መራሒ ቬንዙዋላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ

ኣሜሪካ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጊአን  ዝጸንሓ  ምስሕሓብ፡ ብ3 ጥሪ 2026 ኣብ ልዕሊ ቬንዙዋላ ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ስርሒት ፈጺማ፡ ንመራሒ እታ ሃገር  ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ኣሲራ ወሲዳቶም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱጉምቲ ኣሚሪካ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ ሕብረት ነቲ ኩነታት ብጽሞና ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምኽባር ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነትን  ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራትን ናይ ህዝብታት ብዝመረጽዎ ናይ ምምሕዳር መሰል ዘለዎ ጽኑዕ እምነት፡ ኣብቲ መገለጺኡ ኣነጺሩ፡ ኣብ ቨንዙዋላ ዝጸንሐ ዝተሓላለኸ ኩነታት ቀጻልነት ሰላም ብዘውሕ ንምፍታሕ እቲ ዝሓሽመንገዲ ልዝብ ጥራይ ምዃኑ ኣስፊሩ። ካብዚ ሓሊፉ ብቐጥታ ንተግባራት ኣሜኢርካ ከውግዝ ኣይከኣለን።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ግብረ መልሲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንተግባራት ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዋላ ዝተኸፋፈለ ምዃኑ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኤውሪጳ ዩሱላ ቮን ለየን፡ ንኩነታት ቬንዙዋላ ንከተተሎ ኣለና ድሕሪ ምባል፡ ውግንናና ምስ ህዝቢ ናይታ ሃገር እዩ  ብምባል፡ ኣብ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር ኢና ንኣምን ክብል ጽሑፉ።

ፈረንሳ ስጉምቲ ኣሚሪካ ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥሒሱ ሓይሊ ዘቐደመ ብምዃኑ ኮኒናቶ። ኢጣልያ ብወገና  ብሓፈሻ’ኳ ኢድ ኣእታውነት ቅቡል እንተዘይኮነ፡ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዋላ ዝወሰደቶ ግና ግቡእን ተቐባልነት ዘለዎን ናይ ምክልኻል ኢድ ኣእታውነት እዩ ብዝብል ከምእትድግፎ ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ድማ ብዛዕባቲ ስርሒት ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ሓቢሩ፡ ኣነ ኩሉ ግዜ ብመንጽር ዓለምለካዊ ሕጊ ኣብ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን እየ ዝኣምን ኢሉ፡ ምስ ፕረሲደንት ትራምፕን ካለኦት መሓዙትን ብዛዕባቲ ተረኽቦ ክዛረብ እየ ክብል ጠቒሱ።

እቲ ብመርገርጽ ምፍልላይ፡ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ  እውን ክንጸባረቕ ይረአሎ።  ንኣብነት ኩባ፡ ብራዚልን መክሲኮን ነቲ ተግባር ጥሕሰት ልኡላውነት ኢለን ብምግላጽ፡ ተሪር ተቓውሞ ከስመዓ እንከለዋ፡ ኣርጀንቲናን ፕራጉዋይን ዝርከበአን ከኣ ደገፍቱ እየን።

ቻይና ኣሜሪካ ካብቲ ተግባራ ከተቋርጽ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ኣሲራቶ ዘላ ማዱሮ ብህጹጽ ክትፈትሖ ጸዊዓ። ሩሲያ ድማ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ቨንዙዋላ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዝኹነንን ተግባር’ዩ ብዝብል ገሊጻቶ።

እስራኤል ብቐጥታ ናብ ኣሜሪካ ናይ “እንኳዕ ኣሕጐሰኩም” መልእኽቲ ናብ ፕረሲደንት ትራምፕ ከትመሓላልፍ እንከላ፡   ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ብኣንጻሩ ኣብ ተግባር ኣሜሪካ ተሪር ተቓውሞኣ ብምስማዕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸጥታን ሰላምን ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፡ በቲ ጉዳይ ዝዘራረብ ኣኼባ ክካየድ መጸዋዕታ ኣቕሪባ።

