ኮሚሽነር ቮልከር ቱርክ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ንክሃድእ ጸዊዑ

2026-02-11 19:46:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 80 times

ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ቮልከር ቱርክ ብ10 ለካቲት 2026 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኩሎም ኣካላት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ካብቲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከይገድድ ኣብ ምህዳእ ንክሰርሑ ጸዊዑ። ኣብዚ  ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ክልል ትግራይ ዕጡቓትን ዝተኻየደ ውግእ፡ ነቲ ወጥሪ ኣዕሪጉ ቅልውላው  ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዘጋደደ ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ። ኣስዒቡ ድማ እቲ ኩነታት ናብ ዝያዳ ኣስጋኢ ከይከድይብ ንሻቐል ኢና  ኢሉ።

ኩሎም እቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላት ብምትሕብባር፡ ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበር ጻዕሪ ንክገብሩ ኣዘኻኺሩ፡ ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን ኣብ ክንዲ ናብ ውግእ ምምላስ፡ ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ዝወስድ ምይይጥ ክካየድ ንክሕግዙ ጸዊዑ።

ብ26 ጥሪ 2026 ኣብ ጸለምቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይን ብዝተፈላለዩ ከበድቲ ኣጽዋር ዝተሰነየ  ውግእ ተኸፊቱ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረ እቲ ኮሚሽነር፡ ድሕሪኡ ግና ዕጡቕ ሓይሊ ትግራይ ብ1 ለካቲት 2026 ካብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታ ከም ዝሰሓበ  ሓቢሩ።

ብሰንክ’ቲ ትግራይን ዓፍርን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ዝተፈጥረ ወጥሪ እውን ብኹሎም ወገናት ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ነይርዎም ብዝብል፡ ሲቪል ሰባት ግዳይ ማእሰርትን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰትን ይኾኑ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ሚልዮናት ሰባት ካብቲ ናይ 2000-2002 ውግእ ጀሚሮም ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ኮይኖም፡ ኣብ ልዑል ሰብኣዊ ጸገም  ወዲቖም ከም ዘለዉን ቁጽሪ ብሰንኪ’ቲ ኩነታት ናይ ዝሞቱ ከምዘፍለጥን ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

እቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል፡ ኩሎም ናይ ቀረባን ርሑቕን ዝምልከቶም ወገናት ኣብ ክንዲ ህውከት ምጽሕታር፡ ናብ ሰላምን ዘተን ከድህቡ ብምዝኽኻር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጐረቤታ ኤርትራን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ወጥርን ከኸትሎ ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላውን ከም ዘሻቕሎ’ውን ኣዘኻኺሩ።

Last modified on Wednesday, 11 February 2026 20:56