Print this page

ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 4ተ ዓመት ዝካየድ ክኸውን’ዩ

2025-12-22 12:51:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 52 times
Rate this item
(0 votes)

ፕረሲደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ፓትሪክ ሞትሰፐ

ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (CAF)፡ ኣብ ክንዲ’ቲ ኣብ ከክልተ ዓመት ክካየዶ ዝጸንሐ ውድድር፡ ካብ 2028 ንደሓር ከምቲ  ናይ ዓለም ውድድር ኣብ 4ተ ዓመት ዝካየድ ከም ዝኸውን እቲ ኮንፈደረሽ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኮንፈደረሽን ኣስታት 80% ኣታዊኡ ዝረክብ፡ ካብዚ ብ1957 ጀሚሩ ኣብ ከክልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ውድድር እዩ። ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ መበል 35 ዙርያ ውድድር ኣፍሪቃ ኣብ ቅነ ሓድሽ ዓመትን ልደትን ዝጅመር ኮይኑ፡ 18 ለካቲት 2026 ክፍጸም ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ኣብ 2027 ኡጋንዳ፡ ኬንያን ታንዛንያን ብሓባር ከሰናድእኦ ኣቐዲሙ ተመዲቡ ዘሎ ውድድር ምስተፈጸመን ኣብ 2028 ሓደ ውድድር ድሕሪ ምክያዱን እቲ ኣብ 4ተ ዓመት ዝካየድ ሓድሽ ኣገባብ ውድድር ብ2029 ከም ዝጅመር ናይቲ ኮንፈደረሽን ፕረሲደንት ፓትሪክ ሞትሰፐ ኣፍሊጡ።  እዚ ሓድሽ መወዳዳሪ መደብ ካብ ተመኩሮ ሊግ ኤውሮጳ ዝተወስደ ቅዲ ምዃኑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እዚ ሓድሽ ኣገባብ እቲ ኮሚሽን ምሉእ ብሙእ ብገንዘባዊ ኣታዊኡ ነብሱ ዝኽእለሉ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን እቲ ፕረሲደንት ናይቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

እዚ ሓድሽ መደብ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተታሕዘ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ዘይተተግበረሉ ኣብ ኣታዊ ናይቲ ኮሚሽን ከኸትሎ ዝኽእል ስግኣት ምዃኑ  ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እቲ ካልእ ምኽንያት ኣብ ኤውሮጳ ዝጻወቱ ኣፍሪቃውያን ክኢላታት ናብቲ ናይ ኣህጉሮም ኣፍሪቃ ውድድር ስለ ዝመጹ፡ ምስቲ ኣብ ወጻኢ ዝወዳደርዎ ከምዘይጋጮ ጌርካ ምስራዕ የድሊ ምንባሩ’ውን ከም ተወሳኺ ምኽንያት ተጠቒሱ። እዚ ናይ 2025 ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ውድድር ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ኣሚሪካ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ውድድር ብዝተናበበ ከም ዝተሰርዐ ድማ ተጠቒሱ።

ኢትዮጵያ ብ1962 ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ዝኾነትሉ፡ ኣብታ ጋንታ ተሰለፍቲ ካብ ዝነበሩ 11 ተጻወቲ፡ እቶም 8 ካብ ኤርትራ ዝተመርጹ ምንባሮም መዛግብቲ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ የመልክት። ኤርትራ ናጻ ሃገር ድሕሪ ምኻና ኣብ ዝካየድ ውድድራት ግና፡ ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዋላ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ መጻረይ ግጥማት ናይ ዘይሳተፋ  ሃገራት ኣብነት እያ።

Last modified on Monday, 22 December 2025 14:02