“ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ” ዝተባህለ ጉጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ “ልኡላውነት ኤርትራን ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእሲቲ ዘሰናደኦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣፋሊጡ። እዚ ሰነድ ብ24 መጋቢት 2025 ኣባላት እቲ ሓይሊ ዕማምን ኣብቲ ኣባላቱን ዝዓደሞም ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፍሉ ኣኼባ እዩ ነቲ ሰነድ ኣቕሪብዎ። እዚ መወከሲ ንክኸውን ዝተዳለዉ ጽሑፍ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ እንግሊዝን ኣምሓርኛን  ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ እውን ብኣርባዕቲኡ ቋንቃታት ተነቢቡ።

እቲ ሓይሊ ዕማም ነዚ መጽናዕታዊ ሰነድ ከዳሉ ዘለዓዓሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ13 ጥቅምቲ 2023፡ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ባህርያዊ ዶብ ኢትዮጵያ`ዩ” ክብል ምዝራቡን፡ ሃገሩ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ክህልዋ “ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ጉዳይ`ዩ” “ ክብል ዘስመዖ መደረ ምዃኑ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብቲ ሰነዱ ኣስፊሩ። እቲ ሰነድ ኣብቶም ብኢትዮጵያ ተደጋጊሞም ዝለዓሉ 4ተ ዛዕባታት፡ 1) ታሪኽ፡ 2) ጆግራፊ፡ ደሞግራፊን ኤትኒካዊ ዝምድናታት፡ 3) ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕርን 4) ቍጠባን ጸጥታን ኣተኲሩ ዝተጸንዐ ምዃኑ ኣብቲ ጽሑፍ ተጠቒሹ’ሎ።

ኣብቲ ታሪኻዊ ክፋል፡ ኤርትራ ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ልኡላውነት ንምብጻሕ ዝተጓዕዘቶ ኘዊህ መስርሕ ቃልሲ ዘርዚሩ። ኣብ ዞባና ቅድሚ ነውሕ ዓመታት ክርአ ዝጸንሐ ደሞግራፋዊ ለውጥታት ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኮይንካ ክረአ እንከሎ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ክትውንን ዘኽእላ መርተዖ ከም ዘየለን ብስምምዕ ምስታ ወናንቲ ወደብ ሃገር ኣገልግሎት ክትረክብ ግና ከም ዝከኣል ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብመንጽር ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ኣህጉራዊ ሕግታትን ቀይሕ ባሕሪ ኣካል ኤርትራዊ ልኡላውነት ምዃኑ ከም ዘነጽር ኣመልኪቱ። ምስዚ ከኣ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ወደብ ዘይምውናና ከጋጥማ ዝኽእል ጸጥታውን ቁጠባውን ሓደጋ ከምዘየለ ኣርእዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እዞም ዝስዕቡ መፍትሒ ሓሳባት ኣቕሪቡ።

“(1) ኢትዮጵያውያን ኣብ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ  ዘየወላውል ኣኽብሮት ክህልዎም ይግባእ፡

 (2) ኤርትራን ካልኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንና ጐረባብቲ ሃገራትን፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ፡ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕርን ትራንዚትን (ምትሕልላፍ) ናይ ምጥቃም ሕጋዊ መሰላ ኣፍልጦ ክህባን ክድግፋን፡

(3) ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሰናይ ድሌት ዝተሞርኰሰ ሃናጺ ጽሞዶን፡ ንኽልቲኡ ህዝብታት ዝጠቅምን ናይ ሓባር ዓወት ዘረጋግጽን ክልተኣዊ ስምምዓትን ዝምድናታትን ክምስርታ፡

 (4) ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስግኣት ካብ ምፍጣርን፡ ብሄረ ዓፋር ማእከል ዝገበረ ናይ ብሄር ካርድ ካብ ምጽዋትን ምትኽታዅን ክትቁጠብን

 (5) ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ድማ፡ ንዘላቒ ናይ ሓባር ዓወታት ዘጓናጽፉ፥ ኣብ ከም ዞባዊ ቍጠባዊ ውህደትን፡ ምቛም ሓባራዊ ጸጥታን ዝኣመሰሉ፡ ተኽእሎታት ክድህስሳን ሓባራዊ ስምምዓት ክበጽሓን ይግባእ።” ይብሉ።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ  ስራሑ ከም ዝወደአ ዝገለጸ ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ  ጠርናፊ ዶ/ር ዮሃንስ ሃይለን ካለኦት ኣባላትን፡ ብተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ብምሃብን እቲ ጽሑፍ ናብ ኩሎም ኣካላት ንክበጽሕ ለበዋ ብምቕራብን ኣኼባ ተደምዲሙ።

