ኣንበሳደር ክሪስቶፈር ላንዳው
ምኽትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኣሚሪካ፡ ኣንበሳደር ክሪስቶፈር ላንዳው ካብ 24 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እቲ ኣንበሳደር ኣብ ግብጺ ኣብ ዘካይዶ ምብጻሕ፡ ኩባንያታትን ኣውፈርትን ኣሚሪካ፡ ኣብ ግብጺ ዘካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ከም ዝዕዘብ ወሃቢ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ። ከምኡ እውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግብጺ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራትን ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ክዛረብ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ኣሚሪካ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ቁጠባዊ ትካላት ከም ዝራኸብን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካለኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ተራኺቡ ብዛዕባ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ክዛረብ እዩ። ከምኡ ድማ ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ ብዛዕባ ሰላምን ንግዳዊ ምትሕብባር ኣሚሪካን ኣፍሪቃን ከም ዝዝቲ ተፈሊቱ’ሎ።
ብዘይካዚ እቲ ኣንበሳደር፡ ኣብ ኬንያ፡ ብዛዕባ ንግዳዊ ጉዳያትን ጉዳይ ምንቅስቓስ ፈጠርቲ ራዕድን ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናይታ ሃገር ከም ዝዛረብን ኬንያ ኣብ ጉዳይ ሀይትን ኣብ ካልእ ምርግጋእን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዝምልከት ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብ ጅቡቲ ድማ ብዛዕባ ግደ መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ንግዳዊ ንጥፈታትን ከም ዝመያየጥ ተፈሊጡ። ምስዚ ኩሉ ከኣ እቲ ኣንበሳደር ቀዳምነታት ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ መዳያት ምርግጋጽ ንግድን ካልእ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ከም ዘስርጽ እውን እቲ ንመገሽኡ ብዝምልከት ዝተዘርግሐ መግለጺ ኣረዲኡ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ብጉልባብ ዳመ-ህንጻ ጋዛ (ፍልስጥኤም) ኣበጊስዎ ዘሎ “ናይ ሰላም ቦርድ/board of peace”፡ ንህላወ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስግእ ምዃኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ስግኣተን ይገልጻ’ለዋ። ፕታምፕ ነዚ ካብ ዝጅምሮ ኣዋርሕ ዘሕለፈ ኮይኑ ኣብቲ ብ21 ጥሪ 2026 ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ቁጠባዊ መድረኽ ዓብይ ኣዛራቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ቀሪቡ።
ትራምፕ ነቲ ዝምስርቶ ዘሎ ናይ ሰላም ቦርድ፡ ባዕሉ ዝመርሖ ኮይኑ፡ 7 ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ከም ዝርከብዎ ይጠቅስ፡ ኣባላት ናይቲ ፈጻሚ ኣካል ክኾኑ ሓጽይዎም ካብ ዘሎ፡ ናይ ኣሜሪካ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪታንያ ቶኒ ብሌርን ከም ዝርከብዎም ተመልኪቱ’ሎ።