እዚ ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዋላ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ዓለምና ናይ ሕጊ ዘይኮነት ናይ ሓይሊ ክትከውን ዘተባብዕን ንዓለምና ናብ እንኮ ቀጽራዊ ዝወሰዳ ከይከውንን ንብዙሓት የሰክፍ ኣሎ።

ምምሕዳር ውደባዊ ቤት ጽሕፈት ፖሓኤ ብዕለት 03 ጥሪ 2026 ምስ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ዝጸንሐ ናይ ትግባረ መደብ መሰረት ዝገበረ፡ ድሕሪ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚ ኣካልን ዝተኣታተወ ሓድሽ ናይ 2026 መደብ ንምርኣይ፡ ኣተሃላልዋ ጨናፍር ኣብ ክልቲኡ ዞባታት ንምክትታልን ዝሓለፈ ናይ ስራሕ ሕጽረታትን ኣብ ግምት ዘኣተወ መፍትሒታት ንምርካብ ዘመልከተ እዩ ነይሩ።

ኣኼባ ብኣቦ መንበር ምምሕዳር ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ዋላ’ኳ ዝተዛመደ እንተኾነ፡ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ፖሓኤ ዝኾነ ኣካል ኣብ መንጎ ዕማማት ውልቀ ውድባትን ሰልፊን ኣብ መንጎ ሓባራዊ መደባት ፖሓኤን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺሩ ክግንዘብን፡ ብኡ መጠን ነጢፉ ክሰርሕን ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ ዝጸንሐን ሓድሽን ኣብ 2026 ክዕመም ዘለዎ መጻኢ ትልሚ መደብ ስራሕ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈትን ዞባታትን ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

ስዒቡ መሪሕነት ዞባታት ብወገኖም፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘሎ ናይ ሓባር ጨናፍር ዝቆመሉ ቦታታት፡ ኣብ ኣሰራርሓ ዝጸንሔ ክምላእ ዝግባኦ ሕጽረታትን ዋላውን ብኣግኡ ዝተወገነ እንተኾነ ምትሕውዋስ ናይ ገለ መደባትን ዝመስል ምንባሩ ተሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ቅድሚ ዋዕላ ፖሓኤ ዝጀመረ ምውህሃድ ሓባራዊ ስራሓት ምንባሩን፡ ሕጂውን ናይ ሓባር ጨናፍር ኣብ ዘይቆማሉ ቦታታት፡ ስርርዑ ከስፍሕን፡ ንዝቆማ ኣካላቱ ከደልድልን ኣብቲ ብብዝሒ ኣካላት ፖሓኤ ዝርከብሉ ቦታታት ንምሕያሉ ኣድላዪ ጻዕርታት ከካይድ ከምዘድልን ርእዩ። ብሸነክ ምምሕዳር ክማላእ ይግባኣ ዝብሎ ሓጋዚ ሓሳባት’ውን ኣቕሪቡ።

ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ ብሸነኹ፡ ድሕሪ ዋዕላ ፖሓኤ ብተበግሶ ኣባላቱ ናይ ሓባር መራከቢ መስኖ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቆመ ምንባሩን፡ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኤውሮጳ ንምምእካል ናይ ሓባር ጨናፍር ዝተመዘዙ ኣባላት ምንባሮምን ብምጥቃስ፡ ድሪሕ ዋዕላ ግን ኣብ ሐደ ውሱን ናይ ሓባር ስራሓት ብምጽማዶም ከምቲ ዝድለ ከምዘይሰጐመን ክገልጽ እንከሎ፡  ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ግን ዘድሊ ምክትታልን ምትኽኻእን ክገብር፡ ናይ ሓባር ሽማግለታት ዘይቆመሉ ከተማታት’ውን ስርርዑ ንምስፋሕ ክጽዕት ምዃኑ ኣመልኪቱ። 

ኣብ መጠረስታ ኣኼባ፡ ዝኾነ ይኹን ኣባል ከምቲ ብድልየቱ ዕላማይ ከዐውተለይ ይኽእል”ዩ፡ ኢሉ ኣሚኑ ዝተሰለፈሉ ውዳበ፡ ሕጂውን ንዝኣመናሉ ዕላማ ንምዕዋት ነፍሲ ወከፍና ብትግሃትን ተወፋይነትን ግቡእ ክንፍጽም እንተበቒዕና፡ ክንበጽሖ ንእንደሊ ክጽግመና ዝኽእል ነገር የለን ብዝብል ናይ ተስፋን ኒሕን ቃል እዩ ተደምዲሙ። 

ብሓድነት ንሓርነት!!!

