቓወምቲ ከም መፍጠሪ ተጽዕኖን መንበርከኽን ምጥቃም ልሙድ ተመኩሮ እዩ። እንተኾነ ካልእ ሕሳብን ሕቡእ ኣጀንዳን ብዘየብሉ ካብ ፍትሓውነትን ህዝባውነትን ናይቶም ዝቃወሙ ኣካላት ነቒልካ ዝግበር ፍትሓዊ ደግፍን ዑቕባን ፈጺሙ የለን ማለት ኣይኮነን።
ተቓወምቲ ውድባት ካብ ሃገረን ወጻኢ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብቲ ክንቀሳቐሳ ዝግደዳሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ሃገረን ተወዲበን ኣተሓሳስበአን ዘንጸባርቓሉን ህዝበን ዘለዓዒለን ዝውድባሉን ነጻ ባይታ ክስእና እንከላዋ እየን። እዚ ኣብ ኤርትራ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ ዝምስክሮ እዩ። ምኽንያቱ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ጐረባብትን መላእ ኩርነዓት ዓለምን ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን መሰረታዊ መሰላትን ክንቀሳቐሳ ተገዲደን ዝጸንሓን ዘለዋን ኣብ ሃገረን ምስ ህዝበን ዝንቀሳቐሳሉ፡ ካብ ናይ ህግደፍ በሓቲ ኣተሓሳስባ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዝጸውር ባይታ ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈልየ ሓሳብ ከንጸባርቑ ዝፈተኑ ዜጋታት ዝውሰድ ጭካነ ቀጻሊ ምዃኑ እዩ።
ተቓወምቲ ዘዕቁባ ሃገራት ኣተሓሕዘአንን ሓገዝ ዝገብራሉ ኣገባብን ዝተፈላለየ እዩ። ገሊአን ናይተን ዘዕቁበአን ውድባት መጻኢ ናይ ምውሳን ነጻነት ዘኽብራ ክኾና እንከለዋ፡ ገሊአን ብኣንጻሩ ደረቱ ዝሓለፈ ኢድ ኣእታውነት የርእያ። ክሳብ ተቓወምቲ ድሕሪ ዓወተን ናይ ዝምስርተኦ መንግስታት መጻኢ መደባት ክትልማን መራሕቲ ተቓወምቲ ክመርጻን ክቕይራን ይደናደና። ክብሪ ሃገሮምን ረብሓ ህዝቦን መእከል ንዝገብሩ መራሕቲ ተቓውሞ ክሳብ ምእሳርን ካብ ሃገር ምስጓጉን እውን ይበጽሓ። ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ብዛዕባ ምስ ህግደፍ ዘሕለፍዎ ኣተሃላልዋ ከዘንትዉ እንከለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ይእሰሩ፡ ይፍትሑን ዘይኣመንሉ ተግባራት ክፍጽሙን ይግደዱን ከም ዝነበሩ ዝገልጹ ብዙሓት እዮም። ፍቓድ ህግደፍ ዝመልኡ ዝነበሩ ግና ኣብ ዓመት ክሳብ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ይወሃቦም ከም ዝነበረ እዮም ዘዘንትዉ።
ተቓወምቲ ውድባት ብወገነን፡ ካብ ተጽዕኖን ኢድ ኣእታውነትን ናይቲ ዘዕቁበን መንግስቲ ነጻ ክኾና፡ ድሕሪ ዓወተን ናይ ዝምስርትኦ ስርዓት መዕቀኒ ከኣ ናይ ህዝበን ድሌትን ኣብ ሃገረን ዘሎ ኩነታት እምበር፡ ናይ ዘዕቆበአን ሃገራት ድሌት መፈጸሚ ከይከውን ይቃለሳ። ኣብዚ በቲ ሓደ ወገን ዑቕባን ሓገዝን እናሓተትካ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነጻነት ውድብካን ውሳነታቱን ከም ዝዕቀበልካ ክትገብር ዝካየድ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ በዳሂ ምዃኑ፡ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝሓሸ መስካሪ የለን።
እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ተቓወምቲ ብምሕጋዝን ዕቑባ ብምሃብን ዝተሃላልኹ መንግስታት፡ ንሓዋሩ ኣብ ጽልኢ ክነብሩ ስለ ዘይክእሉ፡ እንተ ብናታቶም ተበግሶ ወይ ብናይ መተዓረቕቲ ተጽዕኖ፡ ናብ መኣዲ ዘተ ይኣትዉ እዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ ወጥሪ ዝኣትዋ እተን ኣብ ዘይሃገረን ክንቀሳቐሳ ዝጸንሓ ተቓወምቲ እየን። ገለ ሃገራት ኣብቲ ዝግበር ዘተን ዕርቅን ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ናይተን ሓላፍነት ወሲደን መብጸዓ ክኣትዉለን ዝጸንሕ ተቓወምቲ መጻኢ ዕድል ኣብ ግምት የእትዋ እየን። ገሊኦም ግና በምቲ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታውን ጸላእን የለን” ዝብል ፖሊሲ ተሻቢቦም ጉዳዮም ጥራይ ዝገብርሉ ኣሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ሓደጋ ከም ዘጋጥም’እውን ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ዘጋጠመ ተመኩሮ ብምጥቃስ ይከኣል።
ኣብ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን “ዝምድናና ኣሕዲስና” ምስበሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ፡ ዳሕረዋይ ውጽኢቱ’ኳ ከምቲ ትጽቢት ዝተገረሉ እንተዘይኮነ፡ ጉዳዮም ኣብ ግምት ኣትዩ እዩ። ብግብሪ ከኣ ውድባት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ፡ ጉንበት 7ን ዲምሒትን ብስምምዕ ናብ ሃገረን ክኣትዉ እንከለዋ፡ ኣብ ኣደባባያት መንግስታዊ ኣቀባብላ’ውን ተገይሩለን። ኣብ መንግስቲ ብልጽግና ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተር ዝተመዘዙ መራሕቲ ተቓወምቲ ነበር’ውን ኣለዉ። ብኣንጻሩ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ ህግደፍ’ኳ ካብ ቀደሙ ኣፍልጦ ክህበን ትብዓት እንተዘይነበሮ፡ ብልጽግና ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ሓላፍነት ወሲዱ ኣጀንዳ ክገብሮም ብቕዓት ሰለ ዘይነበሮ ግዳይ ከም ዝኾና ናይ ቀረባ ግዜ ኣሉታዊ ተዘክሮ እዩ።