በቲ መደብ ትራምፕ መሰረት ናይዚ ቦርድ ኣባል ንምዃን ዕድመ ዝተገብረለን ሃገራት ፈቓደኛታት እንተኮይነን፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ናይ ምኽፋል ግደታ ኣለወን። ክሳብ ሕጂ ነቲ ዕድመ ኣኽቢረን ቅሩነተን ኣርእየን ዘከለዋ መብዛሕትኣን ሃገራት ዓረብን ወሽመጥን እየን። ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጆርዳን፡ ኢንዲኒዥያ፡ ፓኪስታን፡ ኳታር፡ ኢመራት፡ እስራኤልን ቤላሩስን ይርከበአን ካብተን ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢለን ዘለዋ እየን።
ሓያሎ ሃገራት መብዛሕተአን ካብ ኤውሮጳ ግና፡ እዚ ብጉልባብ “ምህናጽ ጋዛ” ዝረአ ዘሎ ተብግሶ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት መንዚዕካ መተካእታ ናይ ምዃን ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎ ብዝብል ኣይተቐበለኦን።
ህንዲ፡ ቻይና፡ ጀርመን፡ ቫቲካን፡ ኣየርላንድ፡ ሮማኒያ፡ ፊንላንድ፡ ግሪክ፡ ጃፓን፡ ኦስትሪያ፡ ኣወስትራሊያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ታይላንድ፡ ደቡብ ኮርያን ካለኦትን ካብተን መጸዋዕታ ከም ዝበጸሐን ኣረጋጊጸን ጌና ኣውንታዊ ምላሽ ዘይሃባ እየን። ሩሲያ ከኣ እቲ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካብቲ ኣጊድኩምዎ ዘለኹም ገንዘብና ውሰዱ ዝብል ምላሽ ሂባ’ላ። ብሪጣንያ፡ ፍራንስ፡ ነርወይ፡ ኢጥልያን ስሎቨኒያን ከኣ እተን ንኣባልነት ቦርድ ሰላም ትራምፕ ዝነጸግኦ እየን
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ንሓንሳብ ናይቬንዙዋላን ደሴት ግሪንላንድን ንሓንሳብ ድማ ናይ ኢራን ኣጀንዳታት ዘደይብን ዘውርድን ዘሎ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕሊላ ከም ዝወጸት ብወግዒ ኣውጁ፡ ንብዙሓት ኣሻቒሉ’ሎ።
ሽዱሽተ ውድባት ትግራይ፡ ብ22 ጥሪ 2026 ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን። እዘን ውድባት ኣብቲ መግለጺአን ኣብ ትግራይ ዕጡቓት ይኹኑ ዘይተዓጥቁ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሳተፍሉ ናብ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዘብጽሕ ናይ ሰፊሕ ኣኼባ ክካየድ ጸዊዐን። እተን ውድባት ነዚ ዝጠልበኦ ዘለዋ ሰፊሕ ኣኼባ ንክግበር ክሰርሓ ከም ዝጸንሓ እውን ኣብቲ መግለጺአን ኣመልኪተን።
እቲ ዝሓተኦ ዘለዋ ሰፊሕ ዘተ እንኮ መዋጽኦ’ኳ እንተኽኾነ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እዚ ናይ ህልውና ወሳኒ ዝኾነ ስራሕ ከይዕወትን ኣብ ክንዲ ናብ ሰላም ናብ ግጭት ንከምርሕን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ክትዕንቅፍ ከም ዝጸንሐት ከሲሰን። ህወሓት ፖለቲካዊ ሜዳ ትግራይ ናይ ሰላም ዘይኮነ፡ ናይ ህውከትን ዓመጽን ንክኸውን ምስ ከም ፋኖን ህግደፍን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ጽምዶ ምክያድ መሪጻ ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐት እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ።
ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ምስኡ ዝግበር ምሕዝነት ዘይመትከላውን ንወተሃደራዊ ተግባራት ዘገልግልን ምዃኑ ኣብቲ መግለጺአን ኣስፊረን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ጉዳይ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኣስረ ብሪጋዴር ጀነራል ጉዕሽ ገብረን ካለኦት “ይዕፈኑ ኣለዉ” ዝበለኦምን ከም ዘተሓሳስበን እተን ውድባት ኣብቲ መግለጺአን ሻቕሎተን ሓቢረን።
ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ፡ እተን ውድባት፡ ጀነራል ጉዕሽ ገብረን ካለኦት ዝተዓፈኑን ንክፍትሑ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ጽምዶ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ ክቋረጽ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ብመንገዲ ኣሳታፊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ፡ ህወሓት ብስም ውጉኣት 6 ቢልዮን ብር ካብ ህዝቢ ትግራይ ክእክብ ኣውጺእዎ ዘሎ መደብ ክቋረጽን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጐኒ እተን ውድባት ክስለፍን ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪበን።
ነዚ ናይ ሓብር መግለጺ ዘውጸኣ ውድባት ትግራይ፡ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና)፡ ውድብ ናፅነት ትግራይ(ናፅነት)፡ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን(ዓረና)፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ(ሳወት)፡ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ(ትሰእፓ)ን ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)ን እየን።
እዚ ናይዘን ውድባት መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ን7ይ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 2026 መረጽቲ ዝምዝገብሉ ጣብያታት ክሳብ 1 ለካቲ 2026 ኣነጺሩ ከፍልጥ ኣብ ዘፍለጠሉ እዩ።
ሚኒስተር ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ፡ ሃኒ ስወይለም፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ብምህናጻ ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ዘውረደቶ ጉድኣት ክትክሕስ ኣለዋ ዝብል መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ፡ ሶማሊ ሪፖርተር (Somali report) ዝተባህለ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።
ግብጻዊ ሚኒስተር ሃኒ ስወይለም፡ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ናይ ሃገሩ ሰነይት ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ ምዃኑ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ሚኒስተር ኣተሓሒዙ ከኣ ከምቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓብይ ግድብ ብውልቃዊ ውሳነ ሓንቲ ሃገር ኣብ ፈለግ ናይል ተሃኒጹ ከምዘይፈልጥ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ብኢትዮጵያ ዝተሃንጸ ዓይብ ህዳሰ ሓጽቢ፡ ካብቲ ግብጺ ካብ ፈለግ ናይል ክትረኽቦ ዝነበራ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ማይ፡ 38 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ከም ዝጐደላ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ነቲ ሓጽቢ ዝሃነጸቶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምምጫውን ንዋሕዚ ናይቲ ናብ ሱዳንን ግብጽን ዝውሕዝ ማይ፡ ንምምዕርራይን ኢላ ከም እትገልጾ ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።
