ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኣወሃህባ ቪዛ ንኢትዮጵያውያን ዝተወሰኑ ሕግታት ክድረቱ ከም ዝወሰነ ብ29 ማዝያ 2024 ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቪዛ ዝሓቱ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከይረኽቡ ካብ ዝበሎም፡ ብኢትዮጵያውያን ቪዛ ንምርካብ ዝቐርቡ መረጋገጽታት፡ ሕቶ ድርብ ቪዛን ምንጻግ ናጻ ቪዛ ፍሉይ (ቪኣይቪ) ፓስፖርት ንዝሓዙን ከም ዝርከብዎም እቲ ውሳነ ናይቲ ሕበረት ኣፍሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ቪዛ ንምርካብ 15 መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ መስርሕ ናብ 45 መዓልታት ከም ዝደይብ እውን ተፈሊጡ።
ሕብረት ኤውሮጳ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ አክውስን ዘገደዶ ኢትዮጵያ ኣብ ኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ዝተረኽቡ ዜጋታታ ክትቅበል እተርእዮ ምትሕብባር እኹል ዘይምዃኑ ኣብቲ መግልጺኡ ተጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዜጋታቶም ክቕበሉን ናይ ህጹጽ ግዜ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክህቡ ተሓቲቶም ብቕንጡፍ ዘይምልሱ ምዃኖምን ምስ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ዘይምትሕብባሮምን ተወሳኺ ምኽንያት ነቲ ውሳነ ምዃኑ ኣስፊሩ።
እዚ ንኢትዮጵያውያን ቪዛ ኣብ ምሃብ ናይ ምንጥልጣል ውሳነ ግዝያዊ ኮይኑ፡ መዓስ ከም ዘብቅዕ ኣይተጠቕሰን። ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ውሳነ መዓስ ከም ዝቕይሮ ከጽንዖ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም።