መልእኽቲ ጉተረዝ ብምኽንያት 4ይ ዓመት ውግእ ሱዳን
2026-04-16 09:14:17 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 47 timesዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኣብ በርሊን ይካየድ ናብ ዘሎ ንሱዳን ዝምልከት ኮንፈረንስ: ውግእ ሱዳን 4ይ ዓመት ምሓዙ ብዝምልከት ብቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ። ኣብቲ መልእኽቱ እቲ ውግእ ኣዝዩ ኣዕናውን ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ ቅልውላው ዝተራእየሉን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ 34 ሚልዮን ሱዳናውያን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጽበዩ ምህላዉ ኣስፊሩ። ብሰንክቲ ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ዝተጀመረ ውግእ ልዕሊ 4,5 ሚልዮን ሱዳናውያን ከም ዝተሰዱ ሓቢሩ።
ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣተሓሒዙ፡ በቲ ናብ ራበዓይ ዓመቱ ዝሰግር ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ሱዳን፡ እቲ ጥሜት ኣብታ ናይ እንጀራ መሶብ ትበሃል ዝነብረት ሃገር ኣጋጢሙ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ናይ ሓደ ትውልዲ ህጻናት ናይ ትምህርቲ ግዜ ዝተሓሸሸሉ እዩ፡ ክብል ነቲ ኩነታት ኣምሪሩ ገሊጽዎ። ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮ ደቀንን ብሰንኪ ግሉጽን ሜላውን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተሃስያ ከኣ ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ።
ብዛዕባ ኣቕርቦት ገንዘብ ንሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ዝጠቐሶ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ዝድለ 40% ጥራይ ከም ዝተረኽበ ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ እኹል ዘይምዃኑ ብዙሓት ሱዳናውያን ንስእነት መግቢ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን መሕወይ ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝተቓልዑ ጉተረዝ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ድሌት’ኳ ዝውስኽ ዘሎ እንተኾነ፡ እቲ ገንዘባዊ ቀረብ ግና ኣብዚ ዓመት ካብቲ ዝሓለፈ ዝያዳ ዘንቆልቁል ዘሎ እዩ። ገንዘብ እንተዝርከብ እውን በይኑ ሰላም ክኸውን ስለ ዘይክእል፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ብተኹሲ ጠጠው ብምባል ኣቢልካ ቀጻሊ ሰላም ዘውሓስ መስርሕ ምኽታል እዩ ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ዘተኣማምን መንገዲ፡ ናብ ኣሳታፊ ሲቪላዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ብምእታው ጥራይ ባህጊ ህዝቢ ሱዳን ከም ዝወሓስ ኣስሚርሉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ነቲ ምስ ካርቱም ብዘይምውኽኻስ ዝተሰርዐ ዝበሎ ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ዝካየድ ዘሎ ኮንፈረንስ፡ “መግዛእታዊ ኣተሓሕዛ እዩ” ብዝብል ኣገላልጻ፡ ምዕራባውያን ኣጀንደአን ንምጽዓን ዝመሃዘኦ እዩ ብዝብል ኣይተቐበሎን።