ስእሊ፡ ተመሃሮን ኣባላት ኣካለ ጽጉማንን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር፡  ጓል 26 ዓመት ኤርትራዊት መንእሰይ ራሄል ኣርኣያ፡  ንመኽባር ዕለተ-ልደታ ኣብ ዝጸወዓቶ ኣጋጣሚ፡ ናብ መእከቢ ልግሲ (fund raising) ንጽጉማን ብምቕያር፡ ካብ ዝኣከበቶ ህያብ ገንዘብ፡  40%  ኣብ ሱዳን ከሰላ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣካለ ጽጉማን 60% ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋዲ ሸሪፎይ ከም ዝለገሰትን ድሮ ናብ ባንክ ሕሳብ ናይቲ ትካላት ምእታዉን  ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። በዚ ዝተገብር ሰናይ ተግባራ ድማ፡  ንራሄል ኣርኣያ ኣዝዩ ዕዙዝ ምስግና ይግበኣ።

 ራሄል ነዚ ዝለገሰት ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ሓገዝ ኩሉ ኤርትራዊ ዘድልዮም ጽጉማት ኣካላት፡ ብዝነበራ ግንዛበን ብቤተሰባ ብዝተዋህባ ሓበሬታን ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኩነታት ብተንቀሳቐሲ ምስሊ (vedio) ብዝተስነየ  ምስ ገለጸትሎም ዝለገሱ ናይቲ ኣጋጣሚ ዕዱማትን ማሓዙትን ከኣ፡ በቲ ሓላፍነታዊ ተበግሶን ተርግባርን ራሄል፡ ብዘርኣይዎ ልግስን ኣዝዮም ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጸሙላ።  

እቲ በዚ ሰናይ ግብራ ዝተዋህበ ልግሲ፡ ዝህልዎ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ኣገዳሲ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡  ናብ ካለኦት ከም ራሄል ዝኣመሰሉን ዝኣመሰላን ኤርትራውያን መንእሰያትን ስድራቤቶምን ዘመሓላልፎ ናይ ሰናይ ተግባር መልእኽቲ’ውን ዕዙዝን ኣብነታውን እዩ።

ንጽጉማት ወገናትካ ዝግበር ልግሲ፡ ዓቐኑ ወይ ዋሕድን ብዝሕን ናይቲ ዝልገስ ዓይነት ዘይኮነ ተገንዚብና፡ እቲ ኣገዳሲ ቁም ነገሩ፡ ኣብ ሕልና ደቂ ሰባት ዝፈጥሮ ቅሳነትን ሞራልን እዩ እሞ፡ ኩልና ሓገዝና ዝደልዩ ጽጉማት ወገናት ከምዘለዉ ተገንዚብና ኣብ ሕልናና ቦታ ክንህቦን ንራሄል ክንስዕባን በዚ ኣጋጣሚ ክንጠቕስ ንደሊ።   

ዓንደጽዮን ብዕለት 12 ጥሪ 1942 ካብ ወላዲኡ ኣቶ ግርማይ ገንደርን ወላዲቱ ወይዘሮ ዘውዲ ዕቕባጋብርን ኣብ መበቆል ዓዱ ብርዖና (ዓንሰባ ታሕታይ) ተወሊዱ።

ካብ ኣሕዋቱ ዝነኣሰ ወዲ ስለዝነበረ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ሓላፍነት ስድርኡ ንምብዳህ ምስ መሳትኡ ትምህርቲ ክጅምር ብዘይምኻሉ፡ ድንጒዩ ምስ’ቶም ብዕድመ ካብኡ ዝንእሱ ደቂ ዓዱ ንግሆ ተምሃራይ ድሕሪ ትምህርቲ ድማ፡ ስድራ ንምሕጋዝ ማል እንዳጓሰየ እዩ፡ ኣብ ዓዱ ብርዖና መባእታዊ ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ንኻልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከኣ ናብ ከረን ከይዱ።

