ዝተመዛበሉ ተመሃሮ ሱዳን ኣብ ጁባ ፈተና ክወስዱ’ዮም
2026-04-09 19:27:30 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 104 timesካብቶም ናይ 2ይ ደረጃ ፈተና ክቐርቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ተመሃሮ ሱዳን
ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ተመሃሮ ሱዳን ንምሕጋዝ፡ ኣብ 2ይ ሰሙን ወርሒ ማዝያ 2026፡ ኣብ ከተማ ጁባ 1,224 ተመሃሮ ናይ 2ይ ደረጃ ምስክር ወረቐት ፈተና ዝወስድሉ መደብ ከም ዝሰርዑ “ሱዳን ፖስት SUDAN POST” ዝተባህለ ትካል ዜና ሓቢሩ። ካብዞም ተመሃሮ ድሮ 800 ዝኾኑ ካብቲ ተዓቚበምሉ ዝነበሩ መደበራት ከተማ ጁባ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ኣስታት 424 ተመሃሮ ግና ብሰንኪ ናይ መጐዓዝያ ሕጽረትን ናይ ጸጥታ ስግኣትን ኣወይል ኣብ ዝተባህለ መደበር ስደተኛ ይጽበዩ ምህላዎም ተሓቢሩ።
እዚ መደብ ምውሳድ ፈተና ናይ ደቡብ ሱዳን ምክትል ፕረሲደንትን ሚኒስተር ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ሑሴን ዓብደልባጊ ምስ ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ጁባ ኢሳም መሓመድ ከራርን ሚኒስተር ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኩዮክ ኣቦል ኩዮክን ድሕሪ ምዝርራብ ዝወጸ ምዃኑ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እቲ ፈተና ክሳብ 27 ማዝያ 2026 ኣብ ዘሎ መዓልታት ከም ዝፍጸም ከኣ ተፈሊጡ።
ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከራር፡ ብዛዕባቲ መደብ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብሓፈሻ እቲ መስርሕ ፈተና ብሰላም ክካየድ ብፍላይ ድማ ነቶም መጓዓዝያ ስኢኖም ተዓጽዮም ዘለዉ ጸገሞም ቀልጢፉ ንክፍታሕ ኣተሓሳሲቦም።
ብወገን ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ድማ፡ ተመሃሮ ሱዳን ካብቲ ተዓጊተምዎ ዘለዉ መደበር ኣወይል ናብ ጁባ ብውሑስ መንገዲ ዝጐዓዝሉ መስርሕ ክመዓራረየሎምን ፈተናኦም ብሰላማውን ውሑስን ሃዋህው ክካየድ ኩሉ ዝከኣሎም ዘበለ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጾም። እቲ መደብ ምሃብ ፈተና ተመሃሮ ብዝምልከቶም ሰብኣዊ ትካላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ይነኣድሉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።