ግብጺ ከምዚ ዝኣመሰለ ኢትዮጵያ ዘይተጽበየቶ ሕቶ ካሕሳ ተቕርብ ዘላ፡ ድሕሪቲ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ብ16 ጥሪ 2026፡ “ቅድሚት ካብ ዝሰርዖ ኣጀንዳ እዩ” ብዝብል፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ናይል ክሽምግል ምዃኑ ምፍላጡ እዩ። ነቲ ናይ ትራምፕ ናይ ሽምግልና መጸዋዕታ፡ ግብጽን ሱዳንን ብሓጐስ ከም ዝቕበለኦ እየን ኣረጋጊጸን። ብፍላይ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ንተበግሶ ፕረሲደንት ትራምፕ ብኽብሪ ከም ዝገልጾ እዩ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ግና ንመጸዋዕታ ሽምግልና ትራምፕ ኮነ ንሕቶ ካሕሳ ግብጺ ዝምልከት ዝሃበቶ መልሲ የለን።
ፕረሲደንት ኣሜሪካ ሮናልድ ትራምፕ፡ ብ16 ጥሪ 2026 ናብ መራሒ ግብጺ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ብጉዳይ ፈለግ ኣባይ ዘሎ ናይ ነዊሕ ግዜ ዘይምርግጋእ ክሽምግል ቅሩብ ምህላዉ ጠቒሱ። ኣብቲ ብቕዳሕ ናብ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ስዑድ ዓረብን ኤመረትን ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ዕጡቕ ጉጅለ ፍልስጥኤም ሓማስን ስምምዕ ንክብጻሕ ንዘበርከቶ ኣመስጊንዎ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ኣተሓሒዙ፡ ብመንጽርቲ ምስ ኣልሲሲ ዘለዎ ውልቃዊ ዕርክነትን ኣሜሪካ ምእንቲ ሰላም ዘለዋ ቅሩብነትን ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ሓላፍነታውን ርትዓውን ምምቕራሕ ማይ ዘረጋግጽ መፍትሒ ንምምጻእ ድልውነት ከም ዘለዎ ኣብቲ ደብዳበ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ብዓብይ ተገዳስነት ዝብጻሕ ስምምዕ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያ ውሕስነት ማይ ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ ምባሉ ተጠቒሱ። ብዘይካዚ ዝኾነት ሃገር ኣብዚ ወሳኒ ሃብቲ ማይ ፈለግ ኣባይ በይናዊ ናይ ምቁጽጻር መሰል ክህልዋ ከምዘይግባእ ኣብቲ ደብዳበኡ ሓቢሩ።
በቲ ናብ መራሒ ግብጺ ዝተጻሕፈ ደብዳበ መሰረት፡ መንጎኝነት ኣሜሪካ ኣብ ተክኒካዊ፡ ርትዓውን ግሉጽን ዘተን ቀጻሊ ምቁጽጻርን ምትሕብባርን ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘተኮረ ክኸውን ከም ዝደሊ ኣብቲ ደዳበ ኣስፊሩ።
ከምኡ እውን ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ማይ ኣብ ግዜ ዝተናወሐ ደርቂ ግብጽን ሱዳንን እኹል ማይ ዝረኽባሉን ኢትዮጵያ እኹል እትጥቀመሉ ማይ ክትረክብ ዘኽእል ከም ዝኸውን ክግበር እንከሎ ምዃኑ ድማ ጠቒሱ። እቲ ደብዳበ ምናልባት ኢትዮጵያ ብቲ ማይ ካብ ዘማዕበለቶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንግብጽን ሱዳንን እትልግሰሉ ወይ እትሸጠሉ ኩነታት፡ውን ክፍጠር ይኽእል ይብል።
ኣብ መወዳእታ ደብዳበ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ብሰንኪ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ቅድሚ ምድያቡ ምፍታሕ ብቐዳምነት ሰሪዕዎ ዘሎ ኣጀንዳ ምዃኑ ኣነጺሩ።
Olaf Skoog ምክትል ሓላፊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ተቛሪጹ፡ ብዲፕሎማሲን ቁጠባዊ ውህደትን ንክፍታሕ ሎሚ’ውን ጸዊዑ። እቲ ሕብረት ኣብ መስርሕ ምህዳእ እቲ ወጥሪ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ’ውን ኣብቲ መጸዋዕታኡ ጠቒሱ። ነዚ መጸዋዕታ ዘውጸ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ይምዕብል ዘሎ ምፍጣጥ ስለ ዘሰከፎ ምዃኑ ድማ ኣስፊሩ።