ዓንደጽዮን ብትምህርቱ ኣዝዩ ንኡድን ህርኩትን ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ከረን እናተመህረ፡ ዛጊት ተመርዕዩ ስለዝነበረ፡ እቲ ናይ ሓዳሩን ወለዱን ሓልፍነት ኣብ ዝባኑ ኮይኑዎ፡ ኣብ ክንዲ ትምህርቱ ዝቕጽል፡ ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ከላግስ ግድን  ኮይንዎ እዃ እንተነረ‘፣ ንኽልቲኡ ናብራን ትምህርትን ብማዕረ ኣጣሚሩ ንምስልሳል ስለዝሓለነ ግን፡ ናብ ኣስመራ ከይዱ፡ ኣብቲ ብቤት ትምህርቲ እተገ መነን ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ጥዕና ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ ቀጸለ። ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቱ፡ ብዝተማህሮ ምእላይ ሕሙማት ከኣ ቅድም ኣብ ኣስመራ ድሕሪኡ ኣብ ባጽዕ ብተገዳስነት ሰርሐን ብማዕረ-ማዕሪኡ ክኣ ምሸታዊ ትምህርቱ ቀጸለን።

እቲ ኣብ 70ታት ዝነበር ሃገራዊ ኩነታት ከም ወዲ ሃገር ጎሲኻ ዝሕለፍ ኮይኑ ስለዘይረኸቦ ከኣ፡ ዓንደጽዮን‘ውን ኣብቲ ፖለቲካዊ መዳያት ሃገሩ ብሓያል ኒሕ ተደሪኹ ክነጥፍ ጀመረ‘ሞ፡ ብ1974 ስድርኡ ኣብትሕቲ ወለዱ ንኽዕቆቡ ካብ ባጽዕ ናብቲ መበቆል ዓዶም ብርዖና ሰዲዱ፡ ኣብ መጀመርታ 1975 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰለፈ። ኣብ ሳሕል ኣብ ዝነበረ መደበር ታዓሊም መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ወሲዱ። ድሕሪ ታዕሊም በቲ ዝነበሮ ሕክምናዊ ትምህርትን ተመኩሮን ኣብ ወተሃደራዊ ሕክምና ተመዲቡ። ኣብ 1976 ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 (ኣውራጃ ሓማሴን) ደንበ-ጐለም ኣብ ዝበሃል ማእከል ተመዲቡ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ 1977 ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ከምኡ’ውን ብ1978 ኣብ መደበር ሕክምና ስውእቲ ኣለም መስፍንን ካልኦት ናይ ጥዕና ማእከላትን ብተወፋይነት ግቡኡ ፈጺሙ። ብዘይካዚ ኣብ 1977 ከተማ ዓዲ ቀይሕ ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ነጻ ንምውጻእ ኣብ እተገብረ ምድላዋት’ውን፡ ምስ’ቲ ኣብቲ ከባቢ ዓሪዱ ዝነበረ ኣካል ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ጉጅለ መራሒ ኮይኑ ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መደባት ሰውራ ተቓሊሱ። ብምቕጻል ኣብ ምምሕዳር ወተሃደራዊ ሕክምና ዳግመ-ስርርዕ ድሕሪ ምክያዱን ሰራዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብደረጃ በርጌዳት ወተሃደራዊ ስርርዑ ምስ ምቛሙን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሕክምናዊ ማእከላትን ክፍልታትን ብተወፋይነት ከም ዝተቓለሰ ናይ ቃልሱ ተመኩሮኡ ይምስክር።

ዓንደጽዮን ኣብ ዘበነ 80ታት ዝተጋህደ ኩነታት ሜዳ ኤርትራ ኣርኪብዎ፡ 5 ደቁን በዓልቲ ቤቱን ገዲፉ ናብ ሃገረ-ጀርመን ተሰዲዱ፡ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ስድርኡ ክሓቁፍ፡ ደቁ/ውሉዱ ኣብ ሰላም ዘለዎ ሃገር ከዕቢ በቒዑ። እንተኾነ ዓንደጽዮን ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቱ ሃገራዊ ስምዒቱን ንዝጀመሮ ቃልሲ ንምዕዋት ክሓንን እምበር ክሃስስ ኣይተራእየን። ክሳዕ ብሕማም ምኽንያት ዓዲ ዝውዕል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስርዒታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣባል ምምሕዳር ሽማግለ ጨናፍር ኮይኑ ብትብዓትን ብተወፋይንትን ተቓሊሱ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝተኻየዱ ፈስቲቫላት ኤርትራን ዓመታዊ ኣህጉራውን ሰውራውን በዓላትን ካብ ምድላው ክሳዕ ምዝዛም ዕዙዝ ሓላፍነታዊ ብጽሒት ካብ ዝነበሮም ናይ ቃልሲ ብጾቱ ሓደ ብምዃን ብዕዘት ዝምስከረሉ እዩ። ኣብቲ ብ1989 ኣብ ማማን-ቶጓን (ዶብ ሱዳን) ዝተጋብኤ ሳልሳይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ንጨናፍር ጀርመን ወኪሎም ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት ከኣ ሓደ ነይሩ።

