ደግሲ ጀነራል ጻድቃን ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ

2026-04-15 19:31:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 314 times

ኣብ ስርዓት ብልጽግና ቅድሚት ተሰሪዑ ዘሎ ዛዕባ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ኤርትራ እዩ። ኣካላት  መንግስቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ውልቀ ሰባት’ውን ብመንግስቲ ተኣመንቲ” ንምምሳል ነቲ ዛዕባ የኮማስዕዎ ኣለዉ። እዚ ኣካይዳ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝግህስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ውዕላትን’ውን ዝጥሕስን ሓደገኛ ሳዕቤን ዘስዕብን ብምዃኑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዓገብክብልዎ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ኣብዚ ትዕቢተኛ ጐስጓስ ዝያዳ ተጸሚዶም ዝጸንሑ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ሰልፍን ጀነራላትን ምንባሮም ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ድሕሪ’ቲ ኣተሓሕዘኦም ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕርን ኢድ ኣእታውነት ላዕለዎት ጀነራላትን ዘይቅኑዕ ምንባሩ ዘመልክት “ምስጢራዊ”  ዝተባህለ ሰነዶም ምቅልዑ፡ “ሕጅስ ይዕገሱ  ደኾን ይኾኑ? ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። እንተኾነ ተዋሳእቲ ቀይሮም ነቲ ሓደገኛ ተዋሰኦ ካብ ምቕጻል ዓዲ ኣይወዓሉን።

ካብቶም ብድሕሪ መጋረጃ ዝጸንሑ’ሞ ኣብዚ እዋንዚ መድረኽ ተረኪቦም ብቕሉዕ ዝዋስኡ ዘለዉ፡ ናይ ቀደም መራሕቲ ህወሓት ካብ ዝነበሩ ይርከብዎም። ካብ ቀደሙ ልኡላውነት ኤርትራ እንተዘይገሃስና” ዝብል  ዝነበረ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ 2026፡ ኮርፖሬሽን ፈነወ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዳለዎ ፍሉይ መደብ ተሳቲፉ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ፡ ድልዱል ቁጠባን ዘተኣማምን ዲፕሎምስያዊ ዝምድናን ንሓንቲ ሃገር ኣድላይዩ።  ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ወሳኒ እዩ። መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ምምላስ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ዓብይ ስራሕ ሰሪሑ ዝብል እምነት ኣለኒ። ቀደም ነዚ ምልዓልጸረ ህዝቢ” ዘብል ነይሩ። ሎሚ ግና ናይ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነናይ ዓለም ኣጀንዳ  ኮይኑ ኣሎ።

ነዚ ዛዕባዚ ብዝምልከት ዝገበርኩዎ ርክባት  ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ ኢሉ ዝኣምን ብዙሕዩ። ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይወኒና ግና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፡ ምርግጋእን ዕቤትን ኣይክረጋገጽን ዝብል ተርድኦ ናይ ብዙሓት’ዩ።  ኣብ ግዜ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ኢትዮጵያ ብዘይሕጊ ዝተወስደ ወደባ እተምልሰሉ ጽቡቕ ዕድል ነይሩ፡ እንተኾነ ኣብ ኢህወደግ ብዝነበረ ዘይምርድዳእ ክትግበር ኣይከኣለን።” ብዝብል ቂምታ ንነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ከሲስዎ። ጻድቃን እቶም ዝረኸብኩዎም ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ዝድግፉ ዝበሎም፡ መን ምዃኖም ክጠቕሶም ትብዓት ኣየርእየን። እቲ “ንኢትዮጵያ ኣፍደገ የድልያ”  ዝበሎ  ከኣ ካብቲ ንሱ ዝጽበዮ ብቕርሕንቲ ዝተላዕጠጠ ህርፋን ምውናን ዝተፈልየ እዩ።   

ጀነራል ጻድቃን ከም መንቀሊ ካብ ዝወስዶም ሓደ፡  ኣብ መንጎ ዓፋር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ፡ ሰብ ሰርሖ (artificial) እዩ ዝብል’ዩ። ምስቲ ኣብ  ኢትዮጵያ  ዘሎ ዓፋር ዝመሳሰል ብሄረሰብ ኣብ ኤርትራ  ስለ ዘሎ፡ ወደብ ዓሰብ ኣምጺኡ ኣካል ግዝኣት ኢትዮጵያ ክገብሮ’ዩ ማለቱ እንተኮይኑ፡ ክሳብ ክንደይ ከደናግር ተዓጢቑ  ከምዘሎ የመልክት። ምናልባት ጽባሕ  “ኑዌር ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ኦሮሞ ካብ ኬንያ፡  ሶማሊ ካብ ሶማሊላንድ ከምኡ እውን ቤንሻንጉል ካብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ዘዝደለየቶ ግዝኣት ከምጽኡላ ይኽእሉ’ዮም” ናብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ  ክወስዶ ከም ዝኽእል ዝተረደአ ኣይመስልን። እዚ ኩነታት መግዛእቲ ኤውሮጳ ዝወለዶ ኣፍሪቃ- ለኸ እምበር፡ ኣብ ከባቢና ዝተደረተ ኣይኮነን።