ስለዚ ጠንቂ ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ክትቃለስ ምግዳድ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ፍልልይ ኣተሓሳስባ ዝጸውር መቃለሲ ባይታ ዘይምህላዉ እዩ እሞ፡ “ነቲ ኣብ ሃገርና በዂሩ ዘሎ ሰፊሕ መቃለሲ ባይታ ንምፍጣር ክንቃለስ እምበር ካልእ መዋጽኦ ከምዘየብልና ንረዳእ” ዝብል መጸዋዕታና እዩ።
ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ኮሚሽን ሱዳን፡ ኣብ ኣወሃህባ ፓስፖርት መለለይ መንነትን ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ሕጋዊ ምትዕርራይ ክግበረሉ ከም ዝጸወዐ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢራ። ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተን ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቢ መምርሒ ድሕሪ ሕጂ ዝኾነ ሱዳናዊ ዜጋ ዝሓተቶ ፓስፖርትን መለለይ መንነት ንከይክልከሎ ንሓለፍቲ ክፍሊ ፓስፖርትን ኢሚግረሽንን ናይታ ሃገር መምርሒ ከም ዝሃበ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚሽን ፖሊስ ሱዳን፡ እቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ግና ዝለዓለ ምቁጽጻር ከም ዝግበረሉ ኣፍሊጡ። እቲ ሓላፊ ፖሊስ ኣተሓሒዙ ነቲ እገዳ ብ2020 ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ካብ ሃገር ንከይወጹ ዝወሰኖ እገዳ ምንባሩ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ዝወሃብ ፓስፖርት ንመገሺ እምበር ከም መለለይ መንነት ምጥቃም ክልኩል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ድሕርቲ ብ15 ማዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ዝተባረዐ ውግእ ህድሕድ፡ ብዙሓት ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢምባሲታት፡ መውጽኢ ቪዛ ሓቲቶም ብምኽልካሎም ከማርሩ ከም ዝጸንሑን ካብኣቶም ደገፍቲ ናይቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ወገን ከም ዝርከብዎምን ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ ተመልኪቱ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝወሃብ ፓስፖርትን ናይ ጉዕዞ ሰነድን ብጥንቃቐ ናይ ሱዳን ዜግነት ብምጽራይ ዝትግበር ምዃኑ፡ እቲ ሱዳናዊ ላዕለዋይ ሓላፊ ክፍሊ ፓስፖርትን ኢሚግረሽንን ምግላጹ ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ።
ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ከም ሓድዝሽ ምጅማሩ፡ እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን ኣብ ልዕሊቲ ብመቐናቕንቱ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ወገን ይዕወት ምህላዉ ከም ዘመልክት ናይ ብዙሓት ርኢቶ እዩ።
Thanks Dr. MK Omar for Inputs Enriching the Eritrean Library
Written by Woldeyesus AmmarMany Eritreans are for sure not well aware of how much poor the Eritrean library still is. Records of the colonial period were themselves scanty on top of being mostly distorted or written by less informed authors. But nothing can be done about that except regretting that it was so. Eritreans of the first two to three decades of the post-Italian period cannot also be blamed for the failure to adequately put in record what was going around them because they were denied the educational background for such an endeavor. We also know what happened to us in the past 6-7 decades for not contributing enough in order to enrich the Eritrean library. One can of course mention the 30-year national liberation struggle and what followed it since 1991 as causes for the failure to write. (A few compatriots, on top of them Alemseged Tesfai and Mufti Ibrahim Mukhtar, could be spared the blame – i.e. until we see what awaits for us in Asmara’s ‘Ye Tiravolo Washa’, as the late Tesfaye Ghebreab hinted).
