“እንተ ክትድቅስ፡ ጐረቤትካ ይደቅስ”
2026-04-05 17:03:17 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 61 timesኣብዚ እዋን’ዚ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ በይንኻ እትነብረላ ዘይኮነት፡ እቲ ሓደ በቲ ካልእ ዝያዳ ኣብ ዝጽለወሉን ዝተሓባባረሉን ዘበን ኢና እንርከብ። እቲ ምጽልላው ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ጐረባብቲ ክኸው እንከሎ ድማ ዝያዳ ይዓዝዝ። ነዚ ምቅርራብ ካብ ዘማዕበልዎ ተረኽቦታት ሓደ ከኣ፡ እቲ ንዓለምና ናብ ሓንቲ ቁሸት ቀይርዋ ዘሎ፡ ዕቤት ኣብ ዘመናዊ መራኸቢ እዩ። እቲ ቅልጡፍ ምጽልላው ዝያዳ ኣብ መዳያት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ጸጥታዊ ድሕንነት፡ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዘተኩር ኮይኑ፡ ካልእ መልከዓት’ውን ኣለዎ።
እቲ ክብደት ሕድሕድ ምጽልላው ብኣተሓሕዛኡን ምምሕዳሩን ዝውሰን ኮይኑ፡ ኣውንታውን ኣሉታዊውን መልክዓት ሒዙ ዝኽሰተሉ ኩነታት ኣሎ። ኣየንኡ መልክዕ ይሕዝ ኣብ ምውሳን ከኣ ናይቶም ዝዛመዱ መንግስታት ግደ ወሳኒ እዩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ዝፍጠር ኣሉታዊ ይኹን ኣውንታዊ ተጽዕኖታት፡ ነናቱ ስንብራት ዘለዎ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ጐረባብቲ ዝግበር ርክብ ግና ብቐረባ ዝርአን ብዕለታዊ ምንቅስቓስ ዝግለጽን ስለ ዝኾነ፡ ኣሰሩ ሓያል እዩ።
ዝምድና ጐረባብቲ ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል። ናይዚ ኣበሃህላ ትርጉም ከኣ ናይ ጐረቤትካ ጸጋ ኮነ ሕሰም፡ ኣብ ልዕሌኻ’ውን ተጽዕኖ ዘሕድር ምዃኑ ዘመልክት እዩ። እዚ ብመልክዕ ስድራቤታዊ ዝዕቀን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ሃገራት እውን ዝረአ እዩ። ኤርትራን ህዝባን ከኣ ናይዚ ተጸላላዊ ጉርብትና ውረድ ደይብ መሪር ተመኩሮ ኣለዎም።
ህዝብታት መንግስታቶም ብዘውሕስዎ ሰላምን ብልጽግናን ተጠቀምቲ እዮም። ብኣንጻሩ መንግስታት ምስ ጐረባብቲ ኮነ ምስ ርሑቕ ብዝፈጥርዎ ምርሕሓቕን ህውከትን ዝህሰዩ’ውን እቶም ህዝብታት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ክሓልፎ ዝጸንሐን ዘሎን ህይወት ኣብዚ መዳይ’ውን መስካሪ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ዝምድና ዝረአ ውጽኢት ከኣ መንግስታት ክሳብ ክንደይ ትርግታ ልቢ ህዝቦም ኣብ ግምት የእትዉን ኣየእትዉን ዝምዘንሉ መሰረታዊ መዕቀኒ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንህዝቢ ኤርትራ ወሲኽካ፡ መንግስታቶም ካብ ባህጎም ወጻኢ ብምኻዶም፡ ድምጾም ዘስምዑን ናብ ዝሓሸ ልዕልና ንምብራኽ ዝቃለሱን ብዙሓት እዮም።
እዚ ኣብቶም ብዘይ ምርጫ ህዝቢ ብኢደወነኖም ኣብ ስልጣን ዝተወጥሑ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ከም ዝገድድ ካብ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ኣብነት ዝኸውን የለን። ሳዕቤን ኢደወነናዊ ኣካይዳን ዝምድናን መንግስታት ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ብምዝያዳ ምስ ጐረባብቲ ኣብ ዝግበር ርክብዩ ዝንጸባረቕ። ህግደፍ በብመድረኹ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብትና ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ምስታ ብኣስታት 1,033 ኪ/ሜት እትዳወበና ኢትዮጵያ ክገብሮ ኣብ ዝጸንሐ፡ ትካላውነትን ግሉጽ ፖሊስን ዘይነበሮ፡ ኣርሒቑ ዘይርእን ብጉጅላዊ ድሌት ጥራይ ዝተጨውየን ስንኩፍ ዝምድና፡ ክሳብ ክንደይ ንህዝብና ዋጋ ከኽፍሎ ከም ዝጸንሐን ከም ዘሎን ኩሉ ገዲፍካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝከላበቱ ዘለዉ ኤርትራውያን መሰኻኽር እዮም።
