ዝለሓዀ ምስጢራዊ ሰነድ ብልጽግና
2026-03-30 10:01:33 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 154 timesካብ ናይ X መዲያ ዝተወሰደ ስእሊ
ሰልፊ ብልጽግና “ናይ ህልውና ስግኣት ተንተናን ስራተጅያዊ መፍትሒ መማረጽታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣዳልዩ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2026 ብምስጢር ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ብልጽግናን ፈደራል መንግስትን፡ ዝዘርግሖ ሰነድ ምውጽኡ ብዝተፈላለያ ማሕበራዊ መድያታት ተቓሊዑ። እቲ 12 ገጻት ዘለዎ ኣብ ጸጥታውን ፖለቲካውን ስግኣታት ኢትዮጵያ ዘተኮረ ሰነድ፡ ኣብ 4 ኣስጋእቲ ናይቲ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራል መንግስቲ ዝበሎም ጉዳያት ዘተኮረ እዩ።
እቶም እቲ ሰነድ ዘተኮረሎም 4ተ ዛዕባታት፡ “ምትንሳእ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምብርባር ምሁራት ትግራይን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ምንቅስቓስ ፋኖ ካብቲ ተነጺልዎ ዝነበረ ናብ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ስግኣት ምዕራጉ፡ ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ጐረቤት ሱዳን ዓቕሚ ምድልዳሉን ምስ መንግስታት ግብጽን ኤርትራን ዝምድናኡ ምድልዳልን ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኤርትራን ፖለቲካዊ ጽልዋኡ ኣብ ኢትዮጵያን ብኢትዮጵያ ዝለዓል ዘሎ ግዜን ኣገባብን ዘየገናዘብ ሕቶ ቀይሕ ባሕርን ውደብን” ዝብሉ እዮም።
ብዘይካዚ እቲ ምስጢራዊ ሰነድ፡ መንግስቲ ብልጽግና ብሰንኪ ዘይዕቱብ ኣተሓሕዛኡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ ህዝቢ ዝገጥሞ ዘሎ ተቓውሞ’ውን ኣብቲ ምስጢራዊ መጽናዕታዊ ሰነድ ዝተደህሰሰ እዩ። ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ ብግቡእ ስለ ዘይተተግበረ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ፈጢርዎ ዘሎ ጸገም ይእመን። ከም መዋጸኦ ድማ ነቶም ኣብቲ ክልላት ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ዝዋስኡ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ በቲ ሓደ ወገን ካብ ህዝቢ ናይ ምንጻሎም፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕዶም ዘይምትእምማን ፈጥሪርካ ዝከፋፈልሉ ስረሓት ምክያድ ከም ኣስፊሩ። ብሓፈሻ ናይ መንግስቲ ወተሃደራዊ መንገዲ ከም እንኮ መፍትሒ ምርጫ ጌርካ ምርኣይ ጌጋ ምዃኑ ጠቒሱ።
ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከኣ እቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ናብ ናይ ህልውና ስኣት ከም ዝተመለሰ ስፍሕ ብዝበለ ኣስፊሩ። ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ግዜኡ ዘይሓለወን ልኡላውነት ኤርትራ ዝጻረር ዝመስል ህዉኽ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳድን ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝስምዕዎ መደረታትን መንገሲ ኤርትራ ምስ ትግራይ፡ ፋኖን ሱዳንን ንክተሓባበር ከም ዝዓደሞ ጠቒሱ።
ከም ናይ መጻኢ መፍትሒ ከኣ ግዜ ወሲድካ ንመንግስቲ ኤርትራ ብዲፕሎማስያዊ መዳይ ኣዳኺምካን ካብ ህዝቢ ነጺልካን ምቕጻል ይብል። ብናይ ብዙሓት ግዱሳት ሚዛን፡ እቲ ገምጋማዊ ሰነድ መንግስቲ ፈደራል ብሰንክቲ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ኣብ ጨንቂ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ ይባሃል ኣሎ።