ምልክታ
ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨንናፍር ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2016 ምስንዳኣት ጀሚሩ። ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን እዩ፡ ካብ ዕለት 12-14 ነሓሰ 2016 ( 12 - 14.08.2016) ዘሎ ግዜ ንኽካየድ፡ድሮ ኣሳናዳኢት ሽማገለ በዓል ተመዚዛ ስራሓታ ጀሚራ ዘላ። እዚ ታሪኻዊ ሰፊሕ በዓልዚ፡ ጀርመናውያን ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን በርጌሳውያን ማሕበራቱን ምስ ተሳታፊ በዓል ዝኾነ ህዝቢ ኣራኺቡ፡ ዓውደ ልዝብን ሕድሕዳዊ ናይ ሓሳባት ምርድዳኣን ምልውዋጥን ዝፈጥር መኣዲ እዩ።
ስለዚ ድማ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝጽዕቱ ኣካላት ኣብዚ ካብ ዕለት 12 ክሳብ 14 ነሓሰ 2016 ዝውዕል ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ንኽሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።ኣ ሳናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ነዚ ዕድመ'ዚ ከቕርብ እንከሎ፡ናይ ምድላው ሓላፍነት ከምዝወሰደ የመልክት ምህላዉ እንተዘይኰይኑ፡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራን ኩልና ውጹዓት ዜጋታት ብፍላይ፡ንሰላምን ዕብየትን ዝሓልሙን ዝተግሁን መሓዙት ህዝብናን ዝምልከት እምበር፡ ዝኾነ ይኹን ሓለፋታት ስለዘለዎ ኣይኰነን። በዚ ኸኣ፡ ነቲ ጉዳይ ካብ ናተይ ናትካ ወጺና፡ ኣብ ቀንዲ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ረጊጽና፡ ብዙሕነት ውዳቤታትናን ብዘየገድስ ንሓባራዊ ዓወት ሰፊሕ በዓል ብሓላፍነት ክንብገስ ብኽብሪ ነዘኻኽር።
መደባት ሰፊሕ በዓል/ፈስቲቫል 2016 ንዝካየደሉ ቦታን ኣብ ዝስዕብ ክሕበር እዩ።
ብስኒትን ሓባራዊ ስራሕን ክንዕወት ኢና !!!
ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ፍራክፎርት 2016
20.02.2016