Anyway, to make a quick jump to today’s point: it is my gut feeling that a vast majority of Eritreans, including many of our educated ones, lack a fair knowledge of the story of what we used to call the Eritrean Liberation Front/ELF or ‘Jebha.’ This is mainly because there has not been sufficient and fair documentation about it, at least in English. And most of the few that exist were penned down by writers with some bias or utter ignorance of all the necessary facts. To my judgment, the prevailing lack of sufficient documentation and knowledge about the ELF is a good example of the poverty of the Eritrean library.
Recently, I came across a new book entitled ‘Eritrea’s Liberation Journey: 1969-1981’ by Mohammed Kheir Omar (PhD), a writer who may not be new to those used to read his ongoing Eritrea-related articles on the social media or his Hedgait blog, not forgetting his earlier book that ambitiously tried to cover Eritrean history from ancient times to 1968. These are commendable efforts by an Eritrean intellectual who deserves a warm thank you by us readers. Let us also hope and pray that others will follow his path in order to help fill at least some of the blind spots in our recent past.
Dr.MK Omar’s new book focuses on the period 1969 to 1981 that he rightly considers “a pivotal decade” in Eritrea’s prolonged struggle for national independence. I can say he fully understands how much little some Eritreans know about their own people’s contribution in the struggle. In fact he says his main aim in writing the book was to give “an accurate account of ELF’s role in the liberation struggle—often overshadowed or distorted” by the winner organization and its partisan chroniclers. Also in the outset, the writer reassured readers that he tried to cover the period “objectively.” Well, it is easy to say that because the final judgment rests with readers who can definitely include those who usually base their judgment on “base” things – like name of the writer and his/her birthplace. Here, the author is Mohammed and his hometown is Agordat.
On my part, I found the book to be fairly well balanced, as the author promised. And equally importantly, it is full of new facts, new even for those who lived throughout the liberation struggle days.
Fully matching with my knowledge and understanding, Mohammed Kheir’s book rightly informs that, although the armed struggle was started by the ELF, it in fact was a “spontaneous popular uprising against the Ethiopian repression” throughout Eritrea, with many acts of resistance occurring, spearheaded mainly by the younger generation.
The book pertinently refutes the distorted Ethiopian claim that the formation of the Eritrean liberation movement was initiated by Egypt. He exposes the utter lack of substantiation to this argument because “the Eritrean independence movement was well-established by the 1940s, predating Egypt’s 1952 revolution.”