ገብሩ ኣስራት፡ ምስ ሊላይ ዩቱብ ኣብ ዘካየዶ ቃለም መጠይቕ፡ ናይ ኤርትራ ናጽነት ናይ ኢትዮጵያ  ረብሓ ብዝሓለወ ክኸውን ነይርዎ  ወይዘሮ ኣረጋሽ ኣዳነ ምስ ፕላስ ፖድካስ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፡ ኤርትራ ብኽመይን ብመንን ናጻ ሃገር ከም ዝኾነት ዘመልክት ሰነድ ኣይተረኽበን።”  ከምኡ እውን ጀነራል ዮሃንስ ገ/መስቀል ኣብ ዝተፈላለዩ መዲያታት እናኸደ፡ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምምምላስ ኣብ ዝግበር ውግእ ዋላ እንተዘይ ተጸዋዕኩ ብወለንታይ ክኸትት እየ። ዝበልዎ ካብቲ   ጻድቃን ሰለስተ-ኣርባዕተ ግዜ ዝተሳዕረሉ ዘይሓዊ ደግሲ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን።

ብኣንጻሩ ኢትዮጵያውያን ኮይኖም፡ ብልጽግና ኣብዚ  ኣዛራቢ  ዛዕባ ሒዝዎ ዘሎ ኣቕጣጫ፡ ነቲ ናይ በዓል ጀነራል ጻድቃን ስሱዕ ደግሲ ዝዓጽፍን ብደረጃ ዓልም ዝሓስብን ፍትሓዊ ሚዛን ዘለዎም መትከላውያን ኣለዉ።

ኣቶ ኣለማዮ ዝበሃል፡ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ወኪሉ ኣብ መጻኢ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝወዳደር፡ መርገጽ  ውድቡ ብዛዕባዚ ኣብ ኢትዮጵያ እውናዊ ኮይኑ ዘሎ  ኣጀንዳ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኣለዋ ኢሉ ኣይኣምንን። ከም ብዞሓት ሃገራት ብመሬት ዝተኸበት (land locked))  ሃገር ምዃና እዩ ዝኣምን። እዚ ማለት ግና ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃም ኣየድልያን ኣይንብልን። ምኽንያቱ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ወጻኢ ንግዳዊ ንጥፈታትን ርክባትን ኣብ  ምስልሳል ግደ ስለ ዘለዎ። ኣብ ዓለምና ኣስታት 200 ሃገራት ኣለዋ ካብኣተን 44  ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። እንተኾነ ቁጠባዊ ዕቤተን ብግቡእየን ዘሰላስላ። ………

ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰን ደርግን ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ምስኣ ነይረን። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ግና እዘን ወደባት ናይ ኤርትራ እምበር  ናትና ኣይኮናን። ኣብ ዝሓለፉ 35 ዓመታት ቅድም ብናይ ኤርትራ ደሓር ከኣ ብናይ ጅቡቲ ወደባት ክንጥቀም ጸኒሕና። በዘን ወደባት ብምጥቃምና ዘጋጠመና ሽግራት ኣይነበረን። ኣፍደገ ባሕሪ እንተዝህልወና ኣይመጸላእናን። ካብ ዘየብልና ግና ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃም ዘኽእሉዝኾኑ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ኮንቨክሽናትን ኣለዉና። …….

ስለዚ ኢትዮጵያ ከም ካለኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት  ዓለምለኻዊ ሕግታት ተጠቒማ ምስ ገረባብታ ብምስምማዕ ንግዳዊ ንፍጥፈታታ ምክያድ እዩ እቲ ምርጫ። ብዝዙሕ ህዝቢ ኣለና ብዝብል ምስምስ ብሓይልን ውግእን እንውንኖ ኣፍደገ ባሕሪ ሕጋዊ ስለዘይከውን፡ ንሕና ኮነ ካለኦት ክጥቀመሉ ኣይንኽእልን ኢና።  ብሓይሊ ዝመጸ ከኣ ብሓይሊ ክውሰድ ዝኽእልዩ።……

ስለዚ ንሕና እንደልዮ ፍትሓዊ መንገዲ ጥራይ እዩ። ደሓር ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከለዋ እውን ምዕቡል ቁጠባ ኣይነበራን። ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ምዕቡል ቁጠባ ምህናጽ ይከኣል እዩ። ሉግዘምበር፡ ስዊዘርላንድ፡ ኦስትርያ፡ ከምኡ ከኣ ቦትስዋና ካብ ኣፍሪቃ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ምዕቡል ቁጠባ ሃኒጸን ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኣንጻሩ ሶማሊያ፡ ጅቡቲሱዳንን ኤርትራን ነዋሕቲ ገማግም ባሕሪ እናሃለወን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ቁጠባ ኣይሃነጻን።” ዝበሎ ንኢትዮጵያ’ውን  መዋጸኦ ዝህብ’ዩ።

ናይዞም ንህዝቢ ትግራይ ዘይውክሉ መራሕቲ ህወሓት ነበር ግጉይ ስምዒት፥ ኣብ ድሕረ-ባይታ ዝምድናኦም ምስ ህግደፍ ዝነበሮም ጽልእን ምትህልላኽን ዝደረኾ ምዃኑ ዝጠቕስዎም ምልክታት ኣለዉ። እቲ ቀንዲ ዘየስተውዓልዎ ግና፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ዋኒን ህዝባ ምዃኑ እዩ።

Last modified on Wednesday, 15 April 2026 21:45