ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ተተኪኡ
2025-04-08 11:01:07 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 162 timesቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ7 ማዝያ 2025 ብትግርኛ ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ካብቲ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝጸንሖ መዝነት ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተሰናበተ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ብ8 መጋቢት 2025 ምክትል ኣቶ ጌታቸው ኮይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዕዱማት ኣጋይሽን ተዓዘብትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ጌታቸው ንምትካእ ሓላፍነት ተረኪቡ።ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ጌታቸው ናብ ስልጣን ዝመጸሉ ኣዋጃትን ዓንቀጻትን ብምጥቃስ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ጌታቸው ኣብ ትግራይ ዝተረኽበ ጸጥታ ኣብ ምዕቃብ ንዝነበሮ ግደ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ብምጥቃስ ኣመስጊንዎ፡ ኣብ መጻኢ ብሓባር ክሰርሑ ትስፉው ምዃኑ ከኣ ገሊጹሉ።
ንጌታቸው ረዳ ተኪኡ ፕረሲደት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ንክመርሕ ሓላፍነት ዝርከብ ዘሎ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ንምምዛዝ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምምኽኻር ክግበር ከም ዝጸንሐ ከኣ ኣብቲ ነቲ ምርኽኻብ ብዝምልከት ዝወጸ ሓበሬታ ተመልኪቱ። እቲ ብፕረሲደንትነት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምስረት “ሓቛፊ” ክኸውን ትጽቢት ዝገረሉ ግዝያዊ ምምሕዳራዊ ትግራይ ንክትግብሮም ዝተዋህብዎ 8 ጉዳያት ኮይኖም ካብኣቶም፡ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ምድላው፡ ካብ ውዕል ፕሪቶርያን ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያን ወጻኢ ዝግበሩ ርክባት ምዕጋትን ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ምፍታሕ ዕጥቂ ምቕጻልን ዕጥቆም ዝፈትሑ ምጥያስን ዝብሉ ይርከብዎም።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ብዛዕባ ዝፈጸሞም ኣውንታውን ኣሉታውን ተግባራት ብዙሓት ወገናት ርኢቶኦም ይህቡ ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብቓልዕ ምንቃፍን ናይ መደዲያ ተጠቃምንነት ዝተፈላለየ ርኢቶ ንዘለዎም ወገናት ክፉት ብምግባሩን ድማ ብዙሓት ንኢደምዎ።
እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡ ጌታቸው ረዳ ዩኤምዲ (UMD) ምስ ዝተባህለ መዲያ ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ምእንቲ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ቃልሲ ከም ዝቕጽሎ ሓቢሩ’ሎ።