ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ፡ ህይወት ብዙሓት ተቐዚፉ

2026-03-15 12:27:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 59 times

ሓደጋ ካብ ዘጋጠመሉ ቦታታት ሓደ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፡  ጋሞ ኣብ ዝተባህለ ዞን፡ ብሰንኪ ከቢድ ዝናብ ዘኸተሎ ምህማም መሬትን ሕያል ውሕጅን፡ 5 ኣባላት ሓደ ስድራቤት ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ እቲ ሓዳጋ ናይ ዘጋጠመላ ወረዳ ጋጫ ባባ ኣመሓዳሪ ኣቶ ብሩክ ቡጻ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ 11ን 12ን መጋቢት 2026 ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ 70 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 120 ዝኾኑ ከኣ ሃለዋቶም ከምዘይተፈለጠ እታ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሎጣ።

ናይቲ ዞና ኣመሓዳሪ በቲ ምህማም መሬት ካብ 4 ወረዳታት ንዝተመዛበሉ ልዕሊ 3 480 ግዳያት ብመንግስቲ ናይቲ ክልል መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ቀረብን ዝምልከት ዝተወሰነ ህጹጽ ረዲአት’ኳ እንተተዋህበ፡ ናይቶም ዝሙቱ ግዳያት ኣስከሬን ንምውጻእን ናይቶም ሃለዋቶም ዝጠፈአ ኩነታት ንምጽራይን ዘኽእል ናይ መሳርሒ ሓገዝ ግና ከምዘይረኸቡ ጠቒሱ።

ናይቲ ዞና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓደጋት ስግኣትን ኣቶ መስፍን ብወገኑ፡ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ሰፊሕን ንመራኸቢ ዘይምችእን ብምዃኑን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ግቡእ ጸብጻብ ስለ ዘይቀረበ ናይ ዝሞቱ፡ ደሃዮም ዝጠፈአን ዝተመዛበሉን ሰባት ቁጽሪ ካብቲ ዝተጠቕሰ ክዛይድ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ። ፕረሲደንት ክልል ደቡብ አቶ ጥላሁን ከበደን ዶር ደምሴ ኣድማሱ ዝተባህለ ኣመሓዳሪ ዞና ጋሞን ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብኣካል  በጺሖም ነቲ ኩነታት ከም ዝተዓዘብዎን ንቤተሰብ ግዳያት ከም ዘጸናንዑን እውን ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ኣፍሊጣ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ሓዘን ከም ዝኣወጀ ከኣ ተፈሊጡ።

Last modified on Sunday, 15 March 2026 13:39