ኦላፍ ስኩግ ምክትል ጸሓፍን ወጻኢ ፖለቲካዊ ስርሒትን ኣገልግሎትን ናይቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ15 ጥሪ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ዝሓሸ መህድኢ ወጥሪ መንገዲ ዲፕሎማስን ጽቡቕ ምትእምማንን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከባሉ ዞባ ከኣ ድሕሪ ሕጂ ውግእ ይኣኽሎ ኢሉ።
ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ፕረሲደንት ታየ ኣጽቀስላሴን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዶር ጌደዎን ጢሜቴዎስን ኣብ ዝገበሮ ርክባት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምህዳእ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት እሙን መንጎኛ ኮይኑ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ከም ዝሓበሮም ገሊጹ። እቲ ዲፕሎማት ናይ ኤውሮጳ ተመኩሮ መሰረት ብምግባር፡ እቲ ነዘን ዝፋጠጣ ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ዘዋጸአን ጸገመን ብውህደትን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ፍታሕ እዩ ከም ዝበሎም ድማ ገሊጹ።
እቲ ዲፕሎማት ኣብ ከምዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለወኦ ናይ ወጥሪ ኩነታት፡ እቲ መፍትሒ ምዝታይን ኣብ ቁጠባ ምትሕብባርን ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ‘ኳ እንተጠቐሰ፡ እቲ ወሳኒ ግና ናይ ክልቲአን ሃገራት ካብ ጽልኢ ወጺአን ናይ መፍትሒ ኣካል ምዃን ምዃኑ ኣስሚርሉ። ወጥርን ግጭትን ዘኽፍሎ ሰብኣዊ ህልቂት ዘኪሩ ድማ፡ መራሕቲ ብሰንኪ ውግእ ዝስዕብ ህልቂት ተረዲእካ ጠጠው ናይ ምባሉ ሓለፍነት ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ሓላፊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኦላፍ ስኩግ ብዛዕባቲ ኣብ ሶማሊያ፡ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ጅቡትን ዘሎ ንኹነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸሉ ምዕባለታት ዳህሲሱ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ኣንጻር ልኡላውነት ሶማሊያ ብምዃኑ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝቃወሞ ኣብቲ ኣብ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝወጸ መግለጺኡ ኣስፊሩ።
ኣምበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንክልላት ንትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢ ወልቃይት ዝነብር ህዝቢ; መጻኢ ዕድሉ ናይ ምውሳን መሰሉ ክረጋገጸሉ ይግባእ ኢሉ። እቲ ኣምበሳድር ነዚ ዝገለጸ ብ15 ጥሪ 2026 ኣብ ሑመራ ኣብ ዝበጸሓሉ እዩ። ቀጺሉ ድማ ብኢትዮጵያ ብዝምራሕን ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝእለን መስርሕ ምሕጋዝ ጽጉማት፡ ኣሜሪካ ክትተሓባበር ቅርብቲ ምዃና ገሊጹ። ኣምበሳደር ኢርቪን ማሲንጋ፡ ኣብቲ ኣብ ሑመራ ዝጸንሓሉ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ የጋጥሞ ንዘሎ ብደሆታት ብዓይኑ ከም ዝተዓዘበ መስኪሩ። ኣብቲ ዝሃቦ ትዕዝብቲ ናይቲ ከባቢ መሰረተ-ልምዓት ብምልኡ ከም ዝዓነወ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ዝተገደበ ምዃኑ፡ ናይ መሰረታዊ ኣቕርቦት ሕጽረት ከም ዘሎ እውን ጠቒሱ። እዞም ጸገማ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣሉታዊ ተጽዕኖ ይፈጥሩ ከም ዘለዉ እውን ኣይሓበአን፡ እዞም ጸገማት ብህጽጹ ንክፍተሑ ናይቲ ነባሪ ህዝቢ ትጽቢት ምዃኑ ከኣ ኣስፊሩ።
