ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተ ተኸፊቱ ሓደገኛ’ዩ

2026-03-15 12:39:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 80 times

ከጀቲል ትሮንቮል ዝተባህለ ተመራማሪ ጐንጽን ሰላምን ኣብ ሓድሽ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ፡ ኣናዶሉ ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ውግእ እንተዓሪጉ ካብ 10 ክሳብ 15 ሃገራት ኢደን ዘእትዋሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምጥቃስ ስግኣቱ ገሊጹ።

እቲ ተመራማሪ፡ ኤርትራ ዝሓለፈቶም ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ምዕራፋት ብምድህሳ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ 30 ዓመታት ከም ዝተቓለሰት ጠቒሱ፡ ናይ ኢትዮጵያ ብወደብ ዓሰብ ምጥቃም ድሕሪ’ቲ ኣብ 1998-2000 ዝተኻየደን ህይወት ኣሸሓት ዝሃለቕሉን ውግእ ከም ዝተቋረጸ ኣስፊሩ። ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2018 ንቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክተግብሮ እየ ብምባሉ፡ ንሽልማት ኖበል ሰላም ዘብቀዖ ሰላም ተፈጢሩ ነይሩ ኢሉ። ደሓር ግና ውግእ ትግራይ 2020-2022 ተኸቲሉ እቲ ሃዋህው ሰላም ከም ዝተዘርገን ኢትዮጵያ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ከተቕርብ ብምጅማራ መሊሱ ከም ዝተጋደደ ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ይረአ ብዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ውግእ እንተጀሚሩ፡ ካብ 3 ኣህጉራት ካብ 10-15 ሃገራት ዝሳተፋሉ ኢድ ኣእታውነት ክፍጠር ይኽእል እዩ  ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ኩነታት ምስ ተመኩሮ ውግእ ኮንጎ ብምዝማድ “2ይ ውግእ  ዓለም ኣፍሪቃ” ዝብል ስያመ ብምሃብ፡ ኣብቲ ጽሑፉ ገሊጽዎ’ሎ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ዝጀመረ ድሕሪ ውግእ 1998-2000 እኳ እንተኾነ፡ እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ዝተጋደደ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ  እዩ ከኣ ኢሉ።

እቲ ወጥሪ ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ ዝበጸሐ፡ ኢትዮጵያ ብ2024 ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ናይ ምውናን ሕቶ ምስ ኣልዓለት እዩ ዝበለ እቲ ፕሮፌሶር፡ ናብዚ ዝደፈኦ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ፋኖ ኣምሓራን ሓይልታት ትግራይን ሓቢሮም ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝስለፉ ክሕግዝ ምስ ጀመረ እዩ ይብል። እቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2025ን መጀመርታ 2026ን  ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸሓፈቶ ናይ ጥርዓን ደብዳበታት፡ ኤርትራ በዓል ፋኖ ኣምሓራን ህወሓትን ብምዕጣቕን ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዘይምውጸኣን ከም ዘሻቕሎ ዘመልክት’ዩ ክብል’ውን ገሊጹ።

ፕሮፌሶር ትሮንቮል፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝኽፈት ውግእ፡ ካብኣተን ሓሊፉ ንዘይምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠንቂ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቑ። ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይን ዶብ ኤርትራን ብብዝሒ ሰራዊት ምእካብ ሓደገኛ ምልክት ብምዃኑ ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ዝምልከቶም ዞባውን ዓለም ለኻውን ትካላት፡ ውግእ ንከይክፈት፡ ኤርትራ ካብቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ዋንነት ባሕሪ ንከተልዕል ከም ምኽንያት ተቕርቦ ዘላ ኢድ ኣእታውነት ክትቁጠብ፡  ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ተርእዮ ዘላ ወተሃደራዊ ምልዕዓላት ንከተቋርጽ ዲፕሎማሲያዊ  ተጽዕኖኦም ንከሕይሉ ጸዊዑ።

Last modified on Sunday, 15 March 2026 13:54