ኮሚሽን ምምኽኻር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተጋሩ ዘትዩ
2026-04-02 07:46:13 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 168 timesዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ምምኽኻር ኢትዮጵያ፡ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘስመዖ መእተዊ ቃል፡ “ብዘይ ተሳትፎ ትግራይ ምሉእነት ናይቲ ሃገራዊ ዘተ ሸቶኡ ክወቅዕ ኣይክእል እዩ” ከም ዝበለ፡ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። እቲ ፕሮፈሴር ኣተሓሒዙ ናይ ተጋሩ ኣብ መስርሕ ምምኽኻር ኢትዮጵያውያን ምስታፍ ኣብ ምፍታሕ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገማት ብጽሒት ከም ዝህልዎን ተሳተፎ ተጋሩ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ዘርእን ምዃኑ ሓቢሩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ፕሮፈኤስር መስፍን፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ትግራይ ንክጋባእ ዝተኻየደ ጻዕሪ ስለ ዘይተዓወተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ናይ ግድን ከም ዝኾነ ድማ ኣመልኪቱ። ትግራይ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ጽኑዕ ክብሪ ዘለዋ ክልል ምዃና ብምጥቃስ ከኣ ቀንዲ ዓላማ ናይቲ መድረኽ ኣብታ ሃገር ዝረኣዩ ናይ ሓባር ጸገም ብሓባር ምፍታሕ ምዃኑ ኣብሪሁ። ከምኡ እውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብቲመድረኽ ናይ ዘይተሳተፉ ተጋሩ ሓሳብ ንምቕባል ኣብ መጻኢ ናይቲ ኮሚሽን ማዕጾ ክፉት እዩ ኢሉ።
ኣብቲ ዘተ ካብ ኩሉ ዞባታት ትግራይ ዝመፁ ተወከልቲ፡ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ውድባት ናይታ ክልል ዝኾኑ ኣስታት 400 ተሳቲፎም። እዚ ቀዳማይ ዙር ኣኼባ ነቲ ኣብ መጻኢ ብደርጃ ኢትዮጵያ ክዝግበር ዝሕሰብ ኣኼባ ኣጀንዳ ዝኸውን ሓሳብ ናይ ምእካብ ኣኼባ ካብ 1 ክሳብ 3 ማዝያ 2026 ዝጸንሕ ኮይኑ፡ በቲ ኮሚሽን ምምኽኻር ዝተዳለወ ምዃኑ’ውን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢራ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ኣቦመንብር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምክትል ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን፡ እቶም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ንኣዲስ ኣበባ እምበር ንትግራይ ከምዘይውክሉ ብምጥቃስ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝምልከት ኣኼባ ኣይኮነን ብዝብል ተቓውመኡ ብትሪ ኣስሚዑ።