ብዕለት 01.12.1942 ኣብ ዓንሰባ በርዑና ኣብ ዝተባህለት ዓዱ ዝተወልደ ገዲም ተቓላሳይ  ዓንደጼን  ግርማይ፡ ብ21 ሰነ 2025  ተሰዊኡ ዝብል ሓበሬታ ብመሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ።  ዓንደጼን ናይ ትምህርቲ ዕድሚኡ  ምስ ኣኸለ ኣብ ከባቢ ዓዶም ኣብ ዝነበረ ናይ መባእታ ቤት ትምህርትን ኣብ ከተማ ከረንን ትምህቱ ድሕሪ ምክትታል፡ ኣብቲ ብቤት ትምህርቲ እተገ መነን ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ጥዕ ቤት ትምህርቲ ኣስመራ ተማሂሩ። በቲ ዝተማህሮ ሞያ ድማ ኣብ ባጽዕ/ማሳዋ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ኣገልጊሉ። ብ1975 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ ኣብ ሳሕል ኣብ ዝነበረ  መደበር ታዓሊም መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ወሲዱ።ድሕሪ ታዕሊም በቲ ዝነበሮ ሕክምናዊ ትምህርትን ተመኩሮን ኣብ ወተሃደራዊ ሕክምና ተመዲቡ፡ ኣብ 1976 ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ደንበ ጐለም ኣብ ዝበሃል ማእኸል ተመዲቡ። ቀጺሉ ድማ ኣብ 1977 ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ከምኡ’ውን ብ1978 ኣብ መደበር ሕክምና ስውእቲ ኣለም መስፍንን ካልኦት ናይ ጥዕና ማእከላትን ብተወፋይነት ግቡኡ ፈጺሙ። ብዘይካዚ ኣብ 1977 ከተማ ዓዲ ቀይሕ ካብ ሰራዊት መግዛእት ነጻ ንምውጻእ ኣብተገብረ ምድላዋት’ውን ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዓሪዱ ዝነበረ ኣካል ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ  ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ጉጅለመራሒ ኮይኑ ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መደባት ተቓሊሱ።

ብምቕጻል ኣብ ወተሃደራዊ ሕክምና ዳግመ-ስርርዕ ድሕሪ ምክያዱን ብሪጌዳት ምምስራተንን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሕክምናዊ ማእከላትን ክፍልታትን ብተወፋይነት ከም ዝተቓለሰ ናይ ቃልሱ ተመኩሮ ይምስክር።

ሓርበኛ ዓንደጼን ግርማይ ኩነታት ተቐይሩ ናብ ሃገር ጀርመን ምስ ኣምረሐ እውን ክሳብ ብሕማም ምኽንያት  ዓዲ ስውዕል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ስርዒታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣባል ምምሕዳር ሽማግለ ጨናፈር ኮይኑ ከይሰልከ ብትብዓትን ብተወፋይንትን ተቓሊሱ። ኣብ ጀርመን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየዱ ፈስቲቫላት ኤርትራን ዓመታዊ ኣህጉራውን ሰውራውን በዓላት ካብ ምስንዳእ ክሳብ ምዝዛም ዕዙዝ ሓላፍነታዊ ብጽሒት ካብ ዝነበሮ ናይ ቃልሲ ብጾት ሓደ ብምዃን ከኣ ካብ ቃልሲ ኣይበኾረን።

ሓርበኛ ተቓላሳይ ዓንደጼን ግርማይ፡ ኣብ መትከላት  ሰውርኡን ህዝብን ጽኑዕ፣ ነታ ንሱን ብጾቱን ዝብህግዋ ኤርትራ ንዝተጠለመ መብጻዓታታ መሊኡ ክዕወት፡ ኣብቲ 1989 ዓ.ም ኣብ ቶጓን ዝተጋብኤ ሳልሳይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ንጨናፍር ጀርመን ወኪሎም ካብ ዝተሳተፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ሓደ ነይሩ።

