ሓው ገረዝጊሀር ተወልደ ኣቦመንበር  ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝመርሖ ኣኼባ ኣባላት፡ ብ15 ለካቲት 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያታን ፖሓኤ ዝወደብዎ ኣኼባ ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ፖሓኤ ክውገኑ ዝጸንሑ ምቅርራባትን ክዕመሙ ዝጸንሑ ስረሓትን፡ ፖሓኤ ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝካየዱ ዘለዉ ርክባትን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ’ቶም ብደረጃ ዞባን  ኣህጉርን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ናይ ኣሰላልፋ ምቅይያራትን ገሊጹ።

ኣብዚ ብቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ዝተኻየደ ሰፊሕ ኣኼባ ሓለፍቲ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፖሓኤ ብወገኖም ብዛዕባ ክሳብ ሎሚ ዝሰርሕዎም ስረሓት ዝምልከቱ ሓጸርቲ መብርህታት ሂቦም፡ ኣባላት ፖሓኤ ናይተን ኣብያተ-ጽሕፈት መደባት ኣብ ምዕዋት ክሳተፍሉ ዝኽእሉ ኣገባታት እውን ዝርዝር ሃበሬታ ሂቦም።

Untitled 2ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኸፊል 

ድሕሪ’ቲ መግለጽታት፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ንምሕያል ውሽጣዊ ዓቕሚ ፖሓኤ፡ ንመስርሕ ዘተ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደንበት ተቓውሞ፡ ከምኡ ድማ  ብሓፈሻ ኣብ ከባብና ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ይረኣዩ ንኤርትራዊ ፖለቲካና እውን ዝጸልዉ ምዕባለታት ዝምልከቱ ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ በብዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣብያተ- ጽሕፈት ድማ መልሲ ተዋሂብዎም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓትን ዝተዓመ ዕማማትን ዝያዳ ንቕድሚት ንክስጉም ካብኣቶም ዝድለ ዘበለ ከበርክቱ ቅሩባት ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክባት ክቕጽል ለበዋ ብምቕራብ ኣኼባ ተዛዚሙ። ናይቲ ኣኼባ ኣዳለውቲ ከም ዝገለጽዎ ድማ እቲ መድረኽ ብምኽንያት ናይ ግዜ ኣቆጻጽራ ፍልልይ ኣብዚ ናይ 15 ለካቲት 2025 ኣኼባ ክሳተፉ ምስ ዘይከኣሉ ኣባላት ፖሓኤ ክቕጽል እዩ።

ንክልተ መዓልታት ዝጸንሐ መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ15 ለካቲት 2025 ፍትሒ ንኣፍሪቃውያንን ብምምዝባል ዝተጐድአ ህዝቢ ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ፡  ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ፕረሲደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ናይቲ ሕብረት ፕረሲደንት ኮይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ መራሒ ማውሪታንያ መሓመድ ኦውዝ ማሕሙድ፡ ሓድሽ ፕረሲደንት ናይቲ ሕብረት ኮይኑ ዝተመዘ መራሒ  ኣንጎላ ጃኦ ሌረንዞ፡ ዝርከብዎ  ወከልቲ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትመደረታት ኣስሚዖም።

ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘካየዶ 2ይ ክፋል ዕጽዊ ርክቡ፡ ነቲ ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ዝመረሐ ቻዳዊ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መሓመት ፋቒ  ኣፋንዩ፡ ኣብ ክንድኡ ንወዲ 60 ዓመት ጅቡታዊ መሓመድ ዓሊ የሱፍ ንዝመጽእ 4ተ ዓመታት ክመርሕ መሪጽዎ። ንኬንያዊ መወዳድርቱ ራይላ ኦዲንጋ ስዒሩ ንቀጻሊ ዝተመርጸ መሓመድ ዓሊ የሱፍ፡ ናይ ሃገሩ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ምትሕብባርን ኮይኑ ን20 ዓመታት ዘገልገለን 5 ቋንቋታት ዝመልኽን ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊጹ።

