ኣብቲ ጉዳይካ “ባዕለይ ኣለኹ” በል!
2025-04-15 08:08:52 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 52 timesናይ ዞባና ኮነ ኣህጉርና ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ክብን ለጠቕን እናበለ ብቐጻሊ ዝሕቆን ዘሎ እዩ። ኣብቲ ቀጻሊ ሓጐጽጐጽ በብግዜኡ ዝተፈላለያ ሃገራት መዛረቢ ኣጀንዳ ይኾና። እቲ ዝላዓል ዛዕብታት ከኣ እወንታውን ኣሉታውን ገጻት ይህልዎ። ትሕዝትኡ ፖለቲካዊ ምቅይያራት፡ ወተሃደራዊ ግጭታትን ውግኣትን ዘስዓቦ ሓደጋታት ዘርኢ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ናይ ምዕልባጥ መስርሕ ገለ ሃገራት ግዳይ ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ከኣ ጠንቂ ናይቲ ግዳይ ክኾና ምዕዛብ ዝተለምደ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ንመጀመርተኣ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጀንዳነት ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ሓንቲ ኮይና’ላ።
ሓንቲ ሃገር ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ኣቐዲሙ ስሙ ዝጽዋዕ መሪሕ ተዋሳኢ፡ እቲ ዝመርሓ ባእታ ወይ መንግስቲ እዩ። ተሳትፎኡ ከከም ባህሪ ናይቲ ዘመሓድሮ መንግስቲ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ህዝቢ እውን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብ ዙርያኡ ዝለዓል ኣጀንዳን ምንቅስቓሱን እዩ። ስለዚ ኤርትራ ኣጀንዳ ክትከውን እንከላ፡ ነጸብራቕ ተግብራት ናይቲ “ይመርሕ ኣለኹ” ዝብል ጉጅለ ህግደፍን ናይ ዜና ማዕከናቱ “ሃበስቀደስን” ጐሊሑ ዝረአ እዩ። ብሰንኪ ኣግላሊ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ፡ ግደኡ ዝተደረተ እኳ እንተኾነ፡ ብወገን ኤርትራ “ከምዚ ተባሂሉ፡ ከምዚ ተፈጺሙ፡ ከምዚ ከየጋጥም የስግእ እዩ” ክበሃል እንከሎ፡ “እቲ ህዝቢኸ ነቲ ኩነታት ከመይ ይርእዮ’ሎ” ተባሂሉ ክሕተት ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ድምጺ ህዝቢ ክስመዓሎም ዝነበሮ ተረኽቦታት፡ ብዛዕባ ግደኡ ተሓቲቱስ፡ ዘዕግብ ምላሽ ዘይነበሮ ምዃኑ ስለ ዝዝከር፡ ሎሚ ንእጃም ህዝቢ ኤርትራ ብዝምከት ብዙሕ ዝለዓል ከምዘይኮነ፡ ዘንጸባርቑ ወሃብቲ ርኢቶ ብዙሓት እዮም። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓለፈ ተጣዒሱ፡ ሎሚ “ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ወዲቐን ተናዒቐን?” ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ንክሓትት ሓላፍነት ዘሰክሞ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እታ ኣጀንዳ እትኸውን ዘላ ሃገሩ፡ ብናቱ መሪር ቃልስን ክቡር ዋጋን ዝመጸት ምዃና ጥራይ ኣይኮነን። ልኡላውነታን ሓድነት ህዝባን መሬታን ናይ ምሕላው ሓላፍነት እውን ንዕኡ ዝምልከት ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ዕንደራ ህግደፍ ክመጽ ናይ ዝኽእል ውግእ ናይ ህይወት ኮነ ንብረት ዋጋ ዝኽፍሎ ንሱ ምዃኑ እውን ኣብ ተመኩሮኡ ዘረጋገጾ ኣገዳሲ ተዘክሮ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ፡ ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ “ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ኣብ 1900፡ 1902ን 1908ን ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተበጽሐ ውዕላት፡ ኣብ ኣልጀርስ እውን ዝተኸተመ ስምምዕን ዝተበየነ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መሬት ይመልከት” ኢሉ ኣትሪሩ ዘይምሓዙ ክጥዓስን ካብኡ ተማሂሩ ዋና ናይዚቲ ኣጀንዳ ክኸውን ኣብ ዝግደደሉ መድረኽ ኢና ዘለና።
ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቀልቢ ብዙሓት ዝስሕብ ተበሃግን ተሃዋስን እዩ። ኣብዚ ዞባ እትርከብ ሃገር ነቲ ተበሃግነት ብዝምጥን ውሕሉል መንግስቲ ክትምራሕ እንከላ ጸጋኣ ዕዙዝ እዩ። ብኣንጻሩ ንዓኣ ብዘይምጥን ሃላሊ ክትመሓደር እንከላ ከኣ ተጠቃምነታ ተሪፉ ጸላእቲ እትዕድም ግዳይ እያ ትኸውን። ንኤርትራ ክገጥማ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ብጸጋታታ ተጠቃሚት ዘይምዃን ከኣ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስጋኢ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ምውጣጥ፡ ኣብ ርእሲቲ ህንጡይነት መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ናይቲ ኤርትራ ንምምራሕ ዘይምጥን ጉጅለ ህግደፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ኣሉታዊ ግደ እውን ኣብ ቦታኡ ዘሎ’ዩ።
ትማሊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ብዝፈጠሮ እሞ ዕድሚኡ ዝሓጽር ዘሎ ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ንምጽብባቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መድረኻት፡“ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት እንህቦ ዛዕባ ኣይኮነን፡ ክልተ ህዝብታት እዩ ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ፡ ዕላማ ዝምድናና ኢትዮጵያ ከይትበታተን ምሕላው እዩ፡ ኣይከሰርናን፡ ደጊም ኣብይ ኣሕመድ ኢኻ ትመርሓና………. ወዘተ” ክብል እንከሎ፡ ዘይሰመዖ ኤርትራዊ የለን። “ኣይፋልካን ዓሪ ደኣ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ነቲ ዲክታተር ንምስናይ ምስ ኢትዮጵያውያን ተሰሊፎም፡ “ተደሚርና ኢና፡ ፍቕሪ ይስዕር (ተደምረናል፡ ፍቅር ያሸንፋል) …….” ዝበሉ ኤርትራውያን ወገናት፡ ሎሚ እንተኾነ ኣብ ኣደባባይ ብቓልዕ፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ሕልናኦም “ሰይጣን ወሰደኒ፡ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሎም እንተዘይ ተናሲሖም፡ ከም ሰብ ካብ ምሕሳብ’ውን በዂሮም ዘለዉ እዮም።
ኣብ ኣልጀዚራ፡ ዘኢኮነሚስት፡ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕን ካለኦት ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን፡ ብዙሓት ብዛዕባ ውግእን ወጥርን ተመኩሮን ኣፍልጦን ዘለዎም ፖለቲከኛታት “መን ይጅምሮ ብዘየገድስ” ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ምብርዑ ከም ዘይተርፍ የተንብሁ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ዝቐደመ ንብዓቱ ከይደረቐ ኣብ ልዕሊኡ ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ውግእ፡ ብስሩዕ ዝሕብሮን ዘጠንቅቖን መንግስቲ የብሉን። ነቲ ዝተፈላለዩ ወገናት ከከም ዝጥዕሞም ገይሮም ዘቕርብዎ ሓበሬታን ኣብ ልዕሊ ደቁ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ግፋን ተዓዚቡ ካብ ምስጋእ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። “ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ቱርኲ ሱዕድያ፡ ኤመረት” ዝኣመሰሉ ኣስማት ሃገራት እናጸውዐ፡ “ነቲ ዝስጋእ ዘሎ ውግእ ደኾን የዕግሱልና?” ኢሉ ተስፋ ዘሕድር ከኣ ውሑድ ኣይኮነን።
እዘን ሃገራት ነቶም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ መንግስታት “ከዕግሱልካ” ምጽባይ ነውሪ ኣይኮነን። እቲ ቅድሚት ዝስራዕን ወሳንን ግና “ኣብቲ ጉዳየይ፡ ኣለኹ ባዕለይ?” ምባልን ግብራዊ መልሲ ምሃብን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ጉዳያት ከይተበላሸወ ድምጹ ዘይምስማዕ፡ ብኣንጻሩ መዳመቒ ብምዃን ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝዝክሮ የለን። ስለዚ ነቲ “ናይ ውግእ ውሉፍ” ህግደፍ ብዝመልመሎም ዘይሓላፍነታውያን ኣቢሉ ዝድስቖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ነጋሪት ኣብ ክንዲ ምድማቕ፡ ከሎ ጌና፡ “ስለምንታይ?፡ ብዘይካ ውግእከ ካልእ መፍትሒ የለን ድዩ?፡ ከም ህዝብን ሃገርንከ ኣየናይ ኣገባብ’ዩ ዘዋጸኣና?” ኢሉ ክሓትት፡ መልሲ ክረኽበሎምን ብእኡ መሰረት ክንቀሳቐስን ይግበኦ።
ሩሲያ ኮነ ዩክረይን፡ ኣመሪካ ኮነ ኢራን፡ እስራኤል ኮነ ፍልስጤም ክለዓላ እንከለዋ፡ “እሞ እቲ ህዝበንከ ከመይ ይርእዮ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ወርትግ ዝለዓል እዩ። ስለዚ ኣብዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ፕርፖጋንዳዊ ኩርባባን ሕድሕድ ምንእኣስን” ዝሓየለሉ እዋን “ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራኸ ከመይ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ከም ዝለዓል ርዱእ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶ’ዚ ዝኸውን ብሱል መልሲ ንምሃብን መዋጽኦ ንምእማትን፡ ህዝቢ ኤርትራ “ኣነኸ ኣብቲ ጉዳየይ?” ንዝብል ብግቡእ ከቕልበሉ እነዘኻኽሮ።