ዓንደጼን ካብ ዝሳተፈሉ ዝነበረ ካልእ መዳይ፡  ኣብ ዓበይቲ ታሪኻዊ ኣጋጣምታት ብዝነበሮ ናይ ስነጽሑፍ ክእለት፡ ምእንቲ ነጻነት ዝተኻየደ ቃልስን ኣብቲ ቃልሲ ዝተፈጸመ ጀግንነትን ከምኡውን ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልስን ስድራን ብዝምልከት ብቐጻሊ ዘንጸባርቕ ዝነበረ እዩ። ዓንደጼን ኣብ መበል 83 ዕድመኡ ብ21 ሰነ 2025 እዩ  ኣብ ገዝኡ ብቤተሰቡ እናተኣልየ  ዓሪፉ።

ዓንደጼን ኣብ ሓዳሩ ዕዉትን ኣቦ ሓሙስተ ደቅን እዩ። ብደቑ ፍጹም፣ኣለም፡ ኣፈወርቂ፡ ኣልማዝን ጠዓመን ከምኡውን ኣብ ቃልሲ ነጻነትን ሓርነትን ብዝነበሮ ግደ  እንዳተዘከረ ክነብር እዩ።   

እነሀ ከኣ ሕድሩ እዩ ዝውረስ እምበር፡ ካብ መስዋእቲ ዝተርፍ ተቓላሳይ ስለ ዘየለ፡ መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰዲህኤ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽና፡ ንስዉእ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራ ቤቱን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦምና/ይሃበና ንብል።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

Friday, 27 June 2025 00:39

Dimtsi Harnnet Kassel 26.06.2025

Written by

ሰብኣዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል (Amnesty International)፡ መንግስቲ ኤርትራ ቀጻልነት ናይቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ተመዚዙ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተል ራፖርተር፡ ንክቋረጽ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብ ተቐባልነት ንከይረክብ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ካብ 4 ክሳ 7 ሓምለ 2025 ክካይዶ ተመዲብዎ ዘሎ መበል 59 ጉባአኡ ኣንጻር ሕቶ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ንከድምጽ ናይቲ ትካል ዳይረክተር ዞባ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ቲገረ ቻጉታህ ጸዊዑ።

ኣምነስቲ ኣብዚ ናብ ኣባል ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረቦ ምሕጽንታ፡ መስርሕ ምክትታል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣይተዛዘመን ድሕሪ ምባል፡ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰታት ተሓታትነት እውን ኣይተረጋገጸን ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ምቕጻል እቲ ፍሉይ ራፖርተር መሪሕ ግደ ዘለዎ ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ ተሓታትነት ንክትግበር ክሕግዝ ከም ዝግበኦ ኣብቲ መጸዋዕታኡ ኣስፊሩ ግህሰታት ኣብ ኤርትራ ምምዛዝ ናይቲ ራፖርተር 10 ዓመት ኣብ ዝመለኣሉ’ውን ቀጻሊ ምህላዉ’ውን ኣቃሊዑ።

ኣተሓሒዙ ከኣ ብወገን ኤርትራ ኣድላይነት ናይቲ ራፖርተር ንከቋርጽ ሒዝዎ ዘሎ ኣጀንዳ ክዕወት ዘይግበኦ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዓብይ ሓላፍነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዘስተናዕቕ ምዃኑ እውን ኣስፊሩ። እዚ ምምዛዝ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ካብ 2012 ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። እንተኾነ ቅድሚ ኹሉ እቶም ዝምዘዙ ራፖርተራት ናብ ኤርትራ ናይ ምእታው ዕድል ስለ ዝተነፍጎም ክንድቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከድምዑ ኣይጸንሑን።

ኢትዮጵያ ብ20 ሰነ 2025 ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራ ኣቢላ ናብ ዝተፈላለዩ ይምልከቶም ዝበለቶም ኣካላት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኤርትራ ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ተሃዋሲ ኩነታት፡ ብፍላይ ድማ  ጸጥታ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ትዘርግ ኣላ ክትብል  ብትሪ ከሲሳታ። ኣብቲ ደብዳበ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ጸጥታና ንምዝራግ ተደጋጋሚ ፈተነታት ተካይድ  ስለ ዘላ ነቲ ተግባር ብትሪ ንኹንኖ” ዝብል መልእኽቲ ሰፊሩ። ኣተሓሒዛ ከኣ ሕብረተሰብ ዓለም ተግባር ኤርትራ ዘብቅዓሉ ኩነታት ንክፈጥር  መጸዋዕታ ቀሪባ።  

ኣብዚ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ብዙሓት ጸለውቲ ዝበሃላ ሃገራትን ዝተጻሕፈ ናይ ስምዕታ ደብዳበ፡ ሰራዊት ኤርትራ ጋና ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዘይወጸ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊ ጉጅለታት ብምዕጣቕን ምስናቕን ሰላም ኢትዮጵያ ትዘርግ ኣላ ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።

ኣተሓሒዙ ድማ እዚ ዘራጊ ተግባራት ኤርትራ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝመጸ ምዃኑ ብምጥቃስ፡  ኢትዮጵያ ንተግባራት ኤርትራ ካብዚ ንላዕሊ ከምዘይትጻወሮን ነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋን ኣስፊሩ። ቅድሚ ኩሉ ግና ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ተጽዕኖኡ ንከሕይል ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብዚ ቀረባ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዝፍጠር ዘሎ ምቅርራብ “ኣንጻር ሕገመንግስታዊ ኣካይዳ ልምምዳት ንዕዘብ ኣለና” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ሰፊሕ ናይ ክሲ ዝርዝር ዘለዎ ደብዳበ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተዓዘቡ ኣካላት፡ እዚ ስጉምቲ ናይ ቅድመ-ውግእ ስምዕታ ከይከውን ስግኣታቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ወረ ውግእ ኣብ ዝስመዓሉ ዘይቅሱን ህሞት ኢና እንርከብ ዘለና። እዚ ዘየቕስን ወረ ብፍላይ ኣብ ከባቢና ኣዝዩ ዝንህር ዘሎ እዩ። ናይዚ ስግኣታት ቀንዲ ጠንቅን ካብ ኣመጻጽእኡ ጀሚርካ ዝሕተትሉን ዘይሓላፍነታውያንን ስሱዓትን መንግስታት ምዃኖም ዝከሓድ ኣይኮነን።

እቲ “መጻእኩ” ዝብል ዘሎ ስግኣታት ውግእ፡ ብውሕዱ ክልተ መልከዓት ኣለዉዎ። እቲ ሓደ መልክዑ ኣብ መንጎ  ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ምውጣጥን ምክሳስን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልእ ገጹ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ውሽጣ ትሕመሶ ዘሎ ወጥሪ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ቻድን ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ናብ ዝገደደ ከይዓርግ ዘስግእ ምፍጣጥ ናይቲ ኣብ ሕድሕድ እተን ሃገር ዘሎ ወጥሪ መርኣያ እዩ። እተን ዘይጠቐስናየን ሃገራት ከባቢና  እውን መምስ ጐረቤተን ዘለወን ዝምድና “ዘቕስን”  ኣይኮነን።

ናይዘን ሃገራት ዘይቅሱን ሃለዋትን ዝምድናን ካብኣተን ጀሚሩ ኣብኣተን ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ካብ ርሑቕ፡ በብናቶም ሕሳብን ረብሓን ዘንቀሳቕስወን፡ ዘዕጥቕውንን ዘስንቕወንን ሓያላትን ሃብታማትን ሓይልታት ኣለዉ። እምብዛ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ጉዳይ ከባቢና፡ ሳዑዲ ዕረቢያን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ኣብ ምግዳድ ኣስማተን ተደጋጊሙ ክጥቀስ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንሃገርናን ጐረባብታን ዝመርሑ ዘለዉ መንግስታት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተለኣኣኽነት ንክወድቁ ናይተን ሃገራት ቁጠባዊ  ድኽነት ግደ ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ግና ንዓሚቕ ትርጉም ናይቲ ብምክኣልን ምጽውዋርን ዘተግበር፡ “ኣብ ክንዲ ተጐራሪሕካ ዓዲ ምፍራስ፡ ተገራሪህካ ዓዲ ምህናጽ”  ክቕበሉ ቅሩባት ዘይምዃኖም እዩ።

