ዘስተውዕል ካብ ውግእ ኢራን ይመሃር
2026-03-22 12:09:09 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 32 timesኣብዚ ዝሓለፈ እዋን፡ “ምፍጣጥ ኣሜርካን እስራኤል ኣንጻር ኢራን ናብ ውግእዶ ይዓርግ ይኸውን?” ዝብል ኣካታዒ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ገለ ወገናት ናይ ኣሜሪካ ሰራዊትን ዕጥቅን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ምጉራትን ናይ ትራምፕ ስምዒታውነትን ተገንዚቦም፡ “ውግእ ዘይተርፍ እዩ” ክብሉ እንከለዉ፡ ካለኦት ብወገኖም ከኣ ኣንጻር ኢራን ውግእ ምኽፋት ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ፡ ውግእ ኣይክካየድን እዩ ክብሉ ጸኒሖም። ብ28 ለካቲት 2026 ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝወሰደኦ ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ድማ እቲ ክትዕ መዕለቢ ረኺቡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ሰጊሩ።
ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኩነታት ነቲ “ውግእ መእተዊኡ እምበር መውጽኢኡ ብሓደ ወገን ዝውሰን ኣይኮነን” ዝብል ኣብ ዘረጋግጽሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ናይ ፕረሲደንት ትራምፕ መውጽኢ ንምርካብ ውጥይጥይ ምባል ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ኣሜርካን እስራኤልን ርሑቕ ከይከዳ ነቲ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩኩረይንን ዝካየድ ዘሎ መዕለቢ ዘይተረኽቦ ኣዕናዊ ውግእ ክመሃርሉ መተገበአ። እንተኾነ ብፍላይ ፕረሲደንት ኣሜሪካ በቲ ኣብ ቬንዝዋላ ዝወሰዶ ዓመጸኛ ስርሒት ክሰክር እምበር፡ ካብቲ ዝተናውሐ ውግእ ሩሲያን ዩክረይንን ሳዕቤኑን ክመሃርን ስሩዕ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ክኽተል’ኳ ትዕግስቲ ኣይነበሮን።
ክንዲ መራሒ ዓባይ ሃገር ዝኣክል ፕረሲደንት፡ እቲ ውግእ ብናቱ ድሌትን ሓያልነትን ጥራይ ዝውሰን መሲልዎ፡ ብተደጋጋሚ “ኣብ መዓልታትዶ ኣብ ሳምንታት ክውደኦ እየ” ክብል ተሰሚዑ እዩ። ሳዕቤኑ ከኣ ኣብቲ ዝጥቃዕ ኣካል ዝደረት ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘጥቅዕ’ውን ዘሕድሮ መዘዘ ከም ዘሎ ዘይምርድኡ እቲ ናይ ቅድሚ ውግእ ጃህርኡ መስካሪ ነይሩ። ብግብሪ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወረደ እዚ ዝጐድሎ ዘይበሃል ኩለ-መዳያዊ ዘስካሕክሕ ብርሰት ምግማቱ ዘጸግም ኮይኑ፡ ንኣሜርካን ደገፍታ ኣብቲ ዞናን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ እስራኤል ቅሳነት ሒዝሉ ዝመጸ ኣይኮነን።
ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ጉጅለ ሓሰብቲ (think tank) ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣሜሪካ ኣብ ውግእ ኢራን መዓልታዊ ልዕሊ 890 ሚልዮን ዶላር ተውጽእ ኣላ ዝበሎን፡ ካልእ ተመራማሪ ብወገኑ እቲ ውግእ ጠቕላላ ዝያዳ 95 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ክሓትት እዩ ክብል ዝጠቐሶን ቁጠባዊ መልእኽቱ ናብ ኣሜሪካ እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይኮነን።
ውግእ ዝወስዶ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተላቢዑ ዝጸልዎ ስፍሓትን ዝጐዓዞ ርሕቀትን’ውን ኣቐዲምካ ምግማት እምበር ርግርጸኛ ኮይንካ ምድራቱ ኣይከኣልን። ብሰንክ’ዚ እቲ ውግእ ብዘይካ ኣብ ኣሜሪካ፡ እስራኤልን ኢራንን ብሓፈሻ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ወተሃደራዊ መደበር ኣሜሪካ ዝርከበን ጐረባብቲ ኢራን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ዘኸትሎ ዘሎ፡ ሰብኣዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ክሳራን