ኣሜሪካዊ በዓል መዚ፥ ስልጣኑ ለቒቑ

2026-03-18 20:20:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 192 times

ብፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝለዓለ መዝነት ተዋሂብዎ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣሜሪካዊ፡ ነቲ ብሃገሩ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብምቅዋም ሃንደበት ካብ ስልጣኑ ከም ዝለቐቐ ማዕከን ዜና ሲኤንኤን (CNN) ሓቢራ።  እቲ ጆሴፍ ካንት ዝተባህለ፡ ኣብ ጸጥታ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸረ ራዕዲ ኮይኑ  ክሰርሕ ዝጸንሓ፡ ብ17 መጋቢት 2026 ኣብ ናይ X ገጹ ከም ዘስፈሮ ነቲ ውግእ ክዕዘቦ ከም ዝጸንሐን ቅኑዕ ከምዘይኮነ ምስ ተረደአ ካብ መዝነቱ ክወርድ ከም ዝወሰነን ምሕባሩ እታ ማዕከን ዜና ኣረዲኣ።

እቲ  ኣሜሪካዊ በዓል መዚ፡ ኢራን ንኣሜሪካ ስግኣት ኣይነበረትን ኢሉ ስለ ዝኣምን ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዝኸፈተቶ ውግእ ዝድግፍ ሕልና ከም ዘየብሉ ምስተገንዘብ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣሜሪካ ብሓያል ጐስጓስ እስራኤል ናብቲ ውግእ ተደፊኣ ከም ዝኣተወት ኣብቲ መሰናበቲ ደብዳበኡ ኣመልኪቱ።

ካንት ኣቐዲሙ’ውን ነቲ ኣሜሪካ እንደጋና ዓባይ ምግባራ (MAGA-Make America Great Again)” ዝብል፡ ፖሊሲ ትራምፕ ዘይድግፍ  ኮይኑ፡ ትራም ንካለይ ዙር ናብ ፕረሲደንትነት ኣሜሪካ ካብ ዝመጽእ ካብ መዝነቱ ዝለቅቕ ዘሎ ቀዳማይ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮይኑ ኣሎ። ምስዚ ከኣ ብዙሓት ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ኣሚሪካ’ውን ኣብቲ ናብ ውግእ  ኢራን ኣእትዩ ኣናተባህለ ክግለጽ ዝጸንሐ መርተዖታትን ኣሰራርሓ ምምሕዳር ስለያን  ዘይዕጉባት ምዃኖም ክጠቕሱ ጸኒሖም እዮም። ጆ ኬነት ኣባል ፍሉይ ሰራዊት ኣሜሪካ ኮይኑ 11 ግዜ ኣብ ውግእ ዝተሳተፈን በዓልቲ ቤቱ ኣብ ውግእ ዝሞተቶን ምዃኑ ድማ ድሕረ-ባይትኡ የመልክት።

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ንስንብታ ጆ ኬንት ጽቡቕ እዩ” ድሕሪ ብምባል፡ ኣብ ስለያ ድኹም ምንባሩ ዘመልክት እዩ ኢሉዎ። ምሳና እናሰርሑ ኢራን ስግኣት ኣሜሪካ ኣይነበረት ዝብሉ ዘይብቑዓትን ኣርሒቖም ዘይርእዩን ብምዃኖም ኣየድልዩናን እዮም ከም ዝበለ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።

Last modified on Wednesday, 18 March 2026 21:33