ኦባሳንጆ ኣብ መስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ንክሕግዝ ተመዚዙ

2026-05-22 19:49:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 68 times

ጅቡታዊ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ናጀርያ ኦሊሰጎን  ኦባሳንጆ ኣብ መስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፈሪቃ ኣስተዋጸኦ ንከበርክት ከም ዝመዘዞ ናይቲ ሕብረት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ምምዛዝ ኦባሳንጆ ከም ናይ ሰላም ባእታ ክሕብር እንከሎ፡ ኦባሳንጆ ዝተረሓሓቐ ተመኩሮታት ኣብ ምቅርራብ፡ ውሕልነትን ተኣማንነትን ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታው ናብዚ ኣገዳሲ ዕማም ከም ዝመዘዞ ጠቒሱ።

በቲ ተመዚዝሉ ዘሎ ሓላፍነት መሰረት፡ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ኩሎም ተዛመድቲ ዛዕባታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር  ተሳቲፉ፡ ኣብ ምህናጽ ቀጻሊ ምትእምማን፡ ዘተታትን ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምርግጋጽ ቀጻሊ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ። ብመንጽር’ዚ ኦባሳንጆ ኣብ ጉዳያት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ውሽጣዊ ውግኣት ኢትዮጵያ፡ ቅልውላው ሶማሊያን  ዘይምርግጋእ ደቡብ ሱዳንን ከም ዝሳተፍ ይእመን።

ኮሚሽነር መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ናይቲ ፕረሲደንት ናጀርያ ነበር ኦባሳንጆ ነቲ መዝነት ቅሩብ ኮይኑ ምቕባል ንኢዱ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ምእንቲ ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን ምትሕብባር ከምዘይፍለዮ ኣረጋጊጽሉ።

ኦባሳንጆ ኣብ መስርሕ እዚ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ምፍራስ ወዲቑ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሉ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2021 ተመዚዙ ነቲ ናይ ምቅርራብ ኣካል መሪሑ ዘፈራሪሙ ተኹሲ ክቋረጽ ዘኽኣለ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Friday, 22 May 2026 21:53