Saturday, 03 January 2026 16:08

Dimtsi Harnnet Sweden 03.01.2026

Written by

ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት፡ ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ኣገዳስነት ውሁድ ሃገራዊ ባይቶን  – Anfet Media https://share.google/x1tm7EyEqel9ym5KF

ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዓንኬላት ኤርትራ ሰፊሕ ክትዕ ዘበገሰ ናይ መወዳእታ መግለጺ ብምሃብ ተዛዚሙ። ንኤርትራ ናብ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ክመርሕ ዝኽእል ውሁድ ሃገራዊ መድረኽ ንምህናጽ ተወፋይነት ዘለዎም ሓይልታት፡ እዚ መግለጺ እዚ ንገስጋስን ዘይተማልአ ዋኒንን ዝውክል መግጺዩ ክበሃል ይከኣል።

እቲ ዋዕላ ኣብ ሓድነትን ብዙሕነትን ዳግማይ ትኹረት ምግባሩን፡ ንወገናውን ዞባውን ምፍልላይ ምንጻጉ፡ ጽቡቕ ምዕባለ’ዩ። እዞም መትከላት እዚኦም ክለሰ-ሓሳባዊ ጭርሖታት ጥራይ ኣይኮኑን፤ ዝኾነ ተኣማንነት ዘለዎ ሃገራዊ ቅርጺ ክህነጸሉ ዘለዎ መሰረት እዮም። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ መግለጺ ኣብ ሓባራዊ ዝተሓተ መደብ ዝተመርኮሰ “ኩለመዳያዊ ሃገራዊ ቅርጺ” ዝብል ጻውዒት ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ራእይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን( ENCDC) ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን (EPF)፡ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያውዊ ለውጥን (ECDC)፡ ከምኡ’ውን ነጻ ተዋሳእቲ ሲቪላዊ ማሕበራት ዘጠቓለለ ሓደ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ባይቶ ንምቛም ፍጹም ዝሰማማዕ መልእኽቲዩ እዩ። ኣብዚ መንጽር’ዚ፡ ቋንቋ’ቲ መግለጺ፡ ንነዊሕ እዋን ተጸቢናዮ ዝነበርና ፖለቲካዊ ብስለት ዘንጸባርቕ እንተላይውን’ዩ። ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ንዝፍጠር ምብትታን ኣፍልጦ ምሃቡ እዩ። ንዓመታት ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ ብናይ ምፍልላይ፣ ብብዙሕ መሓውራት፣ ብሕጽረት ስሙር ስትራተጂካዊ ራእይ ተሳቒየን እየን። ኤሃባደለ ነዞም ጸገማት እዚኣቶም ጠቒሱ ኣፍልጦ ምሃቡ እውን ኣወንታዊ ስጉምቲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ምጽዳቕ መሰጋገርን ደሞክራስያውን ሰነዳት ባይቶ፡ ትካላዊ ቅርጹ የሐይልን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዝያዳ ሓላፍነታዊ ተራ ክጻወት ድማ ይዳሎ ከምዘሎን ዘመልክት ተርእዮ እዩ።