The author at one point wished to question as to why the EPLF regarded Patriot Woldeab Woldeab as “the Godfather of the Eritrean Revolution” while he was known for controversial comments not officially acceptable to both fronts. This indeed is a point still to be scrutinized by future historians who would have to compare roles and contributions of all our patriotic fathers, on top of them, I would say, Ibrahim Sultan Ali, the leader of the biggest party that called for independence as of mid-1940s and was instrumental in obtaining the Eritrean symbolisms that helped in strengthening Eritrean nationalism.
In writing the book, Dr. Mohammed Kheir used primary sources by interviewing people who took part in those events mentioned in addition to using references not only to English and Tigrigna books but also to rare sources in Arabic and Amharic which are not accessible to everybody. For instance, the author’s use of Arabic books written by key actors in the struggle like the then ELF army chief Abdalla Idris, army commander Idris Hangala, ELF/PLF’s Osman Denden, the Syrian Ahmed Abu Saada, testimonies by the Sudanese intelligence person Al Fatih Urwa and others add huge value in balancing and analyzing facts in the book. Viewpoints on Eritrea and the ELF in Amharic books by former Ethiopian fighters like Ghebru Asrat and Ghidey Zeratzion are also fairly well covered in the book.
Among other things, the book delves deep into the causes of internal Eritrean divisions and conflicts that bedeviled the struggle for a long time. On top of the list are region, religion and ethnicity followed by leadership rivalries and ideological differences.
The book affirms that the main culprits for splits in the Eritrean liberation struggle were Osman Saleh Sabbe, Isaias Afeworki and Abdalla Idris.
The author also quotes many sources charging Abdalla Idris to be the main, although not the sole, cause for the military defeat of the ELF whose army was led till its end by persons close to Abdalla Idris, and all of them Muslims except one Christian (Tesfai Tekle), who was also from the western lowlands. The author did not mention that over 80% of the ELF army till its defeat was from the Eritrean highlands.
On his part, the Ethiopian Gebru Asrat is quoted to have admitted that “the ELF had a more considerable, well-trained force” and wouldn’t have been defeated if it were not to the participation of the Ethiopian TPLF in the Eritrean civil war and ELF’s internal tag-of-war within the leadership.
Whatever the cause of ELF’s defeat, the writer asserts that its defeat led to Isaias Afeworki’s consolidation of power within his front that ended with the establishment of dictatorship in independent Eritrea. The author also blames the “uncritical acceptance” of the front’s followers of the “hegemonic narrative” of the EPLF.
The book argues that the characterization of the ELF and Muslim elements in general as reactionary was not only harmful but also untrue. He tells the stories of the secret parties in both fronts and lists of their founders who were mostly Muslims. The founders of the Labour Party of the ELF in 1968 included names like Ahmed Mohamed Ali Isa, its first chairman, Azien Yassin, Ibrahim Mohammed Ali, Mahmoud Mohamed Saleh, Saleh Eyay and others. The book notes that Kidane Kiflu was around in the Sudan when the party was formed but was excluded from being party member, probably, the author adds, because of the mistrust that prevailed in the field at that particular time.
When EPLF’s secret party, the EPRP/Eritrean People’s Revolutionary Party was established at Mount Gedem in 1971, its founders were mostly Muslims: Ramadan Mohamed Nur, Ibrahim Affa, Mohamed Ali Umaro, Abubakr Mohamed Hassen Gadi, Mahmoud Ahmed Sherifo, Mesfin Hagos, Isaias Afeworki, Ali Seid Abdella, Maasho Embaye, Ahmed Mohamed Nur Hilal, Ahmed Saleh al Gaisi, and Ahmed Tahir Baduri.
Dr. Mohammed Kheir concludes the book by referring to old divisions that left “lasting scars” on Eritrea’s political and social fabric and that continued to shape “the liberation struggle and resonate in Eritrea’s post-independence governance.”
In a word, I dare say it is a book that can help readers fill gaps in their knowledge of our modern political history which has not yet taken a good shape.
======
1 https://www.amazon.com/ERITREAs-LIBERATION-JOURNEY-1969-BEYOND/dp/B0DTGDJY84/ref=sr_1_1
2 www.geeska.com
3 https://books.google.ch/books?id=Eg_PDwAAQBAJ&printsec=copyright&redir_esc=y#v=onepage&q&f=false