ብሰንክ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ከም ዘለዉ ዝመስከረ እቲ ኣምበሳደር፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣድላይ’ኳ እንተኾነ ኣብ ረዲአት ምንባር ግና ኣጸጋሚ እየ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ተመዛባሊ ቀጻሊ ህይወቱ ብሰላምን ክብርን ኣበይ ከም ዝምስርት ኣብ ዘኽእሎ መስርሕ ከም ዝተሓባበር ጠቒሱ። ማሲንጋ መጻኢ መስርሕ ዝተሓላለኸ ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሱ ቅድሚ ኩሉ ንድሕነት ሰባት ቆላሕታ ክወሃብ ከም ዝግበኦ ተማሕጺኑ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ደጊሙ ኩሎም ወገናት እኹል ግዜ ተዋሂብዎም መጻኢ ዕድሎም ባዕቶም ክውስኑ ይግበኦም፡ ድሕሪ ምባል፡ ኢትዮጵያውያን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ሃገሩ ኣብ ጐኖም ከም እትስለፍ ብተወሳኺ ቃል ኣትዩ። ኣብ ምብጻሕ እቲ ኣምበሳደር ናብ ሑመራ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣቦመንበር ሰልፊ ስምረት ትግራይን ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከም ዝነበረ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ
ካብ ማሕበራዊ መዲያ ዘሓበሻ ዝተወስደ ምስሊ
ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ብ14 ጥሪ 2026 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መስርሕ መንበሪ ቪዛ ናብ ኣሚሪካ፡ ኤርትራ ናይ እትርከበን ኣፍጋኒስታን፡ ኢራን፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ሩሲያን ሶማሊያን ዝርከበአን 75 ሃገራት ከም ዝቋረጽ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ትራምፕ ነዚ ዝወሰነ ናይዘን ሃገራት ዜጋታት ኣብ ኣሚሪካ ክነብሩ እንከለዉ፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ሓገዝ (welfare) ክምርኮሱ እዮም ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ከኣ ቶሚ ፒጎት ምክትል ወሃቢ ቃል ናይቲ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትሪ ሓቢሩ።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማክሮ ሩቢዮ ነዚ ብዝምልከት ኣብተን ዝተኣገዳ ሃገራት ናብ ዘለዉ ቆንስላት ኣሜሪካ ብመሰረት’ቲ ዝሓለፈ ሕዳር ዝወጸ ንኢሚግራሽን ዝምልከት መምርሒ ነቲ መስርሕ ኣብ ዝምልከት፡ ብፍላይ ኣብቶም ናይ መንግስቲ ሰከም ከም ዝኾኑ ዝግመቱ ኣካላት ብትሪ ንክቆጻጸሩ መምርሒ ሂቡ።
እዚ እገዳ ብቐጥታ ነቶም ኣብ ኣሚሪካ ክነብሩ (ግሪን ካርድ ክረኽቡ) ዝመጹ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንትምህርቲ፡ ሃገር ንምብጻሕ፡ ንስፖርታዊ ውድድርን ንውሱን ግዜ ናይ ስራሕ ፈቓድን ናብ ኣሜሪካ ንዝኣትዉን ከም ዘይምከት ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
እዚ ውሳነ ካብ 21 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዓል ኮይኑ፡ ኣሜሪካ እቲ ዋሕዚ ሓደገኛ ከምዘይኮነ መረጋገጺ ክሳብ እትረክብ ቀጻሊ ዝኸውን እዩ። እዚ ስጉምቲ ኣካልቲ ኣሚሪካ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ብመንጽርቲ (ቀዳምነት ንኣሜሪካ” ዝብል ፖሊሲ ተተኣታትዎ ዘላ ሓድሽ ኣሰራርሓ እዩ።
