ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ኣሜሪካ መንጎኛ ቆጺሩ

2026-03-12 08:36:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 273 times

 ትካል ፕረሲደንት ሚካየል ዊልያም

ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ኣሜሪካ፡  ዊልያምስ (TWG) ዝበሃል ትካል; ብመንጎኝነት ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ከም ዝቖጸረ እቲ እምባሲ ካብ ዋሽንግተን ብዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ መንጎኛ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ብዘሎ ስምዒት፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ኣሜርካን ብዛዕባ ስትራተጅያዊ ቆንስላዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ኩነታት ናይ ምጥጣሕ ሓላፍነት ከም ዝህልዎ ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።

እቲ ውዕል ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2026 ጸኒዑ ዝጸንሕ ከም ዝኾነን እቲ ኤምባሲ ነቲ ትካል ኣብ ወርሒ 60ሺሕ ዶላር ከም ዝኸፍሎን እውን ተሓቢሩ። በቲ ስምምዕ መሰረት እቲ ኣሜሪካዊ ትካል፡ ብስም ሱዳን ተክኒካዊ ትልሚ ከም ዘውጽእን ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ባይቶን  ጉጅለ ሓሰብትን ንድሌታት ናይቲ ኤምባሲ ከም ዝውክልን ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ትሕቲ ናይ ወጻእተኛታት ምዝገባ ሕጊ፡ እቲ ምስቲ ኤምባሲ ዝተሰማመዐ ትካል፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ኣካላት ፈደራል መንግስቲ ኣሜሪካን ዝምድና ናይ ምህናጽ ተግባራት ክህልዎ እዩ። ነቲ ስምምዕ ካብ ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ኣሜሪካ መሓመድ ዓብደላ እድሪስ ብዝበጸሖ ደብዳበ መሰረት፡ ናይ ትካል ፕረሲደንት ሚካየል ዊልያም እዩ ፈሪምዎ። እቲ ስምምዕ ምስጢራዊ ዓንቀጻት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ናይ 30 መዓልታት ናይ ጽሑፍ ቅድመ-ስምዕታ ብምቕራብ ክስርዝዎ ይኽእሉ ዝብል ዓንቀጽ ይርከቦ።

ኣሜሪካ፡ ምስ መንግስታት ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማረትን ኮይና፡ ጉዳይ ሱዳን ናይ ምፍታሕ ኣጀንዳ ሒዛ ከም ዘላ ዝፍለጥ እዩ። ትልሚ ሰላም ኣሜሪካ ብናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣቢልካ ናብ ቀጻሊ ውግእ ምውጋድን ምምስራት ሲቪላዊ መንግስትን ምብጻሕ ዝብል እዩ። ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ህልውና ኢማራት ኣብቲ ሽምግልና ዕቃበኡ ከስምዕ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Thursday, 12 March 2026 09:42