እቲ ሓድሽ ኮሚሽነር፡ ኣብቲ ዝተመርጸሉ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባቶም እቲ ኣኼባ ዝተመያየጠሎም፡ ናይ ኣፍሪቃ ጸጥታን ሰላምን፡ ትካላዊ ምምዕርራይን ናይ ሃገራት ቁጠባዊ ምትእስሳርን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትይ። ከምኡ እውን ነቲ “ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ 2030 ድምጺ ብረት ምቑራጽ” ዝብል ራኢ ናይቲ ሕብረት  ከተግብር ክጽዕር ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ምርግጋጹ ተጢቒሱ።  ኣንበሳደር ኣልጀርያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢልማ ማሊካ ሃዳዲ ድማ ምክልት ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ኮይኑ ተመሪጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣባል ኮሚተ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይና ክትምረጽ እንከላ፡ መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዘይተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኮይኖም፡ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ፈጻሚ ጉዳይ ግብጺ ድማ ብቐዳማይ ሚኒስተራ  ተወኪለን።

መበል 38 ዓመታዊ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጉር ብፍላይ ኣብ ረፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ቅልውላው ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣዝዩ ኣብ ዘሰክፈሉ፡ ብሓፈሻ ከኣ ብሰንኪ ኣሜሪካ ብዓለም ለኻዊ ትካል ረዲአት ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ኣብ ዝተቛረጸሉ ኣሻቓሊ ግዜ እዩ ተኻይዱ።

ካብቶም ክሕደሱ ሃንቀው ዝብሉ ዘለዉ ህንጻታት ምጽዋዕ ሓደ

ቅድሚ 35 ዓመታት ኣብ ምጽዋዕ፡ ብስርሒት ፈንቅል ዝፍለጥ፡  ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ሓደ ካብ መቐይሮታት ዝነበረ ውግእ ከም ዝተኻየደ ዝርሳዕ ኣይኮነን።  እዚ ስርሒት፡ ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምጽዋዕ ከም ዘኸተመ ዘረጋገጸ ምንባሩ ይዝከር። መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ብኣካል ድሕሪ ምፍንቃሉ ንሱ ዝገደፎ ወጽዓን ድሕረትን እውን መሊኡ ንክፍንቀል ናይቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሕድሪ ከም ዝነበረ ዘማትእ ኣይኮነን። ስዉኣት ኤርትራ ኩሉ ውጽዓኣ ተፈንቂሉ ምስተደርበየ ኣብ ክንድኡ ራህዋ፡ ሃገሮም ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ንክትከውን ናብ ብጾቶም “ሕድርኹም” እናበሉ ዝሓለፉ እዮም። “እሞ መብጸዓኦም  ተኺቡሩዶ ኣይፋሉን? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድማ ብሓፈሻ ንመላእ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነታ ሕድሪ ፈንቀልቲ ስዉኣት ዝተቓለሓላ ከተማ ምጽዋዕ  ተዓዚብካ እቲ መልሲ ባዕሉ ስለ ዝዛረብ ሓደ-ክልተ ኢልካ ምጽብጻብ ዘድሊ ኣይኮነን።

እቲ ንመጻኢት ኤርትራ ሰናይ ዝተመነየ ሕድሪ፡ ናይቶም ኣብ ምጽዋዕ ዝተሰውኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም እቶም ምስ ኩለን  ውድባት ተሰሊፎም፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልስን ዓውዲ ውግኣትን ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዩ። እቶም ዝተጠለሙ እውን ኩላቶም እቶም ሰብ ተመሳሳሊ ሕድሪ እምበር ናይ ፈንቅል ስዉኣት ጥራይ ኣይኮኑን። ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ስዉኣት ዝፍጽሞ ጥልመት ንምሽፋን ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ካብቲ መህደሚታቱ ሓደ ከኣ ዕለትን ዓመትን ብምጽብጻብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ካለኦት ኣደባባያትን ንብዓት ሓርገጽ እናንባዕካ ዝግበር ዳንኬራን መጠበሪ ተዋስኦታትን ዘይተፈልዮ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ምስቁንቋን  እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ንመበል 35 ዓመት እቲ ዝኽሪ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክርእአ እንከሎ፡ ብዝዛሕተለ ስምዒትን ውሑዳት ተሳተፍትን ተዘኪሩ። እዚ ዝኽሪ ኣብታ ድሕሪ ነጻነት ቁስላ ሓውዩ ናብ ንቡር ክትምለስ ተጸብያ ዘይሰመረላ ወደባዊት ከተማ እዩ ነይሩ።  ከተማ ምጽዋዕ ሎሚ ካብቲ ብስንክቲ ውግእ ፈሪሳ መልክዓ ዝተደወነቶ ኣብ ዝገደደ ደንደስ ምፍራስ ከም እትርከብ ዝረአ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ብዙሕ ምዝራብ  ዘድሊ ኣይኮነን።

ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዛ ክፈርሕ እንከሎ ዝሕበኣላ፡ ክርህዎ እንከሎ ከኣ ዝሕንብሰላ ወደባዊት ከተማ ኮይኑ ብዛዕባ ፍሉይነት ናይቲ ውግእ ክምድር እንከሎ ብኣኣ ከኣ ይሕጭጭ። ወትሩ ኣብ መድረኻት ነታ ብሰንኩ ህላወኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ዘሎ “ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ፡ ሎሚ ግና ኣበይ ኣላ?”  እናበለ ክሳብ ክንደይ  ሓላፍነታዊ ዘይምዃኑ የርኢ።

ትርጉም መስዋእቲ ኣብ ምጽዋዕ ነቲ ኣብኡ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት መግዛእቲ ብኣካል ፈንቂልካ ምጽራግ ጥራይ ኣይነበረን። ዝያዳ ትርጉሙን ተልእኮኡን ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ጭቆናን ድሕረትን ሓግሒድካ ምጉሓፍ እዩ ነይሩ። መልእኽትን ሕድርን ናይቶም ስዉኣት ከኣ እቲ ምፍንቃል ምሉእ ኮይኑ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ዝተኣማምን ራህዋ፡ ሓርነትን ህዝባዊ ልዕልናን ዘውሓሰት  ክትከውን እዩ ነይሩ። እንተኾነ ሎሚ እውን መልክዑን ኣተገባብራኡን ደኣ ቀይሩን ረቒቑን እምበር፡ እቲ ክፍንቀል ዝነበሮ ተግባራት መግዛእቲ ኣብታ ብጀጋኑ ደቃ ነጻ ዝኾነት ኤርትራ እውን  ኣስፋሕፊሑ እዩ ዝርከብ። እቲ ከም መግለጺ ምኽባር ሕድሪ ስዉኣት ብሓይልታት ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ከኣ መስርሕ ፍትሓዊ ምፍንቃል ጭቆና ቀጻሊ ምህላዉ ዘርኢ እዩ።  

ሎሚ ብዙሓት ደቂ እቶም ኣብ ስርሒት ፈንቅልን ካለኦት ናይ ጅግንነት ዓውድን ዝተሰውኡ ኣስማቶም እናተረቑሐ፡ ኣብ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ግዳይ ዝተፈላለዩ ጸገማት ይኾኑ ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ ይንገር ኣሎ። ኤርትራ ብናይ ብዙሓት መስዋእቲ ተጋሂዳ፡ መላእ ህዝባ ዝጭቆነላ ዘሎ  ሃገር እያ። ናይ ኩሎም’ቶም ስዉኣት ናይ “ሕድረይ ከይጥለም ሓደራ” መልእኽቲ  ትርጉም ተመሳሳሊ ነይሩ። ስዉኣት ድሕሪ ነጻነት ጀግንነቶም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክሰፍር እምበር፡ እቲ ዝተሰውእሉ ዕላማ ተረሲዑ ብዛዕባኦም ኣብ መድረኻት፡ መዓልቲ ናጽነት፡ ዕለተ ሰማእታት ስርሒት ፈንቀልን ዝኣመሰሉን ኣጋጣምታት እናተዘመረን እናተገጥመን ንብዓት ጥልመት ክበዓሎም ኣይነበረን።

