ግደን ሓላፍነትን መዲያታት
2026-04-12 07:46:35 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 105 timesዓለምና ብኸምዚ ንርእዮ ዘለና ንክትቀራረብ፡ ግደ መዲያ ክሳብ ክንደይ ዕዙዝ ምዃኑ ርኡይ እዩ። መዲያ መሰረታዊ ተልእኮኡ ሓበሬታ ምብጻሕ ኮይኑ፡ እቲ ዝባጻሕ ሓበሬታ መሃሪ፡ መዘናግዕን መለዋወጢ ተመኩሮታትን’ውን እዩ። ህዝብታት ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይ ዝተፈጥረ ኣውንታ ተጠምቲ ንኽኮኑ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ካልእ ኩርናዕ ካብ ዘጋጥም ኣሉታ ንክጥንቀቑ፡ ብጽሒት ናይቲ ብመዲያ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ወሳኒ እዩ። በዚ መሰረት እዮም ከኣ ናይቲ ዓውዲ ፈላጣት፡ “መዲያ በቲ ሓደ ወገን ዝሕብር፡ ዘስተምህርን ዘዘናግዕን መልእኽቲ ዘስንቕ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣካይዳ መንግስታት ዝቆጻጸር፡ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዝተተኽለ ምቆጻጸሪ ዓንዲ ማእከል እዩ” ዝብልዎ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሳላ ቅልጡፍ ዕቤት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ዓለምና ክንደይ ዝኣኽላ መዲያታት ከም ዘለዋ ምፍላጥ ኣይከኣልን። እንተኾነ፡ ተለቪዝን፡ ሬድዮ፡ ሕትመት….ወዝተ እናበልካ ዝጽብጸቡ 13 ላዕለዎት ኣገባብ መዲያታት፡ ምስ ዝያዳ ፍርቂ ቢልዮን ዝገማገሙ ተጠቀምቲ ከምዘለዉ ይእመን።
መልእኽቲ መዲያ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝንጸባረቕ ኮይኑ፡ ባህሪኡ ካብ ዝግለጸሉ ሓደ፡ “ክልተ ብልሕታት ዘለዎ” ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት በቲ ኣውንታዊ ብልሑ ናይ ምህናጽ፡ በቲ ኣሉታዊ ጐኑ ድማ ናይ ምፍራስ ዓቕሚ ኣለዎ። መድያ ንዘመሓድርን ዘንቀሳቕስን ኣካል፡ መዲያኡ ኣዕናውን ናብ ጌጋ ዝመርሕን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ “ፋሕ ዝበለ ርኢቶታት ህዝቢ ማእዝን ዘትሕዝ፡ መስርሕ ዲሞክራሲ ዝተባብዕን ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዝዋስእሉ መድረኽ ናይ ምፍጣርን” ዕማም ከም ዝፍጽም ናይ ምግባሩ ሓላፍነት ኣለዎ። ግደ መዲያ ኣብ ፖለቲካ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ሕብረተሰብ ኣብ ምጽላው’ውን ብጽሒት ኣለዎ።
ከምቲ “ሓንካስ ዘውረዮ ፈረሰኛ ነይመልሶ” ዝበሃል፡ ሓንሳብ ኣብ መዲያ ብግጉይ መንገዲ ዝተነዝሐ ሓበሬታ ምምላሱ ግዜ ዝበልዕን ዋጋ ዘኽፍልን እዩ። ምእንቲ እዚ እዩ ከኣ፡ ኣብ መዲያ ዘይተረጋገጸን ዝንቡዕን ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ፡ ናብ ሓደ ወገን ዘዳሉ ካብ ምዃንን ካብ ናይቲ ዝተሰለፍካሉ ሞያ ስነ-ምግባር ወጻኢ ከይትኸውን ኣቐዲምካ ምጥንቃቕንን ኣገዳሲ ዝኸውን። እዚ እዩ ከኣ ኣብ ኣተሓሕዛ መዲያታት ዋናኡ ዝምጐስሉ ወይ ዝንቀፍሉ መዕቀኒ ዝኸውን። ኣብዚ መዳይ ጥንቑቕ ዘይምዃን ዘንቅፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከከምቲ ዝዋሰኣሉ ስርዓታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታትነት ዘስዕብ እውን እዩ።
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ሓደ መንግስቲ ምሉእ መሳርዕ ንክህልዎ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ ሓጋጊ፡ ፈራድን ፈጻምን ኣካላት ክህልዉዎ ወሳኒ እዩ። መዲያ’ውን ምስዞም ኣካላት መንግስቲ ኣብ ዝስረዓሉ ተረድኦ ኢና እንርከብ። በዚ መሰረት መንግስታት ቀጻልነቶም ካብ ዘውሕስሉ መንገዲ ሓደ መዲያ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ንምውናኑን ምቁጽጻሩን ዝህብዎ ቆላሕታን ዝስልዕሉ በጀትን ቀሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘለዉ ድሑራትን ጸበብትን ምምሕዳራት፡ ዝሰማመዖም መዲያ ጥራይ ንክብሕት ዝኣልምዎ ተንኮላት ርኡይ እዩ።