ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን፡ ናብ መደብር ክኣትዉ ይግደዱ’ለዉ

2025-07-04 12:55:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 334 times

ህልዊ ኩነታት ከትማ ካርቱም ካብ ዘርእዩ ምስልታት

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ቁጽሮም ካብ 270 ክሳብ 300 ዝኾኑ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት 5 ሓለም ምድላው ገይሮም 7 ሓምለ 2025 ድማ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ናብ ዝርከብ መድበር ስደተኛታት ኡምገርጉም-ሸገራብ ክኣትዉ ከም ዘገደዶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ምንጭታት ሓቢሮም። ዋላ’ኳ ድሌት ዘለዎም ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ እንተተሓበረ፡ ኤርትራውያን ግና ኣብ ሃገሮም ነዚ ዝጸውር  ሓላፍነታዊ መንግስቲ ስለ ዘየብሎም ናብቲ መደበር ካብ ምእታው ካልእ ምርጫ የብሎምን።

ኢትዮጵያውያን ነበርቲ’ታ ብውግእ ዝዓነወት ከተማ ካርቱም ብወገኖም፡ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፈቓደኛታት እንተዘይኮይኖም፡ በቲ ሓድሽ ውሳነ መሰረት ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከባቢ ገዳርፍ ናብ ዝርከብ መደበር ኡምጉልጃ-ኡምራኩባ ክኣትዉ ተኣዚዞም ኣለዉ። ኣብዚ መስርሕ ናይ ስደተኛ ወረቐት መንነት ዘይጸንሖም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣስታት 700  ሺሕ ጅነ ክኸፍሉ ይግደዱ ኣለዉ።

ምስዚ ሓድሽ ውሳነ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ካርቱም ዝጸንሑ 6 ሺሕ ደቡብ ሱድናውያን ድማ ብዘይድሌቶም በመንግዲ ማሕበር ቀይሕ መስቀል  ናብ ሃገሮም  ከም ዝተመልሱ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብኻእል ወገን ከኣ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ቀቢላዊ ጉጅለታት ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ብህግደፍ  8 ዙር ወተሃደራዊ ታዕሊም ከም ዝወሰዱ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ሕጂ እውን ሓደ ብስም ምብራቕ ሱዳን ብዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ብደገፍ ህግደፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንክወስዱ ኣስታትን 50 ሺሕ መንእሰያት  ይዳለዉ ምህላዎም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘለዉ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ይሕበር ኣሎ። ስለዚ ብሰንክዚ እዚ ናይ ህግደፍ ቐጻሊ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ካለኦት ሃገራትን ኢድ ምእታዉ ኣብ መጻኢ መስርሕ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን  ስግኣት እዩ።