ምጽዋዕ ብዕንወታ እናነበዐት ዓመት ዓመት እትሰምዖ ብስም ፈንቅል መደረን ግጥምን፡ ለበዋ ስዉኣት ዘረስዕ መደንዘዝን መዳህለልን እዩ። ህግደፍ ኣብቲ ኣጋጣምታት “ብሳላ መስዋእትኹም ከምዚ ዝኣመሰለ ንኤርትራን ህዝባን ዝጠቅም ሃኒጽናን ትካላዊ ምምሕዳር ዘርጊሕናን” ክብል ኣይስመዓን እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይ ውግእን ህውከትን መደረን ጭረሖታትን  ንክቃላሕ’ዩ ዝእዝዝ። ያኢ ከም ሕድሪ ስዉኣት ምሕላው ተወሲዱስ፡ ዝተሰዋእኩምሉ  መዛግብ (ድፋዓት) ነሕድሶ ኣለና ክብል እውን ይስማዕ።

ህዝቢ ኤርትራኸ  “ክሳብ መዓስ እዩ እቲ ረዚን ሕድሪ ደቁ ተጠሊሙ፡ እቲ ጉዕዞ ብኣንጻሩ ኮይኑ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ኣብ ዘይሓይሽ ህይወት እናነበረ ምጽማም ክመርጽ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ እዩ። ስለዚ “ደቅናኮ ነዓና ንዘይትኸውን ኤርትራ ኣይኮኑን ተሰዊኦም፡ ስለዚ ስለምንታይ እዩ ናይ መስዋእቶም ጻማ ዝሕረመና?”  ኢሉ ካብ ምሕታት ተዓዚሙ ክነብር ንቡር ኣይኮነን።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣት ደቁን ብዘለዎ ንዕቀት ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነቲ ዝቐደመ መስዋእቲ ትርጉም ኣስኢኑስ፡ ብዘይጣዕሳን ስኽፍታን ካልእ ውግኣትን ዕንወትን ክዕድም ተራእዩ እዩ። ሎሚ’ውን ካብኡ ኣይወጸን።  ኣብዚ እውን፡ “ካብ ዝሓለፈ  ኣይረባሕናን እሞ ደጊምስ ይኣኽለና ደኣ” ዝብል ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምስምዑ፡  “እዚኸ ምስ ምንታይ ይቑጸር?” ዘየብል ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ውሕጅሲ እናስሓቑ ይወስድ” ዝብል ምስላ ኣበው ዘንጊዑ፡ ብግጉይ ስብከት ህግደፍ ተሰሊቡ ብስቕታ እንተቐጺሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ደቁ ተኸቢሩ፡ ኣብ ነጻ ኤርትራ ብሓርነት ምንባሩ ተረፉ፡ እታ ኣዝዩ ክቡር ዝዋጋኣ ነጻነቱ እውን ኣብ ምልክት ሕቶ ከይትኣቱ ዘየሻቕል ኣይኮነን።

Saturday, 15 February 2025 15:17

Dimtsi Harnnet Sweden 15.02.2025

Written by

ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝነበረ ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ቀትሪ ምድሪ ብመጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ ድሃዩ ካብ ዘጥፍእ ሎሚ ዕለት14 ለካቲት 2025፡ 13 ዓመቱ ኮይኑ።  እዛ ዕለት እዚኣ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ሕሰምን መከራን ዕለታት ኮይና፡ ከምተን ካለኦት ብጾት ዝጠፍኡለን ዕለታት እንዝክራ እያ። ከምዛ ንዕኡ ዘጋጠመቶ ሓደጋ መጭወይቲ ዘጋጠሞም፡ ናይ ቃልሲ ብጾትና፡ ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገ/ጻድቕን እውን ኣይንርሰዖምን ኢና። እዞም ሓርበኛታት እውን ካብ ሱዳን ከተማ ከሰላ ካብ ዝጭወዩ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት 33 ዓመት ክመልኦም እዩ። እነሆ ከኣ ዕድመ ማእሰርቶም ንዕድመ ማእሰርቲ ናይቲ ናይ መሰል ተቓላሲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኔልሰን ማንደላ ኣዕርዩ ሓሊፍዎ።