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ድኽመቶምን ጭካነኦምን ዘቃልዕ ናይ መዲያ ዕድል ንከይህሉ ዝውሰዱ ዘይሰብኣዊ ሱጉምትታት ናይቶም ጭቆንቲ መንግስታት መርኣያ ድሕረት ኮይኑ፡ ኣብ ዝግለጸሉ ዘበን ኢና እንርከብ። ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ካብ ህዝቢ ናይ ምሕባእ ባህሪ ዘለዎም ጨካናት ምምሕዳራት ኣብ 2025 ብደረጃ ዓለም ኣስታት 330 ጋዜጠኛታት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይማስኑ ከም ዝነበሩ መዛግብቲ ዝምልከቶም ኣካላት ይሕብሩ።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ መዲያ ናጽነት ምህላውን ዘይምህላውን ናይቲ ዝመርሓ መንግስቲ ህዝባውነትን ዲሞክራሲያውነት መምዘኒ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ’ሎ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋንዚ ሓበሬታ ምርካብን ዘይምርካብን ካብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ናይ ሓደ ህዝቢ ፈሊኻ ዘይርአ ስለ ዝኾነ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ዘይህዝባውን ዘይሰብኣውን ከምዝኾነ ካብ ዝግለጽሎም መምዘንታት ሓደ ብኩራት ብሕታዊ መዲያ ምዃኑ ብብዙሓት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት ከይተረፈ ክግለጽ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ።
መዲያታት ካብቲ ሓቀኛ መስመር ክወጹ እንከለዉ፡ ውልቀሰባት ጥራይ ዘይኮኑ፡ መንግስታት እውን ኣጋግዮም ኣብ ሓደጋ ናይ ምውዳቕ ተኽእለኦም ሰፊሕ እዩ። ኣብዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ እንተዘይገሃስኩ ዝብለሉ ዘሎ ኣዝዩ ኣሰካፍን ተሃዋስን እዋን፡ ኣፍራሲ ግደ ሓያሎ መንግስታውን ዘይመንግስታውን መዲያታት ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ካብ ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ርሒቆም ከም ዘለዉ፡ ዘተዓዛዝብ’ዩ። ከምቲ “ወዮ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ዝበሃል፡ ነቲ ብግጉይ መንገዲ ኣንቂዱ ዘሎ ፈደራል መንግስቲ መሊሶም ዘዕብድዎ ስምዒታውያን ኣመሓደርቲ መዲያታት ኢትዮጵያ ብዙሓት እዮም።
እዞም መዲያታት ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ሃገርነት ኤርትራ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ልኡላዊ ቦታን ዝነዝሕዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብክቱር ተደጋጋሚ ድፍኢት ዝተወሰነ ግሩህ ሰማዒ ምርካቦም ድማ ሓደጋ ዝንቡዕ ኣካይዳ መዲያ የርኢ። ሎሚ ኣብ ዝተወሰና መዲያታት ኢትዮጵያ “ሓርበኛን ፈታው ሃገሩን” መሲልካ ንምቕራብ፡ ብጥሪኡ ናይ ሓሶት ታሪኽ ምምሃዝን ኣብ ነበረያ ነበረ ምንባርን ልሙድ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንኤርትራን ህዝባን ዝምልከት ሓሶት ምንዛሕ ካብቶም ዘይሓላፍነታዊ መዲያታት ኢትዮጵያ ዘኮማስዕዎም ግጉያት ሓረጋት እዮም። ብፍላይ እቶም ብመንግስታዊ ቅኒት ዝተዓሸዉ ኣካላት፡ ጽባሕ ክጥለሙ ከምዝኽእሉ ተገንዚቦም ሕሳቦም ክገብሩ፡ እቶም ብግርህነት ዲዩ ብዘይፍላጥ ህዝቢ ንክናቆት ዝሰርሑ ድማ ናብ ሞያውን ሞራላውን መንገዲ ክምለሱ ነገንዝቦም።
እቲ ፖለቲካዊ ስኽራን ክሳብ ላዕለዎት መንግስታዊ ሓለፍቲ ዝለሓመ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ መባእታዊ ኣፍልጦ ንዘይብሎም ክፍሊ ሕብረተስብ’ውን “ናትና’ዩ” ከም ዝዝብሉ ምድፈኦም ገኒኑ ዘሎ’ዩ። ሓንቲ ኢትዮጵያዊት “ቀይሕ ባሕሪ ኣበይ ይርከብ?” ተባሂላ ምስተሓተት፡ “ኣብ ክልል ኣምሓራ” ኢላ ዝመለሰቶ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እቲ ቀንዲ ተሓታትነት ግና ናይቶም ወሃብቲ ርኢቶ ዘይኮነ፡ ናይቶም መድረኽ ፈጢሮም ኮነ ኢሎም “ሃለው ዘብልዎም” መድያታት ከም ዝኾነ ክዝንግዑ ኣይግበኦን። እዚ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን ወነንቲ መዲያ’ውን ካብ ሙያዊ ስነምግባር ዘይወጹ፡ ዘይከፋፍልን ኣብ መንጎ ህዝብታት ጽልኢ ዘይፈጥርን ንውግእ ከም እንኮ መፍትሒ ዘይወስድን ኣገባብ ክኽተሉ ምሕጽንታና እዩ።