ኣሜሪካ: ንናይ ኣፍሪቃን ኢራንን ጋዜጠኛታት ስፖርት ቪዛ ከሊኣ
2026-06-07 20:09:06 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 43 timesዓለምለኸ ማሕበር ስፖርት ፕረስ (AIPS)፡ ኣሜሪካ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2026 ክከታተሉ ንዝደልዩ ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃን ኢራንን መእተዊ ቪዛ ምኽልካላ ከም ዘተሓሳሰቦ ምግላጹ፡ ዘብሩሰልስ ታይምስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።
እቲ ማሕበር ፕረስ ስፖርት ነቲ ተግባር ዘይቅቡል ምዃኑ ብምርዳእ፡ ብዙሓት ብናይ ኩዕሶ ዓለም ኣብ ስፖርት ጋዜጠኝነት ዝለዓለ ክብርን ኣፍልጦን ዘለዎም ባእታታት ብዘይቪዛ ስረሖም ከካይዱ ከምዘይክእሉ ብምሕባር፡ ነቲ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ምክልኻል ቪዛ ቅቡል ከምዘይኮነ ንክፈልጥ ናብ ዓለምለኸ ፈደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጥርዓን ምቕራቡ ሓቢሩ።።
ናይቲ ማሕበር ፕረስ ስፖርት ፕረሲደንት ጂያኒ ሜርሎ ናብ ትካል ናብ ዓለምለኸ ፈደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝሰደዶ ስምዕታ ኣሜሪካ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ስፖርት ኣፍሪቃን ኢራንን ትወስዶ ዘላ ምኽልካል መእተዊ ቪዛ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስቦ ኣገንዚቡ።
እቲ ፕረስደንት ገለ ጋዜጠኛታት ንጽል ቪዛ ከም ዝረኸቡ ጠቒሱ፡ እንተኾነ ነቶም ጋዜጠኛታት ዘድልዮም ቪዛ ኣብ መንጎ እተን ነቲ ዓለምለኻዊ ውድድር ዘዳልዋ ዘለዋ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ብተደጋጋሚ ምምልላስ ዘኽእል ንክኸውን ኣዘኻኺሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንተግባር ኣሜሪካ ዘይቅቡል እዩ ብምባል፡ ነቲ ስፖርት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘተሓቛቑፍ መድረኽዩ ዝብል ዝጻረር እዩ እውን ኢሉ።
ኣብቲ መልእኽቱ ተሳትፎ ጋዜጠኛታት ኣብቲ ዓብይ መድረኽ፡ ምስሊ ናይቲ ስፖርታዊ ውድድር ኣብ ምጽባቕን ክብደት ኣብ ምሃብን ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሱ። ዓለምለኸ ፈደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ንወሳኒ ግደ ጋዜጠኛታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ብፍላይ ነቶም ናይ ነፋሪት ትኬት ገዚኦም ኣብ ክሳራ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ሕቶኦም ዝፍተሓሉ ኣብ ምቅልጣፍ እጃሙ ክገብር ጸዊዑ።
እዚ ካብ 11 ሰነ ክሳብ ክሳብ 19 ሓምለ 2026 ዝካየድ ኣሜሪካን ካናዳን ብሓባር ዘዳልወኦ ዓብይ ስፖርታዊ መደብ፡ ሕሩያት ጋንታታት 48 ሃገራት ዝሳተፈኦ እዩ። ካብዘን 48 ሃገራት እተን 10 ካብ ኣፍሪቃ ኮይነን፡ ንሳተን ከኣ፡ ሰነጋል፡ ግብጺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞሮኮ፡ ቱኒዝያ፡ ኣልጀርያ፡ ኮትዲቭዋር፡ ጋና፡ ኬፕቨርደን ኮንጎን እየን። ካብ መጀመርታ ክሳብ መዕጸዊ 104 ግጥማት ከም ዝካየድን ብገምጋም ክኢላታት ስፖርት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት 73 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ከም ዝከታተሎ ትጽቢት ይግበር።