ቃለ መጠይቕ ኢሳያስ፡ “ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየና ዘሎ” ዘብል’ዩ።
Tuesday, 13 January 2026 10:01 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ’ቲ ኣቐዲሙ ተዘርጊሑ ዝቐነየ ሓበሬታ፡ ብ12 ጥሪ 2026 ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። እቲ ቃለ መጠይቕ ቅድሚ ምክያዱ “በቲ ሓደ ወገን እንታይ ሓድሽ ከየምጽእ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምናልባት ብዛዕባዚ ብወገን ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝውርወር ዘሎ መሰረት ኣልቦ ፈኸራስ ገለ ይብል ይኸውን” ኣብ ዝብሉ ኣዛራቢ ኮይኑ ጸኒሑ። እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ግና ብፍላይ ኣብ “ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ” ቅድም ዝበሎ ምድጋም እንተዘይኮይኑ፡ ዘምጸኦ ሓድሽ የለን።
ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ዳርጋ ከም መመላእታ ዝሰርዖ ዘቤታዊ ጉዳይ፡ ንኤርትራ ብቑዕ ናይ መንገዲ ትሕተ ቅርጻ፡ ቀረብ ማይን ጸዓትን ከም ዘድልያ ግና ድማ ከምዘየብላ’ዩ ደጋጊሙ ጠቒሱ። ከምቲ ልማዱ ከኣ ኣብ መጻኢ ዓመታት ቀዳምነታት ኣትሒዝና ንሓስበሉን መልክዕ ነትሕዞን ክኸውን እዩ ኢሉ ሎሚ’ውን ተመባጺዑ። እዚ እዩ ከኣ እቲ “ኣይትብከ እንድዩ ዘብክያና ዘሎ” ዝብል ።
ነቲ ብሰንኩ ዝበኾረ ዕቤትን ልምዓትን ንኻለኦት ንምልጋብ ከኣ “ሰላምን ምርግጋእን ናይ ልምዓት ቅድመ-ኩነት እዩ” ዝብል መህደሚ ከቕርብ ፈቲኑ። ነቲ ንሱ ዝሕተተሉ ኣቐሚጡ ድማ፡ ሕጽረት ምሁራትን ክኢላታትን ከም ዕንቅፋት ልምዓት ከቕርቦ ተሰሚዑ። ኤርትራ ብሰንኩ ቁጠባዊ ዓቕሚ ከውሕስ ዝኽእል ክኢላን ምሁርን መንእሰይ ኣስኢንዋ ዘሎ ንሱ ምዃኑ ዘይርደኦ ኤርትራዊ ኣሎ ኢሉ ከዕሹ ምፍታኑ ከኣ የገርም። ኣብ ሃገሮም ንዝነበሩ ኣውፈርቲ እንዳሰጉጐስ ካብ ወጻኢ መጺኦም ከውፍሩ ምጽውዑ ድማ ዘገርም ኣሽካዕላል እዩ።
ኣብቲ ክዛረበሉ እዩ ብዝብል ብዙሓት ዝተጸበይዎ፡ ንዘይሓላፍነታዊ ፈኸራ ብልጽግና ዝምልከት፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባቲ ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ዘውሓሰ ቃልስ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽን ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ሕግታትን ኣትኪሉ ዕቱብ መብርሂ ዝህብ፡ “እዚ ጉዳይሲ ክለዓል ‘ውንኣይነበሮን” ኢሉ ድሕሪ ምጉብዕባዕን ብምንእኣስን፡ ንተግባር ናይቲ መንቀሊ ኣካል ብልጽግና “ሓሳዊ፡ ሰነፍ፡ ነዳይ፡ ስሱዕ” ክብል እዩ ገሊጽዎ። እቲ ንጉዳይ ኤርትራ በይኑ ነጺልካ ምርኣይ ዘይኮነ፡ ንከባቢ ፈለግ ኣባይ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥን ብሓባር ምርኣይን ምስ ዝምልከቶም ጐረባብቲ ምልዛብን ዝበሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እምበር ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብዚኸ ቅድም ዘቤታዊ ጉዳዩ ወጊኑዶ ጸኒዑ ይቕጽል ይኸውን? ወይ ብጉልባብ ዞባዊ ጽምዶ ይሃድም ኣዛራቢ እዩ።