ይኹን እምበር እቲ መግለጺ ሸለል ክበሃል ዘይክእል ክፍተታት እውን የቃልዕ እዩ። ብሓፈሻ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሃገራዊ ተበግሶታትን ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብኡ ከምዘይነበረ ንፖለቲካዊ  ሓይልታት ኤርትራን ኤልደለን፡  ውሁድ ሃገራዊ መድረኽ ንምህናጽን ኣብ ምቛም ዝሰፍሐ ሃገራዊ ባይቶ ክተሓባበርዎ ዝግባኦም ሓይልታት ክነሶም ብስሞም ካብ ምጥቃስ ይቑጠብ። እቶም ክልተ ወሰንቲ መሻርኽቲ ንጹርነት ምትእምማን ኣብ ዘዕበየሉ እዋን፡ ነዚ ሓይልታትዚ ንድሕሪት ምግዳፍ፣ ንዘይንጹርነት ኣፍደገ ከፊቱሎ። እቲ ጉባኤ ንውሽጣዊ ምፍልላይ ንምፍታሕ ዝሕግዙ ኣገባባት ከም ዝሰርዐ እውን ይጠቅስ’ዩ፣ እንተኾነ ብዛዕባ እንታይነቶምን ብኸመይ ከምዝትግበር ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይህብን። ብዘይ ግሉጽነት፡ እዚ ጽገናታት ንጻዕርታት ውህደት ዝድግፍ ድዩ ዝዕንቅፍ፡ መሻርኽቲ ኤሃባደለ ንክግምግሙ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

እቲ ዝያዳ ዘሻቕል ድማ ኤሃባደለ ስትር ብዝበለ ኣገላልጻ ተፈጥሮኣዊ ሃገራዊ ጽላል ምዃኑ ዝገልጽ ትርጉም እዩ ኣመሓላሊፉ። በዚ ድማ ነተን ካልኦት ትካላት ናብ ማዕረ መሻርኽቲ ዘይኮነስ ናብ “ተሓባበርቲ” ደረጃ ምውራድ እዩ። ምትእምማን ብርግጽ ኣድላዪ እኳ እንተኾነ፡ ሓድነት ኣብ ግምት ልዕልና ዘይኮነስ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምሕዝነት፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሕሉፍ ጌጋታት ብቕንዕና ንምግጣም ድልውነትን ምስ ዝህነጽ’ዩ ኣድማዒ ዝኸውን።

ኣብዚ እዩ እቲ ጸገም ዘለዎ ስቕታ ናይቲ መግለጺ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ወሳኒ እዋን ካብ ባዕሉ ዝመርሖ ዝነበረ ጥምረት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እናመርሐን ናብ ጉባኤ ናይ ሰፊሕ ሃገራዊ ባይቶ ንምቛም ምድላዋት እናመርሐን እንከሎ እዩ ካብቲ ጥምረት ወጽዩ። ክወጽእ ከሎ  ድማ፣ እቲ ምስሓብ ግዝያዊ ምዃኑን ዘሎ ውሽጣዊ ሽግራቱ ፈቲሑ ክምለስ ምዃኑን እዩ ንመሻርኽቱ ኣረጋጊጹሎም። ፖለቲካዊ ሓይልታት ከኣ፡ ነዚ መብጽዓ’ዚ ኣኽቢሩ፡ ሃገራዊ ባይቶ ክምለስ ተስፋ ብምግባር፡ ነቲ ናይ ሓድነት ማዕቀፍ ክፉት ብምግባር፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ብትዕግስቲ ተጸበየ። ይኹን እምበር እቲ መግለጺ ነዚ ውዕለት እዚ ጠቒሱ ዝሃቦ መግለዚ የለን። ፖለቲካዊ ወጻኢታት/ክሳራታት ናይቲ ምስሓብ እውን ኣፍልጦ ኣይህብን። እዚ ድማ ኤሃባደለ ናብቲ ባዕሉ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዄይኑ ዝሃንደሶ መንገዲ ሓድነት ንምምላስ ንጹር ዕላማ ከምዘይብሉ እዩ ዘርኢ። እዚ ክፍተትዚ ከኣ፡ ምትእምማን ዳግማይ ምህናጽን ሓቀኛ ጻዕሪ ኣብ ዝሓትተሉ እዋን፡ ኣረጊት ቁስሊ ከይሓዊ ዕድል ዝኸፍት እዩ።

