ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓውናን ኣቦናን ነብስሀር ሓርበኛ ተቓላሳይ ዓንደጽዮን ግርማይ
2025-07-06 20:04:26 Written by መላእ ስድራ ቤት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 103 timesዓንደጽዮን ብዕለት 12 ጥሪ 1942 ካብ ወላዲኡ ኣቶ ግርማይ ገንደርን ወላዲቱ ወይዘሮ ዘውዲ ዕቕባጋብርን ኣብ መበቆል ዓዱ ብርዖና (ዓንሰባ ታሕታይ) ተወሊዱ።
ካብ ኣሕዋቱ ዝነኣሰ ወዲ ስለዝነበረ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ሓላፍነት ስድርኡ ንምብዳህ ምስ መሳትኡ ትምህርቲ ክጅምር ብዘይምኻሉ፡ ድንጒዩ ምስ’ቶም ብዕድመ ካብኡ ዝንእሱ ደቂ ዓዱ ንግሆ ተምሃራይ ድሕሪ ትምህርቲ ድማ፡ ስድራ ንምሕጋዝ ማል እንዳጓሰየ እዩ፡ ኣብ ዓዱ ብርዖና መባእታዊ ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ንኻልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከኣ ናብ ከረን ከይዱ።
ዓንደጽዮን ብትምህርቱ ኣዝዩ ንኡድን ህርኩትን ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ከረን እናተመህረ፡ ዛጊት ተመርዕዩ ስለዝነበረ፡ እቲ ናይ ሓዳሩን ወለዱን ሓልፍነት ኣብ ዝባኑ ኮይኑዎ፡ ኣብ ክንዲ ትምህርቱ ዝቕጽል፡ ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ከላግስ ግድን ኮይንዎ እዃ እንተነረ‘፣ ንኽልቲኡ ናብራን ትምህርትን ብማዕረ ኣጣሚሩ ንምስልሳል ስለዝሓለነ ግን፡ ናብ ኣስመራ ከይዱ፡ ኣብቲ ብቤት ትምህርቲ እተገ መነን ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ጥዕና ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ ቀጸለ። ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቱ፡ ብዝተማህሮ ምእላይ ሕሙማት ከኣ ቅድም ኣብ ኣስመራ ድሕሪኡ ኣብ ባጽዕ ብተገዳስነት ሰርሐን ብማዕረ-ማዕሪኡ ክኣ ምሸታዊ ትምህርቱ ቀጸለን።
እቲ ኣብ 70ታት ዝነበር ሃገራዊ ኩነታት ከም ወዲ ሃገር ጎሲኻ ዝሕለፍ ኮይኑ ስለዘይረኸቦ ከኣ፡ ዓንደጽዮን‘ውን ኣብቲ ፖለቲካዊ መዳያት ሃገሩ ብሓያል ኒሕ ተደሪኹ ክነጥፍ ጀመረ‘ሞ፡ ብ1974 ስድርኡ ኣብትሕቲ ወለዱ ንኽዕቆቡ ካብ ባጽዕ ናብቲ መበቆል ዓዶም ብርዖና ሰዲዱ፡ ኣብ መጀመርታ 1975 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰለፈ። ኣብ ሳሕል ኣብ ዝነበረ መደበር ታዓሊም መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ወሲዱ። ድሕሪ ታዕሊም በቲ ዝነበሮ ሕክምናዊ ትምህርትን ተመኩሮን ኣብ ወተሃደራዊ ሕክምና ተመዲቡ። ኣብ 1976 ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 (ኣውራጃ ሓማሴን) ደንበ-ጐለም ኣብ ዝበሃል ማእከል ተመዲቡ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ 1977 ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ከምኡ’ውን ብ1978 ኣብ መደበር ሕክምና ስውእቲ ኣለም መስፍንን ካልኦት ናይ ጥዕና ማእከላትን ብተወፋይነት ግቡኡ ፈጺሙ። ብዘይካዚ ኣብ 1977 ከተማ ዓዲ ቀይሕ ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ነጻ ንምውጻእ ኣብ እተገብረ ምድላዋት’ውን፡ ምስ’ቲ ኣብቲ ከባቢ ዓሪዱ ዝነበረ ኣካል ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ጉጅለ መራሒ ኮይኑ ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መደባት ሰውራ ተቓሊሱ። ብምቕጻል ኣብ ምምሕዳር ወተሃደራዊ ሕክምና ዳግመ-ስርርዕ ድሕሪ ምክያዱን ሰራዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብደረጃ በርጌዳት ወተሃደራዊ ስርርዑ ምስ ምቛሙን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሕክምናዊ ማእከላትን ክፍልታትን ብተወፋይነት ከም ዝተቓለሰ ናይ ቃልሱ ተመኩሮኡ ይምስክር።
