እቲ ወሳኒ፥ ውሽጣዊ ዓቕሚ’ዩ፡

2026-04-26 08:46:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 30 times

ዝተለምካዮ መደባት ኮነ ዕላማታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ዝተፈላለዩ ዓቕምታትን መሳለጥያታትን የድሊ። ካብዞም ኣድለይቲ ዓቕምታት እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ብቕዓትን ድልዉነትን እዩ። እዚ ማለት ግና ምስ ካለኦት ሓቢርካ ዝፍጠር ዓቕሚ የለን ማለት ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ እዩ ከኣ ተወሳኺ ጉልበት ንምርካብ ምስ ካለኦት ሓቢርካ ተጠቃሚ ኣብ እትኾነሉ ኣትኪልካ ምዝማድ ኣድላይ ዝኸውን።

ውሽጣዊ ዓቕሚ ምፍጣር ኣብ ኢድካ ዘሎ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታት ኣዋዲድካ ክትጥቀመሉ ብምኽኣል  ዝጅምር መሰረታዊ ዕማም እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ “እዚ ኣለኒ” ብዝብል ተስፋን ትጽቢትን ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ወሳኒ ውሽጣዊ  ዓቕሚ  ኣብ ኢድካ ምስ ዘሎ  ራኢን ተጠቃምነትን ተመሳሳልነት ምስ ዘለዎም ወገናት ዘተኣማምን ርትዓዊ ሓድነት ከተረጋግጽ ብምኽኣል ዝግለጽ’ውን እዩ። ሓድነቱ ዘየረጋገጸ ዓቕሚ ግና፥ ዋላ ይብዛሕ “ብዙሕን ጥምዙሕን” ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ ለውጢ መሳርሒ ክኸውን ኣይክእልን። በዚ መሰረት እዩ ከኣ ብዝሒ በይኑ ዘተኣማምን ዘይከውን።

መደባት ማሕበረ-ቁጠባ ኮነ ምሕላው ክብሪ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምውሓስ ገንዘብን ካልእ መሳለጥያታትን ዘለዎም ግደ ዘይዝንጋዕ እዩ። ኣድማዕነት ናይዞም ቀረባት እዚኣቶም ግና ብሓድነትን ኩለ-መዳያዊ ዓቕምን  ናይቲ ዘንቀሳቕሶም መሪሕ ኣካልን ዝውሰን እዩ ዝኸውን። ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ’ውን ብዝሒ ሰብ ኮነ ዘመናውነት ኣጽዋር፡ በይኖም ዘዕወቱ ከምዘይኮኑን፡ ውሑድ ግና ድማ ሓድነቱ ኣብ ዝደልደለ ህዝቢ ብዝተሰረተ ዓላማን ንጹር  ራኢን ዘለዎ ከም ዝስዕር፡ ሓቅነቱ ኣብ ብዙሓት ተመኩሮታት ዝተራእየ እዩ።

እዚ በቲ ብጽንዓትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ 30 ዓመታት ኣብ ዝወሰደ ቃልሲ ንናጽነት ዝተረጋገጸ ኣብነት’ዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ንሽሾ ሰራዊትን እልቢ ኣጽዋርን መግዛእቲ በዲሁ መስተንክራውን ታሪኻውን ዓወት ዘረጋገጸ፡ ብብዝሑ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዕጽፍታት ዝወሓደ፡ ብኣጽዋር እውን ዝተበልጸን እናሃለወ ብምዃኑ። እዚ ብኤርትራውያን ጥራይ  ዘይኮነ፡ በቲ ብሰንክቲ ናይ ሽዑ ውግእ ኣባላት ቤተሰቡ ዝሰኣነ ኢትዮጵያዊ ወገን እውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ዝሓለፈ ዘይምርስዑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ህልቂት ንከይድገም ክቃለሰሉ ዝግበኦ እውን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ርእሲቲ ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሓት ውሑዳትን ሰብ ንጹር መትከልን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሸፈጥቲ ዝተዓወትሉ ተመሳሰልቲ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል። ነዊሕ ንድሕሪት ከይተመለስካ  ኢራን ኣንጻርቲ ብኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ዝተኸፍተ ኣዝዩ ኣዕናዊ ውግእ ዘርኣየቶ ናይ ምክልኻል መኸተ ኣንጻር ኣብ ልዕሊኣ ሓዊ ናይ ዘዝንባ ነፈርቲ ውግእን መራክብን ህያው ተጠቅሲ’ዩ። እዚ ብብዝሒ ንዝጀሃር ትምክሕታዊ፡ ጽንዓትን ውሽጣዊ ዓቕምን ብዝተዓጥቀ ክብዳህ ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ። እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ዓቕሚ ምዃኑ ዘመልክት’ውን እዩ። እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ በቲ ሓደ ወገን ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያን ካብ 5 ሚልዮን ምስ ዘይበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዝሸመቶ ዘመናዊ ኣጽዋርን ብድሕረት ምስ ዘነኣእሶ ዓቕሚ ኤርትራ ኣወዳዲሩ ክወራዘ ንዕዘቦ ዘለና እውን፡ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብነት ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን።