ኤሃባደለ ቅድሚ ኣብ ግዳማዊ ሓድነት ጻዕርታት ምውፋሩ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዛ ኣብ ስርዓት ከትሕዝ ቀዳምነት ከም ዝህብ’ውን እቲ መግለጺ ይሕብር። ውሽጣዊ ጽገና ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ፕሮጀክት ንምንዋሕ ግን መመኽነይታ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ናይ ሕንቃቐ ግዜ  የብሉን። ኤሃባደለ ኣብዚ ወሳኒ ሓባራዊ ስጉምቲ ዝሓትት ህሞት ንሓድነት ዝኸውን ናይ ግዜ ሰሌዳ ወይ ፍኖተ-ካርታ ዘይምህላዉ፡ ስጉምታቱ ብጥንቃቔ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ስክፍታታት ዘሐይል እዩ።

እዚ ጉድለታት እዚ እናሃለወ እቲ መግለጺ ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ፖለቲካዊ ምትእስሳር ምስ መትከላት ሓድነትን ሃገራዊ ሓላፍነትን ዲሞክራስያዊ ለውጢን ዘንጸባርቕ እዩ። ትካላዊ ብስለትን ንገለ ካብቶም ነቲ ቃልሲ ዕንቅፋት ዝኾኑ ብድሆታት ንምግጣም ድልውነትን ዘርኢ እዩ። ብዓቢኡ ድማ መስኮት ክባኽን ዘይብሉ ዕድል ይኸፍት ስጉምቲዩ።

ነቶም ሓደ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ባይቶ ንምህናጽ ቃል ዝኣተዉ ሓይልታት፡ እቲ መንገዲ ንጹር እዩ። ዘተባብዕ ቋንቋ ናብ ጭቡጥ ቃል ኪዳን፡ መትከላት ናብ መሓውራት፡ ባህግታት ድማ ናብ ናይ ግዜ ገደብ ክትርጎም ኣለዎ። ሓድነት ከም ጭርሖ ዘይኮነስ ከም ሓባራዊ ሃገራዊ ግዴታ ክስዕቦ ኣለዎ።

ኣንፈት መጻኢ ኤርትራ ብዝተበታተነ ጻዕሪ፣ ወይ ብተወዳዳሪ ተበግሶታት ዘይኮነስ፡ ንኹሎም ንፍትሕን ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ተወፋይነት ዘለዎም ሓይልታት ኣብ ሓደ ዘራኽብ ስሙር ሃገራዊ ድሌት ክህነጽ ከም ዘለዎ ይኣምን። ሳልሳይ ጉባኤ ኤሃባደለ ናብዚ ዝኣንፈተ ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ። ቀጻሊ ስጉምትታት ግን ብቕንዕናን፡ ትብዓት፡ ከምኡ’ውን ህዝብና ዝግብኦ ሓድነት ንምሃብ ብሓድሽ ተወፋይነት ብሓባር ክውሰዱ ኣለዎም።

ንጉስ ቻርለስ 3ይ

እንግሊዛዊ ንጉሰ ቻርለስ 3ይ፡ መበል 70 ዓመት ናጽነት ሱዳን ምኽንያት ብምግባር፡ ናብ ህዝቢ ሱዳን ናይ እንኳዕ ኣብጸሓኩም መግለጺ ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብቲ ኣብ  ሱዳን ብዝርከብ ቤት ጽሕፈት ብሪጣንያ ዝተዘርገሐ መልእኽቲ፡ ንጉስ ቻርለስ ሃገሩን ሱዳንን ነዊሕ ዝዕድመኡ ናይ ሓባር ታሪኽ ከም ዘለወን ኣስፊሩ። እቲ ኩለ መዳያዊ  ምሕዝነት ናይ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝቕጽል ዘለዎ ትምኒት ከኣ  ጠቒሱ።

እቲ መልእክቲ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘሕዝን ናይ ቅልውላው ኩነታት ዘኪሩ፡ ዝሓደሮ ሻቕሎት ብምጥቃስ  ድማ  ምስ ህዝቢ ሱዳን  ከም ዝደናገጽ ጠቒሱ። ነቲ ኣብ ሱዳን ዝወርድ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣውን ማሕበራውን ብኩራት ዘኸትሎ ዘሎ ናይ ጥምየት ሓደጋን ከኣ ዘኪሩ። እቲ ንጉስ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ሓደገኛ ኩነታት ዝረኣየሉ ዝሎ እዋን ምስ ህዝቢ ሱዳን ከም ዝስለፍ  ዘመልክት መልእኽቱ  ከኣ ኣመሓላሊፉ። ናይ ህዝቢ ሱዳን ናይ ሰላምን ምርግጋእን ምርጫ ከም ዝድግፍ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ምትእስሳር ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝሕይል ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።