ነብስሀር ዓንደጽዮን፡ ኣንፈቱ ናብ ፖለቲካዊ መዳያት ጥራሕ ኣይነበረን። ቀንዲ ቆላሕትኡ ኣብ ሕብረተ-ስብኣዊ ጉዳያት‘ውን ካብቲ ኣዝዩ ብተገዳስነት ዝዋፈረሉ ዝነበረ መዳይ ኢዩ። ብዘይ ባህልን ብዘይ ፍቕርን፡ ሃገር ኣይትህነጽን ኢያ እዳበለ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣወንዚፉ ንሕብረተሰብኣዊ ሓድነት ዝቃለስ ንጹህ ኣቦን ሓውን ብጻይን ኢዩ ነይሩ። ንዓንደጽዮን ቀንዲ ዝገድሶ ሃገራውንትን ሓድነት ህዝብን እምበር፡ ፖለቲካ ርእይቶ ወይ ዉድባዊ ፍልልያት ድሕርዚ ዝሰርዕ ኣመለኻካታ ዝነበሮ ንጹህ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።

ዓንደጽዮን ተወሊዱን ተመርዕዩን ኣብ ሓዳሩ ከኣ ዕዉትን ኢዩ። ንፍጹም፣ ኣለም፡ ኣፈወርቂ፡ ኣልማዝን ጠዓመን መማረቒ ዝኾኑ ከኣ ወሊዱ። ሓሚሙ ብበዓልቲ ቤቱን ዉሉዱን ተኣልዩ፣ ብፈተዉቱ ክሳዕ ዕለተ-ዕረፍቱ ተሰንዩን ምስ ኣምላኹ ተወሃሂዱን ከኣ ብዕለት 21 ሰነ 2025 ኣብ ሑቕፊ ስድርኡ በሰላም ዓሪፉ። ታሪኽ ህይወት ነብስሀር ዓንደጽዮንን ውዕሎታቱን ኣስፊሕካ ንምግላጽ መጻሕፍቲ’ውን ኣይምኣኸሎን። እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራሕ ኢዩ።

እወ፡ ኩሉ ፍጡር ብሂይወት ስለዘይንበርን እታ ዕርፍቲ‘ውን ስለዘይትተርፍን ዓንደጽዮን ክንዲ ሽሕ፡ እታ ዘይትደክምን ዘይትጻዓድን ኣካሉ ሎሚ ብሞት እዩ ተፈልዩና። ግን ከ፡ ከክንድሽሕ ዝኾኑ 5 ደቁን 7 ደቂ-ደቁን ገዲፉልና፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ እቶም ቁጽሮም ዘይዉሑድ ኣያ፣ ኣቦን ኣበሓጎን ኮይኑ ብፍቕሪ ዝጠርነፎም ገዲፉልና ዝኸደ እውን ኣለዎና።

ዓንደጼን፡ ኣብ ኩሉ መዳያዊ እምነታቱ ምስ ኣመነ ዘይጠልም፡ ትሑትን ምቕሉልን፣ ተጉላባነት ዘይፈልጥ፣ ጻዕረኛ፡ ለዋህ፣ ዓብን ንእሽቶን ዘይፈላሊ ምስ ኩሉ ሕዉስን መኽበሪ ሰብን ዝኾነ፡ ኤርትራ ካብ እትኸስሮም ዘላ ሓደ እዩ።

ሎሚ፣ ንወላዲናን ሓውናን ዓንደጼን ከነፋኑ እንከለና እምበኣር፡ በቲ ዝጎደለና ክንሓዝን ዘይኮነስ በቲ ዝተዋህበናን ዝገደፈልናን ክነመስግንን፡