ዘለናዮ ዘበን፡ ዝሃለወ ይሃልው ጽልዋን ጸጋን ዝውንና መንግስታት ከይተረፋ፡ ዶባተን ዓጽየን በይነን ዝዕንድራሉ ዘይኮነ፡ መኻይዲ ዝደልያሉ’ዩ። ነቲ በይንኻ ምንባር፡ ካብ ኣሜሪካ ጀሚርካ እተን ሓያላት ኢና ዝብላ ሃገራት’ውን ኣይከኣለኦን። ናይ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ሃገራት ሓለፍቲ፡ ካብ እስራኤል ናብ ዋሽንግተን፡ ካብ ካይሮ ናብ ርያድን ኣቡዛብን፡ ካብ ኣንካራ ናብ መቃድሾን ኣዲስ ኣበባን፡ ካብ ቻይናን ሩሲያን ናብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ሪያድ ናብ ኣስመራ ….ወዘተ ዝረአ ምውንጫፍ ቀጻሊ ዜና ዝኸውን ዘሎ ከኣ በዚ ድርኺት እዩ። ብፍላይ ርክብ ጐረባብቲ ምክብባር፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት፡ ናይ ሕድሕድ ናጻጽነትን ኢድ ኣእታውነት ዘይፈቅድን እንተዘይኮይኑ፡ ውሑስ ዕቤትን ሰላምን ዘምጽእ ኣይኮነን።
ሓደ ሓያል እየ ዝብል ኣካል፡ ናይቲ ካልእ መዛምድቱ “ኢድ ጠውዩ”፡ ናይ “ሰዓርን ሰዓርን” ዘይኮነ ናይ፡ “ሰዓርን ተሰዓርን” ፖሊሲ መሪጹ፡ ብጉልበት ኣፈራሪሑ ዝምድና ክፈጥር ዝፍትን ግና ውጽኢቱ ግዝያዊ እንተዘይኮይኑ፡ ቀጻልን ዘተኣማምንን ርግኣት ዘምጽእ ኣይኮነን። ንናይቲ “ሓያል እየ” ኢሉ ዝምካሕ ስርዓት ህዝቢ ረብሓ ከምዘይከውን ከኣ ግንዛበ ክረክብ ዝግበኦ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ዝምድናኡ ምስ ኤርትራ ክቓንየሉ ዝፍትኖ ዘሎ ኣብ ሓይሊ ዝምርኮስ፡ ናይ “ዓይኒ የብለይ ስኒ የበለይ” ፖሊሲ ከኣ በዚ መንጽር ዝረአ እዩ።
መንግስታት ከም ምሕብኢ ክጥቀምሉ ዝፍትኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራን ጐረባብታን ክደጋገም ዝስማዕ ዘሎ “ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ዝብል እዩ። ብደረጃ ተረድኦ እዚ ኣምር ዝድገፍ እዩ። እንተኾነ ህዝብታት፡ “ናይ መንግስታት ጉዳይ ንዓኣቶም ይምልከት፡ ንሕና ከም ህዝብታት ንዛመድ” ኢሎም ኣብ ልዕሊ መንግስታቶም ተጽዕኖ ከሕድርሉ ዝኽእሉ ናጻነትን ዲሞክራስያዊ ዓቕምን ክህልዎም ይግባእ። እዚ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ዝዝመር “ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ግና፡ ናይ መንግስታት መሕብኢ ድራማ እዩ ዝኸውን።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ትሕቲ “እንታይ ከም ዝዛረብን እንታይ ከምዝሓስብን” ዝውስነሉ ምምሕዳር ህግደፍ እናሃለወ፡ መንግስቲ ኢድዱ ዘየንበረሉ መስርሕ ህዝቢ ምስ ህዝቢ የካይድ ኣሎ ምባል፡ ናይቶም በሃልቱ ብደዐ ዘርኢ እዩ። እዚ ማለት ግና ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ነዚ ወሳኒ ዓቕሚ ኣይከረጋግጾን’ዩ፡ ማለት ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ ብሓደ ወገን፡ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእን ስግኣትን፡ ኣባና’ውን ክዘንብ ከም ዝኽእል፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣሳፊሑ ዘሎ ጭቆናን ወጽዓን ናብ ጐረባብታና ክላባዕ ከም ዝኽእል ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። እታ ፖለቲካዊ ኩዕሶ ሓንሳብ ናብ ካለኦት ምስ ተቐለዐት፡ ብኡ ኣቢላ ትርሕቕ ዘይኮነት፡ ተመሊሳ ከም እትቕላዕ ምርዳእ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሰላሙ ክሓስብ እንከሎ፡ ብዛዕባ ናይ ጐረባብቱ ሰላም እውን ክሓስብ እምበር፡ ብዘይሓላፍነታዊ ጃህራን ዓንዳሪትን ህግደፍ ክስለብ የብሉን። ዝያዳ ድማ ሰላሙ ብናቱ ባህግን ናይ ቃልሲ ቅሩብነትን ተዘይኮይኑ፡ ኣማዕድዩ ብዝምርቖምን ዝረግሞምን ኣልኣት ዝውሰን ከምዘይኮነ ክርዳእ ይግበኦ።