ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ስኽፍተኦም ገሊጾም

2026-05-17 20:02:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 88 times

መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝትግበረሉ መስርሕ ንክኽተሉ ኣጥቢቖም መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ነዚ ዝገለጹ፡ ብ15 ጉንበት 2026 ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ እዮም።

እቶም መራሕቲ ነዚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝፍጠር ዘሎ ወጥሪ ከም ዘሻቕሎም ዝገለጽሉ መግለጺ ዘውጽኡ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ 10ይ ዓመታዊ ርክብ ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ክዛዝሙ እንከለዉ እዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺኦም፡ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን ግደ ከም ዝህልዎ ጠቒሶም፡ ናይቲ ስምምዕ ፈረምቲ ኣካላት ዝኾነ ጸገም ከጋጥም ኣንከሎ፡ ንምፍታሑ ህዱእን ሓላፍነታውን ኣገባብ ክጥቀሙ ጸዊዖም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ዞባዊ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ  ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበረሉ ኩሉ ከተግብሩ ቅሩባት ምህላዉ ኣመልኪቶም።

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘመልከቶ፡ እቲ ብ2022 ዝተኸተመን ተኹሲ ጠጠው ምባል ዘኽኣለ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብዚ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ግና እናተዳኸመ መጺኡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝለዓለ ወጥሪ ከም ዝወደቐ ጠቒሱ። ኣብዚ እዋንዚ ክልል ትግራይ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ብዘይምግባሩ ክኸሶ እንከሎ፡ ፈደራል መንገስቲ ብወገኑ ንመራሕቲ ክልል ትግራይ ምስ ናይ ኤርትራን ሱዳንን ናይ ወጻኢ ሓይልታት  ዘይሕጋዊ ዝምድና ብምፍጣር ኢትዮጵያ ይዘርጉ ኣለዉ ኢሉ ከም ዝኸሶም እቲ መግለጺ  ኣስፊሩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፕረሲደንት ኮይኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክመርሕ ዝተመዘ ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ መዝነቱ ምውራዱን ብመሰረት ናይ ቅድሚ ውግእ ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ ናብ መዝነት ዝመጸ ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ነቲ ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ቅልውላው ዝያዳ ከም ዘዕረጎን ድማ እቲ መግለጺ ኣስሚርሉ።

እቲ መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ስተፈላለዩ ኩርነዓት ኣፍሪቃ ዘለዉ ጸጋማት እውን መፍትሒ ይኸውን ብዛዕባ ዝበሎም ዳህሳሳዊ ጉዳያት ኣቕሪቡ።

Last modified on Sunday, 17 May 2026 22:08