ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምበስደር ማይክ ሃመር፡ ካብ 8 ክሳብ 19 ጉንበት 2024 ናብቲ ዝተላእከሉ ዞና ከምዝገሸ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ሓቢሩ። እቲ ልኡኽ ከም ኣካል መገሻኡ ኣብ ናይሮቢ ንኬንያን ኣመሪካን ኣብ ዘገድሱ ሓባራዊ ዞናዊ ብደሆታት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይታ ሃገር ከም ዝመያየጥ ተሓቢሩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ምስ ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ርክባት ከካይድ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ምስዞም ኣካላት ዝዘራረበሉ ዛዕባ ንመስርሕ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝምልከት ከም ዝኸውን ኣብቲ መገልጺ ተጠቒሱ። እቶም ኣብ ኣተገባብራ ዝረአዩ ፍልልያት ንድሕሪት ናብ ጐንጺ ከይምለሱን ብፖለቲካዊ ልዝብ ዝፍተሕሉ መንገዲ ምርካብን ኣብ ዝምልከት ዓሚቕ ልዝብ ከካይድ ትጽቢት ኣሎ።
ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግኣት ብዘተ ዝፍተሓሉ መንገዲ ኣብ ምርካብ ማይክ ሃመር ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝመያየጥ እቲ ንመገሻኡ ኣመልኪቱ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸንሓሉ፡ ኣብ ጅቡቲ ከኣ ብዛዕባ ዞባውን ጸጥታውን ኩነታት ምስ ሓለፍቲ እታ ሃገር ከም ዝመያየጥ ተፈሊጡ።
ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኣስመራ ብዘሎ ኤምባሲኣ ኣቢላ ብዘውጸኣቶ መግለጺ ንላዕለወት ሓለፍትን ስድሬቤትን ናይታ ሃገር ዘየጠቓልል ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክትህብ ምዃና ምሕባራን፡ ድሮ ኣሸሓት ኤርትራውያን ከመልክቱ ቅሩባት ከም ዘለዉን ተሓቢሩ’ሎ።