መልእኽቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራዊ መዘንኡ
2026-02-09 08:18:41 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 106 timesወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ጌደዎን ጢመቴዎስ፡ ብ7 ለካቲት 2026 ብቐጥታ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ደብዳበ ጽሒፉ። ኣብ ደብዳበኡ ኤርትራ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ መሬት ሒዛ ከም ዘላን ጠቒሱ፡ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከኣ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾኑ ዓመጸኛታት ትተሓጋገዝ ከም ዘላ ከሲሱ። ቀጺሉ ተግባራት ኤርትራ ምስሕሓብ ምግዳድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወራር ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ካብዚ ተግባራ ከተቋርጽ ብተደጋጋሚ ሓቲትናያ ፈቓደኛ ኣይኮነትን ከኣ ኢሉ።
እቲ ደብዳበ ንልዕሊ 50 ዓመታት ምስሕሓብ መግለጺ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኮይኑ ምጽንሑ ጠቒሱ፡ እቲ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ዘይምትእምማን ብዘተን ዲፕሎማስያዊ መስርሕን ክፍታሕ ከም ዝኽእል እምነት ኣለና ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ካብ ኤርትራ ንመጸዋዕታና፡ ልኡላውነትናን ግዝኣታዊ ሓድነትናን ዘኽብር መልሲ እንተደአ ረኺብና፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኩሉ ሓቆፍን ሓቀኛ እምነትንብ ዘሰንዮ ናይ ሓባር ረብሓ ናብ ምፍትሑ ክኣቱ ቅሩብ ምዃኑ ኣስፊሩ። ካብቶም በቲ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ክውገኑ ዝበሎም ዛዕባታት ከኣ፡ ተጠቃምነት ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብ ዓሰብን ኢትዮጵያ ምርግጋጽ ክብል ዘርዚሩ።
ብምቕጻል ከኣ ሓባራዊ ተጠቃምነትን ምክብባርን፡ ከምኡ እውን ምትሕብባር ንምርግጋጽ ሰላምን ብልጽግናን ኣብ ክልቲኡ ብዙሕ ተመሳሳልነት ዘለዎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረጋገጸሉ ኩነታት ንምፍጣር ድልዋት ኢና ይብል። ኣብ መወዳእታ ድማ ነዚ ደብዳበ ኣብ ክንዲ ህውከትን ዕግርግርን፡ ምእንቲ ሰላምን ዕቤትን ሃገራትናን ዞባናን ብምሕላይ ዝነቐለ ጌርካ ክትረደአ ተስፋ ንገብር ክብል ደምዲሙ። ህግደፍ ነዚ ዝምልከት ቅልጡፍ መልሲ ኣይሃበን።
እዚ ደብዳበ ኣብቲ መጀመርያ ናይ ሓሶት ከይከውንኳ ምጥርጣር ፈጢሩ እንተነበረ፡ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣንበሳደር ነበያት ግና ሓቀኛ ምዃኑ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ተልኦ ናይቲ ደብዳበ ብዝምልከት፡ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ናይ ሰላም ዘይኮነ፡ “ውግእ ንምጅማር ከም መመሳመሲ ዝቐርብ ዘሎ ከይከውን” ዝብል ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸውየ የእትዉ ካብ ዘለዉ ጉዳያት ሓደ፡ ህግደፍ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መወዳእታኡ ከብጽሕ ፈቓደኛ ዘይምዃኑ፡ ምዃኑ ኤርትራውያን ክዝንግዕዎ ኣይግባእን።