እዚ ምስሊ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተወስደ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዙሕ ዘይተዘርበሉ፡ ኣብ ውሱን ከባቢ ጥራይ ኣጀንዳ ኮይኑ ዝጸንሐ ስቓይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዘድልዮ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ዛዕባ ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዘውጽኡ ኣካላት ሓደ ዝኾነ “ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን” ነቲ ኩነታት፡ “ነፊጾም ከይዶም ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዓብይ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ” ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ስደት ኣብ ኤርትራ ጌና ኣየብቀዐን” ኢሉ፡ ኤርትራውያን ከም መንግስቲ ተገዲሱ ዝሕለቐሎም  የለን ኢሉ “እቶም በዚ ተረኽቦ እንግደስ እቶም ብጉዳይ ህዝቢ እንሓምም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኣካላት ኢና” ክብል መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ፖለቲካ ሊቢያ፡  ካብ 2020 ጀሚሩ ዝያዳ ክበላሾ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ከም ውጽኢቱ ቀንዲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ሊቢያ’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እውን ብመንገዲ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ ንምስገር እትምረጽ ሃገር ብምዃና ክሳብ ሎሚ ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግህሰታትን ዓመጻትን ምዃኖም ጌና ቀጻሊ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ነቶም መንግስቲ ህግደፍ ዝኸሓዶም ጽጉማት ክንገብረሎ ካብ እንኽእሎ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ሰብኣዊ  ትካላት ከይሰልከያ ክሕግዘሎምን ክጣበቓሎምን ብቐጻሊ መጸዋዕታ ምቕራብ እዩ። እቶም ግዳያት ዘስምዕዎ ዘለዉ ኣውያትን መጸዋዕታን እውን ነዚ እዩ።

ስደት መፍትሒ ከምዘይከውን ተደጋጊሙ ዝተገልጸ’ኳ እንተኾነ፡  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ስደት ዝደፍእ ምዃኑ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት ዝገብርዎ ጉዕዞ ውሑስ ምዃኑ ከረጋግጹ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተደጋጊሙ ዝተገለጸኳ እንተኾነ፡ ሎሚ እውን ክንደግሞ ንግደድ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊቢያ ይሳቐዩ ንዘለዉ  ኤርትራውያን ስደተኛታት በብዘለና ተኽእሎ ምሕጽንታኦም ከነቃለሓሎም ከም ዝግባእ  ነዘኻኽር።

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ብ23 መጋቢት 2025 “ኤርትራዊ መንእሰይን ማሕበረሰብን (Eritrean Youth & Community)” ኣብ ኣወስትራሊያ ከተማ ብሪስበን ኣብ  ዝጸውዖ ህዝባዊ ሰሚናር ተሳቲፉ።

ብጻይ ገረዝግሄር ኣብዚ ብዙሓት ብኣካልን ብዙምን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ ዝበኣሰ ናብ ዝገደደ ዝኸይድ ዘሎ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ናብ ከምዚ ዝኣመሰዘ ኩነታት ዝወድቕና ምኽንያታት’ውን ኣብሪሁ። ብምትሕሓዝ ከኣ ወጽዓ ዝቕበል ህዝቢ እንተልዩ ወጻዒ ክህሉ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ “እምቢ ንወጽዓ” ክብል ይግበኦ ኢሉ። ቀጺሉ ድማ ታሪኽ ኣመጻጽኣ ወጽዓን ወጻዕትን ዝምልከት  መጽናዕታዊ መዛግብቲ ብምምርኳስ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ኣብ ሃገርና ናይ ህዝቢ ምእዙዝነት ንህግደፍ በቲ ዝመረጾ ወጻዒ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንክዕንድር ከም ዘተባብዖ’ውን ገሊጹ።

 ብዛዕባቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይባራዕ ዘስግእ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ናይ ድሕሪ 2018 ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ፡ “ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ፍልልይ ኣሎ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም፡ ኣብይ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ኣነ ከኣ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ድላይካ ናብ ኩሉ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ” ዝበሎ ፡  ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ “ኣነን ኢሱን እንካፈሎ  ዓሳብ ይኸውን” ክብል እንከሎ “ይድገም ይደገም” ዝበሃለሉ ዝነበረ ኩነታት፡ ነቶም ካብ ቀደሙ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያዊ ወገናት እዚ ሎሚ ዝደጋገምዘሎ ሕቶታት ከልዑ ከም ዝተባብዖም ኣገንዚቡ። ብምቕጻል  ከኣ ኤርትራዊ ልኡላውነትና እናዓቀብና፡ ነቲ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን  ዘየርብሕ ውግእ “እምቢ” ክንብል ይግበኣና ኢሉ።

Untitled 12

ብጻይ ገረዝጊሄር መቖምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ምውሓስ መሰረታዊ መሰላትን ምዃኖም ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እዞም መቖምያታት ከኣ መብርሂ ሂቡ። ንነዊሕ ግዜ ኣብቲ መስርሕ ምምስራት ጽላል ዝነበረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲይዊ ለውጢ ድሕሪ ጉባአኡ ኣካል ፖሓኤ ክኸውን ዘለዎ ትጽቢት ብምግላጽ ድማ፡ ምስ ልፍንቲ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘተ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሰዲህኤ ንብሪጌድ ንሓመዱ ከም ሓደ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ 4ይ ጉባአኡ፡ ከም ዝተባበዖ ብምጥቃስ፡ ንዘካይዶ ቃልሲ ኮነ ምስኣቶም ንዝግበር ርክባት ንክሕግዝ ትካላዊ ጥርናፈ ክህልዎምን ናይ ገዳይም ተቓለስቲ ተመኩሮ ምቕሳምን ከም ዘድልዮ ኣገንዚቡ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ንጹር መትከላት ዝተሰረተን ንልኡላውነት ኤርትራ ዝዓቀበን ክኸውን ከም ዝግባእ ጠቒሱ። ምስ ህዝቢ  ትግራይ ዝግበር ርክብ’ውን ከምቲ ምስ ጐረባብትና ህዝቢ ኩናማ፡ ዓፋር፡ ኮነ ሕዳርብ ዝግበር ኮይኑ፡ ንሓድነት ኤርትራን ህዝባን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ዘይጻባእ  ክኸውን ይግበኦ ኢሉ።

ንግደ መንእሰይ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ኣብ ዝምልከት ከኣ፡ መንእሰይ ተስፋ ህዝብን ሃገርን እ ኢሉ፡  ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ዝሓልፍ ዘሎ ወለዶ ብወገኑ ዋላ’ኳ ውጽኢቱ ስደትን ካልእ ሕሰማትን እንተኾነ፡ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣረኪቡ እዩ ኢሉ።  ኣብ መጻኢ ግደ መንእሰይ ዲሞክራስያዊ ሃገር ምህናጽ ምዃኑ ብምሕሕባር ድማ፡ መንእሰይ ኣብ መጻኢ ጉዕዞ ቃልሱ ክሰንቆም ብዛዕባ ዝግበኦም ሓሳባት ሰፊሕ ምዕዶ ሂቡ። እቲ ስፍሕ ብዝበለን ኣብ ተመኩሮታት ዝተራእየን ኣሰንዩ ዝሃቦ ምኽሪ ከኣ። እዚ ዝስዕብ ይርከቦ።

“ዘጋጥም ናይ ምፍልላይ ዕንቅፋታትን ስምዒታትን ኣወግዱ፡ ናይ ካልእ ኣገልጋሊ ከይትኾኑ፡ በይንኹም ከተዕርዩ ከምዘይትኽእሉ ተረድኡ ብቑዓት መቓልስቲ ርኸቡ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ክትገብሩ ከም እትደልዩ ኣቐዲምኩም ኣነጽሩ፡ ስቕታ መሪጾም ንዝጸንሑ ኣበራብሩ፡ ብዘለኩም ዓቕሚ ተኣማሚንክም ተበገሱ፡ ምህናጽ ልሙጽ ዘይኮነስ ዕንቅፋት ሓሊፍካ ዝረጋገጽ ምዃኑ እመኑ፡ ከይሰሳዕኩም ብንእሽቶ  ጀምሩ፡ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ይሃልኹም፡ …… ጽባሕ ሓቢርና እንዓብየላ ዓለም ኣብ ምህናጽ ጽዓሩ።” ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብቶም መብርሂ ዝሃበሎም ሓሳባት ንዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱ። ኣገደስቲ ለበዋታትን ርኢቶታትን ከኣ መዝጊቡ።

ካብቶም ግዳይ መጥቃዕቲ ዱሮን ዝኾኑ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታት

ኣርባዕተጋዜ ጠኛታት መንግስታዊ ተለቪዥን ሱዳንን ክልተ ወተሃደራዊ ሪፖርተራትን፡ ከተማ  ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቲ መጥቃዕቲ በቲ ካብቲ ንዳርጋ ክልተ ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ቤተመንግስቲ ተደፊኡ ዝለቐቐ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሚሊሻን ዝተፈጸመ እዩ። እቶም ጋዜጠኛታት እቲ ቤተመንግስቲ ብሰራዊ ሱዳን ምስ ተታሕዘ ሙያዊ ግቡእ ንምፍጻም ዝብቲ ቦታ ቀልጥፎኦም ምስተረኽቡ ኣብ ስራሕ እንከለዉ ዝተቐትሉ ምዃኖም ድማ ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ዜና ሱዳን ካሊድ ኣለይሲር፡ ንመቕተልትቲ እቶም ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ካብቶም ናይ ድሮን ግዳይ ዝኾኑ፡ ፋሩቕ ኣሕመድ መሓመድ ኣል ዛሂር፡ዲረክተር፡ ማጅዲ ዓብደል ራሕማን ሰኣላይን ዋጂህ ጃዕፈር መራሕ መኪናን ከም ዝርከብዎም ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝገለጾ እቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ መሊሻ ካብቲ ዳርጋ ንክልተ ዓመታት ክቆጻጸሮ ዝጸንሐ ቤተመንግስቲ ብሓይሊ ተደፊኡ ምስወጸ፡ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከም ዘዝነበን፡ ብሰንክቲ መጥቃዕቲ ኣብ ወተሃደራዊ ክፍሊ ተለቪዥን ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ሌተናል ኮለኔል ሓሰን ኢብራሂምን ሻንበል ኢማድ ኢልዲንን ዝተባህሉ  ክኢላታት ዝርከብዎም ሓያሎ ወተሃደራት  ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብ21 መጋቢት2025 ብሄራዊ ቤተመንግስቲ ሱዳን ከም ዝተቖጻጸረ ሓቢሩ፡ ነቲ ስርሒት ሱዳናውያን ከም ምልክት ናይ  ምሉእ ብምሉእ  ዓወት ናይቲ ሰራዊት ገይሮም ከም ዝወስድዎ ኣፍሊጡ። ናይ ሱዳን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ብወገኑ ናይቲ ቤተመንግስቲ ምትሓዝ ነቶም ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ኣእትዮም ነቲ ሚሊሻ ክሕግዙ ዝጸንሑ ናይ ግዳም ሓይልታት ናይ ውድቀቶም መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ ኢልዎ።

Saturday, 22 March 2025 18:14

Radio Dimtsi Harnnet 22.03.2025

Written by

ቀይሕ ባሕሪ ክፍለ-ዓለማት ኣፍሪቃን ኢስያን ዘራኽብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኣብ መንጎ ወሽመጥ ስዊዝ ካናልን ባብኤል-መንደብን ዘሳፍሐ፡ ምስ ህንዲ ውቅያኖስን ባሕሪ መዲተራንያን በተን ወሽመጣት ዘራኸብ ዓብይ ማያዊ ክፍሊ እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስና ሃገራት፡ ብወገን ምዕራብ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኤርትራን ጅቡትን ክኾና እንከለዋ፡ ብምብራቕ ድማ ሳዑዲ ዓረብያን የመንን ከዋስነኦ እንከለዋ፡ እስራኤልን ዮርዳኖስ እውን ብውሱን ደረጃ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝራኸባ እየን።

ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ 2,250 ኪ.ሜ ንውሓት ክህልዎ እንከሎ፡ ጠቕላላ ስፍሓቱ ከኣ 438,000  ትርብዒት ኪ.ሜ እዩ። ንጐኒ ዘለዎ ንውሓት ከኣ ኣብቲ ዝገፈሐ ኣካሉ 355 ኪ.ሜ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝጸበበ ወገኑ ከኣ 26-29 ኪ.ሜ  እዩ።

ንቀይሕ ባሕሪ ዘዋስና ሃገራት ካብቲ ገማግሙ ዝተፈላለየ ንውሓት ዘለዎ ማያዊ ክፍሊ ይውንና። በዚ መሰረት ብግምታዊ ኣሃዝ ብመዕቀኒ ኪ.ሜ፡ ሳዑዲ ዓረቢያ 2,640፡  የመን 1,906፡ ግብጺ 1,906፡ ሱዳን 853፡  ኤርትራ 1,151፡ ጅቡቲ 316፡  እስራኤል  273፡ ዮርዳኖስ ከኣ 26 ብጽሒት ኣለወን።

ናይቲ ባሕሪ ወነንቲ ሃገራት ነፍሲ ወከፈን እዚ ዝስዕብ ማያዊ ስፍሓት ይብጸሓን። ሳዑዲ ዓረቢያ፡ 186,392፡  ሱዳን 92,513፡ ግብጺ 91,279፡  ኤርትራ 78, 383፡ የመን 35, 861፡ ጅቡቲ 7,037 ትርብዒት ኪ.ሜ ይውንና።

 ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈላለየ ስፍሓት ዘለወንን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝህባን 521 ደሴታት ኣለዋ። ኣብ ገማግም  ቀይሕ ባሕሪ 10 ኣገደስቲ ወደባት ክህልዋ እንከለዋ፡ ንሳተን ከኣ፡ ወዳባት ጅዳ እስላማዊትን ያንቡን ናይ ስሳዑዱ ዓረቢያ፡ ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ናይ ኤርትራ፡ ወደብ ፖርት ሱዳን ናይ ሱዳን፡ ወደብ  ስፋጋ ናይ  ግብጺ፡ ወደብ ኢላት ናይ እስራኤል፡ ወደባት ሑደይዳን ዓደንን ናይ የመን፡ ወደብ ኣቃባ ድማ ናይ ዮርዳኖስ እየን።

ዝለዓለ ቁመት ቀይሕ ባሕሪ 2,250 ኪ.ሜ ክኸውን እንከሎ፡ ዝገፈሐ ጐኑ  355 ኪ.ሜ ኮይኑ፡ እቲ ዝጸበበ ከኣ 26-29 ኪ.ሜ እዩ። ናይ ትሕቲ ማይ  መሬት  (surface)  ስፍሓቱ ድማ 438,000 ትርብዒት ኪ.ሜ እዩ። ማእከላይ (average) ዕምቆቱ 490 ሜትሮ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓመቐ ድማ 3,042 ሜትሮ እዩ። ምስዚ ኣስታት 40% ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ዕምቆቱ ትሕቲ 100 ሜትሮ እዩ። ማይ ናይ ምሕዝ ጠቕላላ  ዓቕሙ 233,000  ኩቢክ ኪ.ሜ እዩ ይበሃል።

ማይ ቀይሕ ባሕሪ 4.1% ጨዋም ከም ዝኾነን ምስ ናይ ካለኦት ማያዊ ኣካላት ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ምዉቕ ምዃኑን ካብ ካለኦት ባሕርታት ፍሉይ ዝገብሮ እዩ። ምስዚ ዓቐን ጨው ግና ምስ ምዉታት ባሕርታት ዝምደብ ኣይኮነን። ናብኡ ዝፈሱ ወሓይዝ ስለ ዘየለዉ፡  ማይ ቀይሕ  ወትሩ ጽሩይን ንመስተ ክውዕል ዝኽእልን እዩ። ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዓመት ብሓንቲ ሴንቲ ሜተር ዓቐኑ ከም ዝውስኽ እውን ይሕበር።  ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣስታት 1,200 ዓይነት ዓሳ ዝርከቡ ኮይኖም እቶም 10-20% ኣብ ካልእ ማያዊ ክፍሊ ዘይርከቡ እዮም።

