ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒጓ

2026-06-13 08:56:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 40 times

ኣጉስቲ ፓሲሊ ዝተባህለት፡ ጓል 30 ዓመት ወኪል ጋዜጣ ላክሮይክስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና ካብ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ዝጸንሐት ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተሰጐት ኣስራሒኣ ትካል ዜና ኤኤፍፒ (AFP) ብ12 ሰነ 2026 ሓቢሩ። ኣስታት 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ መዲያታትን ጋዜጠኛታትን ሕማቕ ስም ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ምዃና ብምጥቃስ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብዚ ዛዕባ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 148 ተሰሪዓ ዘላ ምዃና ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እቲ ዜና፡ ምግዳብ ምንቅስቓስ ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምድያቡ ንሓጺር ግዜ ተመሓይሹ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ግና ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ኣስፊሩ። እዛ ዝተስጐት ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ፡ ካብ 2023 ጀሚራ ወኪል ላክሮይስ ካቶሊካዊት መዓልታዊት ጋዜጣ ኮይና ክትሰርሕ ምጽነሓን ናይ ምስጓጓ ምኽንያት ብንጹር ከምዘይተነግራን ናይታ ጋዜጣ ወጻኢ ጉዳያት ዳይረክተር ቶማስ ሆፍኑንግ ከም ዘፍለጠ እውን ተሓቢሩ።

ጋዜጠኛ ፓሲሊ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ወርሒ ሰነ 2026 ናብታ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ኣትያ ዘላ ክልል ትግራይ ተጓዒዛ ከም ዝነበረት ሓቢራ፡ እንተኾነ ብናይ ኢትዮጵያ በዓል መዚ መዲያታት ብህጹጽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትምለስ ከም ዝተኣዘዘት ጠቒሳ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለሰት ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ከብ ዘለዎ ከባቢ ትግራይ ጸብጻብ ብምቕራባ ከም ዝተነቕፈት  ሓቢራ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝጠቐሶ ግና ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ፈቓድ ዘለዎ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛ ናብ ዝኾነ ከባቢ ኢትዮጵያ ከይጐዓዝ ዝኽልክል እገዳ ከም ዘየለ ኣብሪሁ።

Last modified on Saturday, 13 June 2026 11:02