ዓንደጽዮን ኣብ ዘበነ 80ታት ዝተጋህደ ኩነታት ሜዳ ኤርትራ ኣርኪብዎ፡ 5 ደቁን በዓልቲ ቤቱን ገዲፉ ናብ ሃገረ-ጀርመን ተሰዲዱ፡ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ፡ ስድርኡ ክሓቁፍ፡ ደቁ/ውሉዱ ኣብ ሰላም ዘለዎ ሃገር ከዕቢ በቒዑ። እንተኾነ ዓንደጽዮን ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቱ ሃገራዊ ስምዒቱን ንዝጀመሮ ቃልሲ ንምዕዋት ክሓንን እምበር ክሃስስ ኣይተራእየን። ክሳዕ ብሕማም ምኽንያት ዓዲ ዝውዕል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስርዒታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣባል ምምሕዳር ሽማግለ ጨናፍር ኮይኑ ብትብዓትን ብተወፋይንትን ተቓሊሱ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝተኻየዱ ፈስቲቫላት ኤርትራን ዓመታዊ ኣህጉራውን ሰውራውን በዓላትን ካብ ምድላው ክሳዕ ምዝዛም ዕዙዝ ሓላፍነታዊ ብጽሒት ካብ ዝነበሮም ናይ ቃልሲ ብጾቱ ሓደ ብምዃን ብዕዘት ዝምስከረሉ እዩ። ኣብቲ ብ1989 ኣብ ማማን-ቶጓን (ዶብ ሱዳን) ዝተጋብኤ ሳልሳይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ንጨናፍር ጀርመን ወኪሎም ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት ከኣ ሓደ ነይሩ።
ነብስሀር ዓንደጽዮን፡ ኣንፈቱ ናብ ፖለቲካዊ መዳያት ጥራሕ ኣይነበረን። ቀንዲ ቆላሕትኡ ኣብ ሕብረተ-ስብኣዊ ጉዳያት‘ውን ካብቲ ኣዝዩ ብተገዳስነት ዝዋፈረሉ ዝነበረ መዳይ ኢዩ። ብዘይ ባህልን ብዘይ ፍቕርን፡ ሃገር ኣይትህነጽን ኢያ እዳበለ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣወንዚፉ ንሕብረተሰብኣዊ ሓድነት ዝቃለስ ንጹህ ኣቦን ሓውን ብጻይን ኢዩ ነይሩ። ንዓንደጽዮን ቀንዲ ዝገድሶ ሃገራውንትን ሓድነት ህዝብን እምበር፡ ፖለቲካ ርእይቶ ወይ ዉድባዊ ፍልልያት ድሕርዚ ዝሰርዕ ኣመለኻካታ ዝነበሮ ንጹህ ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።
ዓንደጽዮን ተወሊዱን ተመርዕዩን ኣብ ሓዳሩ ከኣ ዕዉትን ኢዩ። ንፍጹም፣ ኣለም፡ ኣፈወርቂ፡ ኣልማዝን ጠዓመን መማረቒ ዝኾኑ ከኣ ወሊዱ። ሓሚሙ ብበዓልቲ ቤቱን ዉሉዱን ተኣልዩ፣ ብፈተዉቱ ክሳዕ ዕለተ-ዕረፍቱ ተሰንዩን ምስ ኣምላኹ ተወሃሂዱን ከኣ ብዕለት 21 ሰነ 2025 ኣብ ሑቕፊ ስድርኡ በሰላም ዓሪፉ። ታሪኽ ህይወት ነብስሀር ዓንደጽዮንን ውዕሎታቱን ኣስፊሕካ ንምግላጽ መጻሕፍቲ’ውን ኣይምኣኸሎን። እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራሕ ኢዩ።
እወ፡ ኩሉ ፍጡር ብሂይወት ስለዘይንበርን እታ ዕርፍቲ‘ውን ስለዘይትተርፍን ዓንደጽዮን ክንዲ ሽሕ፡ እታ ዘይትደክምን ዘይትጻዓድን ኣካሉ ሎሚ ብሞት እዩ ተፈልዩና። ግን ከ፡ ከክንድሽሕ ዝኾኑ 5 ደቁን 7 ደቂ-ደቁን ገዲፉልና፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ እቶም ቁጽሮም ዘይዉሑድ ኣያ፣ ኣቦን ኣበሓጎን ኮይኑ ብፍቕሪ ዝጠርነፎም ገዲፉልና ዝኸደ እውን ኣለዎና።
ዓንደጼን፡ ኣብ ኩሉ መዳያዊ እምነታቱ ምስ ኣመነ ዘይጠልም፡ ትሑትን ምቕሉልን፣ ተጉላባነት ዘይፈልጥ፣ ጻዕረኛ፡ ለዋህ፣ ዓብን ንእሽቶን ዘይፈላሊ ምስ ኩሉ ሕዉስን መኽበሪ ሰብን ዝኾነ፡ ኤርትራ ካብ እትኸስሮም ዘላ ሓደ እዩ።
ሎሚ፣ ንወላዲናን ሓውናን ዓንደጼን ከነፋኑ እንከለና እምበኣር፡ በቲ ዝጎደለና ክንሓዝን ዘይኮነስ በቲ ዝተዋህበናን ዝገደፈልናን ክነመስግንን፡
ሃቦ እግዚኦ ዕረፍተ ዘለዓለም
ወኣብረሃሉ ብርሃን ዘለዓለም
ወይኩን ዕረፍቱ በሰላም
ኣሜን፡ እንዳበልና፡
ኣምላኽ ንኹሉ ስድራን ፈታውን ጽንዓት ይሃብ ደበሳ ኢዮብ ከኣ ይደብስ፡
ኩልኹም ኣብዚ ስነስርዓት ፈነወ ዓንድጼን ግርማይ ንዝተሳተፍኩምን ዝተሳተፍክንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝዓበኹምን ዝናኣስኩምን ደቕናን ድማ ክብረት ይሃበልና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና።
መላእ ስድራ ቤት ነፍስሀር ዓንደጼን ግርማይ
05.07.225