እቲ በቲ ንጉሰ ዝተኸተመ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ሱዳን፡ ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ኩሉቲ ከቢብዎ ዘሎ ኣጨናቒ ኩነታት፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ንዘሎ ታሪኻዊ ዝምድና ግቡእ ኣቓልቦ ክወህቦ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ብሓበሬታ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን  ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቕ ተወርዋሪ  ሓይልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሱዳናውያን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ሓደ ሲሶ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ሓደገና ጥሜት ወዲቑ ኣሎ።

ዓለምለኻዊ ጉጅለ ምክትታል ቅልውላው (international crisis group) ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ 2026 ናብ ዝኸፈ ጐንጺ ከይምዕብሉ ከየስግኡ ዝብሎም ቦታት፡ ንወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወሲኹ ዓሰርተ ሃገራት ጠቒሱ። እተን ግዳይ ናይቲ ገጐንጽን ግርጭታን ከይኮና የስገኣ ዝበለን ሃገራት፡ ቬንዙዋላ፡ ሱዳን፡ ማሊ፡ ብርኪናፋሶ፡ እስራኤል፡ ፍልስጥኤም፡ ኢራን፡ ሚያማርን ኣፍጋኒዝታንን ክብል ዘርዚርወን።

እቲ ኣብ ምእላይ ቅልውላው ዝግደስ ትካል፡ ንሱዳን ኣብ ናይ ውግእ ሓዊ ዘላ ሃገር ኢሉ ብምጥቃስ፡ ኣብክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይእጐድ ዘስግእ ሓዊ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኩለመዳያዊ ህውከት ከይሸሞ ዘለዎ ስግኣት ኣስፊሩ። ክልቲአን ሃገራት ከስመዐኦ ዝጸንሓ ሕያል ቆይቊን ምስሕሓብን  ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘፍርሕ እዩ ኢልዎ። ዓለም ነዚ ስግኣት ግቡእ ቆላሕታ ትህቦ ከምዘየላ እውን ትካል ጉጅለ ቅልውላው ዝሓደሮ ስግኣት ኣመልኪቱ።

ቀዳማይ ሚኔተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኤርትራ ኣንጻር መንግስቱ ዝኾኑ ሓይልታት ብምስልጣንን ብምዕጣቕን ጸገም ትፈጥረሉ ከምዘላ ብተደጋጋሚ ከም ዝኸስስ ኣስፊሩ፡ ኤርትራ ብወገና ኢትዮጵያ ክትወራ ትሸባሸብ ከም ዘላ ስምዕታ ተቕርብ ኣላ ኢሉ። ኣብይ ኤርትራ ንምውራር ዘቕርቦ ምኽንያት ኢትዮጵያ ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ብምዃና ዝብል ምስምስ ምዃኑ እቲ ትካል መስኪሩ። ኤርትራ ከኣ ኢትዮጵያ ነቲ ክሳብ ናጽነት  1993 ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ወደብ ከመልሶ እየ ዝብል ትዕቢት የስምዕ ኣሎ ኢላ ከም እትኸስስ እቲ ጉጅለ ገሊጹ።

ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምምላስን ናይ ኤርትራ ልኡላውነታ ናይ ምዕቃብን ህልኽ፡ ካብ ናይዚ እዋንዚ ኣስጋእቲ ምትፍናናት ምዃኖም እቲ ጉጅለ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ ነቲ ናይ ኣብይ ኣብ ኢትዮጵያ ብ2018 ናብ ስልጣን ምድያብ ተኸተሉ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝነበረ ጽቡቕ ዝመስል ዝምድና ስዒቡ ዝመጸ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።   

ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ብ2018 ዝምድና ምስ ፈጠሩ፡ ድሕሪ 2 ዓመታት ሓቢሮም ኣንጻር ትግራይ ውግእ ምክያዶም፡ ደሓር ግና ኣብይ ኣሕመድ ብ2022 ምስ ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸተሞን ኤርትራ ዘይተሳተፈቶን ስምምዕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ምስሕሓብ ዘምረሐ ነቓዕ ከም ዝተፈጠረ እቲ ጉጅለ ከም ዘስግኦ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኣምሓ ፋኖ ግሁድ ውግእ፡ ኣንጻር ኤርትራ ድማ ናብ ውግእ ከየምርሕ ዘስግእ ምልዕዓል ተካይድ ኣላ  ምስ በለ፡ ኤርትራን ንኣምሓራ ጥራይ ዘይኮነ ንኦሮሞ እውን ንውግእ ንምትብባዕ ትሕግዝ ኣላ ተባሂላ ከም እትኽሰስ ኣስፊሩ። ኣብይ ደጋጊሙ ኢትዮጵያ ብጌጋ ዝሰኣነቶ ኣፍደገ ባሕሪ ከተምለስ እያ እናበለ ከም ዝፍክር  ከኣ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

Friday, 02 January 2026 12:12

Dimtsi Harnnet Kassel 01.01.2026

Written by

መራሕቲ ብርኪናፋሶ፡ ማሊን  ኒጀርን

መራሕቲ ማሊን ብርኪናፋሶን  ከም ግብረ መልሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሚሪካዊ ዜግነት ዘለዎም  ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንበሩ ኣፍሊጦም። እዚ ስጉምቲ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ እገዳ ምንባሩ ተኸቲሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ሓበሬታ እቲ ስጉምቲ ከምቲ ብኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እተን ሃገራት ዝወረደ ምንግልታዕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን እውን ክፍጸም ብዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ማሊ፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ከምቲ ዜጋታትና ናብ ኣሚሪካ ክኣትዉን ኣብኡ ክነብሩን እንከለዉ ብመንግስቲ ዝሕተትዎ ቅድመ ኩነት ኣሜሪካውያን ናብ ሃገርና ክኣትዉ እንከለዉ እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ክቐርቦም እዩ ክብል ኣፍሊጡ። ንሱ እቲ ስጉምቲ ግብረ መልሲ ምዃኑ እውን ጠቒሱ። ብርኪናፋሶ ብወገና እዚ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ቪዛ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዝምድናታት ማዕርነት ልኡላውነት ከተኽብር ቅርብቲ ምዃና ከኣ ኣፍሊጣ።

ብርኪናፋሶን ማልን ኣካል ናይቲ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ፖሊሲ ኣሜሪካ ንኣህጉራዊ ዝምድና፡ ሃገራዊ ጽጥታን ምምካት ፈጠርቲ ራዕድን ብዝብል ሰነድ ኣጽዲቑ ምዝርግሑ፡ ኣብ ዝርዝር ምእጋድ  ካብ ቪዛ ኣሚሪካ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት እየን። ትራምፕ ነቲ ዝወሰዶ ናይ ቪዛ እገዳ፡ “ንድሕነት ኣሜሪካ እዩ” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብወገኑ፡ ከም ምኽንያት ነቲ ናይ ቪዛ እገዳ፡ ንክልቲአን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ዝተወደቡ ፈጠርቲ ረዕድን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝንቀሳቐሱለን እየን ብዝብል እዩ ዝኸሰን። ምስ ማልን ብርኪናፋሶን ሓቢራ  ካብ  ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOWAS)  ዝወጸት ኒጀር እውን ካብተን ብኣሜሪካ ናይ ቪዛ እገዳ ዝተወሰነን ሓንቲ እያ።

እዘን ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝምረሓ ዘለዋ ሰለስቲአን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣቐዲመን ንፈረንሳ ኣርሒቐን ምስ ሩሲያ ብዝፈጠረኦ ዝምድና ኣሜሪካ ብሕማቕ ዓይኒ ክትርእየን ዝጸንሐት እየን። ብፍላይ ማሊ ሓይልታት ሩሲያን 1,500 ዕጡቓት ዋንገርን ናብ ሃገራ ክኣትዉ ዘፍቀደት እያ።

Page 2 of 630