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ጣዕሚ ንእስነት ከየስተማቐሩ፣ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽውፈዩ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ ሓርበኛታት ኢዩ።   ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ፡ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝብህጉን ምእንታኡ ኩሉ ዝካኣሎም ካብ ዘበርከቱን ኤርትራውያን ሓርበኛታት ሓደ ኢዩ። ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ በጽሐ’ዩ ሰራዊት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ከይተወገደ ሰላምን ቅሳነትን ክርከብ ከምዘይካኣል ተገንዚቡ  ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ። ወተሃደራዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ስሳታት ዝነበሮ ጸገማትን ሕልኽልኻትን ተጻዊሩ መባእታዊ ሕክምናዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ኣብ 1970 ኣብ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ ኮይኑ ተመዲቡ።

ኣብ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ ብዛዕባቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ካብ ተሓኤ ዝተፈንጨለ ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ብመንጽር ሃገራዊ ስምረት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን መዚኑ ብዛዕባኡ እዚ ዝስዕብ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

ሀ. ንኢሳያስን ብጾቱን ነዚ ናብ ሃገራዊ ስምረት ዝመርሕ መደብ ዕዮን ውሳኔታትን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ  ተቐቢሎም ክምለሱ ይጽውዕ።

ለ. መሪሕነት ተሓኤ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ገድልን ምእንቲ ክሕሎ፡ ከምኡ ድማ እቲ ጸገም ንኽፍታሕን ካብቲ ዝነበሮ ከይገድድን ዘድሊ ስጉምትታት ትወስድ፡ ብዝብል ዝወሰኖ ውሳነታት መስረት፡  መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብ ኣባላት ናይታ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1972 ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ንኽትራኸብ  ብመሪሕነት ተሓኤ ዝቆመት ሽማግለ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ግን ብሰንኪቲ «ንሕናን ዕላማናን» ዝብል ኢሳያስ ዘበገሶ ጸቢብን ዘይግሉጽን መደባት ካብ ምብትታን ኣይዳሓነን። እቲ ዝገደደ ምብትታንን ብርሰትን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና በጺሑ እነሆ። መሪሕነት ተሐኤ ምስቲ ዝነበሮ ጉድለታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ንምርግጋጽን ኣብዚ ሕጂ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ኲነታት ንኸይትወድቕ፡ ከቢድ ጻዕርታት ገይራ እያ። ኢሰያስ ታሪኻዊ ምስክርነት ቃልሲ ህዝቢ ንምቕባርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ከምእኒ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ንጹሃት፡ ብዘይካ ንፍትሕን ሓርነትን ህዝቢ ካልእ ንዘይባሃጉ ተጋደልቲ ጨውዩ ከጥፍእ እዩ መርሆኡ።    

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፣ ክሳብ 1976 ቅድም መራሒ ሓይሊ ደሓር ከኣ ኮምሽነር ሓይሊ ኮይኑ ተቓሊሱ። ድሕርዚ ኣብቲ ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ዝካየድ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ኣብ ሶርያ ደማስቆ ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ብደረጃ መዓርግ ትሊንቲ (ሓለቓ 100) ተመሪቑ ናብ ሜዳ ተመሊሱ ብዝዓበየ ዓቕሙ ቃልሱ ቀጺሉ። ብዙሕ ከይጸነሐ ከኣ፡ ኣብታ ኣብ ከበሳ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ   ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳብ 1978 መራሒ ሓይሊ ነይሩ። ቀጺሉውን ክሳብ 1980 : ኣብ ትሕቲ መራሕ ብሪገድ 61 ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ቀዳመይቲ በጠሎኒ መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።

ድሕሪ ውግእ ሕድሕድ፣ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዶባት ሱዳን ምእታዉ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ  ናይ ቃልሲ ፍናኑ ከየውደቐን ተስፋ ከይቆረጸን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምሕዳስን ንምቕጻልን ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብሚያዝያ 1982 ኣባል ናይታ ሰራዊት ንምምራሕ ዝቆመት ግዚያዊት ሽማግለ ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብ መወዳእታ 1982 ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ሸነኽ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዝተገብረ ሓድነታዊ ስምምዕ መሰረት፡ ኣባል ናይታ ብኣርባዕተ ተጋደልቲ ዝቆመት ወተሃደራዊ ሽማግለ ኰይኑ ንዝሰመረ ሰራዊት መሪሑ። ይኹን እምበር መሪሕነት ህሓሓኤ፡ ነቲ ስምምዕ ብትሕዝትኡን መንፈሱን ክፍሑቊን ከፍርስን ምስ ዝጀመረ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተኣሲሩ።