ስግኣትን ኩሉ ዝርእዮ ዘሎ እዩ። ናይ ብዙሓት ሃገራት መጻረይ ነዳዲን ጋዝን፡ መንገዲ ኣየራትን ባሕርን ስራሕ ምቁራጹ ሳዕቤኑ ካብተን ሃገራት ሓሊፉ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናይ መገሻን ቁጠባን ቅልውላው ይፈጥር ኣሎ። ብፍላይ ምስ ምዕጻው ኣብ ምትሕልላፍ ነዳዲን ካልእ ቀረባትን ዝጸዓና መራክብ ወሳኒ ግደ ዘለዋ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ብደረጃ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ፡ ክብሪ ነዳዲን መሰረታዊ ኣቑሑትን ኣብ ከመይ ዝኣመሰል ዘስግእ ደረጃ በጺሑ ከም ዝርከብ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን።
ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታትን ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕትን ቅድሚ ምጅማር ናይቲ ውግእ ይህብዎ ንዝነበሩ ምኽርን ስምዕታን ሸለል ኢሉ፡ ካብ ዝኣተዎ ውግእ ምውጻእ ምስ ጸገሞ ግና፡ ንሓንሳብ ብደረጃ ወተሃደራዊ ትካል ኔቶ ንሓንሳብ ብደረጃ ሕብረት ኤውሮጳ ካብኡ ሓሊፉ ብደረጃ ውልቀ-ሃገራት ናይ “ካብዚ ኣትየዮ ዘለኹ ጸበባ ኣውጽኡኒ” መጸዋዕታ የቕርብ ኣሎ። እንተኾነ ብማእከላይ ገምጋም፡ ናይቶም ዝጸወዖም ኣካላት መልሲ “ኣብ ሰላማዊ ፍታሕ እምበር ኣካልቲ ምስ እስራኤል ኮይንካ ዝኣጐድካዮ ምስጢሩ ዘይንፈልጦ ውግእ ኣይንኸውንን ኢና” ዝብል እዩ።
ሓላፊት ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ብሩሰልስ “ዝኾነ ኣካል ሃስያ ብዘውርደሉ ኣገባብ ኣብ ጉዳይ መጻብቦ ሆርሙዝ ኢዱ ኣይከእትውን እዩ፡ ነቲ መጻብቦ ንምኽፋት ውግእ ዘይኮነ ዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ክንደልየሉ ኢና ንደሊ። ብምዕጻው እቲ መጻብቦ ብቐጥታ ናይ መግቢ፡ ድኹዕን ጸዓትን ምትሕልላፍ ጸገም የብልናን” ዝበለቶ፡ ናብ ፕረሲዳንት ትራምፕ “ከምታ ባዕልኻ ዝኣተኻያ ባዕልኻ ውጽኣያ” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ።
ፕረሲደንት ኣሜሪካ ካብ ተመኩሮ ክመሃር ድልዊ እንተዝነብር፡ ናይ ካልኦት ሃገራት መዝገብ ከይገንጸለ ንተመኩሮ ሃገሩ ኣብ ውግእ ሶማልያ፡ ቬትናምን ካለኦት ዝተሳዕረትሎምን’ኳ ክውከስ መተገበኦ። እንተኾነ “ኩሉ ግዜ ፋስጋ” መሲልዎ ብውሕጅ ትዕቢተኛ ስርሒት ቬንዙዋላ እዩ ተወሲዱ። ንኩለ-መዳያዊ ኣካዋውና ቬንዝዋላን ኢራንን ብሓደ ዓይኒ ምርኣዩ ከኣ ናይ ጉዳያት ኣተሓሕዛ ስንክፍናኡ ዘመልክት ጌርካ ዝውሰድ እዩ። እቲ ኣብ ዖማን ዝቐጽል ዝነበረ ዘተ ኣሚሪካን ኢራንን ኣብ መስርሕ እናሃለወ፡ ኣቋሪጹ ናብ ውግእ ምእታዉ ከኣ፡ ክሳብ ክንደይ ብህርፋን ውግእ ሰኺሩን ብስብከት እስራኤልን ሓበሬታ ሞሳድን ተመሲጡን ከም ዝነበረ ዘርኢ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ከም ናይ ዶናልድ ትራምፕ ብዝኣመሰለ ዘይምኽኑይ ውግእ ዝሰኸሩ እሞ፡ “ሎሚኸ ካብዚ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ውግእዶ ይመሃሩ ይኾኑ?” ኢልካ እትሓተሎም መንግስታት ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ካብዚ ዞባና ኣብነት ንምውሳድ መንግስቲ ብልጽግና ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ወራር ንምፍጻም ዘወጣውጦ ዘሎ ተጠቃሲ እዩ።
ከምቲ ሳዕቤን ውግእ ኣብ ዝመረጽካዮ ከባቢ ጥራይ ኣይድረትን እዩ ዝተባህለ፡ ብልጽግና ኣብቲ ዝሓልሞ ከይበጸሐ፡ በዚ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ’ውን ተጸላዊ እዩ። እቲ ጽልዋ ናይ ቀረባ መስነቒቱን መዕጠቒቱን ኢማራት ኣብ ወጥሪ ብምህላዋ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ብእዋናዊ ውሽጣዊ ኣተሃላልዋኡ እውን ቀልጢፉ ብኣሉታ ንክጽሎ ዝተቓለዐ እዩ። ጌና ኣብ መጀመርታ ሰንቢዱ፡ ብሕጽረት ነዳዲ ክጣራዕ ጀሚሩ’ሎ። ብመንጽርዚ ካብቶም ካብ ውግእ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ተማሂሮም ስላሕ ኢሎም ኢደ-እግሮም ክእክቡ ዝግበኦም መንግስቲ ብልጽግና ሓደ ንክኸውን ድማ ነዘኻኽሮ።