ኣምበስዳር እስራኤል ካብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሰጒጉ
2025-04-08 10:45:58 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 280 timesኣምበስዳር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዶር. ኣብረሃም ንጉሰ
ኣምበሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣኼባ ከም ዝተሰጐጐ ኣልጀዚራ ሓቢራ። እስራኤል ካብ 2002 ጀሚሩ ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ናይቲ ሕብረት ብተዓዛብነት ናይ ምስታፍ ፈቓድ ካብ ዝተዋህበን ሓገራት ሓንቲኳ እንተኾነት ኣምበሳድራ ካብዚ ናይ 7 ማዝያ 2025 ዝተሰጐ ብዙሓት ናይቲ ኣኼባ ተሳፍቲ ኣፍሪቃውያን ኣምበሳድራት ብዘስምዕዎ ተቓውሞ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣኼባ ዓመታዊ ንህልቂት (Genocide) ዝምልከት ርክብ ከም ዝነበረ እውን ተፈሊጡ።
ኣልጀዚራ ብዛዕባቲ ጉዳይ ዘዘራበቶም ዲፕሎማት ጠቒሳ ከም ዝገለጸቶ; እቲ እስራኤላዊ ኣምበሳደር ዶር ኣብረሃም ንጉሰ ክሳተፍዩ ዝብል ትጽቢት ስለ ዘይንበረ ኣብ ተሳተፍቲ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ። እቲ ኣኼባ ብሰንክ’ቲ እስራኤላዊ ኣምበሳድር ንዝተወሰነ ግዜ ተቛሪጹ ከም ዝነበረን ድሕሪ ካብቲ ኣዳራሽ ምስጓጉ ከም ዝቐጸለን ከኣ ተፈሊጡ። ነቲ ኣምበሳደር ናብቲ ኣኼባ መን ከም ዝዓደሞ ከኣ ይጻረ ከም ዘሎ ከኣ ተሓቢሩ።
እቲ ዜና ካብ 2002 ጀሚሩ ተሳትፎ ተዓዘብቲ ኣብ ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ሃገራትን ትካላትት 87 ዝበጸሐ ኮይኑ፡ እቶም ተዓዘብቲ ኣብ ስሩዓትን ፍሉይትን ኣኼባ ተሳቲፎም ሓሳብ ናይ ምሃብ እምበር ናይ ምድማጽ መሰል የብሎምን። ፍልስጥኤማዊ ውድብ ፒኤልኦ (PLO) ግና ካብ 1973 ጀሚሩ እዩ ተዓዛቢ።
ናይቲ ኣምበሳደር ካብቲ ኣኼባ ምስጓግ ብሰንክቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጢኤማውያት ትፍጽሞ ዘላ ጭካኑ ኮይኑ ተጽዕኖ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓያል ምዃኑ ከኣ ኣብቲ ናይ ኣልጀዚራ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ልኡኽ እስራኤል በዚ ምኽንያት ካብ ተዓዛብነት ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ክስጐግ ናይ መጀመርታኡ ከምዘይኮነ እውን ተዓዘብቲ ገሊጾም።