ህሓሓኤ ኣብ መፋርቕ 1984 ሓደ ውድብ ኮይኑ ክቕጽል ስለዘይካኣለ ድማ፣ ክንፊ ዑስማን ሳልሕ ሳበን ኣሕመድ ጃስርን ተባሂሉ ኣብ ዝተፋናጨለሉ፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝርከቦም ልዕሊ 73 ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ብፖለቲካዊ ርእይትኦም ጥራይ፣ በብእዋኑ ተኣሲሮም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብወታሃደራዊ ክንፊ  ጉጅለ ጃስር ካብ ዝተሓተ  ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት  ብማእሰርቲ ተሳቐዩ።

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣይሓለፈሉን። ሓይሊ ጃስር ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1988 ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተጠቕዐ፡ መደበራትን ቤት ማእሰርትን ጉጅለ ጃስር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህግሓኤ ስለዝኣተወን፡ ካብቲ ማእሰርቲ ናይ ምምላጥ ዕድል ስለዘይተረኽበ እንደገና ኣብ ቀይዲ ህዝባዊ ግንባር ኣተወ። ካብ ጸልማት ናብ ዝኸፍኤ ጸልማት ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክሳብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ ተኣሲሩ።

እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎን ሕሰምን ኣደራዕን ኣብ ምንቲ ምንታይ ኮን ይኸውን ? ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ፡ ኣብ መንጎ ፈራሓት መለኽትን ኣብ መንጎ ተባዓት ህዝባዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ ዝብጀዉ ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ እተዘይኮይኑ፡ ካልእ ብውልቁ ዝሓተቶ ጠቕሚ ኮነ ዝፈጸሞ ገበን የለን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምርጫኡ ንኽወስድ ብህግሓኤ ንዝተዋቦ ዕድል ተጠቂሙ ምስ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ናብ ሱዳን ተመሊሱ ኣብታ ዋሕስ ህዝብና ክትከውን ዝተጸበያ ውድብ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ተመሊሱ፡ ኣንጻር ምልኪ ቃልሱ ቀጺሉ። ገለ ካብቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ማእሰርትን ናብ ሱዳን ናይ ምእታው ዕድል ረኺቦም ናብ ውድቦም ተጸንቢሮም ቃልሶም ዝቐጸሉ ተጋደልቲ ኣሰፋው በርሀ፡ ብርሃነ ተስፋጋብርን፡ ዑስማን መሓመድን ዝርከብዎም ነይሮም። ከምኡ ውን ሓው ተስፋይ ርእሶምን ካልኦት ድሕሪ ነጻነት ካብ ኣስመራ ናብ ሱዳን ናይ ምእታውን ዕድል ካብዝረኸቡ ኣብ ውድቦም ብምጽንባር ቃልሶም ዝቐጸሉ ብጾት እዮም። 

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብዘጋጠሞ ማእሰርትን ስቅያትን ኣይተዳህለን ኣይሰኮነን ዝያዳኳ ዳኣ መሊሱ ሓሪኑ ካብ ናይ 1995 ራብዓይ ጉባኤ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ 2010 ዝነበረ እዋን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤታት ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተመሪጹ፡ ብደረጃ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ጽሕፈት  ተመዚዙ ተቓሊሱ። ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይን መስመርን ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምራጹ እውን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ኣብ ቃልሲ እንከሎ ብዕለት 14 ለካቲት 2012 ብጸጥታዊ መሓውር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ከተማ ከሰላ ምስ ተጨውዩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ኣብ ዘይርከበሉ፡ ድምጹ ኣብዘይስማዓሉ ኣብ ጎዳጉዲ ምልኪ ተሰዊሩ ዘሎ።

መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን እዩ። በዂሪ ወዱ ናስር ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህሓሓኤ ምስ ኣተወ ስለ ዝተወልደ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኣብኡ ከይሓቆፎ ዓብዩ። ዋላኳ ንይምሰል እንተነበረ፡ ጉጅለ ጃስር ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣብ ዝገበሮ በዓል 1986 ወይዘሮ ሓሊማ በዓልቲ ቤቱ ናብቲ በዓል ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ በረኻ ንሓጺር ግዜ ምስ ስድርኡ ክራኸብን ዓይኒ ንዓይኒ ክራኣኣዩን ዕድል ረኪቡ ከም ዝነበረ ይዝከር። ማጂድ ወዲ 19 ዓመት ምስበጽሐ፡ ኣብታ ኣቦ ዝደልየላ ናይ ንእስነቱ እዋን፡ ኣቡኡ ወፊሩ ክምለስ እንዳተጸበየ፣ ስለ ዘይተመልሰ ዘኽቲሙ ዓብዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ምልኪ ህግደፍ ዘይዘኽተመትን ዘይተበታተነትን ስድራ ከምዘየላ ኩልና ንፈልጦ ካብ ኮነ፡ እታ ብደምን መስዋእትን ህዝባ ናጽነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወትሉ እዋን ንርከብ ካብ ሃለና፡ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና፡ ልኡላውነት ሃገርና ንምዕቃብና መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ቃልሲ ይጽበየና ከምዘሎ ተገንዚብና ክንልዓል ይግባእ።

ንቅዋማዊ ምሕደራን፡ ዲሞክራሲያዊ ምዕባለን ንቃለስ

Friday, 14 February 2025 00:23

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 13.02.2025

Written by

ምስቶም ኣምበሳድራት፡ ካብ  ዝተገብረ ርክባት

ኣምበሳድራት 7 ሃገራት ብ11 ለካቲት 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ  ናብ መቐለ ክገሹ እንከለዉ፡ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ስምዕታ ከም ዘቕረበ ካብ ከተማ መቐለ ተሓቢሩ። ነቶም ኣምበሳድራት፡  ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዴንማርክ፡ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳን ሕብረት ኤውሮጳን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተቐቢልዎም። እቶም ኣምበሳድራት ኣብ መቐለ ምስ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ኣካል ግዝያዊ ምሕዳር ትግራይን ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሑ ኣባላት መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን በበይኖም ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ምስ ክልቲኦም ወገናት ዘካየድዎ ርክባት ዘልዓልዎም ዛዕባታት ተመሳሰልቲ ኮይኖም፡ ብሓፈሻ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ምምላስ ብሰንክቲ ውግእ ዝተመዛበሉ  ስድራቤታት ናብ መረበቶም ዝምልከት ዘተኮርሉ ነይሩ። ብዘካዚ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ዘሰክፍ ወጥሪ ከም ዝተዘራረቡ እውን እቲ ካብ መቐለ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ቀንዲ እቶም ኣምበሳድራት ብከምዚ ዝኣመሰለ ክብደት ናብ ትግራይ ንክገሹ ዘገደዶም፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ፖለቲከኛታት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ምስሕሓብ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ገሊጾም። እቶም ኣምበሳድራት ካብ መቐለ ምስተመለሱ ምስ ሰብመዚ ፈድራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረቡ ትጽቢት ኣሎ።

እቶም ኣምበሳድራት ኣብ ርእሲቲ ምስ መራሕቲ ዘካየድዎ ርክባት፡  ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያዊ መዕቆብታት ኣደዳ ጥሜት፡ ስእነት መጽለልን ሕማምን ኮይኖም ዘለዉ  በጺሖም ጸገማቶም ከም ዝተዓዘቡ’ውን ተፈሊጡ።