ብብዝሒ ህዝቢ ተመኪሑ  “ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራይ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ እያ ትወልድ”  ክሳብ ዝብል ትምክሕታዊ ስምዒት ምብጽሑ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮ መንግስታት ኢትዮጵያ ዘየዕወተ ብዝሒ ተሸኺሉ ከምዘሎ ዘርኢ ኮይኑ’ሎ።  ብዝሒ ኣጽዋርን ሰራዊትን ብዘይፍትሒ፡ ናይ ዓመጽ መሳርሒ እምበር፡  ኣህጉራዊ ሕግታትን ፍትሓዊ መስርሕን ዝዓጽፍ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።

ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕሚ ናብ  ሓይሊ ኣማዕቢልካ፡ ናብ ወሳኒ ደረጃ ምብራኹ፡ ክንድቲ ብራኸኡን ግደኡን ምርግጋጹ በዳሂ እዩ። ውሽጣዊ ዓቕሚ ተሰሪሑ ዝወሃበካ ዘይኮነ፡  ግቡእ ዋጋ ንምኽፋል ድልዊ ኮይንካ ኣብ ውሽጥኻ ብዝካየድ ናይ ምብቃዕ ቃልሲ ዝረጋገጽ እዩ። ኤርትራውያን ብሰንክ’ቲ ስልጣን በይኑ ጠቕሊሉ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝዕንድር ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ወሳኒ ኤርትራዊ ውሽጣዊ ዓቕሚ ዝፈጥር ዘተኣማምን ሓድነት  ምርግጋጽ ክሳብ ክንደይ ፈታኒ ኮይኑ ከምዘሎ ንነብሮ ዘለና እዩ።

ኣብ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን እዚ ፈተና’ዚ ህልዊ እዩ። እቲ ተስፋ ዝህብ ግና፡ ብፍላይ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወሳንን ተኣፍፍን እዋን፡ ሓቢሩ ዝስለፍ ቀያሪ  ዓቕሚ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ምፍጣር  ዘይስገር ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ናይ ሓባር ተረድኦ ኣብ ዝኾነሉ ደረጃ ምብጽሕና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግንዛበ ኣብ ዝተጠርየሉ ቅሩብነትን ሓልዮትን እንተ ኣሰንይዎ፡ ውጽኢታዊ ምዃን ከም ዝከኣል  ዘመላኽት ኮይኑ’ሎ።

ንውሽጣዊ ዓቕምኻ ቀዳምነት ካብ ምሃብን መሰረታዊ ጸገማት ህዝቢ  ካብ ምፍታሕን ሃዲምካ፡ ናብ ደገ ዘመዓዱ ኣጀንዳ ብምፍጣር፡ ናይ ህዝቢ ኣቓልቦ ካብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ጠምዚዝካ ከተርሕቖ  ምፍታን መሰረታዊ ፍታሕ ዘየምጽእ ከንቱ ፈተነ ምዃኑ ኣብ ተመኩሮ ህግደፍን ብልጽግናን ዝረኤ ዘሎ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዮም ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ብምርጻም፡ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ዘልዕሎ ዘሎ  ሕቶታት፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ምጥምዛዝ ሃቐነ ፈልዮም ዘይርእይዎ  ዘለዉ።

ኣብዚ እዋንዚ  መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ኣብ  ምምሕዳር ዘቤታዊ ጉዳያቱ ኮነ፡  ናብ ኤርትራ ብዘቕንዐ  ዕንደራኡ ሒዝዎ ዘሎ ኣፍራሲ ኣቕጣጫ፡ ቅኑዕ ከምዘይጸንሐ ክእመን ከም ዝተገደደ ዘመልክት ምስጢራዊ ገምጋም ኣለዎ  ይበሃል ኣሎ። እዚ ግና ብፍላይ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ ካብቲ  ከቃልሖ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ጠቕሊሉ ክወጽእ እዩ ኢልካ እምነት እተንብረሉ ዘይኮነ፡ ከምቲ “ዝብእሲ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ”  ዝበሃል፡ መዳህለሊ ከም ዝኸውን  ተገማቲ ኢዩ።

Last modified on Sunday, 26 April 2026 10:49