                      ሃቦ እግዚኦ ዕረፍተ ዘለዓለም

                     ወኣብረሃሉ ብርሃን ዘለዓለም

                     ወይኩን ዕረፍቱ በሰላም

                     ኣሜን፡ እንዳበልና፡

ኣምላኽ ንኹሉ ስድራን ፈታውን ጽንዓት ይሃብ ደበሳ ኢዮብ ከኣ ይደብስ፡

ኩልኹም ኣብዚ ስነስርዓት ፈነወ ዓንድጼን ግርማይ ንዝተሳተፍኩምን ዝተሳተፍክንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝዓበኹምን ዝናኣስኩምን ደቕናን ድማ ክብረት ይሃበልና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና።

መላእ ስድራ ቤት ነፍስሀር ዓንደጼን ግርማይ

05.07.225

ስርዓት ህግደፍ፡  ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንምጽራይን ምምርማርን ጥሕሰታትን ብመንገዲ ፍሉይ ተልእኮ ራፖርተር ክቋረጽ ዘቕረቦ ጠለብ ብ4 ሓምለ 2025 ከም ዝተነጽገ ካብ ጀነቫ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ምምሕዳር ህግደፍ ከም ድላዩ  ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ንክጥሕስን ዜጋታት ከሳቕይን ንከኽእሎ ናብ መበል 59 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት  ዘቕረቦ  ውሳነ ሓሳብ፡ ብ25 ኣባል ሃገራት ተነጺጉ ብ4 ጥራይ ተደጊፉ 18 ሃገራት ድማ ናይ ተዓቅቦ መርገጽ ከም ዝወሰዳ እቲ ዜናዊ ሓቢሩ። እተን ንርኢቶ ህግደፍ ዝደገፋ ሃገራት ብሩንዲ፡ ቻይና፡ ኩባን ሱዳንን እየን።.

ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ተመዚዙ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ባብከር ዓብዱሰላም፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ጃማላዊ ማእሰርትን  ግዱዱ ውትህድርና ብጻዕቂ ዝረኣየሉ ዘሎን ምዃኑ ብዝርዝርር ኣረዲኡ።

ኣፍሪቃዊ ጉጅለ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰል ዝተባህለ ኣካል ብወገኑ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ጠለብ ናይ ምንጻግ ስጉምቲ፡ “እቲ ተመዚዙ  ዘሎ ፍሉይ ራፖርተር ንጥሕሰት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ዲያስፖራ ምእንቲ ሰብኣውነት ዝግበር ቃልሲ እውን ሓጋዚ እዩ” ብዝብል ደገፉ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ  ብኤርትራ ዝቐረበ ሓሳብ ምቕባል፡ ኣብታ ሃገር ጥሕሰትን ግህሰትን ከም ድላዩ ንክፍጸም ዘፍቅደሉ እዩ ነይሩ ብምባሉ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ግዱሳት ኤርትራውያን በብውልቂ ኮነ ብደረጃ መርበባት ሓበሬታ እውን ጠለብ ህግደፍ ተቐባልነት ንከይረክብ ክጽዕቱ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር’ዩ እሞ ምስጋና ይግበኦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ3 ሓምለ 2025 ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝቐረብሉ ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ፡ “ኢትዮጵያ ሃገር እያ እንተኾነ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ሃገር ኮይና ኣይክትቅጽልን እያ” ኢሉ።