እቲ ካልእ ገጽ ናይቲ  ጸገማት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ሃገራት ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ቅልውላውን ናይ ሕድሕድ ውግኣትን እዩ። ኣብ ኤርትራ ድምጺ ጥይት ስለ ዘይስማዕ ጥራይ፡ ገሊኦም ብገርሂ ገሊኦም ድማ ብጉርሒ “ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ ናይ ሰላምን ቅሳነትን ኣብነት’ያ” ከም ዝብልዎ ዘይኮነ፡  ካብ ውሽጣዊ ቅልውላውን ናይ ኣተሓሳስባ  ፍልልያትን ነጻ ከም ዘይኮነት፡ ነቲ ብስዉር ዝጠፍእ ህይወትን ንብረትን ገዲፍካ፡ እቲ ንለውጢ ክካየድ ዝጸንሐን  ዘሎን ቃልሲ መስካሪ እዩ። እዚ ከኣ ዘተኣማምን ሰላም ተኲሲ ብዘይምህላው ጥራይ ዝግለጽ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኡ ማእዝናት ዝካየደ ዘሎ ውግእ ሕድሕድን ቁጠባዊ ድቀትን ዘውርዶ ዘሎ ክሳራን ዘሕድሮ ዘሎ ስግኣትን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ከይተረፈ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብ ሱዳን ዘሎ ምትህልላቕን ዘኸተሎ ዘሎ ናይ ሰባት ምምዝባልን ከምኡ እውን ናይ ትሕተ-ቅርጻ ዕንወት ምግማቱ ዘጸግም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ጽልዋኡ ናብ ኤርትራ ከይልሑኽ እውን ዘስግእ’ዩ። ሶማሊያ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልላትን ዘሎ ምስሕሓብ፡  በቲ ካልእ ድማ ምስ ኣልሸባብ ዘለዋ ምትሕንናቕ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኮይኑ ብናይ ካለኦት ሃገራት ወተሃደራት እትሕሎ ዘላ ሃገር እያ።  ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ እምበኣር፡ ዞባና ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኣስጋኢ ወጥሪ ምህላዉ ዘገንዝብ እዩ።

እቲ ዝያዳ ኣድህቦ ዘድልዮ ከኣ፡  ብሓደ ወገን ኣብ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ  ቅሳነትን ስኒትን ዘይፈጠረ መንግስቲ፡ ንጐረቤት ክሕግዝን ሰናይ ክሓስብን ከምዘይክእል’ዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ጐረባብቱ ምትሕብባርን ሰላምን እንተዘይሃልዩ፡ በይንኻ ናይ ቅሳነት ደሴት ክትከውን ከምዘይከኣል ምምልካት እዩ። እዚ ዘርእዮ ከኣ ምስ ጐረቤት ሃገር ዘለካ ጸገምን ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ዘይቅሱን ኩነታትን ነጻጺልካ ዝረአዩ ዘይኮኑ ኣብ ሕድሕዶም ተጸላለውቲ ምዃኖም እዩ። ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን ህግደፍ ንጉጅለ ፋኖ ኣምሓራ የዕጥቕን የስንቕን ኣሎ ካብ ዝበሃል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንቡር  እንትዝነብር ህግደፍ ምስ  ፋኖ ኣይምስተጫነወን። “ትማሊ ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ክንቃለስ ኢና”  ዝብል ዝነበረ ህግደፍ ሎሚኸ ኣበይ’ሎ? የገርም።

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ናይ ኢማራት መሰጋገሪት ኮይና እናተባህለት ትጥቀስ ምህላዋ ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ሱዳንን ኢትዮጵያን ብሕማቕ ዓይኒ እንተዘይጠማመታ፡ ብልጽግና ኣብ ጐኒ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ኣይመተሰለፈን። ናይ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሱዳን ኢድ ምእታው’ውን ብመንጽር’ዚ እዩ ዝረአ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ነቶም ንህግደፍ ኣሚኖም ክዛመድዎ ዝረኣዩ ወገናት “ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ጉጅለ ነዓኻትኩም’ውን ኣይኮኖኩምን’ዩ” ዝብል ስምዕታ እነቕርብ ከኣ ነዚ ውሽጣውን ግዳማውን ምጽልላዋት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።