ቀይሕ ባሕሪ ህንዳዊ ውቅያኖስን ባሕሪ መዲትራንያንን ብዘለዎ ናይ ምርኻብ ግደ ኣብ ኣህጉራዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ብፍላይ ከኣ ኤስያን ኤውሮጵን ንምርኻብ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ፡ ነቲ ብኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣቢልካ ዝግበር ነዊሕ ጉዕዞ ብፍርቂ ብምንካይ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። 12-15% ግሎባላዊ ንግዲ ከኣ ብቀይሕ ባሕሪ ይመሓላለፍ።

መዘከርታ፡ እዚ ሓበሬታዚ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተወስደ  ስለ ዝኾነ ናይ ኣቐራርባ ምቕይያራት  ከጋጥም ከምዝኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ።

Friday, 21 March 2025 07:51

Dimtsi Harnnet Kassel 20.03.2025

Written by

ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንድምጺ ኣሜሪካ (Voice of America)፡ ሬድዮ ሓርነት (Radio Liberty)ን ካለኦት ደገፍቲ ዲሞክራሲ ትካላትን ዝስላዕ ዝነበረ በጀት ከም ዘቋረጸ ማዕከናት ዜና ኣሚሪካ ሓቢረን። ዳይረክተር ድምጺ ኣሜሪካ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኩሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ይርከቡ ኢሎም።

ኮንግረስ ኣሚሪካ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ንበጀት ብዝምልከት ድሕሪ ምምራጽ ትራምፕ  ንመጀምርያ ግዜ ምስተመያየጠ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ንምምሕዳሩ ዝሃቦ ህጹጽ ትእዛዝ ናይ ዝተፈላለዩ ትካላት በጀት ምቑራጽ እዩ።  እቲ ትእዛዝ፡ ነቲ ንድምጺ ኣሜሪካ፡ ሬድዮ ነጻ ኤውሮጳን ሬድዮ ማርቲን ዘመሓድር “ዓለም ለኻዊ ትካል መዲያ ኣሜሪካ” ዝምልከት እዩ። ሬድዮ መርቲ ብቋንቋ ስፓኒሽ ናብ ኩባ ክፍነው ዝጸንሐ ፕሮግራም እዩ።

ኬሪ ሌክ ዝተባህለት ብትራንፕ ብኣማኻርነት ዝተመደበት ሰነቴር ብወገና፡ ሰራሕተኛታት ናይተን በጀተን ዝቋርጽ  ትካላት፡ ቀጻሊ ምዕባለ ብዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ  “ናይ  ኢብመይል መልእኽቶም ይከታተሉ” ኢለን። እተን ሰነቴር ኣብ  ካልእ መልእኽተን፡ ዓለም ለኻዊ ትካል መዲያ ኣሜሪካ፡ ብምጥፍፋእ  (corruption)  ዝተውሕጠ እዩ ከም ዝበላ እውን በቲ ዜና ተሓቢሩ።

ነቶም ኣብ ዕረፍቲ ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ኣብ  ዝተዋሀበ ደብዳበ፡ “ክሳብ ሓዲሽ ሓበሬታ ዝወሃብ፡ ደሞዝኩም ክትክፈሉ ኢኹም” ዝብል ትሕዝቶ ይርከቦ። ብምትሕሓዝ ከኣ እቶም ሰራሕተኛታት ብዝኾነ ኣገባብ ብጸጋታት  እቲ ዓለም ለኻዊ ትካል መዲያ ከይጥቀሙን ከም ኮምፒተርን ተለፎንን ዝኣመሰሉ መሳርሕታት ንከረክቡ እውን ይእዝዝ።

ድምጺ ኣሜሪካ ካብ 1942 ክሳብ 2025 ን83 ዓመታት ኣገልግሎት ዝሃበት ብ49 ቋንቋታት ፈነወኣ ከተካይድ ዝጸንሐት ትካል መድያ እይ። ካብti 49 ቁንቋታት፡ ናብዚ ከባቢና ዝፍነዋ መደበት ሬድዮ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛን ኦሮሞን ይርከበአን።  ናይ 2023 ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ዓመታዊ በጀት ድምጺ ኣሜሪካ  ልዕሊ 267 ሚልዮን ድላር ኮይኑ፡ ብናይ 2021 ሓበሬታ መሰረት ከኣ ኣስታት 961 ኣባላት ዘለዉዋ ነባር ትካል መዲያ እያ።

Page 4 of 596