ካልእ ኢሳያስ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደሉ፡ ኣብ መድረኽ ዝሑል ውግእ፡ ነቲ ሶቬት ሕብረት ዝምራሕ ዝነበረ ደንበ ኣፍሪስካ፡ ካብ ክልተ ደንበ ናብ ሓደ ደንበ ዝተኣትወሉን ኣብ ግዜ ልዕልና ኣሜሪካ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን ኩነታት እዩ። ነቲ ህልዊ ምንቅስቓስ ኣሜሪካ ከኣ ናብ ክልተ ቀጽራዊ መሰጋገሪ ዘምርሕ ዘሎ መሰጋገሪ መድረኽ እዩ ኢልዎ። ኣሚሪካ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ “ኣሚሪካ ሓያል ንምግባራ (Make America G)reat” ዝብል ጭረሖ ከምዘይተዓወተን ብከም ቻይና፡ ሩሲያ፡ ህንድን ካለኦትን ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ተክኖሎጅን ወተሃደራዊ ዓቕምን ትብለጽ ኣላ’ውን ኢሉ።
ኣሚሪካ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት Oዓለም ትገብሮ ዘላ ኢድ ኣእታውነት ከኣ “ድብያን ጭውያን “ ብዝብል ካብ ውድቀት ዘውጸኣካ ቁጠባዊ ሕውየት ንምርካብ ዝግበር ናይ ስግኣት ጻዕሪ እዩ ይብሎ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ምስ መራሕታ ዝምድና ንምግባር ዘካየዶ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ገሊጹ፡ ተገልቢጡ ድማ ምስዛ ትብለጽ ኣላ ዝበላ ሃገር ዝምድና ንምፍጣር ዝገብሮ ጻዕሪ ክቕጽሎ ምዃኑ እዩ ተጋራጫዊ ሓሳብ ዘቕርብ።
ዘይሩዘይሩ እቲ ብውሱናት ሓድሽ ነገር ከምጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃለመጠይቕ ኢሳያስ፡ ከምቲ ብዙሓት ዝገመትዎ ብፍላይ ኣብቲ ዘቤታዊ ጉዳያት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝበሎ ምድጋም እንተዘይኮይኑ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር የለን። ኢሳያስ’ውን ከም መራሒ ሃገር ዘይኮነ፡ ከም ታራ ተንታኒ ኮይኑ እዩ ቀሪቡ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ዓዲ ሹማ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ፡ ብ7 ጥሪ 2026 ወዲ ፍርዙን ዝተባህለ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ሓሰን እድሪስ ንዝተባህለ ሰላማዊ ሰብ ቀቲሉ ወዲ ስዒድ ንዝተባህለ ከኣ ከም ዘቑሰለ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
እቶም ምንጭታት ንመንቀሊ ናይቲ ቅትለትን መቑሰልትን ብዝምልከት ከም ዝሓበርዎ፡ ብመጀመርያ ዓዲ ዒለ ካብ ዝተባህለ ቦታ ዝመጸት ብወዲ ፍርዙን እትምራሕ ኣሃዱ መንእሰያት ንውትህድርና ንምግፋፍ ነታ ዓዲ ኣኽቢባታ። ድሕሪኡ እቶም ግዳይ ዝኾኑ ዝርከብዎም ብዙሓት ደቂ’ታ ዓዲ ካብቲ ግዱድ ውትህድርና ንምድሓን ክብሉ ፋሕ ኢሎም ክሃድሙ ጀሚሮም። እቶም ወተሃደራት ከኣ ነቲ ህድማ ንምዕጋት ኣድራጋ ተኲሶም። በቲ ተኹሲ ከኣ እቲ ዝቐተለን ዝቖሰለን ግዳይ ኮይኑም።
ድሕሪኡ እቲ ዝተወቕዐ ወዲ ስዒድ ንሕክምና ናብ ኣስመራ ተወሲዱ። ስድራቤትን ደቂ ዓድን ናይቲ መዋቲ ከኣ ቀታሊኡ ክሳብ ዝፍለጥ ኣይንቐብሮን ኢና ብዝብል ንዝጻረ ኣስከሬኑ ናብ ጊንዳዕ ወሲዶም ከጽንሕዎ’ኳ እንተፈተኑ፡ እቲ ኣዛዚ ናይቲ ሰራዊት ወዲ ፍርዙን፡ “ኣነ ባዕለይ እየ ቀቲለዮ ቀልጢፍኩም ቅበርዎ” ምስ በሎም ተገዲዶም ብዘይመርመራ ከም ዝቐበርዎ ተሓቢሩ።
ድሕሪኡ እቶም ደቂ ዓዲ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከይዶም ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ምስ ኣመልከቱ እቶም ኣባላት ፖሊስ ቀታሊ መን ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ፡ “ኣብዚ ጉዳይዚ ክንሕግዘኩም ኣይንኽእል ኢና” ኢሎም ኣፋንየሞም።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ንኡስ ዞባ ለጎ ዓንሰባ ቀራና ኩዶ ኣብ ዝበሃል ዓዲ ወተሃደራት ኤርትራ ያፌት ዝተባህለ ትሕቲ ዕድመ ከም ዝቐተሉን በቲ ቅትለት ቁጠዓኦም ንዝገለጹ ደቂ ዓዲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጐንዎም ዝዝከር እዩ።