ንህግደፍ ወሲኽካ፡ መንግስታት ነቲ ምስ ጐረባብቶም ዝፈጥርዎ ምትፍናን ኮነ፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሳውርዎ ጐንጽታት “ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ተገዲድና ዝኣተናዮ እዩ” እናበሉ እዮም ዘጸባብቕዎን ዝጉስጉስሉን። ብግብሪ ግና እቲ “ምእንታኻ” ዝብልዎ ህዝቢ እዩ በቲ ውሽጣዊ ኮነ ግዳማዊ ውግኣት ኣደዳ ጸገማት ኮይኑ ዝህሰ። ስለዚ እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይቲ ዝካየድድ  ውግእ “ምእንቲ ህዝቢ”  ዘይኮነ  ናይቶም መሳወርቲ ዕድመ ስልጣን መናውሒ ወይ  መምልኢ ካዝና ምዃኑ  ብግብሪ ዝተራእየ’ዩ ።

ርሑቕ ከይከድና፡ ናይ ህግደፍ ምጽሕታር ውግእን ብሰንኩ ዝፍጠር ዘይቅሱን ህይወት ህዝብናን ኣወዳዲርካ ምርዳእ ዝከኣል እዩ። መንግስታት ብመንፈስ’ቲ “ኣብ ክንዲ ተጐራሪሕካ ዓዲ ምፍራስ ተገራሪህካ ዓዲ ምህናጽ” እንተዝግዝኡ፡ ክሳብ ሕጂ ክጋጥም ዝጸንሐን ኣብ መጻኢ ከይክሰት እንሰግኦን ሓደጋታት ኣይመጋጠመን። ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ድማ ቅድሚ ስልጣኑን ጉጅላዊ ረብሓኡን፡  ረብሓን መሰልን ህዝቢ ዘቐድም ስርዓት ክትፈጥር ምብቃዕ ጥራይ እዩ። ተመኩሮ ኤርትራ ከም ዘርኣየና ድማ፡ ክሳብ ክንድዚ ሓላፍነታዊ ስርዓት ተቓሊስካ ዝትከል እምበር፡ ተመኒኻ ካብ ሰማይ ዝወርድ ኣይኮነን።

ስለዚ ከምቲ ወትሩ ናብ ህዝቢ ኤርትራ “ሰላምካን ቅሳነትካን ብቓልስኻ እዩ ዝውሰን” ዝብል እነመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ናብ ጐረባብትና ህዝብታት እውን ንደግሞ ኣለና። ምኽንያቱ ከምቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ንሰላምን ሰላማዊ ጉርብትናን በይኑ ዞባዊ ሰላምን ቅሳነትን ዘውሕስ  ስለ ዘይከውን።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡  ብ21ሰነ 2025 ምዱብ ኣኼባ ኣካይዱ።ኣብ መኽፈቲ’ዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ደንበ ተቓውሞን፡ ዞባናን ዓለምናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ዝፍጠር ዘሎ ስግኣታትን ከምኡ እውን ብደረጃ ሰዲህኤ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት ዘንጸባርቕ ቃል ኣስሚዑ።

ብምቕጻል ኣኼባ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ሰሪዑ፡ ኣብ ምምይያጥ ጸብጻባት ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰልፊ ኣትዩ፡  ግቡእ ሚዛናት ኣካይዱ። ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝተራእ’ዩ ሓያላትን ድኹማትን ጐድንታት ዳህሲሱ። ኣብ ሚዛኑ፡ ኣብ ዜናዊ ስረሓት ሰልፊ ኣብ ቋንቋ ዓረብ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ሕጽረት ንምምላእ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ወሲኽካ ይረአ ንዘሎ ንጥፈታት ንኢዱን ኣተባቢዑን፡ እቲ መደባት  ብስፍሓት ናብ ህዝብና ዝበጽሓሉ ሜላታት’ውን ዳህሲሱ።

ብዘይካዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝረኣዩ ዘለዉ ኣውንታታት ክቕጽል ኣተባቢዑ፡ ዝረኣዩ ድኽመታት ዝእረምሉ ኣንፈታት ከኣ ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ዘርእርይዎ ዘለዉ ትግሃት ኣመጒሱ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ሃገርና፡ ጐረባብትናን ዞባናን ዝረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ኩለ-መዳያዊ  ምዕባለታት ግዜ ሂቡ ብሰፊሑ ኣብ ዝዳህሰሰሉ ከኣ፡ እዞም ዝስዕቡ ሚዝናት ኣንቢሩ።

1) መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡“ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኣለና” ብዝብል ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ የለዓዕል ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብዚ ተግባሩ ንክቑጠብ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ልኡላውነት ሃገራት ዝዕቅቡን ንኣጠቓቕማ ወደብ ዝምልከቱን ኣህጉራዊ ሕግታትን ቻርተራትን ከይገሃሱ’ውን ኣጥቢቑ ኣዘኻኺሩ።

2) እቲ ድሕሪ ምኽታሙ ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ኣኸቲሉ፡ መተሃላለኽን መፈላለይን ኮይኑ ዘሎ ውዕል ፕሪቶርያ ምፍራሱ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ናብ ዘይተደልየ ህልቂትን ብርሰትን ክወስድ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኩሎም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ውዕል ምእዙዛት ኮይኖም ኣብ ግብሪ ንከውዕልዎ ጸዊዑ።

3) ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣገዳስነት ሰላማውን ልምዓታውን ዝምድና ህዝብታት ብምርዳእን፡ ነቲ ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ዝብል ኣብ 4ይ ጉባአ ኣብ ዝጸደቐ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ መትከል ምርኩስ ብምግባር፡ ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ምስቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥቡቕ ማሕበረ-ባህላዊ ዝምድና ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝ ዝምድና ክህሉ ከም ዘተባብዕ ደጊሙ መዚኑ።

እዚ ዝምድናኡ ኣድማዒ ንክኸውን ብተሳትፎኡን ኣፍልጦኡን ዝተደኮነ፡ ትካላዊ መልክዕ ዝሓዘን ብጸቢብ ድሌት ውሱናት ጉጅለታት ዘይጭወን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ  ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ  ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሩ።

4) ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለምናን ዞባናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይፍጠር ኣብ ዘሎ ምትፍናን፡ ዝምልከቶም ናይ ቀረባ ይኹኑ ናይ ርሑቕ ሓይልታት፡ ኣብ ክንዲ ኢዶም ኣእትዮም ብዝኾነ መልክዕ ነቲ ወጥሪ ዘጋድዱ፡ ብውግእ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ኣገባብ ዝፍተሓሉ ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ ክሕግዙ ጸዊዑ።

5) ኣብ ዝኾነ ኩርነዓት ዓለም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን ከም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ሰብኣዊ ትካላትን ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ኩሉ ዝከኣለን ዘበለ ንክገብራ ሰብኣዊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

6) ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ጐረቤትና ሱዳን ዘሎ ንልዕሊ 2ተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ብምድህሳስ፡ ተነሓናሕቲ ሱዳናውያን ጀነራላት ካብዚ ኣብራሲ ውግእ ወጺኦም፡ ጉዳዮም ንናይ ግዳም ሓይሊ ኣሕሊፎም ብዘይምሃብ ባዕላቶም ክፈትሕዎ ጸዊዑ።

7) ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ናብ ተስፋ ዝህብ ተግባራት ይስጉም ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ቀጻሊ ከኣ ነዚ ኣብ ከባቢ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ብዝምጥን ንክስጉም ዘለዎ ትጽቢት ኣስፊሩ። ኣብ ርእሲዚ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ተሃዋሲ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ዝስማዕ ድምጺ ንምፍጣር ዘኽእል ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምውናን ስጉምቱ ንከቀላጥፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ምዱብ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰዲህኤ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ከካይድዎ ዝጸንሑ፡  ዘይሕለል ቃልሲ ደጊሙ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ከይስልክዩ  መጸዋዕታኡ ብምቕራብ  ተዛዚሙ።

Saturday, 21 June 2025 22:28

Dimtsi Harnnet Sweden 21.06.2025

Written by
Page 3 of 607