ዶር ኣብይ ኣብቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘሃቦ መብርሂ፡ “ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ፡ እዚ ድማ መሰላ እዩ፡ ነዚ ምቅዋም ኣየድልየናን” እውን ኢሉ። እዚ ልኡላዊ ሃገራውነት ብተመሳሳሊ ናይ ጅቡትን ሶማልያን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ መሰል ከምዝኾነ ድማ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ከምቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነት እዘን ሃገራት ኣፍልጦ እትህቦ፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ እውን ከገድሰን ይግባእ ክብል  ጠቒሱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንትግራይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ናብ ትግራይ ጥይት ናይ ምትኳስ ድሌት ከም ዘየብሉ ጠቒሱ። ኣብ ትግራይ እቲ ህዝቢ ውግእ ከይካየድ ዝሰግእ ክነሱ፡ እንተኾነ ውግእ ዝሃርፉ ወገናት ከም ዘለዉ ንምብራህ ክብል፡  ብትግርኛ “ንድሙ ጸወተኣ ንእንጭዋ ከኣ ጻዕረ-ሞታ” ብዝብል ኣገባብ ጠቒስዎ። ሓያልነቱ ንምርኣይን ንምፍርራሕን ከኣ ሎሚ ጠባይ ናይቲ ውግእ ዝተቐየረሉ ግዜ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሎሚ ውግእ እንተተኸፊቱ ቆላሕታ ዝህብዎ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣይክህልዉን እዮም’ ውን ኢሉ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብ ዝደኸመ ደረጃ እዩ ዘሎ” ብዝብል፡ ከይዕሸዉ ድሕሪ ምዝኽኻሩ ከኣ፡ እቶም ንክሕግዝዎም ዝጽበይዎም፡ ወገናት “ንገዛእ ርእሶም ዘይኮኑ እዮም” ብዝብል ኣነኣኢሱ ጠቒስዎም። ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሉ ማሕብረ-ሰብ ትግራይን ዲፕሎማሲያዊ ኣካላትን ውግእ ከይተኸፍተ ሰላማዊ መፍተሒ ንክርከብ ንክጽዕቱ ተማሕጺኑ፡ ጉዳይ ተበላሽዩ ድሕሪ ውግእ ምጅማሩ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ጠቕሚ ኣይክህልዎን እዩ ኢሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረበሉ ናይ ዝሓለፈ ዓመት በጀት ኣፈጻጽማ ጸብጻብ ሰሚዑ ናይ ዝመጽእ ዓመት በጀት እውን ኣጽዲቑ።   

 

Friday, 04 July 2025 15:03

التنوع والتعدد

Written by

ህልዊ ኩነታት ከትማ ካርቱም ካብ ዘርእዩ ምስልታት

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ቁጽሮም ካብ 270 ክሳብ 300 ዝኾኑ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት 5 ሓለም ምድላው ገይሮም 7 ሓምለ 2025 ድማ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ናብ ዝርከብ መድበር ስደተኛታት ኡምገርጉም-ሸገራብ ክኣትዉ ከም ዘገደዶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ምንጭታት ሓቢሮም። ዋላ’ኳ ድሌት ዘለዎም ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ እንተተሓበረ፡ ኤርትራውያን ግና ኣብ ሃገሮም ነዚ ዝጸውር  ሓላፍነታዊ መንግስቲ ስለ ዘየብሎም ናብቲ መደበር ካብ ምእታው ካልእ ምርጫ የብሎምን።

ኢትዮጵያውያን ነበርቲ’ታ ብውግእ ዝዓነወት ከተማ ካርቱም ብወገኖም፡ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፈቓደኛታት እንተዘይኮይኖም፡ በቲ ሓድሽ ውሳነ መሰረት ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከባቢ ገዳርፍ ናብ ዝርከብ መደበር ኡምጉልጃ-ኡምራኩባ ክኣትዉ ተኣዚዞም ኣለዉ። ኣብዚ መስርሕ ናይ ስደተኛ ወረቐት መንነት ዘይጸንሖም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣስታት 700  ሺሕ ጅነ ክኸፍሉ ይግደዱ ኣለዉ።

ምስዚ ሓድሽ ውሳነ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ካርቱም ዝጸንሑ 6 ሺሕ ደቡብ ሱድናውያን ድማ ብዘይድሌቶም በመንግዲ ማሕበር ቀይሕ መስቀል  ናብ ሃገሮም  ከም ዝተመልሱ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብኻእል ወገን ከኣ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ቀቢላዊ ጉጅለታት ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ብህግደፍ  8 ዙር ወተሃደራዊ ታዕሊም ከም ዝወሰዱ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ሕጂ እውን ሓደ ብስም ምብራቕ ሱዳን ብዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ብደገፍ ህግደፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንክወስዱ ኣስታትን 50 ሺሕ መንእሰያት  ይዳለዉ ምህላዎም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘለዉ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ይሕበር ኣሎ። ስለዚ ብሰንክዚ እዚ ናይ ህግደፍ ቐጻሊ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ካለኦት ሃገራትን ኢድ ምእታዉ ኣብ መጻኢ መስርሕ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን  ስግኣት እዩ።

Thursday, 03 July 2025 23:07

Dimtsi Harnnet Kassel 03.07.2025

Written by
Page 1 of 606