ሓያል ምስሕሓብ መስጦፌ ኣሕመድን ኣብይ ኣሕመድን
2026-03-20 20:11:24 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 290 timesኣብ መንጎ ፕረሲደንት ክልል ሶማሊያ መስጦፌ ኣሕመድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ሓያል ምስሕሓብ ይፍጠር ከም ዘሎ፡ “ግሎባል ሳት (Global SAT)” ዝተባህለ ትካል ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እቲ ወጥሪ ዝተፈጥረ ኣብይ ኣሕመድ ንሙስጦፌ ካብ ናይ ክልል ፕረሲደንትነት መዝነቱ ከውርዶ እዩ ዝብል ሓበሬታ ምስተሰምዐ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
እዚ ሓበሬታ ዝበጽሖ ሙስጦፌ ኣሕመድ፡ ምስ ናይ ክልሉ ካቢነ ኣብ ዘካየዶ ዕጽዊ ኣኼባ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ “ኣብይ ነዓይ ካብ መዝነት ንምውራድ ዝሓስቦ ዘሎ ሓደገኛን ንኢትዮጵያ ዘፍርስን ክኸውን እዩ። እንተኾነ ቅድሚ ንሱ ኣብ ልዕለይ ስጉምቲ ምውሳዱ ነዛ ሃገር ከፍርሳ እዩ። ንሕና ክልል ሶማሊያ ከኣ ክሳብ ትፈርስ ንዕጸው ዘይኮና ምርጫና ክንወስድ ኢና” ዝበሎ ብድምጺ መሊቑ ከም ዝወጸን ኢትዮፎረም ብዝተባህለ ዩቱብ ከም ዝተቓለሐን ትካል ግሎባል ሳት ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።
ፕረሲደንት መስጦፌ ኣብይ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ ተወሳኺ ቃል፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መስርሕ ዲሞክራስን ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ንተቓወምቲ ዘግለለ ዘይግሉጽን ዘይፍትሓውን መስርሕ ምርጫን እምነትን ዕግበትን ከምዘየብሉ ምጥቃሱን እውን ተሓቢሩ። ህዝቢ ክልል ሶማሊያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምምሕዳር ብሰላማዊ ቃልሱ ከም ዘረጋገጾ ብምጥቃስ፡ ሶማሊያ ናታ ናጻ መንግስቲ እንተመስሪታ፡ ኣብ ዞባ ደገሃቡር ከም ዝምረጽ ርግጸኛ ምዃኑ ከኣ ኣፍሊጡ።
ናይዚ ምስሕሓቦም ጠንቂ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ፡ ናብዚ ደረጃ’ዚ ዝበጸሐ ግና ኣብይ ኣሕመድ ንሙስጦፌ ኣብ ናይ ሸውዓተ ዓመት ዕድመ ፕረሲደንትነቱ ካብቲ ኣብቲ ክልል ክዕመም ዝነበሮ ስራሓት 2% ጥራይ እዩ ኣሳሊጡ ስለ ዝበሎ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነቲ ፕረሲደንት ብከምዚ ዝገለጾ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ከተማ ጅጅጋ ምስ መራሕቲ ጅቡትን ሶማሊያን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ምዃኑ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ።