ኢትዮጵያውያን ካብ እስራኤል ከም ዝስጐጉ ተሓቢሩ
2026-03-21 20:09:58 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 38 timesመንግስቲ እስራኤል ካብ 17 ሚያዝያ 2026 ጀሚሩ ኣስታት 8 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምስጓግ መደብ ከም ዘለዎ፡ ሚድል ኢስት ኣይ (middle east eye)፡ ዝተባህለት ትካል ዜና፡ ጋዜጣ እስራኤል ሃረተዝ ብምጥቃስ ሓቢራ።
እዚ ዜና ዝተዘርግሐ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ባሕበራት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ነዚ ብ2024 እውን ተወሲኑ ዝነበረ ምስጓግ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንከቋርጾ መጸዋዕታ ድሕሪ ምቕራበን እዩ። እንተኾነ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፈርዲ ናይ እስራኤል ሚኒስትሪ ኢሚግረሽንን ህዝባዊ ጉዳያት ንዘውጸኦ መደብ ምስጓግ እዩ ደጊፉ።
ካብዞም ናይ መንበሪ ፈቓድ ሕቶኦም ተነጺጉ ዝስጐጉ፡ ኣባላት ሕብረተሰብ ፍላሻ ዘይኮኑ 8,000 ኢትዮጵያውያን እቶም ሓደ ሺሕ ዝኾኑ ተጋሩ ምዃኖም ተሓቢሩ። እዞም ተጋሩ መብዛሕተኦም ብሰንክ’ቲ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ናብ እስራኤል ዝኣተዉ እዮም ተባሂሉ።
ፓሎምቦ ዝተባህለ ብሰብኣዊ መሰል ዝጣበቕ እስራኤላዊ ኣካል ብወገኑ፡ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ኢሚግረሽንን ከምኡ እውን ኣብ ምምሕዳርን ምትሓዝ ስራሕን ወጻእተኛታት ዝግደስ በዓል መዚ መንግስቲ እስራኤል ፡ ድሮ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኤል ኣትዮም ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ሕጊ ፈጺሞም ዝበሎም ኢትዮጵያውያን ምእሳር ጀሚሩ ኣሎ ከም ዝበለ፡ ጋዜጣ ሚድል ኢስት ኣይ ብተወሳኺ ሓቢራ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ገለ ሰብኣዊ ትካላት ከም ሓድሽ፡ ኣንጻር እቲ ናይ ምስጓግ መደብ ናይ ምቅዋም ተበገሶ ክወስዳ ይዳለዋ ከም ዘለዋ’ውን ተፈሊጡ። እቲ ዜና ከም ድሕረ ባይታ ከም ዝጠቐሶ፡ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ 2024 መሰረት፡ ልዕሊ 3.3 ሚልዮን ኢትዮጵያውን ብሰንክቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ኣለዉ።