እዚ ከምዝሉ እንከሎ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ተመዛቢሎም ኣብ ከባቢ ሽረ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ  ካብ ዘለዉ ተጸበይቲ ረዲአት፡ “መጸንበሊ መበል 50 ዓመት ምምስራት ህወሓት” ብዝብል ነፍሲ ወገፍ ተመዛባሊ ስድራቤት 200 ብር ክኸፍል ወሲኑ ብግብሪ ምንቅስቓሱ ግጉይ ምዃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እቲ ትካል መልእኽቱ ዝመሓላለፈ ብመንገዲ ናይቲ ክልል ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ረዲአትን ኣቢሉ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

ኤርትራ ኣብ 180 ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ንብልሽውና (corruption) ዝምልከት መጽናዕቲ 2024፡ ካብ ሚእቲ 13 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ፡ ኣብ መበል 173 ከም ዝተሰርዐት ዓለም ለኻዊ ግሉጽነት (transparency international) ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። ምስ ኤርትራ ማዕረ 13% ብምርካብ ድሕሪት ዝተሳዕራ ሃገራት፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ሊብያን የመንን ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኤርትራ እትርከበን ዝያዳ ዝገደዳ ተባሂለን ዝተመዝገባ ከኣ፡ ሲርያ፡ ቬንዝዋላ፡ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ምዃነን ኣብቲ መጽናዕቲ ተመዝጊቡ።

ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ እውን፡ ካብ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ጥራይ ዝሓሸት ተባሂላ፡  ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ። እዚ መጽናዕቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብልሽውና የለን እንዳተባህለ ዝቐርብ ግጉይ ምጽብባቕ ዘቃልዕ እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ዓለም ለኻዊ ትካል፡  ኣብዚ ናይ 2024 ዳህሳሱ ካብተን ንመጽናዕቲ ዝተመርኮሰለን 180 ሃገራት ክልተ ሲሶ ዝኾና ትሕቲ 50 % ከም ዝረኸባ ጠቒሱ። ንውድቐት እተን ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ዲሞክራሲ ምድኻም ምዃኑ ጠቒሱ፡ ካለኦት ከም ናይ ክሊማ ምቅይያር ዝኣመሰሉ ረቛሕታት ከም ዝርከብዎ’ውን ኣስፊሩ።

ኣተሓሒዙ ድማ ብልሽውና ኣብ ርእሲቲ ንዕቤት ሃገርን ህዝብን ንድሕሪት ዝመስል ምዃኑ፡ ብኩራት ዲሞክራሲ፡ ምርግጋእን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝኸትል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሃገራት ኣንጻርዚ ሓደገኛ ተርእዮ ብልሽውና ምቅላስ ቀዳምነት ሂበን ክሰርሓሉ ከም ዝግባአን ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ብልሽውና ከም መቐየሪ ፖሊስን ምድኻም ምቁጽጻርን ምሕላው ሚዛንን ይኸውን ከም ዘሎ እውን ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ።

ኣብዚ እዋንዚ 6.8 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓልለም፡ ኣብተን ብናይ ብልሽውና መለክዒ ካብ 50% ንታሕቲ ዝረኸባ ሃገራት ከም ዝነብር ብምጥቃስ፡ ደንማርክ 90%፡ ፊንላንድ 88%፡ ሲንጋፖር ከኣ 84% ብምርካብ ከም ቀዳሞት ዳርጋ ብልሽውና ዘይረኣየለን ሃገራት ሰሪዕወን። ብኣንጻሩ ድማ፡ ደቡብ ሱዳን 8%፡ ሶማሊያ 9%፡ ሲርያ 12%፡ ሊቢያ፡ ኤርትራ፡ የመንን ኢኳቶርያል ጊኒን ከኣ ነፍሲ ወከፈን 13% ብምርካብ ኣብ መወዳእታ  ሰሪዕወን።

ካብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ደሓን ምምሕያሻት የርእያ ኣለዋ ተባሂለን ዝተጠቕሳ ከኣ፡ ኮትዲቭዋር፡ ደሞኒካ ረፖብሊክ፡ ኮሶቮ፡ ኩዌት፡ ሞልደቪያን ዛምቢያን ተጠቒሰን። ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን ሱዳንን ድማ ብቕደም ሰዓብ ኣብ መበል 99፡ 127ን 170ን ተሰሪዐን ይርከባ።

Page 10 of 598